ድለ

2019.08.08 Forum teologico in Zambia, Zambia Theological forum 2019.08.08 Forum teologico in Zambia, Zambia Theological forum 

ዛምቢያ ካብ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ዝኾና ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ሊቃውንቲ ትምህርተ መለኮት ኣኣንጊዳ

ካብ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ፣ ሊቃውንቲ ናይ ንባበ መለኮት፣ ኣብ ሉሳካ ሃገረ ዛምቢያ ዓቢ ናይ ኲስኰሳ ትምህርታዊ መጽናዕቲ ከምዘካየዱ ከፍለጥ እንከሎ፣ እቲ ትምህርታዊ መጽናዕቲ፣ ኣብ ተልእኾ ን-ኣሕዛብ (Missio Ad gentes) ዝብል ሰነድ ናይ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተሰረተ፣ ኣብ ስብከተ-ወንጌልን፣ ምስጢራትን፣ ክርስትያናዊ ምስክርነትን ዘተኮረ ትምህርታዊ ጉባኤ ከምዝነበረ ተፈሊጡ።

ዮናስ ስዮም - ከተማ ቫቲካን

እቲ ብሊቃውንቲ ትምህረተ መለኮት ዝተገብረ መጽናዕቲ፣ ብናይ ዓለም-ለኸ ጳጳሳዊ ቤትጽሕፈት ሕብረተሰብኣዊ ተልእኾ (Pontifical Mission Societies` International Secretariat)፣ ምስ ጳጳሳዊ ሕብረተ-ሰብኣዊ ተልእኮ ኣብ ጒዕዞ ምዕባለ ሃገረ ዛምቢያን፣ ዝተሰናደወ ኮይኑ፣ ንዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ 2019፣ ንተልእኾ ስብከተ ወንጌል ዝተወፈየ ወርሒ ንምስንዳው ብዝብል ተበግሶ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ዝተወስደ ከምዝኾነ ተሓቢሩ። እቲ ዝተገብረ ተበግሶ ናይ ሥነ መዕበያ ኲስኰሳ ትምህርታዊ መጽናዕቲ፣ ኣብ`ታ ንስብከተ ወንጌል ዝተወፈየት ወርሒ ጥቅምቲ ከካየድ ዘለዎ 4 ዓይነት ምቅርራባትን ናይ ትግባረን ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ።

ብ10 ዳይረክተራት ናይ ፒ ኤም ኤስ (PMS) ዝተጸገወ ትምህርታዊ ጉባኤ

ኣብ ምጅማር’ቲ መጽናዕታዊ ጉባኤ፣ ሓዋርያዊ ልኡኽ ር.ሊ.ጳ. (Nuncio) ኣብ ዛምቢያን ማላውን ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳስ ኣቡነ ዣንፍራንኮ ጋሎነ ዝመርሕዎን፣ 3 ኣባላት ናይ ጉባኤ ኣቡናት ዛምቢያ ዝተሳተፍዎ መእተዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝነበረ ተገሊጹ። እቶም ነቲ ጉባኤ ወኪልም፣ ኣብ ናይ መእተዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተሳተፉ፣ ኣቡን ናይ ሃገረ-ስብከት ቺፓታን ፕረሲደንት ናይ ጉባኤ ኣቡናት ዛምቢያን ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ጆርጅ ሉንጉንን፣ ሊቀ-ጳጳስ ናይ ሃገረ-ዛምቢያ ብፁዕ ኣቡነ ኣሊክ ባንዳን፣ ኣቡን ናይ ሃገረ-ስብከት ሊቪንግስቶን ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ቫለንታይን ካሉምባን ከምዝነበሩ እንክፍለጥ፣ ዳሕራዋይ ናይ ጉባኤ ጳጳሳት ዛምቢያ፣ ናይ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ፕረሲደንት ዝኾኑ ኣቡን’ውን ኣብ’ቲ ናይ መእተዊ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝተሳተፉ ተፈሊጡ።

ኣብ`ቲ ዝተገብረ ናይ ኲስኰሳ መዕበያ ትምህርታዊ መጽናዕቲ፣ ብጠቕላላ 40 ሰባት እንክሳተፉ፣ 10 ካብኣቶም፣ ጳጳሳውያን ሃገራውያን ዳይረክተራት ናይ ሕብረተሰብ ስብከተ ወንጌል እንክኾኑ፣ 4 ከኣ ጳጳሳውያን ዳይረክተራት ናይ ሃገረ-ስብከታት ናይ ተልእኾ ሕብረተሰብ ኣብ ስብከተ ወንጌል፣ ካልኦት ካብ ቤት-ጽሕፈት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ዝተፈላለዩን ሃብታማትን ናይ ተልእኾ ወንጌል መጽናዕታውያን ጽሑፋትን ቀሪቦም   

ኣብ’ቲ ዝነበረ ስነ-ምዕበያዊ መጽናዕቲ፣ 12 ካብ ዝተፋላለያ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ዝጥቀማ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ብኡልን ትምህርታውን፣ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ከምዘቕረቡ ተፈሊጡ። ገለ ካብኣቶም ከኣ፣ ካብ ናይጀርያ ዝመጻ እናቴ ኦብዮራህ ማሪ ጀሮም እንክኾና፣ ‘ምእመናን ኣብ ተልእኾ ወንጌል ናይ ቤተክርስትያን ኣፍሪቃ ብምልኣት ንኸይሳተፉ ዝገትኡ ብድሆታት’ ዝብል ዛዕባ ከም ዘቕረባን፣ ካልእ ምህርቲ እናቴ ፍሎረንስ ኦሶ ዝተባህላ ካብ ናይጀርያ’ውን ብዛዕባ ‘ስደት፣ ከተማውነትን፣ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ኣብ ከተማታትን’ ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎ ከምዘቕረባ ተፈሊጡ። ኣባ ኣንቶኒ ኣኪንዋለ ኦፒ ዝተባህለ ናይጀርያዊ ካህን’ውን ብዛዕባ ‘ምትሕግጋዛ ኣብ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል፣ ምልኣኽን ምቕባልን’ ዝብል ኣርእስቲ ዘቅረቡ እንክኸውን፣ 2 ምሁራን ካብ ካሜሩን፣ ማለት ኣባ ሁምፍረይ ታታህ ምቡይ ብዛዕባ ‘ጴንጠቆስጣውነትን፣ ውስጠ-ሃይማኖታዊ ዘተን፣ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ኣብ ኣፍሪቃን’ ዝብሉ ዛዕባታት እንከቕርቡ፣ እቶም ካልኣዮም ካሜሩናዊ ፕሮፌሰር ፖል ኒኮጂ ኒክዊ ከኣ ብዛዕባ ‘ስነ-ሰብኣዊ ብድሆታትን፣ ምስጢራትን፣ መጽሓፍ ቅዱስን፣ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ኣብ ኣፍሪቃን’ ዝድህስሱ ዛዕባታት ኣቅሪቦም።

ካልኦት ክልተ ሊቃውንቲ ሃገረ ማላዊ እውን ኣብ`ቲ መጽናዕቲ ከምዝተሳተፉን፣ ኣባ ጆርጅ ቡለያ ኮይኖም ዝተባህሉ፣ ብዛዕባ ‘ማሕበራውያን መራኸቢታትን፣ ተልእኾ ቤተክርስትያን ኣብ ኣፍሪቃን’ ኣተኲሮም ጽሑፋዊ መጽናዕቶም እንከቕርቡ፣ እቶም ካልኣዮም ኣባ ጆሴፍ ኪሙ ከኣ ብዛዕባ ‘ምስጢራት ኣብ ኣፍሪቃን፣ ተልእኾ ናብ ኣሕዛብን’ ዝብል ዛዕባ ብሰፊሑ ከምዝተንተኑ ተፈሊጡ።

ካብ ነፍስወከፍ እተን ዝተረፋ ሃገራት ምለት፣ ካብ ታንዛንያ፣ ጋና፣ ዚምባብወ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ዛምቢያ ሓሓደ ኣፈይናታት ኣቕረብቲ ከምዝነበርዎም ተፈሊጡ። ገለ ካብቶም ዘቕረቡ ከኣ፣ ዶር. ካሚሉስ ካሳላ ብዛዕባ ‘ሓላፍነታዊ ምሕላው ተፈጥሮ’፣ ኣባ ፍራንቸስኮ ኣፕያ ኩቢ ካብ ጋና፣ ብዛዕባ ‘ጸዋዕታን፣ ኣገልግሎትን ተልእኾን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን፣ ኣብ ናይ ኣፍሪቃ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል’ ዝድህስስ ዛዕባታት ከምዘቕረቡ ተፈሊጡ።

ቀጺሎም እውን ኣባ ላውረንስ ዳካ ኤስጀይ ካብ ሃገረ ዚምባብወ፣ ብዛዕባ ‘ናይ ምፍዋስ ሃረርታ ከም ብድሆ ኣብ ፍጡናዊ ለውጢ ኣፍሪቃ’ ዝብል ሓሳብ ከቕርብ እንከሎ፣ ኣባ ፒተር ጆን-ፔርሶን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ’ውን፣ ብዛዕባ ‘ብልሽውና ከም ዓንቃጺ ተልእኾ ቤተክርስትያን’ ዝብል ዛዕባታት ከምዘቕረቡ ተሓቢሩ።

ኣስዒቦም’ውን ኣባ ፓትሪ ኪላምብወ ካብ ሃገረ ዛምቢያ፣ ብዛዕባ ‘ምእመናን ክርስትያን ኣብ ሕዝባዊ ቤትጽሕፈታት ናይ ኣገልግሎት ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ኣብ ኣፍሪቃ’ ዝብል ዛዕባ እንክኸውን፣ ኣብ መጨረሽታ ንዛዕባታቶም ንምጥቕላል፣ ጠቕላሊ ጸሓፊ ናይ ጳጳሳውያን ሕብረት ተልእኾ ስብከተ ወንጌል ዝኾኑ፣ ኣባ ፋብሪስዮ መሮኒ፣ ሮማ’ውን ኣብ’ዚ ጉባኤ’ዚ ተሳቲፋ’ያ ብምባል ከምዝዛዘሞዎ ተፈሊጡ።

እዚ ሓደ ካብ’ቲ ናይ ኣፍሪቃ ቤተክርስትያን ብፉሉይ ንተልእኾ ስብከተ ወንጌል ዝተወፈየ ወርሒ ጥቅምቲ ናይ 2019፣ ንምስንዳው ከምዝነበረ እውን ተሓቢሩ።  

ተሳተፍቲ ዕግበቶምን ሓጎሶም ግሊጾም

እብ መወዳእታ፣ እቶም ኣብ’ቲ መጽናዕታዊ ጉባኤ ዝተሳተፉ፣ ነቲ ዝቐረበ ዛዕባታት ብጽሞና ክከታተልዎ ድሕሪ ምውዓል፣ ብትሕዝቶ ናይ’ቲ ዝቐረበ ኣዝዩ ሃብታም ዝኾነ ዛዕባታት፣ ዕግበቶም ብሓጎስ ብምግላጽ፣ ኣፍሪቃውያን ሊቃውንቲ ትምህርተ ንባበ መለኮት፣ ከምዚ ዓይነት ሃብታም ትሕዝቶ ዘለዎ ዛዕባታት ናይ ትምህርታዊ መጽናዕቲ ፣ ምስ ተራ ምእመናን ክርስትያን፣ ቀጻሊ ከካፍልዎ ከምዘለዎም ተማሕጺኖም።

ንውጽኢት ናይ’ቲ ጉባኤ ኣብ ግምት ብምእታው፣ ጳጳሳዊ ሕብረተሰብኣዊ ተልእኾ ስብከተ ወንጌል፣ ትዮሎጋዊ ሓሳባትን ተልእኾኣዊ ኲስኰሳ ሥነ-መዕበያን ኣብ ጉስነታዊ ሕይወት ናይ ነፍስወከፍ ቤተክርስትያን ንኽዓቢ፣ ኣፍሪቃውያን ሊቃውንቲ ትምህርቲ ንባበ መለኮት ኣበርቲዖም ክዓዩ ከምዘለዎም፣ ከሰርሑ ምዃኖም ውሳኔ ኣሕፎሊም።

ብድምጺ ንምክትታል

 

 

15 August 2019, 18:45