ድለ

2019.09.15 ንምእዋጅ ብፅዕና ናይ ኣባ ሪቻርድ ሀንከስ ዝተመርጸት ምስሎም! 2019.09.15 ንምእዋጅ ብፅዕና ናይ ኣባ ሪቻርድ ሀንከስ ዝተመርጸት ምስሎም! 

ብፅዕና ምእንቲ ፍቕሪ ብጻይ ብሰማዕትነት ዝሓለፉ ክቡር ኣባ ሪቻርድ ሀንከስ ተኣውጁ!

ቅድሚ ትማሊ ዕለት 15 መስከረም 2019ዓምፈ፡ ቅዱስ ኣቦናን፡ መራሒ ንስለ ሓድነት ክርስትያን ዝሓሊ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ዝኾኑ ካርዲናል ኩርት ኮችን፡ ኣብ ካቴድራል ሊምቡርግ ጀርመን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ ግዜ ናዚ ምእንቲ ፍቕሪ ብጻይ ብሰማዕትነት ዝሓለፉ ክቡር ኣባ ሪቻርድ ሀንከስ ናብ መዓርገ ብፅዕና ሓፍ ከምዘበልዎም ተሓቢሩ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ኩሉ ግዜ ክበሃል ከም እንሰምዖ፡ ግብሪ ልዕሊ ቃላት ይዛረብ ወይ ይስማዕ ይበሃል። ነዚ ግብሪ’ዚ መጀመርያ መንገዲ ዝከፈተ ቃል ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ክቡር ኣባ ሪቻርድ ሀንከስ’ውን ነዚ ተረዲኦም፡ ብቓላቶም ሓቂ ስለዝመስከሩ፡ ብዝገበርዎ ምስክርነት ሓቂ፡ ኣብ ምውዳእ ናይ ቀዳማይ መፋርቕ 20 ክፍለ ዘመን፡ ብዘሕፍር ሞት ሕይወቶም ከምዘወፈዩ ይዝከር። እዚ ምእዋጅ ብፅዕና ናይዞም ክቡር ካህን፡ ድሕሪ በዓል ናይ ቅዱስ መስቀል ዝኾነሉ ምኽንያት በጋጣሚ ዘይኮነስ፡ ብዕላማን ውጥንን፡ ኣብ`ቲ ግዜ ክበዓል ስለዝተደልየ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ምሕያል ናዚ

ኣባ ሪቻርድ ኣብ ድልዱል ናይ ካቶሊክ መሰረት ዘለዎ ኣከባቢ ዝተወልዱ፡ ምስ ፓሎቲኒ ጽቡቕ ፍልጠት ዝነበሮምን ካህን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ፡ ዓለም ብጽልዋ ናይ ስርዓት ናዚን፡ ሳልሳይ ናይ ረይክ ስርዓትን ኣብ ትልወጠሉ ዝነበረት ግዜ፡ ማለት ድሕሪ ክህነቶም ኣብ ቫለንዳረን ኣልፐን፡ ከም መምህር ኮይኖም የገልግሉ ኣብ ዝነበርሉ  ግዜ፡ ኣብ’ቲ ጽንኩር እዋን ከይተረፈ፡ ኣብ እምነቶም ጸኒዖም  ንክብረታት ክርስትያን ይሕልዉ ከምዝነበሩ ተዘኪሩ።

ንሶም ብሓደ ወገን ንመንእሰያት ትምህርተ-ክርስቶስ ይምህሩ፡ ብካልእ ወገን ከኣ ምስ ብጾቶም ካህናት መንፈሳዊ ሓሳባት ብምስትንታን፡ ኣንጻር ናይ’ቲ ግዜ ትምህርቲ ንስለ ማዕርነት ናይ ኩሎም ደቂ ሰባት ይሰብኩን ከምዝነበሩ ተሓቢሩ።

እዚ እንእውጆ ዘሎና ብፅዕና ናይ’ዞም ክቡር ካህን እምበኣር፡ ነቶም ሶሻላውን፡ ምሒር ሃገራውን ኣተሓሳስባ ዝነበሮም፡ ናይ`ቲ ግዜ`ቲ ሰባት ዝኹንን ኮይኑ፡ ንዓና ናይ ሎሚ ሰባት ከኣ፡ ነዞም ሓሓሊፎም ዝረኣዩ  ናይ ዘይ-ሰብኣውያን ሓሳባትን ስሚዒታትን፡ ብግቡእ ተረዲእና፡ ቅኑዕ ዝኾነ ሰብኣዊ ምላሽ ክንህቦም ይሕግዘና፡ ክብሉ ምኽንያት ቅድስና ዘጽንዑ ካህን ቅድስቲ መንበር ኣባ ኣዳም ጎለክ ሓቢሮም።

ትሕዝቶ ምስ ክቡር ኣባ ጎለክ ዝተገብረ ቃለ ምልልስ ነቕርበልኩም፥

ኣባ ሪቻርድ፡ ነቲ ብስርዓት ናዚ ዝወጸን፡ ኣብ ልዕሊ ድኹማትን ኣካለ ስንኩላንን ዝፍጸም ዝነበረ ናይ ምሕረት-ቅትለታት፡ ኣትሪሮም ይቃወምዎ ምንባሮም፡ እቲ ስርዓት ነቲ ተጻይ ዕላምኡ ዝኾነ ተቓውሞ’ቲ፡ ዓይኑ ዓሚቱ ክሓልፎ ስለዘይከኣለ፡ ኣብ 1937ዓምፈ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ’ኳ እንተ ኣእተዉዎም፡ ብሕጋዊ መንገዲ ተደጊፎም ናጻ ክልቀቑ ክኢሎም እዮም። ኮይኑ ግን ድሕሪ 5 ዓመታት ጸኒሖም፡ ማለት ኣብ 1943ዓምፈ ናብ ጥቓ ሞናኮ ዝርከብ ዳካው ዝተባህለ መዓስከር ብምልኣኽ፡ ከምዝኣሰርዎምን ክሳብ ግዜ ሞቶም ኣብኡ ከመዘጽንሕዎምን ተሓቢሩ።

ንሶም ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ብ49642 ዝብል ቁጽሪ ይፍለጡ ከምዝነበሩን፡ ክሳብ ግዜ ሞቶም ሓቂ ክርስቶስ እናስበኹ ኣብ ቁጽሪ 26፡ ንተጻይ ረይክ ዝኾኑ ካህናት ዝተፈልየት ቤት ማእሰርቲ፡ ዘሰቅቕ ስቓይ ከምዘሕለፉን፡ ጸኒሖም ማለት፡ ብ1944 ከኣ ናብ ቁጽሪ 17 ናይ ሕሙማት ሕማም ቲፎ ዝእሰርሉ ቤት ምእሰርቲ ከምዘግዓዝዎምን፡ ብድላዮም ነቶም ሕሙማት እንዳሓገዙ፡ በቲ ሕማም ተጠቒዖም ብ22 የካቲት 1945 ኣብኡ ከምዝሞቱን ተገሊጹ።

ነዚ ዘስተውዓለትን ዘጽንዐትን ቤተክርስትያን ከኣ፡ ካብ ምጀመርያ ተጻይ እቲ እኩይ ስርዓት ናዚ ደው ብምባሎም፡ ንሕይወቶም ከይፈርሑ ብድላዮም፡ ኣብ ጎድኒ እቶም ሓገዝ ዘድልዮም ውጹዓት ብምዃን ሕይወቶም ዘወፈዩን ኣብነታዊ ካህን እዮም ብምባል ብፅዕና ናይ ሰማዕትነቶም ከምዝኣወጀት ተነጊሩ።

ሰማዕት ቤተክርስትያን ኣብ ግዜ ሳልሳይ ገዛኢ ጀርመን

ጽማቕ ትሕዝቶ ምስ ካርዲናል ኩርት ዝተገብረ ቃለ ምልልስ ከኣ ከም’ዚ ዝስዕብ እዩ፥

ካርዲናል ኩርት ʽሕይወት ናይ ኣባ ሪቻርድ ንምርዳእ፡ ናብ`ቲ ግዜኦም ተመሊስና፡ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን ስርዓት ናዚን ዝነበረ ቃልሲ ክንድህስስ የድሊʼ ይብሉ። ኣብ መጀመርያ ናይ’ቲ ግዜ’ቲ ማለት ካብ 1933-34 ዝነበረ ናይ ሂትለር ዝናን ዕቤትን ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ከኣ ቤተክርስትያን መሰላ ተነፊጉዋን ናጽነታ ተጋሂሱን ኣብ ዝነበረሉ እንክኸውን፡ ብፍላይ ካብ 1934-39 ናይ ምጅማር 2ይ ኲናት ዓለም፡ ቤተክርስትያን ንናጽነታን ንመሰል ኣመንታን ንምቅላስ ብትብዓት ንቓልዕ ዝወጸትሉ እዩ ኔሩ ኢሎም።

ንሶም ኣስዒቦም፡ ኣብ`ቲ ግዜ’ቲ ስርዓት ኣምልኾ ከም ዝተኸልከለን፡ ብዙሓት ካቶሊካውያን ካህናትን ማሕበራትን ንስርዓት ናዚ ብምቍዋሞም ከምዝተኣስሩን ኣንክንዝክር፡ ብፍላይ ድሕሪ ʽሕይወት ዝህብ ስቓይʼ ወይ (Con viva ansia) ዝብል ናይ ር.ሊ.ጳ.ፓዮስ መበል XI፡ ዓዋዲ ምልእኽቲ ምዝርግሑ ግን፡ ስርዓት ረይክ ኣብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ቅሉዕ ጎነጻዊ ጎስጓስ እናካየዱ፡ ናብ 2ይ ኲናት ዓለም፡ ማለት ካብ 1940-45 ዝተኻየደ ከምዝተጸንበሮን፡ ጎድኑ ጎድኑ’ውን ካህናት ናብ መደበራት ማእሰርቲ ናይ ዳካውን ካልኦትን ብምእታው ንማህለቕቲ ይእክቦም ከምዝነበረ ሓቢሮም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

17 September 2019, 16:49