ድለ

INDIA-MONSOON-FLOOD INDIA-MONSOON-FLOOD 

ኣብ ሃገረ ህንዲ እትርከብ ናይ ኬርላ ቤተክርስትያን ነቶም ብዕልቕልቕ ማይ ዝተጠቕዑ ከባቢታት ትረድእ!

ብክቡር ኣባ ጆርጅ ቨቲካቲል ዝተመርሐ ጉጅለ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፣ ነተን ኣብ ኬርላ ደቡባዊ ህንዲ ዝርከባ 32 ሃገረ-ስብከታት ወሃብቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምውህሃድ፣ ብሓደጋ ናይቲ ሞንሱን ዝበሃል ዝናብ ዝተጥቅዑ ቦታታት ብምኻድ፣ ኣብ ናይ ሕይወት ኣድሕንን ምዕዳል መግብን ተጸሚዶም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ዮናስ ስዮም - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ደቡባውን ምዕራባውን ሃገረ ህንዲ ብሰንኪ ሞንሱን ዝተባህለ ብርቱዕ ህቦብላዊ ዝናም ዝሰዓበ ዕልቕልቕ፣ ኣብ ተቐማጦ’ቲ ከባቢ ከቢድ ሓደጋ ሞትን፣ ምምዝባልን፣ ጥሜትን ከምዘውረደ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከባ ትካላት ቤተክርስትያን፣ ኣብ ናይ ሕይወት ኣድሕንን ምዕዳል መግብን ተዋፊረን ከምዘለዋ ተፈሊጡ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ከባቢታት ኬርላ፣ ካርናታካ፣ ማሃራሽትራ ከምኡ`ውን ጉጃራት ዝተከስተ ብርቱዕ ዝናም ዝሰዓበ ዕልቕልቕን ምህማም መሬትን፣ ብውሕዱ 200 ሰባት ከሞቱ እንከለዉ፣ ልዕሊ 1.2 ሚልዮን ሕዝቢ`ውን በቲ ሓደጋ ከምዝተጸልወ ተፈሊጡ።

ብዘይካ`ዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 12 ነሓሰ 2019ዓምፈ፣ ኣብ ከባቢ ኡታራክሃንድን ጃሙን፣ ብሰንኪ ምህማም መሬት፣ ሂወት 9 ሰባት ከምዝጠፍኤ እንክሕበር፣ ኣብ ከባቢታት ወስት-ቤንጋልን ኦዲሻን ከኣ፣ ምስ ዝናም ብዝተተሓሓዘ፣ 5 ሰባት ከምዝሞቱ ተፈሊጡ።

እቲ ዝኸፍአ ጉድኣት ኣብ ኬርላ

እቲ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ምድላው፣ ኣብ ወርሒ ነሓሰ፣ ኣብ ኬርላ ዝተኸስተ ብርቱዕ ዝናምን ዕልቕልቕን ሕይወት 480 ሰባት ከምዝወሰደ እንክፍለጥ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጥራሕ ኣብ ኬርላ 85 ሰባት ክመቱ እንከለዉ፣ ኣብ ካርናታካ’ውን ብሰንኩ 116 ሰባት ሂወቶም ከምዝሓለፉ ብምሕባር፣ እዚ እቲ ዝኸፍአ ሓደጋ ናይ’ዚ ዓመት ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብሰንኪ’ቲ ክስተት ኣስታት 250,000 ሰባት ካብ ኬርላ ብምምዝባል፣ ኣብ 1600 ናይ ተራድኦ ንቁጣታት ተዓቚቦም ከምዘለዉ ተፈሊጡ። ገለ ካብቶም ተዓቚቦምሎም ዘለዉ ቦታታት ከኣ ብቤተክርስትያን ዝመሓደር ቤትትምህርታትን መዕረፊ ኣጋይሽን፣ ከምኡ’ውን ኣብያተ-ክርስትያንን ከምዘጠቓልል እውን ተሓቢሩ።

ቤተክርስትያን ማዕጾኣ ንኩሉ ክፉት`ዩ

ኣስታት 45,000 ሰባት ኣብ 300 ካቶሊካውያን ተቊዋማት ብምዕቋብ ዘድሊ ረድኤት ይግበረሎም ከምዘሎ፣ ጸሓፍን ዳይረክተርን ናይ ተቊዋም ሕብረተሰብኣዊ  ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ከሬላ ክቡር ኣባ ጆርጅ ሓቢሮም። ንሶም ብመንግዲ ሕብረተሰብኣዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት’ቲ ሃገር ን32 ሃገረ-ስብከታት ናይ’ቲ ሃገር ብምውህጋድ፣ ንግዳያት ሓደጋ ንምርዳእ ይሰርሑ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ኩለን ተቊውማት ቤተክርስትያን ግዝያዊ ናይ ኣገልግሎት ረድኤት ንምሃብ ብዘይኣፈላላይ ንኩሉ ክፉታት ከምዘለዋ ሓቢሮም።  

ኣባ ጆርጅ ነቲ ተረኽቦ ኣመልኪቶም፣ ንራድዮ ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ መሰርት፣ 10 ካብተን 14 ናይ’ቲ ሃገር ክልላት፣ በቲ ሓደጋ እንክጥቅዓ፣ ኣስታት 100 ዝኾና ቦታታት’ውን ብሰንኪ ምህማም መሬት ክዓንዋ እንከለዋ፣ ብዙሓት ካልኦት’ውን ከምዝተደምሰሳ ሓቢሮም።

ብዘይካ’ዚ ኣባ ጆርጅ፣ ናይ ካቶሊካውያን ኣቡናት ኬርላ፣ ናይ ፍትሕን ሰላምን ምዕባለን ጸሓፊ ከምዝኾኑ መጠን፣ እተን 32 ኣብ ኬርላ ዝርከባ ካቶሊካውያን ሃገረ-ስብከታት፣ ኣብ ልዕሊ 14 ክልላት ናይ 12 መንግስታት’ቲ ሃገር ተዘርጊሐን ከምዘለዋ ብምሕባር፣ ነፍስወከፍ ሃገረ-ስብከት ናይ ገዛእ ርእሳ ማሕበረሰብኣዊ ኣገልግሎት ከምዘለወን እንክፍልጥ፣ ምስ ናይ`ቲ ሃገር ካቶሊካውያን ተቊዋማትን፣ ቁምስናታትን፣ ትካላትን ብምውህሃድ ኣብ ሕይወት ኣድሕንን ረዳኤትን ተቖሪነን ከምዘለዋ ሓቢሮም።

ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ፣ እቶም ዝተወሃሃዱ ኣካላት ናይ ቤተክርስትያን፣ ኣብ ልዕሊ 1000 ዝኾና ናይ ረዳኤት መዕቆቢታት ብምድኳን፣ ንኣስታት 50,000 ዝኾኑ በቲ ሓደጋ ዝተጠቕዑ ሰባት፣ ብዘይሌላን ጉሌላን ንኹሎም ናይ መግብን መሠረታውያን ኣድለይቲ ነገራትን ሓገዝ ይህቡ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

ማሕበረሰብ ገፈፍቲ ዓሳ፣ ሓገዞም ይህቡ

እቶም ኣብ’ቲ ከባቢ ዝርከቡ ገፈፍቲ ዓሳ ዝኾኑ ካቶሊካውያን ማሕበረሰባት፡ ጀላቡኦም ሒዞም ብምምጻእ፣ ብውሕዱ ሕይወት 65,000 ሰባት ካብ`ቲ ዕልቕልቕ ናይ ውሕጅ ከምዘድሓኑ እንክፍለጥ፣ ንኽስዕብ ዝኽእል ተወሳኺ ሓደጋ ንምክልኻል’ውን፣ ጀላቡኦም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዘርጊሖመን ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብ ህንዲ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንሽጉራት ናይ’ቲ ክስተት ንምሕጋዝ፣ ናይ ገዛእ ርእሳ ውጥን ኣውጺኣ ትሰርሕ’ኳ እንተሃለወት፣ ጎድኒ ጎድኑ’ውን ምስ መንግስት’ቲ ሃገር ንምትሕብባር ትጽዕር ከምዘላ ተፈሊጡ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ ከም ማያንማርን ምብራቕ ቻይናን ዚኣመሰላ ሃገራት ኢስያ’ውን፣ ብናይ ውሑጅ ዕልቕልቕ ከምዝተጠቕዓ ተፈሊጡ።

ብድምጺ ንምክትታል
14 August 2019, 17:11