ድለ

2019.07.31 ቅዱስ ኢግንዛጽዮስ ዘለዮላ 2019.07.31 ቅዱስ ኢግንዛጽዮስ ዘለዮላ 

ቅዱስ ኢግንዛጽዮስ ዘለዮላ ብክብሪ እግዚአብሔር ዝተመሰጠ ዓቢ ቅዱስ! ር.ሊ.ጳ

ዓመት መጸ ዕለት 31 ሓምለ ብባሕረ ሓሳብ ጎርጎሮሳውያን መሥራቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ቅዱስ ኢግንጽዮስ ዘለዮላ ይበዓል። ናይ ረድዮ ቫቲካን ዋና ሓላፊ ዝነበሩ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ሎምባርዲ ብዛዕባ መንፈስን ተልእኮን ቅዱስ ኢግናጽዮስ ኣብዚ ህልው ኩነታት እውን ኢየሱሳዊ ጳጳስ ስለዘውለውና መብርሂ ክህቡ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ተወክስዎም ኣሎ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ሎሚ መሥራቲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ዝኾኑ ዓቢ ቅዱስን ሊቅን ናይ መበል 16 ክፍለ ዘመን ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘሎዮላ ዘኪራ ውዒላ። ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣባል ናይዚ በዚ ዓቢ ቅዱስ  ዝተተኽለ ማሕበር ኢየሱሳውያን ምዃኖም ዘይዝንጋዕ ኰይኑ በቲ ትዊተር ዝበሃል ሓጸርቲ መልእኽታት እትሰደሉ ናይ ዘመንና መራኸቢ ብዙሓን ኣት ፖንተፊክስ ዝብል ይድረስታኦም ገሮም ‘እዚ ሎሚ እንዝክሮ ዘሎና ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘልዮላ መንእሰይ ወተሃደር እንከሎ ብዛዕባ ዝናኡ ጥራይ ይሓስብ ነበረ። ጽንሕ ኢሉ ግን በቲ ንሕይወቱ ትርጉም ዝሃበ ዝና/ክብሪ እግዚአብሔር ተማሪኹ’ እንክብሉ ምሥጢር ዓወቱ ካብ ክብሪ ገዛእ ርእስኻ ምድላይ ክብሪ እግዚአብሔር ምድላይ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብ ፈደሪኮ ሎምባርዶ ዋና ዳይረክተር ራድዮ ቫቲካን ኰይኖም ነዊሕ ዘገልገሉ ብምዃኖምን ኣብ ኣገልግሎት ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ተሳታፊ ብምዃኖም ክልቲኦም ከኣ ደቂ ሓንቲ ማሕበር ብቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ዝተመስረተት ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ኣባላት ብምዃኖም  ጥቅልል ብዝበለ መንገዲ ‘ኢየሱሳውያን ብመንፈሳዊ መሪሕነት ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘለዮላ ዘገልግሉ ኰይኖም ንኢየሱስ ብምስዓብ ብዝተኻእሎም መጠን ኣብ ዘለውዎ ዝኾነ ኩነት ንኢየሱስ መሲሎም ክነብሩ ዝጽዕሩ እዮም። እዚ ማለት ከኣ ኩሎም ሰባት ንኢየሱስ ንክፈልጡ ንክትሕግዞም ንወንጌል ምስባኽ ሕይወቶም ብዝግባእ ብመንገዲ ኢየሱስ ንክመርሑ ኸኣ ምሕጋዝ እዩ ቀንዲ ውራዮም’ ይብሉ።

ኢየሱሳውያን ኣብ መላእ ዓለም ተዘሪኦም ብዙሕ ኣገልግሎት ይህቡ። ኣባ ሎምባርዲ ካብዚ ኣገልግሎታት ንኣብነት ኣብ ሃገረ ቻይና ህንዲ ላቲን ኣመሪካ ዘወፍይዎ ኣገልግሎት ምናዳ ንወንጌል ምስት ባህልን ቋንቋን ናይቲ ከባቢ ብምውሳብ እምነትን ባህልን ከምዝወሃሃዱ ገሮም ክሳብ ኣብቲ ማንም ክበጽሖ ዘይክእል ሻውላት ከይተረፈ ቤትትምህርታት ዪኒቨርስታት ብምትካል እኳ ፍሉጣት እንተኾኑ ቀንዲ ዝፍለጡሉ ግን ኣብ ዝሃልውዎ ኣብ ጐድኒ ስደተኛታት ብምቋም መግብን ጸግዕን ካብ ምዃኖም ክሳብ ምእንታኦም ኣብ ምጥባቅ ንሓደራ ኢየሱስ ቀጥ ኣቢሎም ከምዝሓዙ ገሊጾም።

ንኣባ ሎምባርዲ ቅሩብ ብታሪኽ ንድሕሪት መሊሶም ንቅዱስ ኢግናጽዮስ ኣብ ትማሊ ርእዮም ሎሚኸ ዚዓይነቱ ሕቶ ምስ ኣቅረቡሎም። ክልተ ኣዝማምያ ይረኣየኒ ክብሉ መልሶም ይጅምሩ። እታ ቀንዲ ናይ ሓገዝ ኰይና ነታ ነፍሲወከፍ ወዲ ኣዳም ሃሰስ ንዝብላ መንፈሳዊ ጽምዒ ንምርዋይ ዝወሃብ ኣስተፍንሶ እያ። እታ ህብብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኢግናጽዮስ መንፈሳዊ ሱባኤታት ትብል ነዞም ሃሰስ ዝብሉ ጽምዒ እግዚአብሔር ዘሎዎም ሓገዝ ሃሰስ ዝብሉ ትምልሽ ኰይና ንኩሉ ዝኸውን መልእኽቲ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ክብሎ ንኽእል።  እዛ ሓገዝ እዚኣ ወላ ነቶም ካብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘይኮኑ እውን ብዙሕ ኣበርክቶ ስለዘለዋ ብዙሓት ዝምስክርዎ እዩ። እዚ ብሓፈሻ ኰይኑ ናብቶም ከም ማሕበር ተጋቢእና ብሓንሳብ በዚ መምርሒ እዚ ክነብር ኣብ ዝወሰና ከኣ ዓጽምን ሥጋን ለቢሱ ኣብ ኩሉ ግንባራት ቤተክርስትያን ንክነገልግል መንፈሳዊ መምርሒ ይኸውን። ተሓጊዝካ ንክትሕግዝ ትነቅል ማለት እዩ። ነዚ ከኣ ኣድላይነት ኣብ ዘለዎ ኩሉ ኲርናዓት ዓለም ንገብሮ። ስለዚ እታ ካልኣይቲ ኣገልግሎት እያ። እነሆ ከኣ ኩልና ከም መብጽዓ እንሕዛ ኣብ ትሕቲ ር.ሊ.ጳ ኰይና ብፍጹም ተኣዝዞ ኣገልግሎት ኣብ ዘድልየሉ ቤተክርስትያን ኣብ እትልእኸና ኩሉ ንምኻድ ስንድዋት ኰና ነገልግል ኣሎና።

ኣብ ታሪኽ ማሕበር ኢየሱሳውያን ጐሊሖም ዝረኣዩ ትርጉም ዘለዎም ነጥብታት ክጠቅሱ ኣብ ዝተሓቱሉ ኣባ ሎምባርዲ ከምዚ ክብሉ ይምልሹ።

ኢየሱሳውያን ንውልቆም ዝግብርዎ ፍሉይ ኣገልግሎት የለን። ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ተልእኮ ኢየሱሳውያን እንተኢልና ግን ኣብ ምሉእ ዓለም ቻይናዶ ክትብሉ ህንዲ ላቲን ኣመሪካ ዓቢ ስብከተ ወንጌል ኣካዪዶም እዮም። ሎሚ እውን እንተኾነ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኢየሱሳውያን ዘይብሉ ከባቢ የለን ክንብል ንኽእል። ኣብ መላእ ኤውሮጳ ኣመሪካ ዘለው ኣብያተ ትምህርትን መካነ ጥበባትን ምናዳ ኣብ ሻውላት እዚ ከኣ ነታ ኣብ ፍትሒ እትሰርሕ እምነት ኣብ ልቦም ከምዝሰርጽ ምግባር እዩ። ኣብዚ ዘመንና ተኸሲቱ ብዘሎ ስደትን መከራን ከኣ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ማእከል ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቚባን ብምኽፋት ዓቢ ኣበርክቶ ይገብሩ። እዚ ከኣ ነቲ ር.ሊ.ጳ ካብ ገዛእ ርእስና ውጽእ ኢልና ካብ ማእከላት ናብ ሻውላት ውጽእ ኢልና ክነገልግል ንዝብልዎ መምርሒ ሓጋዚ እዩ።

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ንባዕሎም ኣባል እዚ ማሕበር እዚ ብምዃኖም እዚ መንፈስ እዚ ኣብኦም ሰሪጹ ዝምርሕሉ ዝሰርሑሉ ዚኣምኑሉ ስለዝኾነ መሪሕነቶም ጽልዋ ቅዱስ ኢግናጽዮስ ኣለዎ። ብሠለስተ ነጥቢ ክንምልከቶ ንኽእል። እቲ ቀዳማይ ንሶም እውን ደጋጊሞም ዝበልዎ ቤተክርስትያን ካብ ሳክርስቲ ትውጻእ መዓጹኣ ተርሑ ናብቲ ዝተረሰዔ ወሰናስን ሻውላት ከይዳ ከምቲ ክርስቶስ ዝገብሮ ዝነበረ ትግበር ዝብል ኮይኑ ብኣካል ዝገብርዎ ዘለውን ወግሔ ጸብሔ ዝሰብክዎን እዩ። እታ ካልአይቲ ክንዮ ነገራት ሓሊፍካ ብመንፈስ ኣለሊኻ ምኽኣል ትብል ኮይና ጐይታ ኩሉ ግዜ ሓደ ስጉሚ ንቅድሚ ክንሓልፍ እዩ ዝጽውዓና ነዚ ጻውዒት እዚ ኣለሊኻ ንምኽኣል ከኣ ኣበርቲዕካ ምጽላይን ምስትንታንን ምስራሕን የድሊ። ቅዱስ ኢግናጽዮስ ብዛዕባ ክብሪ እግዚአብሔር እንክናገር ወትሩ ዓቢ ምዃኑ ብምዝኽኻር በጺሐዮ እንብሎ ደረጃ ከምዘየሎ ወትሩ ክንዮቲ ንሕና ተዓዊትና እንብሎ ዓቢ ዓወት ከምዘሎ ናብኡ ገጽና እናተመጣጠርና እንጐዓዘሉ ዓቢ ትምህርቲ ገዲፉልና። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከኣ ነዚ ክሳብ ሲኖዶሳዊ ኣመራርሐ ክንዮኡ እውን እናበሉ ዝዛረብዎ እዚ እዩ። እታ ሳልሰይቲ ከኣ ብመንፈስ ምልላይ እትብል ዲሰርኒንግ ዝበሃል ፍሉጥ ናይ ቅዱስ ኢግናጽዮስን ኢየሱሳውያንን መለለዪ ኰይኑ ቅዱስነቶም ወትሩ ዝገብርዎን ክንገብሮ ዘዘኻኽሩናን መደብ እግዚአብሔር ኣብ ሕይወትና ኣለሊና ክንክእልን ከምዝግባእ  ክውን ክንገብሮ ብግላዊ ደረጃስ ይኹን ከም ቤተክርስትያን ኣብ ጸዋዕታናስ ይኹን ኣብ ጸዋዕታ ኣገልግሎት ቤተክርስትያን በዚ ክንምራሕ ይምሕጸኑ።

ርክብ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ማሕበር ኢየሱሳውያንን ከም ኩሎም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት እኳ እንተበልናዮ ወዲ ማሕበር ብምዃኖም ግን ክብድ ዝበለ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ኣብዚ ክንፈልጦ ዘሎና ኢየሱሳዊ ብምዃኖም ፍሉይ ነገር ክንገብረሎም ወይ ኢየሱሳን ኣባሎም ር.ሊ.ጳ ስለዝኾኑ ፍሉይ ክብሪ ኣይጽበዩን። ከም ንማንም ር.ሊ.ጳ ንእዘዞን ነገልግሎን ንእዘዞምን ነገልግሎምን። ወዲ ማሕበርና ብምዃኖም ሕጉሳት ኢና ብዝበለጸ ክነገልግሎም ከኣ ደስ ይብለና እንክብሉ ቃሎም ደምዲሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
31 July 2019, 19:32