ድለ

ናይ ኣለፖ ቆሞስ፥ ቅዱስ ኣቦና ንሶሪያ ስለ ዘለዎም ፍቕሪ ናይ ኣለፖ ቆሞስ፥ ቅዱስ ኣቦና ንሶሪያ ስለ ዘለዎም ፍቕሪ  

ናይ ኣለፖ ቆሞስ፥ ቅዱስ ኣቦና ንሶሪያ ስለ ዘለዎም ፍቕሪ

ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ርእሰ ብሔር ኣሳድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተስፋ ዝንበቦን ቅርበትን ሓልዮትን ንሕዝቢ ሶሪያ ዝምክስር እዩ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሶሪያ ሰላም ክወርድ ብቐጻሊ ዘቕርብዎ ጻውዒትን ናብ ርእሰ ብሔር ኣሳድ ዘመሓላለፍዎ መእኽትን ቅዱስነቶም ንሕዝቢ ሶሪያን ሃገረ ሶርያን ዘለዎም ፍቕሪ ዝምስክር ምዃኑን ኣብ ኣለፖ ቆሞስ ኣባ ፊራስ ሉትፊ ሓቢሮም፡ ኣብ ኢድሊብ ዝርከብ ናይ ኣሳዶን መከራን ኣደዳ ዝኸውን ዘሎ ማሕበረ ክርስቲያን  ዘሕልፎ ዘሎ ጽንኩር ኩነት ምስ ቫቲካን ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣባ ሉትፊ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ናብ ርእሰ ብሔር ኣሳድ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተስፋ ዝንበቦን ቅርበትን ሓልዮትን ቅዱስ ኣቦና ንሕዝቢ ሶሪያ ዝምክስር እዩ ቢሎም፡ ብዙሕ እዋን ንዘፍቅራ ሃገረ ሶርያ ቢሎም እዮም ብዛዕባ ሶሪያ ዝዛረቡን መልእኽቶም እውን ዘመሓላልፉን፡ ናብ ርእሰ ብሔር ኣሳድ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንርእሰ ብሔር ኣሳድ ዕለት 22 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ዝትረከበሉ ዕለት ኣብ ልዕሊ ኣለፖ ብዙሕ ካብ ዘይርቕ ከባቢ ተወንጫፊ ይዘንብ ከምዝነበረን ሕጻናት ዝርከብዎም ኣስታት 10 ዝግመቱ ንጹሓን ዜጋታት ከምእተቐትሉን ኣባ ሉትፊ ገሊጾም እዚ ውግእን ዓመጽን ከብቅዕ ንሶም እውን ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድምጺ ሓቢሮም ጻውዒት የቕርቡ።

ማሕበረ ክርስቲያን ኢድሊብ ከይርስዑ ሓደራ

ኣብ ኢድሊብ ዘሎ ጽንኩር ሰብኣዊ ኩነት ካብታ ብጅሃዳውያን ዕጡቓት ሓይሊ ቤቶምን ንብረቶምን ጠንጢኖም ንኽመዛበሉ ካብ ዝተገድዱሉ ዕለት ኣትሒዙ ማሕበረ ክርስቲያን ንኽትገልጾ ዘይከኣል ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዑን ይቕተልን ይጭወይን ንኣብነት ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ይኸውን ሓንቲ ክርስቲያ መምህር ተዓሚጸንን ንመግረፍቲ ተቓሊዔንን ኣካላውን ስነ ኣእምሮኣውን ማህሰይቲ ከምዘጋነፈን ኣባ ሉትፊ ገሊጾም፡ ህልው ኩነታት ከባቢ ኢድሊብ ኣዚዩ ዘሰክፍን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናኸፈኤ እዩ ዝኸይድ ዘሎ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም። 

ናይ ኣለፖ ቆሞስ፥ ቅዱስ ኣቦና ንሶሪያ ስለ ዘለዎም ፍቕሪ
23 July 2019, 16:37