ድለ

ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊት እምበር ስቓይ ከይስምዓካ መደንዘዚ እትዕድል ኣይኰነትን ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊት እምበር ስቓይ ከይስምዓካ መደንዘዚ እትዕድል ኣይኰነትን 

ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊት እምበር ስቓይ ከይስምዓካ መደንዘዚ እትዕድል ኣይኰነትን

ካብ 2020 ክሳብ 2025 ዓ.ም. መርሓ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሕንጸጽን እዚ መርሓ ግብረ ኖልዎ፡ ናይ ወንጌል ሓሴትን ኣስዒቡን ናይቲ ብሓባር ኣብ ታሪኽ ንኽጓዓዝ ናይ ዝተጸውዐ ህዝቢ ብመሰረት ሲኖዶሳውነት

ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳ ቀዋሚ ቤት ምኽሪ ዕለት 23 መስከረም 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘበገሶ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ፡ ወንጌላዊ ልኡክነትን ትጽቢት ዝግበሮ ኵለንተናዊ ምህዳርን ከምኡ እውን ኣዚዩ ዘስከፍ ስቓይ ዘይብሉ ሞት ዝብል ናይ ሞት ባህሊ ዝምልከቱን ካልኦት ኣገደስትን ነጥብታት ኣማእኪሉ ይመክር ዝከምዘሎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ወንጌላዊ ሓሴት  ዘርእስቱ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ምዕዳን ከምዝሕብሮ፥ ምልዋጥ ሕይወት ንወጌላውነትን፥ ወንጌላዊ ልኡክነትን፡ ዝብሉ ነጥብታት ናይቲ ዓውደ ኣኼባ ሕመረት ምዃኑ ናይ ፊየሶለ ሰበኻ ጳጳስ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ምኽትል ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ መይኒ ገሊጾም እዚ ክሳብ ዕለት 25 መስከረም 2019 ዓ.ም. ዝቕጽል ዓውደ ኣኼባ፥ ኣብ ኢጣሊያ ንእትርከ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ካብ 2020 ክሳብ 2025 ዓ.ም.  መርሓ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሕንጸጽን እዚ መርሓ ግብረ ኖልዎ፡ ናይ ወንጌል ሓሴትን ኣስዒቡን ናይቲ ብሓባር ኣብ ታሪኽ ንኽጓዓዝ ናይ ዝተጸውዐ ህዝቢ ብመሰረት ሲኖዶሳውነት ቤተ ክርስቲያናዊ (መክብባዊ) ሕውነት ንምንባርን ምስ ካልኦት ብምርኻብ ንኽጐዓዝ ዝብል ብሳልሳይ ደረጃ ኣብ መዳይ ባህሊ ኣስተዋጽኦ ቤተ ክርስቲያንን ኣባላትን ዝብል ምስ ወንጌል ምርኻብ ናይ ዓቢይ ዕቝር ሓይሊ ባይታ ከምዝዀነን እዚ ምእመናን ከም ዜጋ ኣብ መዳይ ባህሊ ንዝህብዎ ኣበርክቶ ብቑዕን ስሉጥን ክኸውን ንምትብባዕ ዝብል ሓሳብ ዘቃልሕ ከምዝዀነ ደቦራ ይሕብራ።

ናብ ወንጌላዊ ልኡክነት ምልዋጥ፡ ቀዳምነት ቃል ኣማልኽ፥ ነቢይነትን ሓለፋ ንድኻታትን፡ ሕንጸት ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ንምራኻብን  ካብ ምብራቕ ሃገራት ኤውሮጳን ካብ ደቡብ ዓለም ንዝመጹ ምእመናን ምእንጋድን ዝብል ባህልን ዘተሓሳስብን፡ ወርሒ ጥቅምቲ ፍልዩ ናይ ወንጌላዊ ልኡክነት ብዝብል ሓሳብ ክምራሕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝሃብዎ ውሳኔ ዘመላኽቶ እውን እዩ፡ ብኻልእ መዳይ እውን እዚ ዓውደ ኣኼባ ጠመተኡ ናብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዛዕባ ኣማዞን ንኽዝትይ ናብ ዝተጸውዔ ሲኖዶስ ዘቕንዔን ንዝመጽእ ናይ ማሕበረሰብኣዊ ሰሙን መርሓ ኪደት ዘዝንይን ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ መይኒ ይሕብሩ።

ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሕልፈት ክኽበር ዝብልን ዝዀነ ይኹን ናይ ሕይወት ባህሊ ዝጻረር ዘበለ ከይድን ውሳኔንታትን ቤተ ክርስቲያን እትህቦ ዘይዋገይ ውሳኔን፡ ነቲ ገና መድሃኒት ብዘይትረኽበሉ ሕማም ዝተጠቕዑን ዝሳቐዩን ስቓይ ዘይብሉ ሞት ንኽሞቱ ዝብል ብስነ ሕክምና ዝተደገፍ ዓይነት ሓላይ መሳሊ ቀታሊ ባህሊ ብናይ ሕይወት ባህሊ ንምቅዋም መርትዖታቱን ዘመላኽት ዓውደ ኣኼባ ምዃኑ ዝገለጹ ብፁዕ ኣቡነ መይኒ ኣስዒቦም፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ኢጣሊያ እውን ዝመክር ምዃኑ የመላኽቱ።   

ቤተ ክርስቲያን ወንጌላዊት እምበር ስቓይ ከይስምዓካ መደንዘዚ እትዕድል ኣይኰነትን
24 September 2019, 16:28