ድለ

2019.08.18 meeting Rimini fiera 2019.08.18 meeting Rimini fiera 

ሎሚ ዘድልየና ፍቅሪ ሃገርን ንካልኦት እትቅበል ክፉት ልብን እዮም! ሊ.ጳ ጋላገር

ኣብ ምዝዛም ገጹ ኣብ ዝጐዓዝ ዘሎ ጉባኤ ሪሚኒ ናይ ቅድስት መንበር ጸሓፊ ርክብ ምስ መንግሥታት ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ‘ዘድልየና ጒዕዞ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻ ንካልኦት ምቅራብ ምኽላእ ዘይኮነ ፍቅሪ ሃገርን ንካልኦት ክትቅበል ክፉት ልብን እዮም!’ ክብሉ ቃሎም ሂቦም ምስ ረድዮ ቫቲካን እውን ቃለ ምልልስ ኣካዪዶም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ከምዝገልጽናዮ ንሕብረት ኤውሮጳ ሕመረት ዝገበረ ብቀንዱ ግን ብዓለም ለኸ ደረጃ ንብዙሓት መራሕትን ሊቃውንትን ተመኲሮ ንምልውዋጥ ዓመት ዓመት ዝግበር ርክብ ሪሚኒ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እውን ከከም ኣድላይነቱ ቃሎም ስለዝህቡ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ሃገረ ጣልያን ረኪበ ጳጳሳት ኣቦመንበር ዝኾኑ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ባሰቲ ዝሃብዎ ቃል ኣቅሪብናልኩም ነርና። ሎሚ ኸኣ ናይ ቅድስት መንበር ጸሓፊ ርክብ ምስ መንግሥታት ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ንሃገራውነትን ምቅባል ካልኦትን ብዝምልከት ኣብ ጉባኤ ሪሚኒ ትማሊ ዘቅረብዎ ሓሳብን ምስ ረድዮ ቫቲካን ናይ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ጽማቚን ነቅርበልኩም።

ሕብረት ኤውሮጳ ይብሉ ብፁዕነቶም ‘ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣብ መጻኢ ክኽሰቱ ንዝኽእሉ ብድሆታት ጠሚታ፡ ንዘለዋ ንሰብ ማእከል ዝገበረ መሰረታውያን ክብርታት፡ ማለት ከም ጉዳይ ስደተይናታትን ምዕቃብ ተፈጥሮንን ዝኣመሰሉ ዓበይትን ጸለውትን ዛዕባታት ብዝበለጸ ክዕቀቡ ከምዝግባእ’ ድሕሪ ገሊጾም፡ ነቶም ኣብዚ ግዜና ሓሓሊፍካ ዝረኣዩ ናይ መጠኖም ዝሓለፉ ስምዒታት ልዑላውነት፡ ናብ ምዕጻውን ምንጻልን ከምዘምርሑ ተረድእና፡ ትኽክለይና ዝኾነ ምትዕርራይ ክግበረሎም ከምዘለዎ ተማሕጺኖም። ብዘይካ’ዚ ትማሊ ኣጋ ምሸት ኣብ`ቲ ጉባኤ፡ ኤውሮጳ ካብ 1979-2019ዓምፈ፡ ኣብ መሰልን ግዴታን ናይ ወድሰብ ክትከተሎ ዝጸንሐት ኣካይዳ ኣመልኪቶም ሓሳቦም ከምዝሃቡ ተፈሊጡ።

ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ ቅልውላው  

ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር፡ ንናይ ግዜና ፖሎቲካ ናይ ኤውሮጳ ኣመልኪቶም፡ ‘ምምቕቓል ፖሎቲካ ማለት፡ ህላውነት ወድ-ሰብ ምምቕቓል’ ማለት ኮይኑ፡ ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ከም ብሕትውና፡ ውልቃውነት፡ ቅልውላው ስድራቤት፡ ዓሌታውነት፡ ቅኑዕ ስነ-ምግባራዊ ሓሳብ ምጉዳል ዝኣመሰሉ ተጻይ ሓድነትን ፍቅርን ደቂሰባት ዝቐንዑ ክስተታት ከምዘፍሪ፡ ካብ’ዚ ብኸፊሉ ኣብ ኣብ ዓለምን ኣብ ኤውሮጳን፡ ካብ መንነታዊ ቅልውላው ዝመንጨዉ ከም ቁጠባውን፡ ዓለም ለኻዊ ፖሎቲካን፡ ምንእኣስ ሓባራዊ ባጤራ ኤውሮን፡ ስምምዓት ብረክሲት ማለት ምንጻል ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ከምኡ’ውን ኣብ ጉዳይ ስደተይናታት ዘለዎም ኣተሓሳስባታትን ንብዙሓት ምክንያት ምምቕቓል ኮይኑ ከምዘሎ ንዕዘቦ ዘሎና ሓቂ ኢዩ፡ ከም ዝበሉ ተገሊጹ።

ጉዳይ ስደት  

ብጽዕነቶም ንጉዳይ ስደተይናታት ኣመልኪቶም፡ ናብ’ቲ መሪሕ ሓሳብ ናይ’ቲ ጉባኤን፡ ናብ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮስ ኣቐዲሞም ዝበልዎ ሓሳብን ይምለሱ’ሞ፡ ‘ኣብ’ቲ ብምስሊ ናይ’ቲ ኣዝዩ ምሥርጢራውን ምንጪ ኩሉ ጽቡቕን ዝኾነ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ሰብ መሰረት ዝገበረን፡ ኣብ ቅኑዕ ባህሊ ዝተሰረተን ንጹር ፖሎቲካዊ ራኢ ምሕናጽ የድሊ’ ድሕሪ`ሎም፡ ምስካልኦት ክግበሩ ንዝግብኦም ርክባት ኣመልኪቶም ከኣ፡ ምስ ካልኦት፡ ብፍላይ ምስ ኣብ ሽገር ዘለዉን፡ ሓገዝ ዘድልዮምን ሰባት፡ ሓድነትን ምትሕግጋዝን ምግባር ሕርየት ዘይኮነ ግዴታ ኢዩ ኢሎም።

ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር ኣስዒቦም፡ ንምቕባልን ምእንጋድን ስደተይናታት ኣመልኪቶም፡ ንስደተይናታት ብኽብሪ ብምቕባል፡ ኣብ’ቲ ሓድሽ ሕብረተሰብ ክወሃሃዱን ስራሕ ክረኽቡን፡ ስድራቤት ክምስርቱን፡ መጻኢኦም ከውሕሱን ዘኽእሎም ሃዋህው ምርካብ መሰሎም ከምዝኾነ ብሓደ ወገን፡ እቶም ስደተይናታት ኣብ’ቲ ዝኣትውዎ ሓድሽ ሕብረተሰብ፡ ብምዕጻው ዘይኮነ ብክፉት መንፈስን ብሓላፍነትን ክዋስኡ፡ ግዴትኦም ከምዝኾነ ክፈልጡ ከምዘለዎም ክግበር በቲ ካልእ ወገን፡ ክስርሓሉ ይግባእ ኢሎም።

ቃለ ምልልስ ምስ ረድዮ ቫቲካን

ብፁዕነቶም ብዛዕባ እቲ ዝሃብዎ ኣስተምህሮን ሓፈሻዊ ርእይቶኦም ብዛዕባ ሕብረት ኤውሮጳን መላእ ዓለምናን ጋዜጠኛ ረድዮ ቫቲካን ሓቲትዎም። ንዝቀረበሎም ሓጸርቲ ሕቶታትን ዝሃብዎ መልሲ ብከምዚ ዚስዕብ ነቅርበልኩም።

ኣብ መጀመርያ ዝቐረበ ሕቶ ‘ንጉዳይ ኤውሮጳ ኣመልኪትኩም፡ ብዛዕባ ኤውሮጳ ኣብ መጠኑ ዝሓለፈ ልዑላውነትን፡ ኣብ መንጎ ሕዛባውያን ተቍዋማትን ሕዝብን ዘሎ ርክብ እንታይ ክትብሉና ትኽእሉ፧ ንዝብል እንክምልሱታሪኻዊ ኣመጻጽኣ ናይ ዝበዝሐ ክፋል ኤውሮጳ ምስ ንዕዘብ፣ ብዙሕ ሓባርዊ ታሪኻትን ተመኩሮታትን ብሓባር ዝተጓዓዝናዮም ከምዘለዉን፡ እቲ ኤውርጳ ዝብል ቃል ንባዕሉ ንኹላትና ኣብ`ዚ ቦታ እንርከብን፡ መብዛሕትና ክርስትያናዊ እምነት እንኽተል ሕዝቢ ዘጠቓለለ ብርእሱ ሓደ ዓቢ ክብሪ፡ ከምዝኾነ መጠን፡ ካብ ድሕሪ ናይ ክልተ ኲናታት ዓለም ተመኩሮታት ጀሚሮም፡ ንሰላምን ምዕባለን ናይ ኩሉ ኣብ’ዚ ቦታ ዝነብር ሕዝቢ ዘውሕስ ሓባራዊ ስምምዓት ከዝኸተሙን፡ ክሳብ’ዚ እዋን’ዚ ምስ ብዙሕ ብድሆታት ይክተልዎ ከምዘለዉንገሊጾም።

ስዒቡ ዝቐረበ ሕቶ ‘ኣብ`ዚ ግዜ’ዚ ስለምንታይ’ዩ ኣብ ኤውሮጳ ብዛዕባ መሰል’ምበር ብዛዕባ ግቡእ ዘይዝረብ፧’  ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ‘ብርግጽ ቅኑዕ ትዕዝብቲ’ዩ! ኩልና ንዕዘቦ ከምዘሎና፡ ሰባት ብዛዕባ መሰልና እምበር፡ ብዛዕባ ክንገብሮ ዝግባኣና ግዴታ ኣይንዛረብን፡ እዚ ኩሉ ሰብ ካብ ሓላፍነት ምውሳድ ይሃድም ከምዘሎ ዘመልክት ኮይኑ፡ ነቲ ክልተ ገጻት ናይ ሓንቲ ሳንቲም ዝኾነ፡ ክነጻጸል ዘይግብኦ መሰልን ግዴታን፡ ብግቡእ ካብ ዘይምርዳእን ምሓዝን ዝሰዓበ፡ ሚዛን ዘይብሉ ኣካይዳ ከምዘሎ ዘረድእ እዩ። ከም ውጽኢቱ’ውን ኣብ ብዙሓት ሰባት ቊጠዐን ሽግርን ከምዘለዓዕል ተረዲእና፡ ነዞም ክልተ ነገራት ብሚዛን ክንሕልዎም ይግባእ’ ኢሎም።

ቀጺሉ ዝሰዓበ ሕቶ ‘ሎሚ ኣብ`ዚ ግዜና፡ ፖሎቲከይናታት ብዛዕባ መጠኑ ዝሓለፈ ልዑላውነት ሓያል ሞጎተ ከምዘሎ፡ ንዕዘቦ ዘሎና ሓቂ ኮይኑ፡ ዝኾነት ሃገር ልዑላውነት ከምዘለዋን ከመይ ዓይነት ልዑላውነት ከምዝኾነን’ዶ ምገለጽኩምልና፧’  ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ‘እወ! ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ልዑላውነት ይዝረብ እዩ፡ ብርግጽ ዝኾነት ሃገር ልዑላውነት ኣለዋ፡ ማንም ሰብ’ውን ከሕድጋ ዝኽእል ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ብዛዕባ ልዑላውነት ዝምቡዕ ዝኾነ ርድኢት ኣሎ፡፡ ንሱ ከኣ ንልዑላውነት ብኣጋንኖ ብምቕራብ ዘይትርጉሙ ምሃብ እዩ። ልዑላውነት ንጽቡቕ ናይ ሕዝቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ክጎድኦም ናብ ዝኽእል ትርጉም ካብ ምሃብ ምሕላው የድሊ፡፡ እዚ ድማ ንሓንቲ ሃገር ኣብ ገዛእ ርእሳ ጥራሕ ብምዕጻው ናብ ተነጽሎ ብምምራሕ፡ ነቲ ሕዝባ ምስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለዉ ሕዝቢ ብምርኻብ ክረብሕዎ ዝግባእ ምኽልካልን ካብ ንኹሉ ዘሕብሩ ክብርታት ምንጻልን ከምዘስዕብ ተረዲእና፡ ካብ`ዚ ወጺና ነቲ ቅኑዕ ርድኢት ናይ ልዑላውነት ክንክተል ይግባእ’ ብምባል መሊሶም።

ስዒቡ ዝቐረበ ሕቶ ‘ብፁዕ ኣቡነ ጋላገር! ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ብዛዕባ ኤውሮጳ ክዝረብ ከሎ፡ ነቶም ናይ ምሁራትን ፖሎቲካውያን ተቝኣማት’ምበር ነቶም ተራ ሕዝቢ ዘጠቓለለ ኤውሮጳ ከምዘይኮነ ይዝረብ`ዩ’ም ብወገንኩም’ከ እንታይ ትብሉ፧’  ዝብል ሕቶ ንምምላስ ‘እዚ ኣርእስቲ’ዚ ኣዝዩ ሰፊሕን ሓፈሻዊ ሓሳብን ኮይኑ፡ ኣብቶም ዝግበሩ ውሳኔታት ዝንጸባርቑን ዕጋበት ዘይህቡን ተርእይዮታት ከምዝርኣዩ ብምግላጽ፡ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ግዝያት ብዝሓለፉ ውሳኔታት፡ ብዙሓት ተቝማት ቅሬትኤን ከምዝገለጻ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኩሎም እቶም ዘይተሓጎሳሎም ውሳኔታት ቅኑዓት ኔሮም ማለት ዘይኮነስ፡ ብሓፈሽኡ ኣብ መንጎ ተራ ሕዝብን ፖሎቲካውያን ተቍማትን ዓቢ ጋግ ከምዘሎ ተረዲኦም፡ ፍልልያቶም ንምጽባብ እቶም ፖሎቲካውያን ተቝማት ናብ ሕዝቢ ክቐርቡን ንሕዝቢ ክሰምዑን፡ ሽግራት ሕዝቢ ብግቡእ ድሕሪ ኣምቢቦምን ተረዲኦምን ናብ ውሳኔ ክሓልፉ የድሊ’ ብምባል ከምዝመለሱ ተገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ዝቐረበ ሕቶ ‘ቤተክርስትያን ኣብ ቅኑዕ ኣካይዳ ናይ ኤውሮጳ ብከመይ ክትሳተፍ ትኽእል፧’  ዝብል ንምምላስ ንሕና ቤተክርስትያን ይብሉ ብጽዕነቶም ‘ቤተክርስትያን ንሃገራውነት ዘኣንግድ ራኢ የብልናን፡ ቤተክርስትያን ንፍቕሪ ናይ መበቆል ዓዲ፡ መበቆል ሕዝብን ባህልን፡ ከምኡ’ውን ቋንቋ ክዕቀቡ ኢያ ተተባዕ። ኣብ ተኸተልቲ ካቶሊካዊ ሃይማኖትን ካልኦት ክርስትያንን፡ ካብ እምነቶም ዝወረስዎ፡ ምስ ካልኦት ክፉት ናይ ምዃን መንፈስ እንክህሉ፡ ኣብ ኩሎም ባህልታት ናይ ደቂ ሰባት ካብ’ቶም ዝፈላልዩና ዘሕብሩና ነገራት ከምዝበዝሑ ከነስተውዕል ይግባእ’ ድሕሪ`ሎም፡ ‘ዕላማ ናይ’ዚ ኣብ ሪሚኒ እነካይዶ ዘሎና ጉባኤ’ውን፡ ነቲ ቅድስነቶም ኣቐዲሞም ‘ናይ ምርኻብ ባህሊ ክንሓንጽ ኣሎና’ ዝበሉና ኣብ ግብሪ ንምውዓልን፡ ኣብ ካልኦት ዘሎና ኣመለኻኽታ ከነስፍሕን ዝዓለመ ከምዝኾነ’ ብምሕባር ቃለ-ምልልሶም ዝዚሞም።

ብድምጺ ንምክትታል
23 August 2019, 18:56