ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ኣማትሪቸ ዳግመ ሕንጻ ምድንጓይ ዝረአዮ እውን እተዀነ ናይ ቅርበት ምልክት ኣሎ ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ኣማትሪቸ ዳግመ ሕንጻ ምድንጓይ ዝረአዮ እውን እተዀነ ናይ ቅርበት ምልክት ኣሎ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ኣማትሪቸ ዳግመ ሕንጻ ምድንጓይ ዝረአዮ እውን እተዀነ ናይ ቅርበት ምልክት ኣሎ

እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብቲ ኣዚዩ ዝተጐድኤ ከባቢ ክካይድ ምውሳን፡ ዳግመ ሕንጸት ዝድንጉይ ዘሎ እውን እንተመሰለ ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ቅርበትን ሕውነትን ንምምስካር እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ዕለት 6 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብታ ኣብ 2016 ዓ.ም. ብርእደ መሬት ኣዚያ ዝተጠቕዔት ከተማ ኣብ ክፍለ ሃገር ላዚዮ ኣውራጃ ሪየቲ እትርከብ ከተማ ኣማትሪቸ ናብ ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ ዓውደ ጉባኤ ማሕበረሰብ Laudato sì-ይሴባሕ  ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ናይታ ከተማ ዳግማይ ሕንጸት ምድንጓይ ዝረአዮ እውን እንተዀነ፡ ነታ ከተማን ሕዝባን ናይ ተስፋን ቅርበትን ምልክታ ህልው ከምዝዀነ ገሊጾም፡ ኣተሓሒዞም እውን እቲ ኣብ 2019 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ናይ ከባቢ ሃገራት ኣማዞን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቒሶም፡ ናይ ኣሕዛብ ጽንኩር ክትጻወሮ ዘይከኣል ኩነትን ሕዝቢ ኣማዞን ዝምስክር ቃል ከዘምቓልሑን ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ -  ሃገረ ቫቲካን

ንነፍሲ ወከፍ ሕይወት ሰናይነት ዝተሓደሰን መጻኢ ዘውሕስን ጽባቔ ዝዕቅብን ኵለንተናውነት ዝብል ኣገባብ ምንባር ዓለም ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ፡ ስለምንታይ ናይቲ ዝርአይ ዘሎ ኣዕናዊ ቅልውላው ምህዳር ከቢድ ዋጋ ዝኸፍል እቲ ድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ ምዃኑ ብሰፊሕ ዘረድእ ቅዱስነቶም ናብቲ መሬት ኣማዞን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ኣማትሪቸ ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ ዓውደ ጉባኤ ማሕበረሰብ ይሴባሕ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥

ኣዝዩ ናብ ኣልቦ ምክልኻል ዘብል ሰብኣዊ ፍጥረት

እዚ ኣብ ኣውራጃ ሪየቲ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ሕጹጽ ምግባውነት ኪደት ኣብ ልዕሊ ፍጥረትን ተፈጥሮን ዘስዕቦ ጉድለት ጥዕናን ክውገድ ዝንቀሳቐስ ኣገባብ ዘለዎ መግባውነት ኣመጋግባን ዘስፍሕ ማሕበር ብምትእኽኻብ ናብ ዘቖምዎ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ መሰረት ገይሩ ዝቖመ ማሕበረሰብ ናይ ዘካይዶ ዘሎ ካልኣይ ዓውደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነቲ ጉባኤ ዘንበቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ፓውሎ ሩፊኒ ክዀኑ እንከለዉ፡ እቲ ኣብ ማእከላይ ከባቢ ኢጣሊያ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2016 ዓ.ም. ተኸሲቱ ብዝነበረ ርእደ መሬት ኣዝያ ዝተጠቕዐት ከተማ ኣማትሪቸ ልዕሊ 300 ዝግመቱ ዜጋታት ንሞት ዝዳረገ፡ እናሓሰቡ እቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ወትሩ ኣብ ጸሎቶም ህልው ምዃኑ የረጋግጹ።

እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብቲ ኣዚዩ ዝተጐድኤ ከባቢ ክካይድ ምውሳን፡ ዳግመ ሕንጸት ዝድንጉይ ዘሎ እውን እንተመሰለ   ነቲ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ቅርበትን ሕውነትን ንምምስካር እዩ፡ … ብዕንወት ምህዳር ኣዚዩ ዝጥቃዕን ዝህሰን ድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ እዩ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ምህዳር ዝፍጸም ማሕሰይቲ ነቶም ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሉ ክፍሊ ሕብረተሰብ እዩ ኣዚዩ ዝሃስይ።

ማሕበራውን ምህዳራውን ፍትሒ ተማራዃሲ እዩ

ቅዱስ ኣቦና እቲ ናይ ምህዳር ጥዕና እዚዩ ዝጐድእ ዘሎ ፕላስቲካዊ ምህርቲ እናሕሰቡ እዚ እስትንፋስ ምህዳር ዝዓብጥ ዘሎ ኵነት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽካየድ ዝተጸውዔ ናይ ዛዕባ ኣምዞን ዝዝትይ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ብሰፍሕ ዝምልከቶ ጉዳይ ከምዝዀነን ዘኪሮም፡ ነቲ ናይቲ ሲኖዶስ መዛተይ ሰነድን ይሴባሕ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶምን እታ ናይ ጳውሎስ ሻድሻይ ምዕባለ ኣህዛብ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ጠቒሶም፡ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ምህዳር እቲ ዓይኒ የብለይ ስኒ የለይ ዝብል ኣዕናዊ ኣብ ልዕሊ ፍትሒ ንመኽሰብ ሓላፋ ዝብል ሰብኣዊ ፍጥረት ሃዳኒ ምዃን ዝብል ዓይነት ኣነባብራ

ሓደራዅም ማሕበራውን ምህዳራውን ፍትሒ ተማራዀስቲ ምዃኖም ኣይትዘንግዑ! ኣብ ልዕሊ ኣማዞን ዝወርድ ዘሎ ማህሰይቲ ዓለም ለኻዊ ሳዕቤት ዘለዎ ከምዝኸንን፡ ብዙሓት ዜጋታት መሬቶም ተመንዚዖን ኣብ ገዛእ ዓዶም ባህሎምን ልምዶምን እቲ ሚልዮናዊ ስኒትን ውዱን ምስ ከባቢኦም ናይ ምንባር ኪደት ተመዛቢዑ መጻእተይና ኰይኖም ንኽነብሩ ተገዲዶምን ኣብ ቅድሚ እዚ ግብረ ምጽናት’ዚ ማንም ሸልልተይናን ዘይግደሶን ኰይኑ ክነብር የብሉን፡ ቤተ ክርስቲያን እውን ከይተረፈት። ናይ ድኻታት ገዓር ልሳና ክኸውን ኣለዎ!

ዶግሶሎጊያ (ቃለ ውዳሴ)

ቅዱስ ኣቦና እቲ ማሕበረሰብ ይሴባሕ ኣብ ምክንኻን ምህዳር (ፍጠረትን ተፈጥሮን) ዘነቓቕሖ መደባትን ዘካዶም ጐስጓሳትን ክንክን ምህዳር ንምርግጋጽ ክንበር ዘለዎ ኣገባብ ሕይወት እውን ዘቕርብ ምዃኑ ኣመስጊኖም፡ ዶግሶሎጊያን ቅዱስ ቁርባንን ምናነን ዝብሉ ሰለስተ ቃላት መሰረት ገይሮም፡

ኣብ ቅድሚ እቲ ኣእላፍ ጽባቔ ዝተሓደሰ ኣግራሞትን ልክዕ ከም ናይ ሓደ ሕጻን የዕይንቲ ከምዘለካ ምዃን፡ እቲ ናይ ዝኸበበናን ኣብ ከባቢናን ሰብኣዊ ፍጥረት እውን ዘጠቓልል ብዘሎ ጽባቔ ናይ ምድናቕ ብቕዓት ዘለዎም፡ ወዳሴን ምስጋናን ናይ ኣስተንትኖ ውጽኢት እዩ፡ ኣስተንትኖን ውዳሴን ናብ ኣኽባርነት እዮም ዘብጽሑ፡ ምኽባርን ምክንኻንን ኣብ ቅድሚ እቲ ጽባቔ ኣብ ፍጥረትን ፈጣርን ኣምልዀ ይኸውን፡

ቍርባን (ቅዱስ ቍርባን)

ኣብ ቅድሚ ዓለምን ተቐመጥቱን፡ ነፍሲ ወከፍ ፍጥረት ዘለዎ ጸጋ ቍርባናዊ ኣገባብ ምንባር

ሓደ ነገር ብናጻ ክዕደለካ ክትምዝምዞን ክትጐዝዮም ኣይኰነ፡ ብተራኻ ንኸተካፍሎ፡ ፍስሓ ኣብ ኵሉን ንዅሉን መታን ክኸውን ዝጽገው ጸጋ፡ እተካፍሎ ህያብ፡ ስለዚህ እዩ ድማ ዕብየቱ

ምናነ

ዝዀነ ይኹን ግብረ ኣኽብሮት ካብ ግብረ ምናነ እዩ ዝምንጭው፡ ማለት ስለ ንናይ ሓባርን ናይ ካልኦት ጥቕሚ ቢልካ ይትረፈኒ ምባል፡ ውፉይነት፥

ምናነ መዝማዝነትን ጐዛይነትን ድርዀት ዝብል ጠባይ ናብ ተኻፊልካ ምንባርን ምህዳራዊ ርክብን ተራኽቦነትን ምክብባርን ትሑትን እሩምነትን ይልውጥ …

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ዛዚሞም።

ማሕበራውን ምህዳራውን ፍትሒ ተማራዃሲ እ

 

 

08 July 2019, 18:17