ድለ

2019.03.16 በዓለ ደብረ ታቦር ትርኢት ጐይታና ኢየሱስ ዝተለወጠሉ 2019.03.16 በዓለ ደብረ ታቦር ትርኢት ጐይታና ኢየሱስ ዝተለወጠሉ 

በዓለ ደብረ ታቦር ተስፋ ድሕነት ኮይኑ ሥቃይ ሓላፊ ምዃኑ ዝገልጽ በዓል! ር.ሊ.ጳ

ሎሚ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነቲ ትርኢት ጐይታና ኢየሱስ ዝተለወጠሉን ሙሴን ኤልያስን ምስ ጐይታ ዘዕለሉሉን እግዚአብሔር ኣቦ ብድምጺ ‘እዚ እቲ ዘፍቅሮ ወደይ እዩ ንኣኡ ስምዕዎ’ ክብል ብቃሉ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብዓምደ ደመና ዝተገልጸሉ ዓቢይ በዓል በዓለ ደብረ ታቦር ዘኪራ ትውዕል ኣላ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ብመሠረት ግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ንሎሚ ዝቀርብ ወንጌል ካብ ሉቃስ 9.28 ኮይኑ ‘ንጴጥሮስን ዮሓንስን ያዕቆብን ምስኡ ወሲዱ ኺጽሊ ናብ እምባ ደየበ። ኪጽሊ እንከሎ ኸኣ ትርኢት ገጹ ተለወጠ፡ ክዳውንቱ እውን ዜንጸባርቅ ጻዕዳ ኾነ። እንሆ ድማ ኽልተ ሰባት ሙሴን ኤልያስን ምሳኡ ይዛረቡ ነበሩ።` ዚብል ብዛዕባ ትርኢት ግርማ መልኮት ኢየሱስ ኣብ ደብረ ታቦርን እግዚኣአብሔር ኣቦ ብደመና ` እቲ ዝሓረዅዎ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስምዕዎ’ ዚብል ቃልን ናይ ጴጥሮስ ‘ጐይታይ ኣብዚ ምንባር ንኣና ጽቡቕ እዩ። ሠለስተ ድንኳን ሓደ ንኣኻ ሓደ ንሙሴ ሓደ ከኣ ንኤልያስ ንግበር’ ንዝበሎ እውን የዘንቱ።

እዚ ፍጻሜ እዚ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነርድእቱ ብዛዕባ ሕማማቱን ሞቱን ትንሣኤኡን ምስ ተዛረቦም ብዙሕ ምስ ተዓንቀፉን ካብቶም ኣርድእቱ ዝመረጾም ወይውን ነቲ ፍጻሜ ንምርኣይ ዝተሰናደው ሠለስት ሒዙ ንእምባ ይድይብ። ር.ሊ.ጳ ፍርናቸስኮስ ነዚ ጉዳይ እዚ እንገልጹ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ‘ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና መስቅልና ጸርና ዕለት ዕለት ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ እንተዘይኮይኑ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝበጽሕ ማንም የለን። ፈተናታት ሥቃያት ጸገማት ናብራ መሳቀዪ ዘይኮነስ ግድን ክንሰግሮም ዘሎና እዮም ኮይኑ ግን ናብ ዝዓበየ ክብሪ እንሰጋገረሉ ነቲ ንዓይንኻ ዝድርጒሕ ትርኢት ግርማ መለኮት ኢየሱስ ንምርኣይ እንበቅዓሉ ግዝያውያንን ሓለፍትን መሰጋገሪታት እዮም። ። ። በቲ ዕንቅፋት ዝኾነ መስቀል ከስ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንበጽሕ` ኢሎም ነሮም።

ጎቦ እንታይ የመልክት!

ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ብዛዕባ ኲርባታትን ጎቦታትን ተጠቂሱ ንረክብ ጎቦ ሲናይ ጎቦ ሄብሮን ጎቦ ታቦር ጎቦ ሞርያ ወዘተ ኮይኑ ግን ትርጉሙ እንታይ እዩ ምስ እንብል ብዙሕ ግዜ ዝለዓለ ቦታ ኰይኑ ምስ እግዚአብሔር እትራኸበሉ ቦታ የስምዕ። ንኣብነት ሙሴ ኣብ ጎቦ ሲና 10 ትእዛዛት ይቅበል። ኣብ ጎቦ ጎልጎልታ ከኣ ኢየሱስ ይስቀል። እቲ ዝለዓለ ትርጉሙ ግን ንመላእ ዓለም ዘብርህ ብርሃን ኣብ ጎቦ ከምዝድኰን ዘመልክት ናይ ደብረ ታቦት ፍጻሜ እዩ። ኣብዚ ናይ ወዲሰብ ናብ መለኮታውነት ምልዋጥ በቲ መለኮታዊ ሓይሊ ክርስቶስ እንክረኤ ምልክት ብርሃን ክንብሎ ንኽእል። ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ኩሉ ንበዓል ደብረ ታቦር ዘመልክት ስእልታት ዝድርጒሕ ንኩሉ ዘብርህ ብርሃን ከምቲ ኣብ ወንጌላት ተመልኪቱ ዘሎ ንረክብ። እቲ ዝረኤ ብርሃን እቲ ሓቀና መለኮታዊ ብርሃን ኣይኮነን ከመይ ነቲ ብርሃን እቲ ርእዩ ብሕይወት ክተርፍ ዝኽእል ዋላ ሓደ የለን። ዋግዋጎ ብርሃነ ትንሣኤ ኰይኑ ብምልክት ብርሃን ነቶም ሓዋርያት ክግለጸሎም ስለዝደለየ ገበሮ። ካልእ ዓቢ ምሥጢር ኣብ ደብረ ታቦር ዚግለጽ እውን ኣሎ። ዓቢ ምሥጢረ ሥላሴ እግዚኣአብሔር ኣብ ብድምጹ እግዚአብሔር ወልድ ብኣካሉ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ከኣ በቲ ብሩህ ደመና ተመልኪቶም ንረኽቦ። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ሊቃውንቲ ሃገርና በዮርዳኖስ ቅድመ ወበታቦር ካዕበ! ሥላሴክሙ ተረክበ እናበሉ ዝዝምሩ መጀመርያ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ እግዚአብሔር ኣብ ብድምጹ እግዚአብሔር ወልድ ብኣካሉ እግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብኣምሳል ርግቢ ኣብ ሩባ ዮርዳስ እንክግለጽ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ መልክዕ ከኣ ኣብ ደብረ ታቦር ምሥጢረ ሥላሴ ተረኽበ ማለት እዩ።

ሙሴን ኤልያስን ደሓር ከኣ ሓዋርያት!

ኣብ ፍጻሜ ደብረ ታቦር ብዙሕ ምልክታትን ትርጉማትን ኣሎ። ንኣብነት ህላዌ ሙሴን ኤልያስን ናይቶም ሠለስተ ሓዋርያትን ንክልተ ባህርይ ክርስቶስ ይገልጽ ዝብሉ ሊቃውንቲ እውን ኣለው። እዚ ከኣ ባህርየ ትስብእትን ባህርየ መለኮትን መሠረት ቤተክርስትያን ምዃኑ የመልክት። ሙሴ ምስተን ዝተዋህባኦ ጽላት ዓሠርቱ ቃላት ከምኡ እውን ኤልያስ ንኩሎም ነቢያት ወኪሉ እቲ ዝተነበናሉ እዚ እዩ ብማለት ናብ ኢየሱስ እንከመልክት ኢየሱስ ከኣ ኣብ መንጎኦም ኰይኑ ነቲ ኣብ ወንጌለ ማቴዎስ ንኦሪትን ነቢያት ምልኣትን ፍጽምናን ክህቦም እምበር ከፍርሶም ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም ዝበሎ የረጋግጽ። ነዚ ኩሉ ዝዕዘቡ ከኣ ኩሉ ጋን ዝኾኖም ሓዋርያት ንዓና ንኩሎም ደቂሰባት ብዘመልክት መንገዲ ኣብዚ ምዃን ክንደይ ጽቡቅ እዩ እናበለ ቅዱስ ጴጥሮስ ንገዛእ ርእሱ ረሲዑ ነቶም ሠለስተ ዓበይቲ ሰባት ሠለስተ ጐጆ ንስራሕ እንክብል ምዕዛብ ይኣክል።

በቲ ዕንቅፋት ዝኾነ መስቀል ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንበጽሕ!

ቅዱስነቶም ትርጉም በዓለ ደብረ ታቦር ናይ ኩሉ ክርስትያን ዕጫ ምዃኑ ንምግላጽ ‘ነፍሲ ወከፍ ምርጫ ክርስትያን ዝኾነ ትንሣኤ ገጽና ኣብ እንገብሮ ዘሎና ጉዕዞ ትርኢት ግርማ መለኮት ኢየሱስ ኣብ ደብረ ታቦር ኣብ ዝተለወጠሉ ግዜ ጴጥሮስን ዮሓንስን ያዕቆብን ካብ ሓዋርያቱ ሙሴን ኤልያስን ንኦርትን ነቢያትን ወኪሎም ዝዋስኡሉ ፍጻሜ ክነስተንትን፡ ምናዳ ጴጥሮስ እቲ ደስ ዘብል ግዜ ጸጋ ኪሓልፍ ኣይደልን ንኩሉ ግዜ ከምኡ ኢሉ ክጸንሕ ይምነ፡ ኮይኑ ግን ንሱስ ይኹን እቶም ካልኦት ሓዋርያት ነታ ቀቅድሚ እዚ ክብሪ እዚ ክመጽእ ዝነበሮ ሕማማትን ሥቃይን ሞትን ትንሣኤን ክቅበሉ ሥንድዋት ኣይነበሩን። ኢየሱስ ሓዋርያት ንጉዳይ መስቀል ንሕማማቱን ሞቱን ከምዘይቅበልዎ ይፈልጥ ነሩ። ስለዝኾነ ከኣ ንከሰናድዎም ኢሉ ምናዳ ዕንቅፋት ሕማማትን ኣብ ዕጸ መስቀል ተሰቂልካ ሙማትን ብርቱዕ ስለዝነበረ ኮይኑ ግን እታ እንኮ መንገዲ ንወልደ እግዚኣአብሔር ካብ ሙታን ፈልዩ ብምትንሣእ ናብ ክብሪ ሰማያዊ ኣቦኡ እተብጽሖ ንሳ እያ ነራ። እዛ መንገዲ እዚኣ ናይቶም ሰዓብቱ ሓዋርያት መንገዲ እውን ኣያ። ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና መስቅልና ጸርና ዕለት ዕለት ንኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ እንተዘይኮይኑ ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝበጽሕ ማንም የለን። ነፍሲ ወከፍና መመስቀሉ ኣለዎ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይዚ መስቀል እዚ ፍጻሜ ትንሣኤ ሙታን ምዃኑ የርእየና። እዚ ከኣ ብጣዕሚ ጽቡቅ እዩ። ነቲ ዝበለጸ ክትረክብ ብዝሓሰመ መንገዲ ምስግጋር ማለት እዩ።’ ኢሎም ነሮም።

ኣብ’ቲ ዘንጸባርቅ ትርኢት ግርማ መለኮቱ ብርሃን ድሕነት ኣሎ።

በዓለ ደብረ ታቦር ብዝበለጸ ዝገልጸልና ነገር እንተልዩ ሥቃይ ክርስትያን ክንዮኡ ሓደ ዓቢ ነገር ከምዘሎ እቲ ሥቃይ ከኣ መሰጋገሪ ምዃኑ እንከመልክት ብግዲ ክሕለፍ ዘለዎ መሰጋገሪ እዩ ኮይኑ ግን ንግዜኡ እዩ ሓላፊ እዩ ከመይ ካብኡ ብዘይመጠን ዚዓቢ ዕላማ ጻውዒት ስለዘሎ። እቲ ክንበጽሖ ንመጣጠሮ ዘሎና ብብርሃን ዘንጸባርቅ ናይ ዕረፍትን ታሕጓስን ሸቶ ኮይኑ ከምቲ ኣብ ደብረ ታቦር ትርኢት ግርማ መለኮቱ ንሓዋርያት ደስ ዝበሎም ኣብኡ ምንባር ከምዝሕሾም እውን ዝገለጽዎ ሕይወት ብፅዕናን ሕይወት መንግሥተ ሰማይ ሕይወት ብርሃን ሕይወት መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ እዚ እዩ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግራማ መለኮቱ ብከምዚ ክገልጽ ከሎ እቶም ዕለት ዕለት ዘሳቅዩና መስቀል ፈተናታትን ጸገማትን ፍታሕ ናቶም ብፋሲካ ብትንሣኤ ሙታን እንኪሰዓሩ እዩ።  ኣብዚ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ እምበአርክስ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ እምባ ታቦር ንደይብ። ከመይ ኢልና እንተበልና ብጸሎት እዩ እቲ መልሱ። ነቲ ጎቦ ብጸሎት እንክንድይብ ጸሎትና ብሱቚታ ብልብና ወትሩ ንጐይታ እናደለና ክኸውን ኣለዎ። ዕለት ዕለት ብሱቕታ እንጽልየሉን እነስተንትነሉን ግዜ ይሃልወና። ነቲ ውሳጣዊ ኣዕይንትና ናብ መለኮታዊ ገጽ ኢየሱስ ነተኲር እሞ ብርሃኑ ክወረናን ኣብ ሕይወትና ከንጸባርቅን ንፍቀደሉ። ጸሎት ከም ኢየሱስ ከም እነንጸባርቅ ይገብረና።

ጸሎት ከም ኢየሱስ ከም እነንጸባርቅ ይገብረና።

ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰብኣውነት ናብ መለኮታዊ ግርማ ምልዋጡ ኣብቲ ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝተራኸበሉ ጽዑቅ ውህደት ነበረ። ቅዱስነቶም ናብ ትረኻ ሉቃስ ወንጌላዊ ምልስ ይብሉ እሞ ‘ኪጽሊ እንከሎ ኸኣ ትርኢት ገጹ ተለወጠ ክዳውንቱ እውን ዜንጸባርቕ ጻዕዳ ኾነ’ ዝብል ጥቅሲ ሓይሊ ጸሎት ክሳብ ክንደይ ብርቱዕ ምዃኑ ኣብዚ ዓለም እዚ ብደቂሰባት ኣቢሉ ንደቂሰባትን ንዓለምን ክልውጥ ይኽእል። ኣብ ሕይወትና ክንደይ ሰባት ዝጽልዩ ጸባት ገጻቶም ከንጸባርቅ ዘይረኣና። ጸሎትከስ ሥራሑ እዚ እዩ። ከም እነንጸባርቅ ይገብረና። እንክብሉ ድሕሪ ትንሣኤ ኣብ ዝቀርብ ክፍሊ ወንጌል ሉቃስ ኣስተንትኖ ኣቅሪቦም ነሮም።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

06 August 2019, 19:14