ድለ

ፓትርያሪክ ተኸተልቲ ኬልቀደናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ብፁዕ ካርዲናል ልዊ ራፋኤል ሳኮ፣ ፓትርያሪክ ተኸተልቲ ኬልቀደናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ብፁዕ ካርዲናል ልዊ ራፋኤል ሳኮ፣ 

ህላዌ ወከልቲ ክርስትያን ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ምሕደራ ዒራቅ ደገፍ የድልዮ! ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ

ፓትርያርክ ተኸተልቲ ኬልቀደናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ብፁዕ ካርዲናል ሳኮ ናብ ፓርላማ ሃገረ ዒራቕ ኣብ ዝጸሓፉዎ መልእኽቲ፣ ንኣሃዛዊ ዋሕዲ ናይ ክርስትያን ከም መሳርሒ ናይ ፖሎቲካዊ ሓይሊ ምጥቃም ከምዘይግባእ ኣዘኻኺሮም።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

ፓትርያሪክ ተኸተልቲ ኬልቀደናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ብፁዕ ካርዲናል ልዊ ራፋኤል ሳኮ፣ ብኣጋጣሚ ጻውዒት ናይ ምሕዳስ ሕግታት-ምርጫ ኣመሓደርቲ ዞባታት እቲ ሃገር ብምጥቃም፣ ‘ክርስትያን፣ ዝውክልዎም ክርስትያን ኣመሓደርቲ ኪመርጹ ሕደግዎም’ ብምባል ናብ ፓርላማ’ቲ ሃገር ከምዝጸሓፉ ተፈሊጡ። ብጽዕነቶም ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ መልእኽቶም ኣብ ዘስፈርዎ ጽሑፍ፣ ንክርስትያን ዝተሓዝአ መናብር ኣብ 7 ዞባታት እቲ ሃገር ከምዘሎ ብምምልካት፣ ብመሰረት እቲ ዝተሓዝአ መናብር፣ እቶም ከም ክርስትያን ዝኣመሰሉ ውሑዳት ሕብረተሰባት፣ ሕጋውያን ወከልቶም ብምምራጽ፣ መሰሎምን ብቕዓት መሪሕነቶምን ዘረጋግጽሉ ኣግባብ`ኳ እንተነበረ፣ ይኹን’ምበር ኣብ ናይ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ ምርጫታት ድምጾም በቶም ዓበይቲ ናይ ፖሎቲካ ሓይልታት ከምዝተጨውየ ዝሕብር መልእኽቲ ናብ ፕረሲደንት ናይ ፕርላማ’ቲ ሃገርን ካልኦት 2 ኣማኸርቱን ከምዝለኣኹ ኣብ ኣጀንስያ ፊደስ ዝበሃል መጺሐት ተመልኪቱ።

ብዝበለጸ ንክርስትያን ዝውከል መናብር ይተሓዛእ!

ቀጺሎም’ውን ብጽዕነቶም ንቫቲካን-ኒውስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፣ ኩሎም ዕራቓውያን ነቲ ንክርስትያን ዝተሓዝአ መናብር ከምዝጥቀምሉ ንምርግጋጽ፣ ፓትርያርክ ተኸተልቲ ኬልቀደናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ 2 ኣብነታት ብምጥቃስ ማለት እቶም ሓይልታት ሕዝባዊ ምልዕዓል ማልሻ ሺያይቲን ኩርድን ንናይ 2 ክርስትያን መምረጺ ወረቐት ብምውሳድ ንሶም ንዝደለይዎ ከምዝመረጽሉ ሓቢሮም።

ዘይሻራውያን ሃገራውያን ንረብሓ ኩሉ ይዛረቡ!

በቲ ብዘይ ግቡእ ዝኣከብዎ ድምጽ-ምርጫ ተሓጊዞም፣ ኣብ ልዕሊ ተወዳደርቶም ክዕወቱ’ኳ እንተኸኣሉ፣ ኮይኑ ግን ንመሰልን ረብሓን ክርስትያን ክከላኸሉ ከምዘይተረኽቡ ብምሕባር፣ ኩሎም ንኽርስትያን ዝተዋህቡ መናብር ብክርስትያን ክበሓቱን፣ በዚ መንገዲ ድማ ሓርነቶም ክዕቀብ ድሕሪ ምሕታት፣ ኣስዒቦም’ውን እቶም ተመረጽቲ ካብ ኣባልነት ናይ ዝኾነ ሰልፊ ናጻን ዘይሻራውያንን ምስ ዝኾኑ ጥራሕ’ዩ መሰልን ረብሓን ናይ ክርስትያን ክኽበር ዝኽእል ከም ዝበሉ ተመልኪቱ።

ኩነታት ዒራቕ ኣብ ምምሕያሽ ይርከብ!

ፓትርያሪክ ተኸተልቲ ኬልቀደናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ፣ ንሓፈሻዊ ኩነታት ናይ ዒራቕ፣ ብፍላይ ድሕሪ ኣብ መንጎ 2 እስላማውያን ሓይልታት ዕራቕ ዝነበሪ ግጭት ኣመልኪቱ፣ ብዙሕ ዕንወት ከምዘውረደ ብምግላጽ፣ እቲ ሃገር ብሓድሽ ኣግባብ ዳግም ክሕነጽ ከም ዘለዎ ድሕሪ ሓቢሩ፣ ንህሉው ናይ ጸጥታ ምምሕያሽ ብምንኣድ፣ ሓይልታት ሕዝባዊ ምልዕዓል እቲ ሃገር ምስ ሕዝቢ ብምውህሃድ ምስ ፖሊስ ክሓብሩን፣ ዝተረፉ ድማ ከም ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ኮይኖም ብመንግስቲ ንኽመሓደሩ ዝጽውዕ ኣዋጅ ዓቢ ስጉምቲ ንምዕባለ ኢዩ ብምባል ኣመጒሶም።

ብድምጺ ንምክትታል!
02 July 2019, 17:11