ሥድራቤታት ኣብያተ ትምህርቲ ሰብኣዊ ምዕባሌ
እንክብሉ ሥድራቤት ምንጪ ሕይወት ምንጪ ዕቤት ምንጪ ምዕባሌ ምንጪ ማሕበረሰብ ምንጪ ቤተክርስትያን ስለዝኾነ ኣብ ሥድራቤት ክትፍጠር ክትዓቢ እንከሎኻ ምሉእ ሰብ ኰንካ ከም እትምዕብል ዝገለጹ ቅዱስነቶም እዛ ብኣምሳል ቅድስት ሥድራ ኰይና ኣሠራ ክትስዕብ እንምነያ ሥድራቤት ከይትጒዳእ ከይትበርስ ምእንታኣ ክንጽሊ ሓደራ ኢሎም ስለዘለው ነዛ ወርሒ ምስኦምን ምስ መላእ ቤተክርስትያንን ሓቢራ ምእንታኣ ንጸሊ።