ድለ

2019.07.26 እምቢታ ቤተክርስትያን ኼልቄዶን ንዕጡቃት መሊሻ ክርስትያን 2019.07.26 እምቢታ ቤተክርስትያን ኼልቄዶን ንዕጡቃት መሊሻ ክርስትያን 

ቤተክርስትያን ዒራቕ ናይ ሰማዕታት ቤተክርስትያን ኢያ!! ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ

ኣብ ምጅማር`ቲ ክሳብ ዕለት 13 ነሓሰ ኣብ ኣድአርቢል ዝቕጽል ጉባኤ ኣቡናት ናይ ቤተክርስትያን ከልቄዶን፣ ናይ ኬልቄዶናውያን ባቢሎን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ሉዊስ ራፋኤል ሳኮ፣ ናብ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ‘በቲ ዘተስፈውኩምና ምብጻሕ ብሓጎስ ተመሊእና፣ ነታ መዓልቲ ብሃንቀውታ ንጽበያ ኣሎና’ ክብሉ ንናይ ንቅድስነቶም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብዓቢ ሃረርታ ከምዝጽበይዎ ኣብ መልእኽቶም ገሊጾም።

ዮናስ ስዮም - ከተማ ቫቲካን

ናይ ኬልቄዶናውያን ባቢሎን ፓትሪያርክ ዝኾኑ ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ፣ኣብ ምጅማር`ቲ ክሳብ ዕለት 13 ነሓሰ ኣብ ኣድአርቢል ናይ ኩርዲስታን ዝቕጽል ጉባኤ ኣቡናት ናይ ቤተክርስትያን ከልቄዶን፣  ናብ ቅድስነቶም ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ከምዚ ክብሉ ሓሳቦም ገሊጾም። ‘ነዚ ኣጋጣም መልእኽተይ ተጠቒመ፣ እቲ ቤተክርስትያን ናይ ኬልቄዶን ኣባኹም ዘለዋ ዓቢ ክብሪ ክገልጽን፣ ኣብ ኩሉ ንመላእ ቤተክርስትያን እትህብዎ ሓዋርያውን ኣባታውን ኣገልገሎትኩም፣ ብፍላይ ንማሕበረ-ሰብ ክርስትያንን ንመላእ ሕዝቢ ዒራቕን ከምኡ`ውን ንመላእ’ዚ ዞባናን ዘለኩም ቅርበት እናመስገንኩ፣ ኣብ እንገብሮ ጸሎት ከምእንዝክረኩም ከረጋግጸልኩም እፈቱ’ ብምባል ኣብ ቅድስነቶም ዘለዎም ሰናይ ምንዮት ገሊጾም።

ንምእመናን ክፉት ዝኾነ ሲኖዶስ

ኣብ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ብብፁዕ ካርዲናል ሳኮ ናብ  ቅድስነቶም ዝተጻሕፈ መልእኽቲ፣ ኣብ መጀመርያ 2 መዓልቲ ናይ’ቲ ኣብ ኣድኣርቢል ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ፣ ካብ ኩለን ሃገረ-ስብከታት ናይ ዒራቕ ዝተወከሉ ምእመናን ከምዝተሳተፉ ገሊጾም። እቲ ጉባኤ ብሊቀ-ጳጳስ ዘቆጵሮስ ተኸተልቲ ማሮናዊ ሥርዓተ ዝኾኑ ብፁዕ ኣቡነ ዮሴፍ ሰወፍ ዝተመርሐ መንፈሳዊ መእተዊ ከምዝተኸፍተ ብምግላጽ፣ እቲ ጉባኤ ካብ ዕለት 8 ነሓሰ ጀሚሩ ንኣቡናት ጥራሕ ዝተሓዝአ ከምዝኸውን ኣብሪሆም።

ቤተክርስትያን ልእኽቲ ወንጌልን ሰማእትነትን

ብፁዕነቶም ንቤተክርስትያን ናይ ኬልቄዶን ኣመልኪቶም ‘ሽሕ’ኳ ናይ ኬልቄዶን ቤተክርስትያን ብቑጽሪ ንእሽቶ እንተኾነት፣ ንኩላኣዊት ቤተክርስትያን ኮነ፣ ካልኦት ማሕበረ ሰብ ክርስትያን ዓቢ ምልክት ናይ ተልእኾ ወንጌል ክትከውን ትኽእል ኢያ’፣ ምኽንያቱ እዛ ቤተክርስትያን እዚኣ መሠረታ ክሳብ ቀዳማይ ክፍለዘመን ዝበጽሕ ኮይኑ፣ ካብ’ቲ ግዜ’ቲ ጀሚራ ‘ወንጌል ብምስባኽ ክሳብ ቻይና ከምዝዘርግሐትን፣ ብዙሓት ሰማእታት ከምዝኸፈለትን ገና ትኸፍል ከምዘላን’ ብምሕባር፣ እታ ቤተክርስትያን ካብ ጥንቲ ታሪኽ ናይ ጉዕዞኣ ጅሚራ ኣብ ደም ሰማእታት ዝተሠረተት ቤተክርስትያን ከምዝኾነት ገሊጾም።

ምስ ማሕበረ-ሰብ እስላም ዘለዎም ሓባራዊ ስቓይ

ኣብ’ቲ ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ ናብ ቅድስነቶም ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ፣ ዜጋታት ማሕበረ-ሰብ እስላም መዓልቲ መጸ ብዙሕ ይሳቐዩን፣ ሕይወቶም ይሓልፉን ከምዘለዉ ብምሕባር፣ እዚ ብሓባር ነሕልፎ ዘሎና ናይ ሓብር ስቓይ፣ ምልክት ናይ ዝሓሸን ተስፋ ዝህብን መጻኢ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ሓዋርያዊ ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ ንዒራቕ ዓቢ ደገፍ ክኸውን’ዩ

ብፁዕነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ነቲ ቅዱስነቶም ንዝመጽእ 2020 ክገብርዎ ንዝሓስብዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝገልጽ ዜና ብዓቢ ሓጐስ ከምዝተቀበልዎ ብምግላጽ ናይ ቅዱስነቶም ኣብ መንጎኦም ምህላው ምናዳ ኣብዚ ኣጸጋሚ ግዜ እዚ ዓቢ ደገፍን ምትብባዕን ምዃኑ ብምግላጽ ብዓቢ ሃንቀውታ ንጽበየኩም ኣሎና ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 August 2019, 17:53