ድለ

ካርዲናል ዲናርዶ፥ ናይ ትራምፕ ሓድሽ መመሓደሪ ስደተይናታት ሕጊ ዘይቅቡል እዩ ይብሉ ካርዲናል ዲናርዶ፥ ናይ ትራምፕ ሓድሽ መመሓደሪ ስደተይናታት ሕጊ ዘይቅቡል እዩ ይብሉ 

ካርዲናል ዲናርዶ፥ ናይ ትራምፕ ሓድሽ መመሓደሪ ስደተይናታት ሕጊ ዘይቅቡል እዩ ይብሉ

ኣባይቲ ስድራኦምን ገዛእ ርእሶም ንምድሓንን ንኣባይቲ ስድራኦም ውሑስ ሕይወት ንኸናድዩን ብዝተፈላለዩ ጸጋማት ተገዲዶም ንዝስደዱ ምንጻግን ዘይምእንጋድን ምስ ናይ ሕቡራት ኣመሪካ መንግስታት ዕሴታት ዝጻረር ዘይ ኣመሪካዊ ተግባር እዩ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሃገሮም ናይ ጸጥሕታን ደሕንነትን ቤት ጽሕፈት ዝኽተሎ ዘሎ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ዘመሓላለፍዎ ሓድሽ ናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ሕጊ፡ ኣብ ሃገር ንዝርከቡ ስደተይናታት ራዕዲ የተኣታትው ኣሎ ቢሎም፡ እቲ ሕጊ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ ዝብል ንርእሰ ብሔር ትራምፕ ነቲ ሕጊ ከመሓይሽዎ ዝጽውዕ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብፁዕ ካርዲድናል ዲናርዲ ኣብቲ ናብ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ሓድሽ ናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ስደተይናታት ራዕዲ ዝፈጥርን ኣብ ኵሉን ቁምስናታትን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን ከይተረፈ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘለዎ እዩ ቢሎም፡ ኣብቲ ምስ መክሲኮ ኣብ ዘዳቡው ከባቢ ዝረአይ ኣባይቲ ስድራ ሕጻናት ካብ ወለዳቶም ዝፈላልይ ብናይ ዶብ ሓይሊ ጸጥታ ዝፍጸም ተግባር ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ፡ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዝኽተሎ ዘሎ ሓድሽ ሕግን ኣገባባትን ነቶም ካብ ማእከላይ ላቲን ኣመሪካ ንዝስደዱ ዜጋታት ገና ቅድሚ ምስዳዶም ተስፋ ንኽቆርጹን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ንኽተርፉ ዘተሓሳስብ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ኣጠራጣሪ ርትዓውነትን ሕጋውነትን ናይቲ ሓድሽ ሕጊ

ኣባይቲ ስድራኦምን ገዛእ ርእሶም ንምድሓንን ንኣባይቲ ስድራኦም ውሑስ ሕይወት ንኸናድዩን ብዝተፈላለዩ ጸጋማት ተገዲዶም ንዝስደዱ ምንጻግን ዘይምእንጋድን ምስ ናይ ሕቡራት ኣመሪካ መንግስታት ዕሴታት ዝጻረር ዘይ ኣመሪካዊ ተግባር እዩ፡ ስለዚህ እቲ ናይ ትራምፕ መንግስቲ ናይ ፖለቲካ ዕቑባ ዝምልከት ሕጊ ንምቕያር ዘለዎ ድላይ፡ ንዑቕባ ሓተትቲን ነቲ ዑቕባ ናይ ምርካብ መሰል ዘለዎ ኣብቲ ልዕሊ ዘለዎም ጸገም ካልእ ጸገም ዘስዕብ እዩ፡ እዚ ካብ ዕለት 16 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሓድሽ ሕጊ ንናይ ፍትሕን ሕግን ኣካላት እውን ዘይንጹርን ርትዓውነቱን ሕጋውነቱን ከይተረፈ ዘጠራጥሮም ከምዝመስል እዩ ዝርአይ ዘሎ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ ዑቕባ ናይ ምሕታት ሰብኣዊ መሰልን ክብንር ዝግህስ እዩ

እቲ ሓድሽ ሕጊ ማንም ስደተይና ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶባት ኣቋሪጹ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ድዩ ካልእ ዓይነት ዑቕባ ክሓትት ከምዘይክእልን ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብቐጥታ ዘይኰነ ኣብ ሳልሳይ ሃገር ኰይኑ ከቕርቦ ኣለዎ ዝብል ትእዛዝ ዝተነብሮ እዩ፡ ብሓቂ እዚ ኸኣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝስደዱን ዑቕባ ዝሓቱን ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን ክኽበረሎም ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ መርሕነት ዘለዋን ናይ ዑቕባ ናይ ምሕታት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዋሕስ ኣክዲ ትኸውን ንድሕሪት ከተብልን ካብ ግብረ ገባዊ ሓላፍነታ ከተንሳሕብ እዩ ዝገብራ፡ ስለዚህ ኣክንዲ ብሕግን ብትእዛዝን ብምፍርራሕን ነቲ ንስደት ዝዳርግ ምኽንያት ፈሊኻ ብምልላይ መሰረታዊ መፍትሒ ንኽርከቦ ምጽዓርን እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ብዙሓት ሕይወቶምን ሕይወት ኣባይቲ ስድራኦምን ንምድሓን ንስደትን ምዝብልናን ንኽዳረጉ ዘገድድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ነቲ ናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ሕጊ ሰብኣዊ ሕዳሴ ማለት ሰብኣዊ ዘማእከለን ርህራሄን ክብረትን ዘይጐድሎ ክኸውን ይግባእ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ካርዲናል ዲናርዶ፥ ናይ ትራምፕ ሓድሽ መመሓደሪ ስደተይናታት ሕጊ ዘይቅቡል እዩ ይብሉ
17 July 2019, 16:43