ድለ

ሓሳብ ጸሎት ር.ሊ.ጳ ንወርሒ ነሐሰ 2019 - ሥድራቤታት ኣብያተ ትምህርቲ ሰብኣዊ ምዕባሌ

ወርሒ መጸ ዝቀርብ ናይ ቅዱስነቶም ሓሳብ ጸሎት ንወርሒ ነሓሰ ብዛዕባ ሥድራቤታት ሓቀኛ ኣብያተትምህርቲ ሰብኣዊ ምዕብልና ምእንቲ ክኾና ንጸሊ ዝብል ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ካብ ቅድስት መንበር እንክዝርጋሕ ንሕና እውን ድምጾምን ምስሎምን ዝሓዘ ቪድዮ ነቲ መልእኽቶም ብትግርኛ ተርጒምና ብጽሑፍ ምስቲ ቪድዮ ቀሪብናዮ ኣሎና።

ሥድራቤታት ኣብያተ ትምህርቲ ሰብኣዊ ምዕባሌ

“ንመጻኢ ወለዶ እንታይ ዓይነት ዓለም ክነውርስ ንደሊ? ኣብ ሥድራቤት ዝንበረሉ ዓለም ነውርስ፣ ንሥድራቤታትና ንከናኸን፣ ከመይ ንመጻኢ ወለዶ ሓቐኛ ኣብያተ ትምህርትን ቦታ ናጽነትን ዓንዲማእከል ሰብአውነትን እየን። ኣብ ሥድራቤታትና ንግላውን ሓባራውን ጸሎት ዝኸውን ፍሉይ ቦታ ንሕዛእ። ሥድራቤታ ብናይ ፍቅርን ጸሎትን ናብራ ወትሩ ብዝነጸረ መንገዲ ‘ናይ ሓቀኛ ሰብኣዊ ምዕባሌ ኣብያተ ትምህርቲ ንክኾና’ ንጸሊ።”

እንክብሉ ሥድራቤት ምንጪ ሕይወት ምንጪ ዕቤት ምንጪ ምዕባሌ ምንጪ ማሕበረሰብ ምንጪ ቤተክርስትያን ስለዝኾነ ኣብ ሥድራቤት ክትፍጠር ክትዓቢ እንከሎኻ ምሉእ ሰብ ኰንካ ከም እትምዕብል ዝገለጹ ቅዱስነቶም እዛ ብኣምሳል ቅድስት ሥድራ ኰይና ኣሠራ ክትስዕብ እንምነያ ሥድራቤት ከይትጒዳእ ከይትበርስ ምእንታኣ ክንጽሊ ሓደራ ኢሎም ስለዘለው ነዛ ወርሒ ምስኦምን ምስ መላእ ቤተክርስትያንን ሓቢራ ምእንታኣ ንጸሊ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

01 August 2019, 18:20