ድለ

2019.08.31  “ዝጥመቖ ናይ መከራ ጥምቀት አሎኒ ፍጻሜ ክሳብ ዝበጽሕ ግና ከመይከ ዘይጭነቕ” 2019.08.31 “ዝጥመቖ ናይ መከራ ጥምቀት አሎኒ ፍጻሜ ክሳብ ዝበጽሕ ግና ከመይከ ዘይጭነቕ”  

ሰንበት ዘአብርሃም ነሓሰ 26 2011 ዓ.ም. ( 9/1/2019)

መዝሙር፡ ሰንበት ትዓቢ እምኵሉ ዕለት. . . ሰንበት ካብ ኩሉ ዕለታት ትዓቢ ሰብ ከአ ካብ ኩሉ ፍጥረት ይኸብር፥ ኖኃ አብ ውሽጢ ታቦት እንከሎ አዕበያ፥ አብርሃም አብ ቅድሚ ምስዋዕ አኽበራ፥ ሙሴ ንሰንበት አብ ሰፈር ብጽድቂ ከኽብርዋ አዘዞም። ጎይታ ንደመናታት አብ ምድሪ ብመዓልቲ ሰንበት ዝናም ከውርዱ አዘዞም፥ ሰንበት ካብ ኩሉ ዕለታት ትዓቢ ሰብ ከአ ካብ ኩሎም ፍጥረት ይኸብር።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ዕብ 12፡1-4፥ ያዕ፡ 2፡14-ፍ፥ ግ.ሓ. 7፡1-10፥ ሉቃ 12፡49-53።   ምስባክ፡ ወሐመልማለ ለቅኔ እጓለ እምኅያው፥ ዘይህቦሙ ሲሳዮሙ ለእንስሳ፥ ወለዕጓለ ቋዓት እለ ይጼውዕዎ። “ሓምላይ ንጥቕሚ ደቂ ሰብ፥ ሣዕሪ ንእንስሳ የብቍል፥ ንዝጽውዕዎ ጨቓውቲ ኳዃት ከአ መግቢ ይህቦም” መዝ. 147፡8-9።

እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዘመን ካብ ሰነ 26 ክሳብ መስከረም 25 ዘሎ ዘመነ ክረምቲ ኢልና እንጽውዖ ኮይኑ ስሙ ከም ዝሕብሮ ካብ ቋንቋ ግዕዝ ዝመጸ ካብ ከርመ ዝብል እዩ። ትርጉሙ ወርኃት ዝናም፥ ነጎድጓድ፥ ዘመነ ባሕር፥ ዘመነ አፍላግ፥ ዘመነ ጠል፥ ዘመን ደመና፥ ዘመነ መብረቅ ማለት እዩ። ነቲ አብ እዋናት ክረምት ዝገጥም ባህርያዊ ነገራት ብምዕዛብ ምስ መንፈሳዊ ሕይወት አተሓሒዙ ክነስተንትኖ ይሕግዘና። አብ ባሕርያዊ ነገራት ምሕረትን ፍቕሪ አምላኽን ርኢኻ ምኽአል። አብ ጽባቔ ተፈጥሮ ብምዕዛብ ነቲ ከአል ኩሉ አምላኽ ዕብየቱን ክእለቱን ተዓዚብካ ክተመስግን ምኽአል ንአና ንደቂ ሰብ አብ አምላኽ ክንቀርብ ይሕግዘና።

ወርኂ ነሓሰ ብፍላይ ፍሉይ መልእኽቲ የመሓላልፈልና፥ ዘራእቲ አብ ቀሪቡ ብሩህ ፍረ ማሕረስ ዝርአየሉ ዕምባባታት ፍሉይ መልክዕ ንምድረ ሰማይ አልቢሶሞ ክርኤ እንከሎ ፍሉይ ምስጢር ፍጥረት ክንዕዘብ ይሕግዘና። ነዚ ኹሉ ዝገብር አምላኽ ክነመስግኖ እሞ አብኡ አሚና ምስኡ ዘሎና ርክብ ክንሕድሶ ዝሕግዘና እዋን ኢና ዘሎና።

አብዚ እዋን ብፍሉይ ካብ ነሓሰ 10(ማኅበረ በኵር) - 28 ዘሎ አብርሃም፥ እጓለ ቋአት፥ ደሰያት፥ ዓይነ ኩሉ ዝብል ሰናብቲ ሒዙ ይርከብ ነናቱ መልእኽቲ ዝሓዘ እዩ። ሰብ ክቡር ፍጥረት እዩ አምላኽ ፍሉይ ፍቕሪ ስለ ዝገበረሉ ካብ ኩሎም ፍጥረታት ክቡር ይብሃል። ነዚ ፍሉይ ተፈጥሮ አምላኽ ንፍሉይ መደብ እዩ ንሰብ ሂብዎ። ተኻፋላይ ጸግኡን መዋርስቱን ገሩ ብሂጉ ፈጢርዎ። ተፈጥሮና ከስ ምስ አምላኽ ክነብር እዩ። ፍቕሪ አምላኽ አብ ኩሉ ተፈጥሮን አብ ኩሉ ሕይወትናን ክንግዘቦ ንኽእል። ክረምቲ ፍሉይ መልክዕን ትእምርትን ይርአዮ። ዘራእቲ እንተ ረኤና ከምኡ ደመናታትን ባህሪ ክራማት ኩሉ ንምስጢር ተፈጥሮና ክብ የብሎ። ነዚ ባሕርያዊ ነገራት ተዓዚብና ናብ አምላኽ ክንምለስ እዩ እቲ መልእኽቲ።

ሓንቲ ሕይወታ ንአገልግሎት አምላኽ ዘወፈየት ሰበይቲ ንሕሙማትን አብ ዓራት ዝማሰኑ ብምብጻሕ፥ ንሽማገለታትን ስንኩላትን ብምሕጋዝ ፍልጥቲ ዝነበረት ሕማም ብርኪ ገራ ኦፐረሽን ክትገብር ተነጊርዋ። እቲ ዝገበረቶ ኦፐረሽን ከምቲ ዝተደለ ከሕውያ አይተረኽበን እኳ ድአ ቃንዛን ካልእ ጸገማትን ፈጢሩ ከም ዘይትንቀሳቐስ ገርዋ። ባዕላን አዕሩኽታን ኦፐረሽን ጽቡቕ ክኸደላ ብሓባርን ብግልን ጸልዮምላ እንተ ኾነ መልሲ ጸሎት አይተረኽበን። እዛ ሰበይቲ ፍሉይ ፍቕሪ ኢየሱስ ስለ ዝነበራ ናይ ግላ ዓርካ ገራ እያ ትርእዮ ዝነበረት፥ እንተ ኾነ ጸሎታ ብዘይምስምዑ ተስፋ ቆሪጻ ሕዝንትን ኩሉ ጊዜ ዘይሕጉስትን ኮይና ትርአ ነራ። ሓደ መዓልቲ አብ ርእሳ ተመሊሳ ኩሉ እትሓስቦን እትኾኖን ርእያ ምስ አበነፍሳ ጸገማታን አተሓሳስባን ከተካፍል ከደት። አበነፍሳ ኩሉ ምስ ሰምዕዋ አብ ጸሎት ክትአቱ እሞ ንዓርካ ኢየሱስ ስለምንታይ ከምዚ ክትከውን ደልዩ ክትሓቶ ነገርዋ። ከምኡ ኸአ ገራ። ንጽባሒቱ አበ ነፍሳ ምስ ረኸብዋ አብ ክንዲ እቲ ብርቱዕ ቃንዛ ዝነበራ ገጻ ተቐይሩ ሕጉስትን ፍሕሽውትን አብ ኩሉ ገጻ ሰላም መሊእዋ ክርአ ረኸብዋ። እንታይ ከም ዝበለኒ ትፈልጡዶ እናበለት ንአበ ነፍሳ ዝተባህለቶ ክትነግሮም ጀሚራ። አብቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ እና ጠመትኩ ቃንዛ እግረይ ክነግሮ እንከሎኹ ናተይ ዝገደደ እዩ ነሩ ኢሉኒ ኢላቶም።

አብ ገለ እዋን ነቲ ተጓኒፍና ዘሎ ጸገም ጥራሕ ክንርኢ አይሕግዘናንን እዩ ከማና ካባና ዝገደዱ ከም ዘለዉ ክንፈልጥ ጽቡቕ እዩ። ከምቲ ሓደ ሰብአይ ሳእኒ የብለይን ኢሉ ዘማርር ዝነበረ እግሪ ዘይብሉ ምስ ረአየ ንኩነታቱ ዘመስገነ ንሕና እውን ከምኡ ክንገብር አሎና። ስለምንታይ እዚ ረኸበኒ ስለምንታይ እዚ ተበሃልኩ ኢልና ክነማርር የብልናን።

አብ ዓለም ብዘይ ቃንዛ ክንበር ዘይክአል እዩ ክፍሊ ምድራዊ ሕይወትና እዩ፥ ግን አብ ክብሪ ገጹ ዝወስድ መገዲ እውን እዩ። ብዘይ መስቀል አኽሊል ክብሪ የለን።

አብ ትንቢት ኤርምያስ 20፡7-9 ዘሎ ኤርምያስ በቲ ዝገጠሞ ጸገማት አብ ልዕሊ ጸዋዕትኡ ክጉረምርም ንአምላኽ ክወቅስ ይስማዕ። “ኦ እግዚአብሔር ንስኻ ጠበርካኒ አነ እውን ተጠበርኩ” ይብል። እግዚአብሔር ከም ዘጠፋፍኦ ገሩ ይዛረብ መላገጽን ንዑቕን ገበርካኒ እናበለ ብሰንኪ መጸዋዕታኡ ዝረኽቦ ጸገም ይገልጽ። በዚ ምኽንያት ነቲ አምላኽ ዝሃቦ መጸዋዕታ ክሓድግ ይደሊ ግን አብ ውሽጡ ነቲ አምላኽ ዝደልዮ ክገብር ይድርኾ። አብ ተልእኮኡ ብሰማዕቱ ተነጺጉ ተጸሊኡ፥ ክቐትልዎ ይደልዩ ነሮም፥ ተኸትኪቱ ምእንቲ ክመውት አብ ዔላ ተደርብዩ ካብ አዕርኽቱን አዝማዱን ተነጺሉ እዚ ኹሉ አብ አምላኽ ክምለሱን ጌግኦም አግሂዱ ስለ ዝነገሮም እዩ ገጢምዎ። ድላይ አምላኽ ክነለሊ ክንሓልፎ ዝግብአና ፈተናን መስቀልን ኩሉ ጊዜ ምስ ገጠመና እዩ።

አብ ትውፊት ክርስትና እዚ ናይ ኤርምያስ ስቓይ አምሳል ናይ እቲ ክርስቶስን ሰዓብቱን ዝገጥሞ ኮይኑ እዩ ዝርአ ነሩ። ንሓቀኛ ነብይ አምላኽ ዝጽበዮ መከራን ስደትን ስቓይን አብ ኤርምያስ ተራእዩ። ንነፍሲ ወከፍና ክንሰግሮ ዝግብአና ስቓይን ፈተና ይገጥመና እዩ። አብቲ ጽንኩር እዋን ንድላይ አምላኽ ክንገብር ንቃሉ ክንሰምዕ ልብና ክንከፍት አሎና።

አብዚ ናይ መጨረሻ ሰንበት ቃል አምላኽ ነቲ ክርስትያን ብምዃና ዝጓነፈና ቃልስን ጸገማትን ክንሓስበሉ የዘኻኽረና። ንክርስቶስ እንኽተሎ መገዲ ተጻይነትን ጸገማትን ኩሉ ጊዜን አብ ኩሉ ቦታን ዝመልኦ እዩ፥ ምናልባት አብ ክርስትናና ጸገም ዘየለ እንተ ኾነ ምናልባት ከምቲ ግብኡ ንነብሮ ዘየለና ከይንኸውን ክንሓስብ አሎና። ንክርስቶስ ክንስዕብ እንተ ድአ ኾና ነቲ ብዝያዳ ዋጋ ናይ እቲ እነፍቅሮ/እንፈትዎ ክንከፍል ዝሓተና ክኸውን ይግባእ።

እንደገና ካብ ኤርምያስ 38፡4-10 ዘሎ እንተ አንበብና ስቓይ እንይታይ ከም ዝኾነ በቲ ኢየሩሳሌም ቅድሚ ብባቢሎናውያን ምትሓዛ ዝተዋህበ ትእምርቲ ይነግረና። ኤርምያስ ነቶም ሓቅን ብዛዕባ ክፍአቶምን ክሰምዕዎ ዘይደልዩ ዝነበሩ ገሊጹ ብዘይፍርሒ ክነግሮም ዓቢ ትብዓት አድልያዎ። ብፍላይ ነቶም መራሕቲ ተነስሑ አብ አምላኽ ተመለሱ ኢሉ ክነግሮም እንከሎ ንቕትለቱ እዮም ተሰማሚዖም።

ኤርምያስ ነቲ ንጉሥ መራሕ ሃገር መልእኽቲ አምላኽ ክነግሮ እዩ ተነጊሩ። አብቲ ጊዜ ይሁዳ አብትሕቲ ግዝአት ባቢሎን እያ ነራ፥ እቲ ድኹም ንጉሥ ይሁዳ ዝነበረ ሴዴቅያስ ምስ ካልኦት ጸላእቲ ባቢሎን ኮይኑ ክዋጋእ ተሰማሚዑ። ኤርምያስ ነዚ ሓሳብ ንጉሥ ዕሽነትን ፍጹም ጥፍአት ከምጽአሎም ከምዝኾነ አግሂዱ ነጊርዎ፥ ሓሳቡ ክቕይር እውን ነጊርዎ። ባቢሎናውያን ከም ዝስዕርዎን ንኢየሩሳሌም ከም ዘጥፍእዋን ነጊርዎ። ኤርምያስ ደጋጊሙ አብ ክንዲ ናዕቢ ዝገብሩ ካብ ኃጢአተኛ መገዲ ሕይወቶም ክምለሱ ንሱ ኸአ እቲ እንኮ አማራጺ ድሕነቶም ከምዝኾነ ነጊርዎ። እቶም መሳፍንቲ ሃገር ንንጉሥ ኤርምያስ ንኹሉ ህዝብን ተዋጋእትን ተስፋ የቝርጾም አሎ፥ ክሕደት አብ ልዕሊ ሃገር ይፍጽም አሎ እሞ ነዚ ሰብአይ እዚ አቕትሎ ደአ በልዎ። ሽዑ አሕሊፉ ዝደለኽምዎ ግበርዎ እናበለ ሃቦም፥ ንሶም ከአ ምእንቲ ክመወት አብ ዔላ ደርበይዎ፥ እንተ ኾነ ሓደ ኢትዮጵያዊ አድሓኖ። አምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ ፈጺሙ አይሓድጎምን እዩ።

አብ ዝተነበ ወንጌል ካብ ሉቃስ ኢየሱስ አብ ጉዕዞ መገዲ እንከሎ ንሓዋርያቱ ተኸተልቱ ብምዃኖ ክገጥሞ ዘለዎ አቐዲሙ ነጊርዎም። ቅ. ሉቃስ ሰማዕቱ በቲ ሰለስተ ዘሰንብድ ቃላት ኢየሱስ ዝበሎ ከም ዝሰንበዱ ይነግር። መጀምርያ እዚ እየሱስ ዝበሎ ምስቲ አቐዲሙ ብዛዕብኡ ዝተባህለ ዝጻረር ይመስል፥ እንተ ኾነ አተኲርና እንተ ሰማዕናዮ ናይ እዚ ዝገራጮ ዝመስል ሓቂ ክንርኢ ንኽእል ኢና፥

ከም ሓቂ ክንርእዮ እንተ ኾና ናይ ሎሚ ወንጌል ካልእ ገጽ ኢየሱስ ወይ ፍሉይ እንታይነት ዝገልጽ እዩ። እዚ እቲ ጥዑም ብሩህ ፈቃር ገጽ ኢየሱስ አይከኖነን። እዚ እቲ ዘቃጽል ፈቃርን ዝስቀል ክርስቶስ እዩ። እዚ እቲ ቅቡእ ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን ርትዕን ኢሉ ዝቃለስ፥ እዚ እቲ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት አብ ሓቂ ደው ዝብል እዩ። ንሱ ሓቂ ተዛሪቡ ዋጋ ሓቂ ከአ ከፊሉ።

1. ናብ ምድሪ ሓዊ ክኹዑ እየ ዝመጻእኩ፥ ሕጂ ቐልጢፋ እንተ ትነደለይ ክንደይ ምተሓጎስኩ።

አብ አተሓሳስባ አይሁድ ብዙሕ ጊዜ ሓዊ አምሳል ፍርዲ አምላኽ አብ ርእሲ እቶም ንቃሉ ዝሕልዉን ዘይሕልዉን እዩ። ከምቲ ሓዊ ካብ ወርቂ ነቲ ምስኡ ለጊቡ ዘሎ ርስሓት ዘጽርዮ፥ ቃል አምላኽ ምሕላው ከአ ንጥዑያት ሰባት ካብ ሕማቓት ይፈልዮም። ኢየሱስ ናይ መንግስቱ ምምጻእ ከም ናይ ፍርዲ ጊዜ ይቆጽሮ። አይሁድ አምላኽ ንኻልኦት ነገስታትን ንአኦምን ብዝተፈላለየ ፍርዲ ከም ዝፈርዶም ይርድኡ ወይ ይአምኑ፥ ሕሩታት ህዝቢ አምላኽ ስለ ዝኾኑ ካብ ዝኾነ ከም ዘንጽሖም ገሮም ይሓስቡ ነሮም። እንተ ኾነ ንፍርዲ ኢየሱስ ክንአሊ ኢልና እነምጽኦ ዝኾነ ነገር ዘምጽኦ ለውጢ የብሉን።

2. “ዝጥመቖ ናይ መከራ ጥምቀት አሎኒ ፍጻሜ ክሳብ ዝበጽሕ ግና ከመይከ ዘይጭነቕ” ክብል እንከሎ ኢየሱስ አብ ሩባ ዮርዳኖስ ካልአይ ጊዜ ክጥመቕ እየ ማለቱ አይኮነን ዘስምዕ። ጥምቀት ዝብል ቃል ፍጹም ወይ ምሉእ ምጥሓል ወይ ብምሉእ አብቲ እተጠመቕካዮ ምእታው እዩ ዘስምዕ። ኢየሱስ ከአ አብዚ ርድኢት መሰረት ገሩ እዩ ዝብሎ ዘሎ። መስቀል ብቐጻሊ አብ ቅድሚ ዓይኑ ወይ ሕልንኡ አሎ። እዚ ምስቲ አብ ኢየሩሳል ዝጽበዮ ዘሎ ውርደትን ስቓይን ሞትን ትንሣኤን አተሓሒዝና ከም ጥምቀት ክንርእዮ አሎና። ንሱ ብምልኡ አብኡ አብ ሕማማቱን ሞቱን አትዩ አብ ትንሣኤኡ ዘምርሕ እዩ። ኢየሱስ ንጥምቀቱ ነቲ ዝወርዶ ስቓይ ዘመልክት ገሩ አይረአዮን፥ ነቲ አብ ነፍሲ ወከፍና ዘውርዶ ሓባራዊ ሳዕበን እዩ ዘመልክት።

በዚ መገዲ ኢየሱስ ነቲ ዘልኦ ሃረርታ ምእንታና ኢሉ ዘሕልፎ ሕይወቱ ከም ጥምቀት ገሩ ይገልጾ። ንሱ ብዓወት አብ ልዕሊ ሞት ክትንስእ እዩ ዳግም ከአ አይክመውትን እዩ። ንሕና እውን አብ ጥምቀቱን ሞቱን ዝሓበርና ብኡ አቢልና ንኃጢአት ዝሞትና ብዳግም ብጸጋ ዝተወልድና ኢና። ኢየሱስ ነቲ አብኡ ዘሎ ዝነድድ ሃልሃልታ ፍቕሩ ክትንክፈና እሞ ልክዕ ከምኡ ንሕና እውን ሓደ ዓይነት ፍቕርን ሃረርታን አብ ስፍሓት ወንጌልን ንድላይ አምላኽ አብ ኩሉ ክነብጽሕ እዩ ድላዩ። ንሱ መልእኽቱ አብ ኩሉ ከበጽሕ ይደሊ ንሕና ኸአ ኢና መልእኽቱ እነብጽሕ። ካልእ መልእኽቲ ነብጽሑ ወይ ልኡኻት ካልእ ኮና ከይንህል ክንሓስብ አሎና።

3. ናብ ምድሪ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩዶ ይመስለኩም አሎ፥ ምፍልላይ ደአ እምበር ሰላም ከምጽእ አይ ኮንኩን ዝመጻእኩ።

እዚ አዘራርባ ኢየሱስ ዝርብሽን ምስ መልእኽቲ ወንጌል ዝጻረርን እዩ ዝመስል። ኢየሱስ ሰላም ከምጽእ አይመጻእኩን ክብል እንከሎ ነቲ አብ ግዚኡ ዝነበረ ባዶ ዝኾነ ሰላም እዩ ዘስምዕ፥ ሰላም ፍረ ውግእን ንኽጥዕመካ ኢልካ እትአትዎ ውዕልን፥ አብኡ ዓመጽን ጭቆናን ብግሁድ ዝርአዮ አይኮነን። ብሓቂ ክንርእዮ እንተ ኾና ኢየሱስ ንሰላም ዝቋወም አይኮነን። ብአንጻሩ ንጉሠ ሰላም እዩ፥ ንሱ ነታ ብሕድገት እትመጽእ ሰላም ከቕውም እዩ መጺኡ። እዚ እዩ ንሓዋርያቱ ዝተመነየሎም “ሰላመይ እኃድገልኩም አሎኹ፥ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ፥ እቲ አነ ዝህበኩም ዘሎኹስ ከምቲ ዓለም እትህቦ አይኮነን፥ አይትሸበሩ አይትፍርሁ” (ዮሓ 14፡27)።

ብኻልእ መገዲ ምፍልላይ ከምጽእ እየ ዝመጻእኩ ክብል እንከሎ ብዛዕብ እቲ ብሰንኩ ንመልእኽቱ ብምስማዕ ዝመጽእ ፍልልይ አብ መንጎ እቶም ዝቕበልዎን ዝነጽግዎን፥ አብ መንጎ እቶም ቅኑዓትን ዘይቅኑዓትን ዝመጽእ እዩ ዘመልክት። አብ መንጎ እዞም ክልተ ጋንታታት ኩሉ ጊዜ ቀጻሊ ውግእን ፍልልይን አሎ፥ ሓደ ዓለም አብ አምላኽ ክትምለስ መገዲ አምላክ ክትሕዝን ክትሰምዕን ክጽዕር እንከሎ እቲ ሓደ ኸአ ክዶቁስ ከዕኑ ንግሃነም ክትወርድ ይጽዕር። እቶም ክልተ ጋንታ አብ ክልተ ዝተፈላለዩ ክፍሊ ዓለም አይነብሩን እዮም፥ ጎኒ ንጎኒ አብ ሓደ አከባቢ፥ አብ ትሕቲ ሓደ ገዛ እዮም ዝነብሩ፥ ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና አብ ሕይወት ሓደ ሰብ ጽቡቅን ክፉእን ብሓደ አብኡ ይርከቡ። ኢየሱስ እዚ ክብል እንከሎ አብ መንጎ ስድራታት ብሰንኩ ነቲ ንሱ ዝብሎ ዝቕበሉ ዝቃወሙን ዓቢይ ፍልልይ ክመጽእ እዩ። ዝቕበልዎ ዝነጽግዎን፥ ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ብሰንኪ ወንጌል ኢየሱስ አብ መንጎ ብዙሓት ስድራታት ፍልልይ ክፍጠር እንከሎ ዘሕዝን ቃንዛ እዩ።

ኢየሱስ አብዚ እንነብሮ ዓለም ከም አርድእቱ ክንጉዓዝ ከሎና ንሱ እቲ እንኮ አርአያና፥ ሞደልና፥ አብነትና እዩ። አብ መልእኽቲ ዕብራውያን ዝተነበትና ዘዘኻኽሮ ናይ ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ክነብሮ ዘለዎ ሕይወት ክገልጽ እንከሎ፥ “ናብቲ ኅፍረት ዘበለ ንዒቁ ምእንቲ እቲ አብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጎስ ኢሉ አብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሠ፥ አብ የማን አምላኽ ዝተቐመጠ፥ ናይ እምነትና ጀማርን ፈጻምን ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት” ይብል። ከም ቃል አምላክ ክነብር አሎና። ስለዚ “በቲ አብ ቅድመና ተሓንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸአ ብትዕግስቲ ንጉየ” ይብል። በዘን ቃላት ገሩ ቅ. ጳውሎስ ንኢየሱስ አርአያና/አብነትና ገርና ሕይወትና ክንመርሕ ይላበወና። ኢየሱስ ሎሚ እውን ከበራትዓና ኢሉ አብ ጎኒ ነፍሲ ወከፍና አሎ። ንጉዕዞ እምነት ክንጉዓዝ እንከሎን ነቲ ዝገጥመና ፈተናታትን ተጻብኦን ንበይንና አይኮናን። ኢየሱስ መስቀል ተሰኪሙ ክጉዓዝ እነከሎ ኲኖ መስቀል ዘሎ ሓጎስ ክብርን ስለ ዝረአየ እዩ፥ ንአና እውን አብዚ አሚና መስቀልና ክንጸውር እሞ ብሓቂ ክንጉዓዝ ይደልየና። አብ ቃል ኢየሱስ ምሉእ እምነት ገርና እንተ ተጎዓዝን እቲ ዝጽበየና ሓጎስ ከም እንረክብ ባዕሉ ኢየሱስ ይገልጸልና።

አምላኽ ንህዝቢ አይሓድግን እዩ። ንኽፍአት ንጽልእን ንኃጢአትን አብዚ ዓለም ዘሎ እንተ ተዋጋእና አምላኽ ኩሉ ጊዜ ምሳና አሎ አይክሓድገናን እዩ። አብዚ ሓሳባት መሰረት ገሩ ጸሓፋይ መልእኽቲ ዕብራውያን እናአበራትዐ ፍርሕን ምጥርጣርን ከይንገብር የጠንቕቐና። ስለዚ ሎሚ እውን ምርጫና ኢየሱስ ገርና አብ መዓልታዊ ሕይወትና ብሓሳብና ብቃልናን ግብርናን ክንምስክሮ ቃል ንእቶ። ድሕሪኡ እቲ አብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጎስ አብ ቅድመና እውን ከኸውን እዩ።

እምብአር ኢየሱስ ሎሚ ምርጫና ንእኡ ወይ ወይ አንጻሩ ክንገብር ይሓተና አሎ። አብ መንጎ ቦታ የለን ሓዲኡ ክንመርጽ አሎና። “እቲ ምሳይ ዘይኮነ መቀናቕንተይ እዩ፥ እቲ ምሳይ ዘይእክብ ከአ ይብትን” (ማቴ 12፡30) ይብለና። ሕጂ እንገብሮ ምርጫ አብ ዘለዓለማው ሕይወት ሳዕበን አልኦ። ከም ቃሉ እንተ ነበርና ዘለዓለማዊ ሕይወት ከም እንወርስ የረጋግጸልና አንጻሩ እንተ ኸድና ግን ኩነኔ እዩ ዝጽበየና ስለዚ ምርጫና ነጸብቕ። “ነቲ ንአይ ዝአቢ ንቓለይውን ዘይቕበል ዚፈርዶ አሎ እዚ አነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቃል ንሱ በታ ዳኅረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ” (ዮሓ 12፡48) ይብለና።

አብ ዓመተ ሉቃስ ወዲእና ዓመት ዮሓን ክንጅምር አብ እንቀራረበሉ ዘሎና እዋን ነፍሲ ወከፍና አብ መገዲ አምላኽ ዘትሕዘና መገዲ ክንጸንዕ መብጽዓና ንሓድስ። አዒንትና አብ አምላኽ ገርና ጉዕዞ ሕይወትና ንምራሕ ምኽንያቱ ንሱ መገድን ሓቅን ሕይወትን እዩ። ብዘይካ ብስም ኢየሱስ ካልእ ድሕነት የለን። ኢየሱስ ጥራሕ እዩ ብምልኡ ሓቂ ብዛዕባ አምላኽን ሰብን ክገልጸልና ዝኽእል ወላ እኳ ንሕና ብምሉእ ክንርድኦ አይንኽአል። ንሓቁ ክንፈልጥን አብ ሓቂ ጸኒዕና ክነብር ክሕግዘና ክንጽሊ አሎና፥

ኦ አምላኽ ንኹሉ ዝሃብካና እናአመስገና ነዚ እንአትዎ ዘሎና ሕዲስ ዓመት ባርኸልና ሰላምን ፍቕርን አንግሰልና። ንቤተ ክርስትያንካ ብመንፈስካ መሪሕካ ጽንዓትን ብቅድስናን ምልአልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 

31 August 2019, 18:09