ድለ

ብፁዕ አቡነ መንግሥተኣብ ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ብፁዕ አቡነ መንግሥተኣብ ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ 

መልእኽቲ ሓዲስ ዓመት 2012 ዓምግ ብፁዕ አቡነ መንግሥተኣብ ሊቀ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤ

“ሓቅስ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ!” ርእሰ ዓመት ፩ መስከረም ፳፻፲፪ ዓ.ም.ግ. ፣ 12 መስከረም 2019 ዓ.ም.ፈ.
ብድምጺ ንምክትታል!

ክቡር ሕዝበ እግዚኣብሔር፥

“ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ፍቕሪ ኣምላኽን ኅብረት መንፈስ ቅዱስን ምስ ኲላትኩም ይኹን” (2ቆሮ 13:13)።

እንሆ ሎምዘመን እውን እግዚኣብሔር ካብ ዓመተ ሉቃስ ናብ ዓመተ ዮሓንስ ብደኃነ ሰላም ከሳግረና ከሎ፥ ስለዝፈትወናን፥ ህያብ ሓዲሽ ዓመት፥ ሓዲሽ ሕይወት፣ ሓዲሽ ዕድል፣ ክህበና ስለዝደለን እዩ። ንሕና ከኣ እዚ ኲሉ ጸጋ ካበይ ኮነለይ ቢልና ብምስጋና ተቐቢልና ንስርሓሉ ፣ነፍርየሉውን። ብፍላይ ነዚ እንኣትዎ ዘሎና ዘመነ ዮሓንስ ብመንፈስ ቅንዕናን ሓቅነትን ክንነብሮን ከይተሓለልና ድማ ንፍትሕን ንሰላምን ንዕርቅን ዝከኣለና ክንገብር ንዕደም ኣሎና። ዕርቀ ሰላም ብሓቅነትን ብቅንዕናን እንተደለናዮ እዩ ዝመጽእ። ሓቅን ሓሶትን ተደባሊቑ፣ ሰብ ተደናጊሩ ኣብ ዝርከበሉ ጽንኩር እዋን ንሓቅን ንቅንዕናን ፍሉይ ትኲረት ክንህብ ኣድላዪ ይኸውን።

እቲ “ሓቅስ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትወጽእ”፥ ወይ ከኣ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝብል ምስላ ቀዳሞትስ ብርግጽዶ ይስርሕ ኣሎ እዩ ኣብ ዘብል ጊዜ ኢና ንርከብ ዘሎና? ሓቂ ተቐቢራ ዝተረፈት ወይ ከኣ ምቕጣን ጥራሕ ዘይኮነ ጭራሽ ዝተሰብረት እያ ትመስል ዘላ። እዚ ዝተጠቕሰ ምስላታት ዝሰርሕ ዝነበረ ከምቲ መጽሓፍ ሲራክ ዝብሎ፣ ሰባት ፈሪኃ እግዚኣብሔርን  ፍቕሪ ሓቅን ተኣማንነትን ስለዝነበሮም እዩ። “ምእንቲ ሓቂ ክሳዕ ሞት እውን እንተኾነ ተጋደል፣ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ባዕሉ ክዋግኣልካ እዩ” (ሲራ 4 ፥ :28)። ኣብዚ ከኣ “ሎሚኸ ከምኡ እንገብር ንህሉዶ ንኸውን? ንሕና ንርእስናኸ ምእንቲ ሓቂ ምሞትናዶ?” ዝብል ሕቶታት ክመጽኣና ባህርያዊ እዩ። በዚ ሎሚ ጊዜ፣ ከምቲ ነቢይ ኢሳይያስ፣ “ፍርዲ ድማ ንድሕሪት ኣቢሉ ተመልሰ፣ ጽድቂ ከኣ ኣብ ርሑቕ ቆመ፣ ሓቂ ኣብ ኣደባባይ ወደቐ፣ ቅንዕናውን ኪኣቱ ኣይተኻእሎን። እወ ሓቂ ተሳእነ፣ እቲ ካብ ዘመተ ዚርሕቕ ድማ ርእሱ ንዘመተ ይውፊ” (ኢሳ 59: 14-15) ዝበሎ ኮይኑና ከይህሉ የስግእ እዩ። ኣወ፣ ብእውነት ሓቂ ተሳኢኑ፡ ደቂ ሰብ ኣብ ጊዚያዊ ጠቕምን ፖሊቲካዊ ዓወትን ኣተኲሮም “ንሕጂ ጥራይ ይቕናዓና እምበር ወላ ነቲ ሓሶት ሓቂ፣ ንሓቂ ድማ ሓሶት ኣምሲልና” ከነቕርብ ጸገም የልቦን ኣብ ዝበሃለሉ እዋን ኢና ንርከብ ዘሎና። ኣሞጽ ነቢይ ንሕዝቢ እስራኤል “ንስኻትኩም ነቲ ብቅንዕና ዚዛረብ ትፍንፍንዎ” (ኣሞ 5:10) ይብሎም ከምዝነበረ ሓቂ ዝዛረብ ሰብ፣ “የዋህ”(ሎሚ ዓሻ ማለት እዩ ዘስምዕ) ኣብ ዝበሃለሉ ጊዜ ኢና በጺሕና ዘሎና። ሓቂ ንምጥምዛዝ፣ ሓቂ ንምቕባር ዝከኣለና ንገብር ዘሎና ንመስል። ገለ ጸገም ምስዝርከብ ድማ ኲሉ “ኣጋጣሚ” እዩ “ጸገም የለን” ንብል። በዚ ምኽንያት እዩ እቲ ለባም“ሓቂ ክትምስክር ከሎኻ ሓቂ ትወጽእ፣ ሓሶት ክትምስክር ከሎኻ ግና ሓቂ ትጠፍእ” (ምሳ 12:17) ዝበለ። ንሕና ኣመንቲ ግን ከም ክርስቶስ መድኃኒና መስከርቲ ሓቂ ክንከውን ኢና ተጸዊዕና። እሞ ከመይ ኣሎና? “ኲሉ እንድዩ ዝገብሮ ዘሎ፡ ንበይነይዶ ክጸድቕ ኮይነ” እናበልናዶ ጊጉይን ሓሶትን ምዃኑ እናፈለጥና ንፍጽሞ ኣሎና?

“ሓሶትሲ እንተ ተደጋገመ፡ ሓቂ ይመስል” ከምዝበሃል ሎሚ፡ ራድዮን፡ ጋዜጣን ተለቪዥንን ኢንተርነትን ሓቂ ንምምሳል ይቀዳደማ። ሓቂ ድዩ ኣይኮነን? ኣይኮነን እቲ ሕቶአን። እቲ ቀንዲ ሕቶአን መን ቀዲሙ የእምን? መን ዝያዳ የምስል? እዩ ኮይኑ ዘሎ። ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝበሎ፣“እዚ ከኣ ነቲ መለኮታዊ ሓቂ ናብ ሓሶት ስለዝለወጥዎ”” (ሮማ 1:25) እዩ።“ሓሶት ክበሃል ከሎ ንኸተጋጊ ኢልካ ልብኻ ሓቁ እናፈለጦ፣ ዘይኮነ ምዝራብ እዩ። ጐይታ ድማ ንሓሶት ከም ግብረ ሰይጣን ይዂንኖ። ‘ንስኻትኩም ካብ’ቲ ኣቦኹም ዲያብሎስ ኢኹም---ሓቂ ኣብኡ ስለዘየልቦ’ውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዕን እዩ። ሓሳዊ ንሓሶት’ውን ኣቦኣ ስለዝኾነ ሓሶት ክዛረብ ከሎ፣ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ (ዮሓ 8:44)” (መ.ሃ.ቊ2482)። እቶም መማህራን ሕጊ ንሶስና ብሓሶት ምስ ከሰስዋ፣ ዳንኤል ነቢይ ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢሉ፣ “ኦ ሕዝቢ እስራኤል! ክሳዕ ክንድዚዶ ዓያሹ ኢኹም? ከይመርመርኩምን ብቑዕ ምስክርነት ከይረኸብኩምሲ ንሓንቲ ጓል እስራኤል ከምዚ ጌርኩም ንሞት ክትፈርዱዋ?”(ዳን 13:48) ብምባል ንሓቂ ደው በለ፣ ነታ ንጽሕቲ ጓል እስራኤል ድማ ተጣቢቑ ሓራ ከምእትወጽእ ገበረ። ሎሚኸ ከምኡ ጌቢርናዶ ንሓቅን ንውጹዕን ደው ንብል? በንጻሩ እኳ፡ ብዝበዝሕ ባህሊ ሓሶት ሰፊሑ ባህሊ ሓቂ ተዳኺሙ ከይህሉ ዘየስግእ ኣይኮነን። “ሕማቕ ዘበንሲ ካብቲ ሽዑ ዝገብረካስ፣ እቲ ዝገድፈልካ” ከምዝበሃል፡ ሎሚ ንሓዋሩ ከትእርሞ ዘሸግር ልማዳት ሳዕሪሩ ኣሎ። ብቀሊሉ ናይ ሓሶት መርዓ፡ ናይ ሓሶት ስም፡ ናይ ሓሶት ሸርፊ፡ ናይ ሓሶት ጸጉሪ፣ ናይ ሓሶት ስኒ፣ ናይ ሓሶት ዕድመ፡ ናይ ሓሶት ምስክር ወረቐት፣ ከም ንቡር ተወሲዱስ ብኅሊናና እውን ኣብ ዘይንውቀሰሉ ደረጃ በጺሕና ንርከብ ኣሎና። እዚ ከኣ ካብ ዋሕዲ እምነት ዝምንጩ ኲነታት እዩ። መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ነቶም ካብ ንሓቂ ንሓሶት ክኣምኑ ዝመርጹ ዝነበሩ ኣይሁድ “ኣነ ሓቂ ስለዝዛረብ ኣይትኣምኑንን----ሓቂ ዝዛረብ ካብ ኮንኩኸ ስለምንታይ ዘይትኣምኑኒ? እቲ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ንሱ ንቃል ኣምላኽ ይሰምዕ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣምላኽ ኣይኮንኩምን፣ ስለዚ ኢኹም ዘይትሰምዑ” (ዮሓ 8:45-47) ክብሎም ተረኽበ። ባዕሉ “መንገድን ሓቅን ሕይወትን ኣነ እየ” (ዮሓ 14:6) ኢሉና እዩ። ነቢይ ኢሳይያስን ቅዱስ ጴጥሮስን እውን “ንሱ ኃጢኣት ኣይገበረን፡ ሓሶትውን ኣብ ኣፉ ኣይተረኽበን” (1ጴጥ 2:22 ኢሳ53፡9) ይብሉና። ክርስቶስ ሓቂ ብርእሳ፡ ብርሃን ብርእሳ፡ ሕይወት ብርእሳ፡ እዩ። ንእኡ እንተተኸቲልና ከኣ ሕይወትና ወትሩ ኣብ ሓቂ ዝተመስረተት ክትከውን እያ።

ቅዱስ ዮሓንስ እውን ኣብታ ቀዳመይቲ መልእኽቱ ኣነጺሩ “ንሕና ካብ ኣምላኽ ኢና፣ ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና፣ እቲ ካብ ኣምላኽ ዘይኮነ ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢና ንፈልጦ” (1ዮሓ 4:6) ብምባል መንነት ኣመንትን ዘይኣመንትን ሓቀይናታትን ሓሰውትን ይገልጸልና። ኣብዚ ዓለም ክሳዕ ዘሎና ባህሊ ሓቅን ባህሊ ሓሶትን ነናብ ወገነን ክስሕባና ይጽዕራ እየን። ነፍስወከፍና እምበኣር “ኣነ ካበየናይ ጋንታ ክኸውን እደሊ?” ብምባል ኣቛምና፡ ከነነጽር ንጽዋዕ ኣሎና። መንገዲ ሓሶት ገፋሕን ቀላልን እያ መንገዲ ሓቂ ግን ጸባብን ጽንክርትን እያ። “በታ ጸባብ ኣፍደገ እተዉ፣ እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ኣፍደገ ርሕብቲ መንገዳውን ገፊሕ እዩ፣ እቶም ብኣኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙኃት እዮም። እታ ናብ ሕይወት እትወስድ ኣፍ ደገ ግና ጸባብ እያ፣ መንገዳውን ቀጢን እዩ፣ እቶም ዚረኽቡዋ ከኣ ውኁዳት እዮም” (ማቴ 7:13-14)። ኲሉ ጽቡቕ ነገር ዋጋ ኣለዎ። ሓቂ ፍትሒ ርትዒ ምግባር ይኽፈሎ እዩ። ኣብ መጨርስትኡ ግን ከም መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ወሰን ዘይብሉ ዘለዓለማዊ ዓወት ከምእንጐናጸፍ ይገብረና። ነዚ ክንቅበሎ ግን ብድልዱል እምነት፣ ብዓሚቚ ፍቕሪ፣ ብነቕ ዘይብል ተስፋ፣ ክንድገፍ ኣድላዪ እዩ።

ንኣብነት፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሚእቲ ዓመት፥ ክልተ ዓበይቲ ሓሶታት ዝመሃሩ፣ ማርክስን ኤንግልን ዝበሃሉ ውሩያት ፍላስፋታት  እዮም። ካብቲ ኲሉ እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝጸሓፍዎን ዝመሃርዎን እታ ቀዳመይቲ ዓባይ ሓሶት፣ “ኮሙኒዝም ክዕወት እንተ ኮይኑ ናይ ውልቂ ተበግሶ ወይ ዋንነት ዝበሃል ክጠፍእ ኣለዎ። ኲሉ ብሃገር ወይ ብሰልፊ ተወኒኑ ክምራሕን ክመሓደርን ክዕደልን ኣለዎ። ከመይ፣ እቲ ቅኑዕን ዘዓውትን ትምህርቲ ኮነ ሕክምናን፣ ኮታ፣ ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ምጽዋትውን ከይተረፈ ብእኡ ጥራይ ክወሃብ ከሎ እዩ ኣድማዒ ዝኸውን” ዝብል ፍልስፍና እዩ። እንተኾነ፡ ብሕጊ ደኣ ይመራሕ እምበር ናይ ግሊ ተበግሶን ዋንነትን ናይ ናጽነትን ጥዑይ ውድድርን መንፈስ ብምፍጣር ንሃገር ዝያዳ ዘበራብርን ዝሓንጽን ኮይኑ እዩ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍላት ዓለም ተረኺቡን ዝርከብ ዘሎን። እቲ ካልኣይ ዓብይ ሓሶት ድማ፣ “ሃይማኖት ሓሽሽ ወይ መደንዘዚ፡ ፈላላዪ ሕዝብታት እዩ። ስለዚ በብቚሩብ ክዳኸም ጥራይ ዘይኮነ ጠቕሊሉ ክጠፍእ እውን ኣለዎ። እቲ ሓደ ጭቡጥን ሓቀይናን ምንጪ ሓጐስ ዓለማውነትን ዓለማዊ ሀብትን፡ ምድራዊ ምዕባለን ጥራይ እዩ” ዝብል እዩ። ንርእሱ ሃይማኖት ግን ፈሪሃ እግዚኣብሔርን ቅኑዕ ስነ ምግባርን ይምህር፣ ንኃሊና የንቅሕ፣ እምበር ኣየደንዝዝን እዩ። ኣብ ሃገርናውን እንተኾነ፣ ክርስትናን እስልምናን ንሕዝብና ዓሚቚ ፈሪሃ እግዚኣብሔርን፣ ቅኑዕ ክብሪ ደቅሰብን፡ ስለዘሕደራሉ ደኣ እምበር፣ ኃይልታት ጸጥታ ስለዝተቖጻጸርዎ ኣይኮነን ቅትለትን ስርቅን ካብ ካልኦት ሃገራት ኣዝዩ ውሒዱ ዝርከብ። ንሕዝብና፣ ክርስትያን ኮነ እስላም፡ ሎሚ ደኣ ቁሩብ ላሕሊሓ ከይትኸውን እምበር፣ እታ ብሃይማኖት ዝተኾስኮሰት ኅሊናኡ እያ እትመርሖን እትገርሖን። ነዚ ክልተ ዓበይቲ ሓሶታት ኣብ ግብሪ ንምውዓል ካብ በዓል ማርክስን ኤንገልን ለኒንን ጀሚርካ ኣብ ብዙኅ ቦታ ተፈቲኑ እዪ። ብሰንኩ እውን ክንደይ ሕይወትን ንብረትን ጠፊኡ እዩ። ብርግጽ ንናይ ግሊ ንብረትን ተበግሶን ብቅኑዕ መንገዲ ዘይጥቀሙሉ ወይ ንሃይማኖት መሳርሒ ዝግብርዎ ሰባት ኣይሰኣኑን እዮም። እዚ ግን፣ ነቲ ናይ ውልቂ ተበግሶን ዋንነትን፣ ንሃይማኖትውን እንተኾነ፣ ክፉኣት ወይ ንምዕባለ ደቅ ሰብ ዘይጠቕሙ ኣይገብሮምን እዩ።

እሞኸ ደኣ ሓቂ ኣብዚ ምድሪ ጠፊኣ፡ ብፍጹም ኣይትርከብን ማለት ድዩ? መጀመርያ “ኣምላኽ ምንጪ ኲሉ ሓቂ ምዃኑ ብሉይ ኪዳን ዘረጋግጾ ሓቂ እዩ። ቃሉ ሓቂ እዩ። ሕጉ ሓቂ እዩ። ተኣማንነቱ ንውሉድ ወለዶ ይነብር። “ኣምላኽ ሓቀይና ስለዝኮነ እቶም ኣባላት ሕዝቡ’ውን ኣብ ሓቂ ንክነብሩ ዝተጸውዑ እዮም” (መ.ሃ. ቊ 2465)። መጽሓፍ ጥበብ ሰሎሙን “እቶም እምነቶም ኣብ እግዚኣብሔር ዘውደቑ፣ ነታ ናቱ ዝኾነት መንገዲ ሓቂ ኪርድእዋ እዮም። እቶም እሙናቱ ከኣ ኣብ ፍቕሩ ጸኒዖም ኪነብሩ እዮም። ከመይ ኣምላኽ ነቶም ባዕሉ ዝኃረዮም ብምሕረትን ብለውሃትን እዩ ዝጓስዮም” (መጽ. ጥበብ 3:9) ክብል ከሎ፣ ምስ እግዚኣብሔር ንጐዓዝ እንተኮይንና ወገን ሓቂ፣ ምስ ሰይጣን ንጐዓዝ እንተኮይንና ከኣ ወገን ሓሶት ንኸውን ማለት እዩ። በዚ እዩ ዘካርያስ ነቢይ “እምበኣርሲ ሓቅን ሰላምን ኣፍቅሩ” (ዘካ 8: 19) ብምባል ዘተባብዓና። ንጊዚያውን ሓላፍን ጠቕሚ ኢልና ሓሶት እንተመረጽና ውዒልና ሓዲርና ከምእንጠዓስ ፍሉጥ እዩ። ከምቶም መቃባውያን “እግዚኣብሔር ኣምላኽ ይርእየና ኣሎ፣ ብርግጽ ከኣ ብርኅራኄ ይጥምተና ኣሎ ” ከምቲ ሙሴ ኣብ መዝሙሩ ‘እግዚኣብሔር ንኣገልገልቱ ይርኅርኃሎም እዩ’ እናበለ ኣንጻር እቶም ኣሕዛብ ኣብ ገጾም ዝተዛረቦ ኪርኅርኃልና እዩ” (2መቃ 7:6) ኣብ ዝብል ጽኑዕ እምነት እንተ ተመርኲስና ግን፣ ኣብ ሓቂ ምንባር፡ ንሓቂ ምምስካር፡ ንሓቂ ዝግባእ ክብሪ ምሃብ፡ ተጻይ ሓቂ ንዚፍጸም በደል ከኣ ዓገብ ምባል ኣይከፍርሃናን እዩ። “ኣነ ንሓቂ ኪምስክር እየ ዝመጻእኩ፣ ወገን ሓቂ ዘበለ ኲሉ ከኣ ድምጸይ ይሰምዕ እዩ። ጲላጦስ ከኣ ‘ሓቅኸ እንታይ እዩ’ በሎ” (ዮሓ 18:37-38)። ጲላጦስ ሕቶ ደኣ ሓቲቱ እምበር ካብ ኢየሱስ መልሲ ኣይተጸበየን፣ ከመይ ነታ ሓቂ እንተፈሊጡዋ ክትብድሆ ክተወቕሶ እያ። ስለዚ እንተ ዘይፈልጥኩዋ ይሕሸኒ ኢሉ ጐስዩዋ ሓሊፉ። መድኃኒና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ንሓቂ ምፍላጥ ዓብይ ጸጋ ምዃኑ የረጋግጸና። ኣነጺሩ ድማ “ንሓቂ ክትፈልጡዋ ኢኹም፣ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ከተውጽኣኩም እያ” (ዮሓ 8:32) ክብለና ይርከብ። ሓቂ ጽድቂ እያ ተልብሰና ማለት እዩ።

እዚ እዩ ንቅዱስ ጳውሎስ እውን “ነቲ ኣረጊት ሰብነት ምስ ኲሉ ግብሩ ቀንጢጥኩም፣ ነቲ ንእኡ ምእንቲ ኪፈልጥ እቲ ፈጣሪኡ በርኣያኡ ዚሕድሶ ዘሎ ሰብነት ዝለበስኩም ስለዝኾንኩም ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰው” (ቈላ 3:9-10) ክብል ዝደረኾ እቲ ክርስቶስ ዘበገሶ ባህሊ ሓቅን ጽድቅን ናጽነትን እዩ። ደጊሙ ቅዱስ ጳውሎስ፣ “እምበኣር ኲልና ናይ ሓደ ሰብነት ኣካላት ስለዝኾንና፣ ነፍስወከፍ ሓሶት ምዝራብ ገዲፉ ምስ ብጻዩ ሓቂ ይዛረብ” (ኤፈ 4:25) ይብለና። “ሓሶት ንኅብረተ ሰብ የዕኑ። ኣብ መንጎ ሰባት ንዚህሉ ምትእምማን የጥፍእ። ሕንጻ ማኅበራዊ ርክብ የፍርስ” (መዝ. ሃ. ቊ 2486) ስለዝኾነ ብዝከኣለና መጠን ነፍስወክፍና “ክቡር ነገር ክዛረብ እየ እሞ ስምዑ፣ ዝነግረኩም ዘበለ ቅኑዕ እዩ። ዝዛረቦ ዘበለ ሓቂ እዩ፣ ሓሶት ንዘበለ ድማ እጽየፎ። ዘረባይ ኲሉ ሓቂ እዩ፣ ዘጋጊ ወይ ሓሶት የብሉን” (ምሳሌ 8:6-8) እንብለሉ ሓዲስ ዓመት ራህዋን፣ ፍትሕን፣ ሓቅን፣ ይግበረልና። ንኲልና ቡሩኽ በዓላት ሓንሰ መስቀለ ይኹነልና።

ኣቡነ መንግሥተኣብ ተስፋማርያም፡ ሊቀ ጳጳሳት ዘበኣሥመራ

10 September 2019, 09:10