ድለ

ክርስቶስ ሕያው እዩ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ፥ መንእሰያት ብኸመይ ይነብርዎ

እቲ ክርስቶስ ሕያው እዩ ዝብል ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘጠቓልሎ 9 ምዕራፍን 299 ዓንቀጻትን ብኸመይ ዕለት ብዕለት ትነብሮ ሕይወትካ ንኽቕየር ይድግፈካ ዶ? ንዝብሉ ሕቶታት ብዝተፈላለዩ ተበጽሖታት ምዕባለ መራኸቢ ብዙሓን ብምጥቃም ካብ ተመክሮ ዝነቐለ መልሲ

ድሕሪ እቲ ብዛዕባ መንእሰያት ዝመኸረ ሲኖዶስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቲ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተመልኪቶምን ዝእረም ኣሪሞም ዝወሰኽ ወሲኾም Christus vivit - ክርስቶስ ሕያው እዩ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ንንባብ ካብ ዝበቕዕ ሻድሻይ ወርሑ የቑጽር ከምዘሎን፡ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መንእሰያት ነቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብኸመይ ይነብርዎ ከምዘለዉ ዝሕብር ቃል ምስክርነት ብናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ንምክፋል ዝሓቀነ መደብ ከምዘነቓቐሔን ኣብ ዓለም ተመክሮ መንእሰያት ኣብ ክርስቶስ ሕያው እዩ ሰነድ ኣብ መንጐ መንስአያት ናይ ተመክሮ ምልውዋጥ ክህሉ ዘተባብዕ ከምዝዀነ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ክርስቶስ ሕያው እዩ ዝብል ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘጠቓልሎ 9 ምዕራፍን 299 ዓንቀጻትን ብኸመይ ዕለት ብዕለት ትነብሮ ሕይወትካ ንኽቕየር ይድግፈካ ዶ? ንዝብሉ ሕቶታት ብዝተፈላለዩ ተበጽሖታት ምዕባለ መራኸቢ ብዙሓን ብምጥቃም ካብ ተመክሮ ዝነቐለ መልሲ ብምልውዋጥ መንእሰይ ኣብ ሓድ ሕዳዊ ሕንጸት ንኽዋሳእ ንምድጋፍ ዝብል መደብ እዩ። እዚ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኻቢ መረብት ብምጥቃም መንእሰያት ክደጋገፉ ዝብልን እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘርክቦ ዘሎ ውጽኢት ንምምስካር እውን ዝሓቀነ መደብ እዩ።

እዚ ብምስማዐ ርእየት ዝመሓላለፍ ኣብ ክርስቶስ ሕያው እዩ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝተመስረተ መደብ ቃል ምስክርነት ናይ ዓለማውያን ምእመንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ብምትሕብባር ዝተዳለወ እዩ።

እቲ መደብ ምስክርነት ብምስማዐ ርእየት ካብ ዕለት 27 ምስከረም ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል ኰይኑ፡ መንእሰያት ኣብቲ ድሕረ ሲኖዶስ ክርስቶስ ሕያው እዩ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣማእከሎም ዘመሓላልፍዎ ምስክርነት ካብ መላእ ዓለም ካብ ዝርከቡ መንእሰያት ኰይኑ፡ እዚ መደብ’ዚ ኵላውነት መልእኽቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝምስክርን፡ ከምቲ ቅዱስነቶም ኣብ መእተዊ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝበለዎ፡ ክርስቶስ ሕያው እዩ ንሱ ሕያው ክትከውን ይደልየካ ዝብል እምነት ዘነቓቕሕ ጻውዒት መንእሰያት ንዝቐርበሎም ሕቶ  ብምስማዐ ርእየት ዝተሰነየ ዝህብዎ ቃል ምስክርነት እዩ።

እዚ መደብ’ዚ ንምብጋስ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤት ሕይወትን ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ከቪን ፋረል ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፡ ኣብ መልእኽቶም ንስኻትኵም ይብሉ ንመንእሰያት፡ ኣብ ልባትኩም መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንእሰይ ልቢ ዝጸሓፎ ሰታሪት ኢኻትኩም፡ እቲ ካልእ ንኢየሱስ ክስዕብ ዝማርኽ ኣብ ወረቐት ዝተቐለመ ዘይኰነስ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ መንፈስ ቅዱስ ዝጸሓፍ ሰታሪት እዩ፡ ዝብል ሓሳብ የቕርቡ።

መንእሰያት እቲ ዝመሓላልፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ቃል ምስክርነት ዝተሰምዖምን ዝነብርዎን ዘካፍሉሉ እምበር ቀዲሙ ዝተዳለወ ጥማሮ ኣይኰነን።

ክርስቶስ ሕያው እዩ፡ ብዙሓት ተስፋ ሕልሚ ደራኺ ዝብል መልሲ ይህብሉ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ሎማውነት እግዚኣብሔር ማለት እዩ።

ክርስቶስ ሕያው እዩ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድሕረ ሲኖዶስ፥ መንእሰያት ብኸመይ ይነብርዎ
28 September 2019, 19:01