ድለ

2019.07.06 ኣባ ኃይለማርያም ተኽለማርያ ዘማሕበረ ሲታውያን 2019.07.06 ኣባ ኃይለማርያም ተኽለማርያ ዘማሕበረ ሲታውያን 

መበል ሚእቲ ( ፻ ) ዓመት ልደት ኣባ ኃይለማርያም ተኽለማርያም ዘማኅበረ ሲታውያን

እቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ መደባትና ከከም ግዜኡን ኩነቱን እንጥቀመሉ ዜማታት ዘወፈዩልና ጥቀ ክቡር ኣባ ኃይለማርያም ተኽለማርያም ዘማኅበረ ሲታውያን 1919 - ሓምለ 07 – 2019 ዓምፈ ሚእቲ ዓመቶም መሊኦም።
ብድምጺ ንምክትታል!

ታሪኽ ሕይወቶም

ብ07ሓምለ 1919 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ዓደንገፎም - ሠገነይቲ ተወልዱ። ወለዶም ኣቶ ተኽለማርያም ተስፋማርያም ወይዘሮ ለተኺዳን ተኽለማርያም ይበሃሉ። ኣብ ጥምቀቶም ኃይለሚካኤል ተባህሉ፣ በኣኡ ከኣ ይጽውዑ ነበሩ። ኣብ ሠገነይቲ ፈላሚ ትምህርቲ ድሕሪ ኣካዪዶም፣ ወዲ 18 ዓመት ናብ ዘርአክህነት ከረን ኣተዉ፣

ዚግባእ ናይ ፍልስፍናን ትምህርተ መለኮትን መደብን ኵስኰሳን ድሕሪ ፈጺሞም ድማ፣ ብ15 የካቲት ናይ 1948 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከረን ደብረ ቅዱስ ሚካኤል ብኢድ ኣቡነ ኪዳነማርያም ካሣ ኣብ ማዕርገ ክህነት ደየቡ። ድሕር’ዚ ንሾመንተ ዓመት ኣብ ቍምስናታት ከም መጠን ቆሞስ ኣገልገሉ፣ ማለት ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ቍምስናታት ሓላይን መሰርሓን፣ ካልእ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ኣብ ቍምስና ቍኒዕ (ከረን) ድሕሪ ኣገልጊሎም፣ ብፍቓድን ምርቓን ኣቡኖም ናብ ማኅበር ሲታውያን ብ14 ሚያዝያ 1956 ኣተዉ። ብወርሒ መስከረም 1956 ዓ.ም.ፈ. ከኣ ናብ ገዳም ካዛማሪ ኢጣልያ ከይዶም፣ ብ29 መስከረም 1956 ተመክሮ ጀመሩ።

ዓመት ምንኵስናዊ ተመክሮ ዛዚሞም ብ01 ጥቅምቲ 1957 ብንኡስ መብጸዓ ኣባል ማኅበር ኮይኖም ናብ ሃገሮም ተመልሱ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ከኣ ብ01 ጥቅምቲ 1961 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ገዳም ፍልሰታ ኣሥመራ ብዓቢይ መብጸዓ ንወትሩ ወዲ ማኅበር ንምዃን በቕዑ። ድሕሪ ገለ ዓመታት ድማ ነቶም መምህረ ተመክሮ ዝነበሩ ኣባ ፕላቺዶ ካፑቶ ተኪኦም መምህር ተመክሮ ኪኾኑ ማኅበር መዘዞም። ነዚ ኵስኰሳ ንኡሳን መነኮሳን ካብ 1967 ክሳብ 1973 ኣብ ዘሎ ዓመታት ኣካየድዎ። ምስኡ ማዕረ ማዕረ ነቲ ንንኡሳን መነኮሳን ወትሩ ዚምህርዎ መጽሓፍ ሕጊ ኣቡነ ቡሩኽ ናብ ቋንቋ ትግርኛ ተርጒሞም ንምኅታም በቕዑ። መምህር ዜማን ቋንቋ ግእዝን ኮይኖም እውን ኣገልገሉ።

ብ1973 ንገዳም ከረን ተለዊጦም ኣብኡ መምህር ዜማን ግእዝን ትምህርተ ክርስትናን፣ ኣብ ከባቢ ከረን ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ሓዋርያዊ መደባትን ነጠፉ፣ ኣብ ማእከል ከተማ ከረን ኣብ ዚርከባ ገዳማት ውፉይ ሕይወት ድማ ብስብከትን ብመደብ ኑዛዜን ተላእኩ።

መደብ ተመክሮ ናብ ገዳም ከረን ተለዊጡ ኣብኡ ምስኮነ እውን ዳግማይ መምህር ተመክሮ ኮይኖም ካብ 1976 ክሳብ 1979 ዓ.ም.ፈ. ንማኅበር ኣገልግሎቶም ወፍዮም። ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ብ1994 ናብ ገዳም ኣሥመራ ተለዊጦም፣ ጸኒሖም ድማ ብ2010 ናብ ገዳም ከረን ተመሊሶም፣ብኑዛዜ እናሓገዙ ክሳብ 2014 ኣብኡ ኣሕለፍዎ። እዘን ዝሓለፋ 5 ዓመት ከኣ ኣብ ገዳም ኣሥመራ ይርከቡ ኣለዉ።

ስለ’ዚ ብኽህነት 71 ዓመት መሊኦም ናብ 72 ኣትዮም ኣለዉ፣ ብምንኵስና 62 ዓመት መሊኦም ናብ 63 ሰጊሮም፣ ብዕድመ ልደት ድማ ብዕለት 07 ሓምለ 2019 መበል ሚእቲ [100] ዓመቶም መሊኦም ይርከቡ። ብዕድመ ልደት ኮነ ብኽህነት ኣብ ሃገርና ካብ ዘለዉ ቤተክህነት ዝዓበዩ ኮይኖም ይርከቡ።

06 July 2019, 16:49