ድለ

ሰሜን ኣመሪካ፥ ንናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ፖለቲካ ተቓውሞ ካህናትን ደናግልን ዘጓነፈ ማእሰርትን ሰሜን ኣመሪካ፥ ንናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ፖለቲካ ተቓውሞ ካህናትን ደናግልን ዘጓነፈ ማእሰርትን 

ሰሜን ኣመሪካ፥ ንናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ፖለቲካ ተቓውሞ ካህናትን ደናግልን ዘጓነፈ ማእሰርትን

ነቶም ጸሎት መቑጸርያን ምብድጋም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ንዝነበሩ ንምስጓግን ንምብታንን ሓይሊ ጸጥታ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ካህናትን ደናግልን ካልኦት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቁምስናታት ኣባላትን ናይ ካቶሊክ ማሕበራት ሓለፍትን ከምእተኣሰሩን

ዕለት 17 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳ ቤት ምኽሪ፥ ኣባይቲ ስድራኦምን ገዛእ ርእሶም ንምድሓንን ንኣባይቲ ስድራኦም ውሑስ ሕይወት ንኸናድዩን ብዝተፈላለዩ ጸጋማት ተገዲዶም ንዝስደዱ ምንጻግን ዘይምእንጋድን ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዕሴታት ዝጻረር ዘይ ኣመሪካዊ ተግባር እዩ እንክብል መግለጺ ሂቡ ከዝነበረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ምሕደራ ዘተግብሮ ዘሎ ናይ ስደተይናታት ናይ መመሓደሪ ፖለቲካ ብምቅዋም፡ ዝተፈላለያ በርገሳያን ማሕበራትን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ገዳማውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ማሕበርን ናይ ደናግል ማሕበራትን ማሕበር ሰላመ ክርስቶስ ጨንፈር ሰሜን ኣመሪካን ካልኦት ናይ ሰብኣዊ ማሕበራት ኣብ ናይ ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ሕንጻ ኣብ ዝርከ ማእከል ኮሎምባን ሕዝባዊ ኣምቢተይናነት ከምዘስምዑን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ህዝባዊ እቢተይናነት ዘስምዑ ዝነበሩ ካህናትን ደናግልን ኣባላት በርገሳውያን ማሕበራትን ናይ ሰብኣዊ ማሕበራትን ኵሎም በቲ ሓድሽ ሕጊ መሰረት ኣብቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ምስ መክሲኮ ኣብ ዘዳብው ከባቢ ሕጻናት ካብ ወለዳቶም ዝፈላልየ ዘሎ ናይ ሕቡራት ኣመሪካ መንግስታት ዶብ ኣኽባሪ ሓይሊ ጸጥታ ዝወሰዶ ስጉምትን፡ ሕጻናት ካብ ወለዳቶም ክፈላለዩ እንከለዉ ዘርእዩ ኣሳዕል ሓፍ ብምባል ተቓውሞኦም ክመዘስምዑን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ሕዝባዊ እቢተይናነትን ዝድግፍ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፈን ኣብቲ ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ስደተይና ናይ መመሓደሪ ፖለቲካ ሕዝባዊ እምቢተይናነት ኣብ ዝተፈጸመሉ ማእከል ከምእተነበ ተገሊጹ።

ነቶም ጸሎት መቑጸርያን ምብድጋም ተቓውሞኦም ዘስምዑ ንዝነበሩ ንምስጓግን ንምብታንን ሓይሊ ጸጥታ ብዝወሰዶ ስጉምቲ ካህናትን ደናግልን ካልኦት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቁምስናታት ኣባላትን ናይ ካቶሊክ ማሕበራት ሓለፍትን ከምእተኣሰሩን፡ ካብቶም ዝተኣስሩ ጓል 90 ዓመት መላእ ሕይወተን ምስ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ሰበኻ ቺካጐ ዘገልገላን፡ ኣብ ፊት ናይ ከባቢ ቺካጐ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ፊት ዝፍጸም መበል 13 ዓመቱ ዘቑጽር ዘሎ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓርቢ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን መደብ ዘበገሳን ገዳማዊት እናቴ ፓት ሙርፍይ ሓንቲ ከምዝዀናን፡ እናቴ ኤን ሾልዝ እውን ብወገንን ኣብዚ ምእንቲ ወንጌል ኢና እርከብ ቢለን ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ስድራ ስደተይናታን ሕጻናትን ዝፍጸም ዘሎ ፖለቲካዊ ምሕደራ ሰብኣውነት ዝጐደሎ እዩ ከምዝበላ ክሕበር እንከሎ፥ እቲ ዕለት 18 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሕዝባዊ እምቢተይናነት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተዋጽኡ ዜጋታት እውን ከምዝሓበሩን፡ እቲ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ምስ መክሲኮ ኣብ ዘዳብው ከባቢ ዘሎ ናይ ስደተይናታትን መጽንሒ ማእከል፡ ሕጻናት ብዘይ ወለዲ ወለዲ ብዘይ ደቃቶም፡ ኣባይቲ ስድራ ፋሕ ዘብል ዘሎ ተግባር፡ ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ናይ ናጽነት ትእምርቲ ዝብል መለለይኣን ክብራን ዝጻረር ንሰብኣዊ ዕሴት ኰነ ንናይ ሰሜን ኣመሪካ ክብሪ ዘይምጥን፡ በንጻሩ ዝቃወም ምዃኑ ዘቃልሔ ናጽነትን ብርሃንን ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝነበረ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ዕለት 16 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ዓሰርተ ዝዀኑ ኣመሪካውያን ሰዓብቲ ሃይማኖት ኣይሁድ ኣብ ከባቢ ዋሽንግተን ዶብ ናይ ስደተይናት መቆጻጸሪ ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት ብምእታው ናይ ሃገሮም ናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ፖለቲካ ተቓውሞኦም ክስምዑ እንከለዉ ከምእተኣሰሩን ካልኦት ኣስታት ሚእቲ ዝቑጸሩ ናይ ሰብኣዊ ጉዳይ ምንቅስቓሳት ኣባላት ናይ ዶብ ሓይሊ ጸጥታ ንዘካይዶ ዝነበረ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ናይ ምሓዝ ተፍታሽ ብምዕጋት ተቓውሞኦም ከምዘስምዑ ናይ ቺታ ኑዎቫ እተሰምየ መጽሔት ጋዜጠይና ማዳለና ማልተሰ ይሕብራ።

ናይ ነው ዮርክ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ቲሞትይ ዶላን ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 14 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ቅድስቲ ፍራንቸስኮ ካብሪኒ ናይ ስደተይናታት ሓላዊት ቅድስቲ  ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፡ ኣብታ ብሔረ ስደተይና ዝዀነት ብስደተይናታት ዝቖመት ሃገር ኣብ ልዕሊ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዑቕባ ሓተትን ከምዚ ዝኣመሰለ በደል ክፍጸም ዘይሕዝን ጥራሕ ዘይኰነ ዘቖጥዕ ንገዛእ ርእሱ ንኣመሪካውነት ዝጻጸር እዩ ከምዝበሉ ማልተሰ ኣብ ጽሑፈን የመልክታ።

ኣብ ተክሳስ ናይ ቦሮውንስቪለ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ዳንኤል ፍሎረስ፡ ኣብ ልዕሊ ዘይሕጋውያን ስደተይናታት ዝፍጸም ዘሎ ናይ ምስጓግ ተግባር ጭካኔ ዝተመልኦ ኣብ ልዕሊ ኣባይቲ ስድራን ሕጽናትን ዝፍጸም ዓቢይ በደልን እዩ፡ ብፍላይ ወለድን ደቅን ደቅን ወለድን ኣባይቲ ስድራን ዝፈላልይ ዘሎ ዓይነት ኣሰራርሓ ዘይቅቡል ክነሱ ብሕጊ ምኽንያት ክፍጸም ምርኣይ እቲ ናይ ስደተይና መመሓደሪ ፖለቲካ ፍትሒ ኣልቦ ምዃኑ ተስተውዕል፡ ከምቶም ዕጸ ፋርስ ዘዘዋውሩ ናይ ገበን ጉጅለታት ክረኣዩ የብሎምን ከምዝበሉን ናይ ኢየሱሳውያን - ኢግናዚያዊ ናይ ምትሕብባር መርበብ ሓላፊ ወሳኒ ቤት ምኽሪ ክሪስቶፈር ከር፡ ነቶም ኣብ ቅዱስ ስፍራ ዝዕቀቡ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ህልወና ውሕስነት ዝረክብ ብምዃኑ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ንናይ ስደተይናታትን መሰልን ክብርን ውሕስነት ብዙሓት ኣቢያተ ክርስትያንን ቁምስናታትን ካብ ተራ ቤተ ክርስቲያን ናብ ቅዱስ ስፍራ ዝብል ማዕርግ ክብ ምባል ከምዘድልን ዝገልጽ ተበራሪ ጽሑፍ ናብ መላእ ቁምስናታትን ከምዘብጽሑ ኣፍሊጠን፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሃገሮም ናይ ጸጥታን ደሕንነትን ቤት ጽሕፈት ዝኽተሎ ዘሎ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ዘመሓላለፍዎ ሓድሽ ናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ሕጊ፡ ኣብ ሃገር ንዝርከቡ ስደተይናታት ራዕዲ የተኣታትው ኣሎ ቢሎም፡ እቲ ሕጊ ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ ዝብል ንርእሰ ብሔር ትራምፕ ነቲ ሕጊ ከመሓይሽዎ ዝጽውዕ መልእኽቲ ኣመሓሊፉ ከምዝነበረ ክዝከር እንከሎ፡ ብፁዕ ካርዲድናል ዲናርዶ ኣብቲ ናብ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ሓድሽ ናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ስደተይናታት ራዕዲ ዝፈጥርን ኣብ ኵሉን ቁምስናታትን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እውን ከይተረፈ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘለዎ እዩ ቢሎም፡ ኣብቲ ምስ መክሲኮ ኣብ ዘዳቡው ከባቢ ዝረአይ ኣባይቲ ስድራ ሕጻናት ካብ ወለዳቶም ዝፈላልይ ብናይ ዶብ ሓይሊ ጸጥታ ዝፍጸም ተግባር ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ፡ እቲ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ዝኽተሎ ዘሎ ሓድሽ ሕግን ኣገባባትን ነቶም ካብ ማእከላይ ላቲን ኣመሪካ ንዝስደዱ ዜጋታት ገና ቅድሚ ምስዳዶም ተስፋ ንኽቆርጹን ኣብ ገዛእ ሃገሮም ንኽተርፉ ዘተሓሳስብ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ኣጠራጣሪ ርትዓውነትን ሕጋውነትን ናይቲ ሓድሽ ሕጊ

ኣባይቲ ስድራኦምን ገዛእ ርእሶም ንምድሓንን ንኣባይቲ ስድራኦም ውሑስ ሕይወት ንኸናድዩን ብዝተፈላለዩ ጸጋማት ተገዲዶም ንዝስደዱ ምንጻግን ዘይምእንጋድን ምስ ናይ ሕቡራት ኣመሪካ መንግስታት ዕሴታት ዝጻረር ዘይ ኣመሪካዊ ተግባር እዩ፡ ስለዚህ እቲ ናይ ትራምፕ መንግስቲ ናይ ፖለቲካ ዕቑባ ዝምልከት ሕጊ ንምቕያር ዘለዎ ድላይ፡ ንዑቕባ ሓተትቲን ነቲ ዑቕባ ናይ ምርካብ መሰል ዘለዎ ኣብቲ ልዕሊ ዘለዎም ጸገም ካልእ ጸገም ዘስዕብ እዩ፡ እዚ ካብ ዕለት 16 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሓድሽ ሕጊ ንናይ ፍትሕን ሕግን ኣካላት እውን ዘይንጹርን ርትዓውነቱን ሕጋውነቱን ከይተረፈ ዘጠራጥሮም ከምዝመስል እዩ ዝርአይ ዘሎ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓድሽ ሕጊ ዑቕባ ናይ ምሕታት ሰብኣዊ መሰልን ክብንር ዝግህስ እዩ

እቲ ሓድሽ ሕጊ ማንም ስደተይና ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶባት ኣቋሪጹ ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ድዩ ካልእ ዓይነት ዑቕባ ክሓትት ከምዘይክእልን ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ብቐጥታ ዘይኰነ ኣብ ሳልሳይ ሃገር ኰይኑ ከቕርቦ ኣለዎ ዝብል ትእዛዝ ዝተነብሮ እዩ፡ ብሓቂ እዚ ኸኣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝስደዱን ዑቕባ ዝሓቱን ሰብኣዊ መሰሎምን ክብሮምን ክኽበረሎም ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዓለም ሓቆፍ መድረኽ መርሕነት ዘለዋን ናይ ዑቕባ ናይ ምሕታት ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዋሕስ ኣክዲ ትኸውን ንድሕሪት ከተብልን ካብ ግብረ ገባዊ ሓላፍነታ ከተንሳሕብ እዩ ዝገብራ፡ ስለዚህ ኣክንዲ ብሕግን ብትእዛዝን ብምፍርራሕን ነቲ ንስደት ዝዳርግ ምኽንያት ፈሊኻ ብምልላይ መሰረታዊ መፍትሒ ንኽርከቦ ምጽዓርን እቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ብዙሓት ሕይወቶምን ሕይወት ኣባይቲ ስድራኦምን ንምድሓን ንስደትን ምዝብልናን ንኽዳረጉ ዘገድድ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ነቲ ናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ሕጊ ሰብኣዊ ሕዳሴ ማለት ሰብኣዊ ዘማእከለን ርህራሄን ክብረትን ዘይጐድሎ ክኸውን ይግባእ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ዕለት 18 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ዝሃቦ ምንጪ ዜና ከምዝሓበረ ይዝከር።

ሰሜን ኣመሪካ፥ ንናይ ስደተይናታት መመሓደሪ ፖለቲካ ተቓውሞ ካህናትን ደናግልን
20 July 2019, 17:07