ድለ

ምሥጢርን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ናይ ፍልሠታ እኖና ድንግል ማርያም ምሥጢርን ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ናይ ፍልሠታ እኖና ድንግል ማርያም 

ንትንሣኤ ሥጋኣ ዘቕደመ ፍልሠታ ብፅዕቲ ድንግል ማርያም

ር.ሊ.ጳ. ፕዮስ መበል 12 ብዝኣወጅዎ ዶግማዊ ኣዋጅ መሠረት፣ ቤተክረስትያን ካብ ዝኣወጀቶም ዶግማውያን ኣዋጃት፣ ኣብ መጨረሽታ ዝሥራዕ ኮይኑ፣ ክብረ በዓል ናይ ፍልሠታ ድንግል ማርያም፣ ኣብ መወዳእታ ምድራዊ ጉዕዞኣ፣ ነቲ ኣብ መጨርሽታ ዓለም ክፍጸም ዘለዎ ትንሳኤ ብምቕዳም፣ ብነፍስን ብሥጋን ንሰማይ ከምዝፈለሠት ዝገልጽ ዓቢ በዓል ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ፍልሠታ ብፅዕቲ ድንግል ማርያም ሓንቲ ካብተን 4 ብዛዕባ እኖና ድንግል ማርያም ዝገልጻ ዓበይቲ ዶግማውያን ትምህርትታት ናይ እኖና ቅድስቲ ቤተክርስትያን ኮይኑ፣ ኣብ ዕለት 15 ነሓሰ’ውን ይበዓል። እዚ ትምህርቲ’ዚ ሽሕ’ኳ ከምቶም ካልኦት ዶግማውያን ትምህርትታት ብግዲ ንኽእመን እንተ ዘይተገብረ፣ ኮይኑ ግን ናይ ነዊሕ ዘመናት መሠረት ስለዘለዎ ፣ ኣብ ሕጊ ቤተክርስትያን ክኣቱ ክኢሉ ኢዩ። ምናልባሽ’ውን መሠረት ናይ’ዚ ትምህርቲ፣ ቤተክርስትያን እዮሩሳሌም ክትከውን ከምትኽእል እንክግለጽ፣ ንሳ ሓንቲ ካብተን ንማርያም ዝተወፈያ ጥንታውያን ኣብያተ-ክርስትያን ከምዝኾነት’ውን ይፍለጥ። እዚ ትምህርቲ’ዚ ነቲ ኣቐዲሙ ብቤተክርስትያን ዝተኣወጀ፣ ብዘይሓጥያት ኣዳም ከምዝተጸንሰትን፣ ድንግል ከንሳ እኖ ኣምላኽ ከምዝኾነትን ዝገልጽ ዶግማዊ ትምህርታት ምልኣት ብምሃብ፣ ከም መዛዘሚ ምድራዊ ጉዕዞኣ ፣ ብነፍስን ብሥጋን ንሰማይ ድሕሪ ፈሊሳ፣ ኣብ መንግስተ ሰማይ ኣብ ጎድኒ ወዳ ብምቕማጥ፣ ንግሥተ ሰማይ ክትስመ ከምዝበቕዐት፣ መዛግብቲ እምነትና የመልክቱልና።

ምፍላስ፣ ምድቃስ፣ ምግዓዝ 

ምፍላስ፣ ምድቃስ፣ ምግዓዝ ዝብሉ ቃልት፣ ብዙሕ ግዜ፣ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብዛእዕባ እኖና ድንግል ማርያም ዘለዋ ትምህርቲ ንምግላጽ እትጥቀመሎም ቃላት ምዃኖም ይፍለጡ። ‘ፍልሠታ‘ እምበኣር፣ ሓደ ካብ’ቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንመጨረሽታ ምድራዊ ጉዕዞ ናይ እኖና ድንግል ማርያም ንምግልጽ ከምለክቱ ዝጥቀምሉ ቃል እንክኸውን፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ናይ ቢዛንታይን ቤተክርስትያን ከኣ ‘ደቂሳ’ ዝብል ቃል‘ኳ እንተተጥቀሙ፣ ኮይኑ ግን ኣብ ክልቲኤን ኣብያተ-ክርስትያን፣ ነቲ ምግዓዝ ወይ ምስግጋር ናይ ምድርውን ሥጋውን ኣካል፣ ናብ መንፈሳውን ሰማያውን ኣካል ከምዘስምዕ ይፍለጥ።

ኣብ ካልኦት ከም ምዕራባዊ ዝምባሌ ዘለዎ ሥርዓት እትክተል ቤተክርስትያን ሲርያ ዝኣመሰላ ኣብያተ-ክርስትያን ከኣ፣ ነቲ ኣቕዲምና ብፍልሠታን ድቃስን ዝገለጽናዮ፣ ብጉዕዞ ወይ ምስግጋር ዝብሉ ቃላት ብምጥቃም፣ እኖ ኣምላኽ ተሰጋጊራ ወይ ተጓዒዛ ብምባል፣ ብሓዘንን ተስፋ-ቁርጸትን ዘይኮነ፣ ከም ምኽንያት ዓቢ ሓጎስ ናይ ኩሉ ፍጥረት ከይኑ፣ ከምዝሕሰብን ዝበዓለን ይፍለጥ።

ኣብ ገለ ካልኦት ኣብያተ-ክርስትያን፣ ንምድራዊ ሞት፣ ካብ ናይ እኖና ድንግል ማርያም ንምፍላይ፣ ናይ ዕሸል ቆልዓ ምስሊ፣ ከም ምልክት ነፍሲ ናይ እኖና ድንግል ማርያም ብምሕሳብ፣ ነቲ ብመላእኽቲ ተሰንዩ ንሰማይ ዝተላዕለ ሥጋኣ፣ ከምዘመልክት ይግለጽ።

ታሪኽ ናይ`ቲ ክብረ በዓል

እዚ ፍልሠታ ለድንግል ማርያም ተባሂሉ ዝፍለጥ በዓል፣ መሠረቱ ኣብ ምሥራቃዊት ቤተክርስትያን ኮይኑ፣ ብፍላይ ከኣ፣ ኣብ ናይ ቢዛንታይን ስርዓት ዝኽተሉ ኣብያተ-ክርስትያን፣ ኣብ መጨረሽታ ናይ’ቲ ብልደታ ለማርያም ዝጅመር ዓመታዊ ሊጡርግያኦም ዝበዓል ዓቢ በዓል ከምዝኾነ ይፍለጥ። ንዕቤትን ክብርን ናይ`ዚ በዓል ንምግላጽ ፣ እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ታሪኽ ድሕነት ዘለዋ ተራ ብምትኳር፣ ቅሩብ ካብ ግዜ ቀውዒ ብምቅዳም ፣ ማለት ናብ’ቲ ኣትክልቲ ፍረ ዝፈርየሉ ወቅቲ ብምግዓዝ ፣ ከም ኩላቶም ዓበይቲ በዓላት ን 15 መዓልታት ድሕሪ ምጻም ዝበዓል ዓቢ በዓል ከምዝኾነ ይፍለጥ። ብዙሓት ተቐባልነት ዘለዎም መጽናዕትታት ብዘቕረብዎ ሓቤሬታ  መሠረት፣ እዚ በዓል`ዚ ካብ 6ይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ፣ ኣብ’ቲ እኖና ድንግል ማርያም እትቅመጠሉ ዝነበረት ማለት፣ ኣብ ጌተ-ሰማኒ ናይ ኢዮሩሳሌም ይበዓል ከምዝነትበረን፣ ኣብ’ቲ በዓል’ውን ብኣማላድነታ ብዙሓት ካብ ሥጋውን መንፈሳውን ሕማማት ይሓውዩ ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

እኖና ድንግል ማርያም ከም መካነ ንግደት ኮይኑ ዝተኣታተወሉ ኣብ ዘመን ሃጸይ ማውሪስዮ እንከኽውን፣ ምሉእ ወርሒ ነሓሰ ንማርያም ዝተወፈየሉ ግን፣ ካብ ንግሥነት ኣንድሮኒኮ 2ይ ጀሚሩ ጥራሕ ከምዝኾነ ይንገር።

ኣብ ምዕራባዊት ቤተክርስትያን፣ እዚ በዓል ናይ እኖና ድንግለ ማርያም ፍሉይ ኣፍልጦ ዝረኽበ እምበኣር፣ ካብ ግዜ ር.ሊ.ጳ. ሰርጆ 1ይ ዝጀመረ ኮይኑ፣ ክሳብ ሳንታ ማርያ ማጆረ ብምዕዋድ፣ እቲ በዓል ይበዓል ከምዝነበረ ይዝከር።

ትርጉም ናይ’ቲ በዓል

እቲ ንወልደ እግዚኣብሔር ተቐቢሉ፣ ከም ሰብ ብሥጋ ክውለድ ዘፍቀደ ሥጋ እኖና ድንግል ማርያም፣ ብነፍስን ብሥጋን ናብ ሰማይ ድኣ ተወስደ ኣምበር፣ ኣምላኽ፣ ክመውትን ኣብ ሓመድ መሽሚሹ ክተረፍን ኣይፈቐደን።

ኣብ ሥርዓት ናይ ቢዛንታይን እትኽተል ቤተክርስትያን፣ መቓብር ናይ እኖና ድንግል ማርያም፣ ንመላእኽትን፣ ቅዱሳንን፣ ጻድቃንን፣ ኣበውን፣ ነብያትን ብምርኻብ ንሓዋርያት ምዑዝ ሽታ ዝመጠወ ከምዝኾነ ብምግላጽ፣ ምስ’ቲ ብኒቅዲሞስ ዝተገንዘን ዝተቀብረን ሥጋ ናይ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብምንጽጻር፣ ኣብ ምቅባር እኖና ማርያም ፣ ነቲ ኣብ እግሪ መስቀል፣ ባዕሉ ጉይታ ንኖኡ፣ ንዮሓንስ ሓዋርያ እኖ ክትኮኖ ዘማሕጸና፣ ብምምስሳል የቅርብዎ።

 እኖና ድንግል ማርያም እምበኣር ኣብ’ዚ ከም ምልክት ዝደሓኑ ደቂሰባት ኮይና፣ ኣብ መንግሥተ ሰማይ ከም መርዓት ናይ እግዚኣብሔር ኣቦ ብምዃን፣ ኣብ ጎድኒ ወዳ ትቕመጥ ከምዘላ እንክእመን፣ እቲ ኣብ ከርሳ ብምቕባል ሥጋ ዝለበሰ ቃለ-እግዚኣብሔር ፣ እንሆ ሕጂ ግዜኡ ኣኪሉ ኣብ ሰማይ ንእኖኡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ይቕበላ፣ እናበሉ ኣብ መንጎ እኖና ድንግል ማርያምን ወዳን ዘሎ ርክብ ብትንተናዊ ምንጽጻር ይገልጽዎ።

መግለጺ ምስላ

ኣብ ዘመናውያን ንከብረ በዓል ናይ ፍልሠት ወይ ድቃስ እኖና ድንግል ማርያም ዝገልጽ ምስሊ እምበኣር፣ ‘እኖና ድንግል ማርያም ኣብ ማእከል ብዕምባባታት ዘገጸ ፣ መንበረ ታቦት ክርስትያን ዝመስል ዓራት ደቂሳ ፣ብድሕሪኣ ከኣ ፣ ጴጥሮስን ጳውሎስን ምስ ካልኦት ሓዋርያት ብየማነ ጸጋም ቆይሞም፣ ሓንቲ  ኣብ ጫፋታ 2 ትኹላዊ መስመራት ዘለዋ ንጋድም ዝተቐመጠት ምስሊ ጃልባ፣ ኣብ 2 ጫፋታ ናብ ሬሳ ናይ እኖና ድንግል ማርያም እናመልከተ፣ ምስ’ቲ ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ኮይኑ ዝጽበያ ዝመስል ትኹላዊ ኣካል ናይ ኢየሱስ እንከራኸብ፣ እተን 2 መስመር’ውን ኣብኡ እንክሓብራ፣ ንሱ ከኣ በቲ ውሳጣዊ ጽባቔኡ ንደቂ ሰባት ከረኸቦምን፣ በዣ ኮይኑ ከድሕኖምን ይረአ።

እቲ ምርኻብ ናይተን 2 መስመራት እምበኣር፣ ኣብ መንጎ ፈጣርን ፍጡርን ዘሎ ናይ ሕይወት ዝምድና ዘመልከት እንክኸውን፣ እታ ጃልባ ከኣ ንጉዕዞ ናይ እኖና ድንግል ማርያም ካብ’ዚ ዓለም ናብ ሰማይ የስምዕ። እቲ መእተዊ ከኣ፣ ናብ`ቲ ብእግዚኣብሔር ዝተዳለወላ ክብሪ፣ ቀጥታዊ ምእታው ናይ እኖና ድንግል ማርያም እንከመልክት፣ ብኻልእ ውገን ከኣ ንጉዕዞ ድሕነትን ቅድስናን ናይ እኖና ቅድስቲ ቤተክርስትያን’ውን ከምዘመለክት ይዛረቡ።

ብድምጺ ንምክትታል
16 August 2019, 18:52