ድለ

FILE PHOTO: Democratic Republic of Congo's Felix Tshisekedi swears into office during an inauguration ceremony as the new president of the Democratic Republic of Congo at the Palais de la Nation in Kinshasa FILE PHOTO: Democratic Republic of Congo's Felix Tshisekedi swears into office during an inauguration ceremony as the new president of the Democratic Republic of Congo at the Palais de la Nation in Kinshasa 

ኣቡናት ደሞክራሳዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ሓድሽ መንግሥቲ ናይ’ቲ ሃገር ይትስፈው!

ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ጉባኤ ጳጳሳት ደሞክራሳዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ክቡር ኣባ ዶናቴን ን’ሾለ፡ ንሓድሽ መንግስቲ’ቲ ሃገር ኣመልኪቶም፡ ካቶሊካውያን ኣቡናት’ቲ ሃገር እዚ ሓድሽ መንግስቲ ንመላእ ሕዝቢ ኮንጎ ብዘይ ኣፈላላይ ዘገልግል ክኸውን ዓቢ ተስፋ ከምዘንበርሉ ሓቢሮም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሃገረ ደሞክራሳዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፡ ንተቍዋማት ምምሕጻር ናይ`ቲ ሃገር ኣብ ጎድኖም ኮይኖም ክሕግዝዎም ስንድዋት ከምዝኾኑ ገሊጾም።

ንሳቶም ነዚ ዝገለጹ፡ እቲ መንግስቲ ንዓይነታዊ ለውጢ ኣብ’ቲ ሃገር ምስ ዝዓዪን፡ መነባብሮ ሕዝቢ ኮንጎ ንምምሕያሽ ምስ ዝጽዕትን፡ ንሕና ብወገና ኣብ’ቲ ሰናይ ዕዮ ንምክፋል፡ ብዝለዓለ ዓቕምና ክንዋሳእ ምዃና ቃል ንኣቱ ኢሎም።

ዜጋታት’ቲ ሃገር ሓድሽ ምሕደራ ይደልዩ  

ሕዝቢ ኮንጎ ኣብ ምሕደራ’ቲ ሃገር፡ ሓድሽ ለውጢ ክህሉ ይጠልቡ ክብሉ ክቡር ኣባ ን’ሾለ ሓቢሮም። ንሶም ንትጽቢት ሕዝቢ ኮንጎ ኣመልኪቶም ‘ሕዝቢ ኮንጎ ካብ ነዊሕ እዋን እትሒዞም፡ ሓድሽን ንሕዝቢ ዘርብሕ ምሕደራን ዘለዎ መንግስቲ ክትከል ዝነበሮም ትጽቢት ንኸንቱ ከይቅህም ክጸዓር ኣለዎ’ ድሕሪ’ሎም፡ ኣስዒቦም’ውን ‘ከም’ዚ ናትና ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ብዘይ መንግስቲ ክውዕላን ክሓድራን ኣጸጋሚ ስለዝኾነ፡ እዚ ዝርአ ዘሎ ምድንጓይ፡ ነቲ ብዓይነቱ ቅንዕ ሓቀይናን ዝኾነ ስርዓተ መንግስቲ ንምትካል ዝኽፈል ዘሎ ዋጋ፡ ብቑዓትን ንረብሓ ኩሉ ሕዝብን ዘርብሑ ሰባት፡ ኣብ ምሕደራ ብምምጻእ፡ ካሕሳ ዘጥፋእናዮ ግዜ ብጽቡቕ ፍረ ዝድበሰሉ ክኸውን ተስፋ ንገብር’ ኢሎም።

ሓድሽ  ልፍንታዊ  መንግስቲ

ሃገረ ደሞክራሳዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ድሕሪ ሸውዓተ ወርሒ ምምራጽ ፕረሲደንት ፈሊክስ ሺሰከዲ፡ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 26 ነሓሰ፡ ሓድሽ ልፍንታዊ መንግስቲ ከም ዘቖመት ተሓቢሩ።

እቲ ዝቖመ ልፍንታዊ መንግስቲ ብ23 ኣባላት ናይ ሰልፊ ጉዕዞ ንለውጢ (Direction for Change Party) ወገን ሓድሽ ፕረሲደንት ሺሰከዲ ኣብ ስራሕ ፈጻሚ ኣካል ናይ መንግስቲ ክኣትዉ እንከለዉ፡ 42 ኣባላት ግን ካብ ሰልፊ ሓባራዊ ግንባር ኮንጎ (Common Front for Congo) ወገን ናይ ዝጸንሐ ፕረሲደንት ጆሴፍ ካቢላ ብምዃን ሓላፍነት ከምዝተመቓርሑ ተፈሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ደሞክራሳዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ መጨረሽታ ናይ መበል 56 ሓፈሻዊ ጉባኤኦም፡ ብምድንጓይ ምርጫ መንግስቲ፡ ስክፍታኦም ገሊጾም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ንውጽኢት ናይ ሓድሽ ልፍንታዊ መንግስቲ ኣመልኪቶም ከቡር ኣባ ን’ሾለ ‘እንተወሓደ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ናይ’ቶም ሓደስቲ ኣባላት መሪሕነት መንግስቲ፡ ብዙሓት ሓደስቲ ገጻት ምህላዎም፡ ናብ ሓድሽ ምሕደራዊ መድረኽ ንኣቱ ከምዘሎና ዘመልክት እዩ’ ድሕሪ’ሎም፡ እዚ ከኣ ይብሉ ቀጺሎም ‘ውጽኢት ናይ`ቲ ሕዝቢ ኮንጎ ብዕለት 30 ታሕስ 2019ዓምፈ ኣብ’ቲ ሃገር ናይ ምሕደራ ለውጢ ክግበር፡ ብተሪርን ዘየማትእን ኣገባብ ዘስምዕዎ ጠለብ ከምዝኾነን’ ድሕሪ ግሊጾም፡ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያን መንግስትን ዝነበረ ርክብ’ውን ብመጠኑ ከምዝተመሓየሸ ኣፍሊጦም።

ጉባኤ ጳጳሳት ደሞክራሳዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ’ቲ ሃገር ንዝተገብረ ምርጫ ኣመልኪቶም፡ ብፍላይ ንናይ መጨረሽታ ውጽኢት ብጥንቃቐን ዕቱብነትን ካብ ዝከታተልሉ ዝነበሩ እዋን ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ኣቡናትን፡ ብፕረሲደንት ፈሊክስ ሺሰከዲ ዝምራሕ ሓድሽ መንግስትን ጽብቕ ርክብ ከምዝማዕበለ ሓቢሮም።

ብድምጺ ንምክትታል!
29 August 2019, 18:34