ድለ

ደንበ ፍራንቸስኮ፡ ራቫዚ፥ ዓለም ህያው ፍጥረት እዩ ደንበ ፍራንቸስኮ፡ ራቫዚ፥ ዓለም ህያው ፍጥረት እዩ 

ደንበ ፍራንቸስኮ፡ ራቫዚ፥ ዓለም ህያው ፍጥረት እዩ

ኵለንተናዊ ምህዳር ናብ ዝብል ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝመርሕ ሓሳብ ዝቃልሓሉ

ዕለት 18 መስከረም 2019 ዓ.ም. ዝተጀመረ ርክብ፡ ማሕበረሰብን ሕዝብታትን ሃገራትን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ክሳብ ዕለት 22 ዝቕጽል ዛዕባ ኤኮኖምን ምህዳርን - ከባብን ስነ ፍልጠትን ሕንጸትን ሃይማኖትን ሓበሬታን ኣብ ዝብሉ ንኡስን ኣርእስታት ዝዝትይ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ፍራንቸስካዊት ከተማ ኣሲዚ ይካየድ ከምዘሎን እዚ ደንበ ፍራንቸስኮ ብዝብል ሓፈሻዊ ኣርእስቲ ዝተበገሰን ለምብዘበ ሓምሻይ ዓመቱ ዘቑጽር ዘሎ እውን ኰይኑ፡ እዚ ርክብ’ዚ መንነት ኣብ ምኽባር ጥራሕ ዘይኰነ ትርጉም መንነትካ ብኣገባብ ፈሊኻ ምፍላጥ ምስ ካልእ ንኽትራኸብ እዩ ዝድርኽ፡ መንነቱ ብትኽክል ዘይፈልጥ ጥራሕ እዩ ምስ ናይ ካልእ ማንነትት ዝላተምን ናይ ካልእ መንነት ከም ሓደጋ ዝምልከት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነዚ ኵሉ ርክብ ማሕበረሰብ ሕዝብታትን ሃገራትን ዝድግፍ ሰብኣዊ ስነ ምህዳር ኣገዳሲ ይኸውን፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ይሴባህ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዝሕብርዎ፡ ኵለንተናዊ ምህዳር ናብ ዝብል ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝመርሕ ሓሳብ ዝቃልሓሉ ዓወደ መጽናዕቲ ምዃኑ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓልይ  ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ምስ ቫቲካን ራዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ኣማዞን ዘተኰሩ ናይ ምስማዐ ርእየት መደባት እውን ክቐርብ ከምዝዀነን፡ ስለዚህ ብሓጺሩ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ማህሌታት ዳግማይ ምንባብ ዝካየደሉ እዩ፡ እዚ ንባብ’ዚ ተፈጥሮ ህያው ምዃኑ ንምስትውዓል ዝድግፍን፡ ፍጥረትን ተፈጥሮ ንምዕቃብን ብኣገባብ ንምጥቃምን ዝብል ምህዳራዊ ኣመለኻኽታ ዘነቓቕሕን እውን እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ደንበ ፍራንቸስኮ፡ ራቫዚ፥ ዓለም ህያው ፍጥረት እዩ
20 September 2019, 16:39