ድለ

ስደት ደናግል ቅድስት ሃና ስደት ደናግል ቅድስት ሃና  

ገጽ ከማ! ፍገር ምና ቤትካ መጸተና ኣዘማ! ሎሚ’ውን ካብ ቤትካ ውጻእ መጺኡና!

መንግሥቲ ኤርትራ በቲ ዝመጀመሮ ንብረት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ናይ ምርሳይ ወፍሪ ሰኑይ ዕለት 1 ሓምለ 2019 ዓምፈ ካብቲ ስለ ፍቅሪ እግዚአብሔርን ስለ ፍቅሪ ኣሕዋተንን ሕይወተን ወፍየን ከገልግላሉ ዝተሠርሐ ጽላል ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ንአአን ሰጒጉ ንብረተን ጒሒፉ ሰብ ንብረት ከኣ ፍቃድካ ይኹን ኢለን ብሓገዝ ቤትጽሕፈት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ነቲ ካብ ራስያ ዝተረፈ ክሳብ ካብኡ እውን ዝስጐጓ ኣብ ማእከላይ ገዳም ሒዘን ኣትየን ኣለዋ።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ዘይተባህለ እምበር ዘይተገብረ የለን ከምዝበሃል ብመሠረቱ እቲ መዝገብ ቃል ሕይወት ዝኾነ ቅዱስ መጽሓፍ ነዚ ከምዚ ዚኣመሰለ ተግባር ፈርዖን ከዘንቱ ከሎ ልቢ ፈርዖን ጸጸኒሑ ይተርርን ቃል ኣምላኽ ሒዝምሉ እናክመጹ ኣደራዕ ኣብ ኣደራዕ እናፈጠረ እቲ ሕዝቢ ኣጸቢቑ ከምዝማረርን ምስቶም ልኡኻት ኣምላኽ ክሳብ ምብላዕን ምጥርጣርን የብጽሖ ከምዝነበረ ኦሪት ዘፀአት በብሓደ ይትንትኖ። ሓደ ግዜ ጥራይ ከይከውን ከኣ ዓሠርተ ተኣምራት ክሳብ ዝረኤ ድሕሪ ሞት በዅሪ ፈርዖን ልቡ ተሰሩ ተስፋ ቈሪጹ ይኺዱ ይሓድጎም። ገና ግን ትሪ ልቢ ክሳብ ጥፍኣት ስለዝኾነ እንደገና ተጣዒሱ ሠራዊቱ ኣኽቲቱ ኣብቲ ካብኣ ዘይምለሰላ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሉ ሕጣሙ ይጠፍእ። ይሠውረና ዘብል እዩ።

ኩነታት ሳዖል እውን ከምኡ ዳርጋ ምስ ታሪኽ ኤርትራ ዝመሳሰል እዩ። ሕዝቢ ንሳሙኤል ነቢይ ካልእ ንጉሥ ደኣ ሹመልና እምበር ካባኻን ካብ ዘርእኻንሲ ኣይንደልን ምስ በልዎ መጥፍኢኦም ዝኾነ ንጉሥ ንሳዖል ሾመሎም። ኰይኑ ግን ሳዖል ጋኔን ሓዲርዎ ሕዝቢ ከዋርድ ካብ ሕጊ እግዚአብሔር ክርሕቅ ተረኽበ። ኣብ መወዳእታ ዘይምለስ ዘይእረም በዓል ተሪር ልቢ ምዃኑ ምስ ረኣዮ እግዚአብሔር ገደፎ። መልሲ ከልኦ። ተስፋ ቈሪጹ ካብተን ንሱ ባዕሉ ያኢ ተኸታሊ ሕጊ እግዚአብሔር ኰይኑ ዘጽነተን ጠንቈልቲ ገለ እንተለዋ ሓታቲቱስ ሓንቲ ኣላ ይብልዎ። 1ሳሙ 28 ካብ 8 ከምዚ ይብል።

ሽዑ ሳዖል ንሹማምንቱ፡ ‘ናብኣ ኸይደ ክውከሳስ፡ ምስ ምውታት እትዛረብ ጠንቋሊት ሰበይቲ ድለዩለይ፡’ በሎም። እቶም ሽማምንቱ ፡ ምስ ምውታት እትዛረብ ጠንቋሊት ሰበይቲስ እንሃ፡ ኣብ ዔን-ዶር ኣላ፡’ በልዎ። ሳዕል ድማ ትርኢቱ ለዊጡ ኻልእ ክዳን ተኸዲኑ፡ ምስኡ ክልተ ሰብ ተማሊኡ ብለይቲ ናብታ ሰበይቲ መጸ። በጃኺ ምስ መናፍስቲ ተዛሪብኪ ነቲ ኣነ ዝሰምየልኪ ሰብ ኣተንሥእለይ፡’ በላ።  እታ ሰበይቲ ድማ፡ እንሆ፡ እቲ ሳዖል ዝገበሮ፡ ነቶም ጠንቈልትን ምስ ነቶም ምስ ምውታት ዝዛረቡን ካብዛ ሃገር ከም ዘጽነቶም፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ስለምንታይከ ኸተቕትለኒ ኢልካ መጻወድያ ትገብረለይ፧’ በለቶ።  ሳዖል ድማ፡ በዚ ነገር እዝስ ገለ ቕጽዓት እኳ ኸም ዘይረኸበኪ፡ ሕያው እግዚኣብሄር እዩ፡ ኢሉ ብእግዚኣብሄር መሓለላ። ሽዑ እታ ሰበይቲ፡ ንመንከ ኸተንሥአልካ፡ በለቶ። ንሱ ኸኣ፡ ንሳሙኤል አተንሥእለይ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳሙኤል ምስ ረአየቶ፡ ‘ንስኻ ሳዖል ክነስኻ ደአ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዝጠበርካኒ፧’ ኢላ ዓው ኢላ ተዛረበት። እቲ ንጉሥ ከኣ፡ ‘ኣይትፍርሂ፡ እንታይ ግዳ ትርእዪ ኣሎኺ፡’ በላ። እታ ሰበይቲ ድማ ንሳዖል፡ ‘ሓደ መንፈስ ካብ ምድሪ ኺወጽእ እርኢ ኣሎኹ፡’ በለቶ።  ንሱ ኸኣ፡ ‘ትርኢቱኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፧’ በላ። ንሳ ድማ፡ ‘ባርኖስ እተኸድነ ኣረጊት ሰብአይ ይወጽእ ኣሎ፡’ በለት። ሽዑ ሳዖል፡ ሳሙኤል ምዃኑ ፈሊጡ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። ሳሙኤል ድማ ንሳዖል፡ ‘ስለምንታይ ኢኻ ዘተንሣእካኒ ስለምንታይከ ዘዕገርገርካኒ፧’ በሎ። ሳዖል ከኣ፡ ‘ንኣይ ኣዝዩ ጸቢቡኒ ኣሎ፡ ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡኒ ኣለዉ፡ እግዚኣብሄር ድማ ረሐቐኒ፡ ብነብያት ኰነ፡ ብሕልምታት ኣይመልሰለይን፡ ስለዚ ኸኣ እቲ ዝገብሮ ኽትነግረኒ ኢለ ጸዋዕኩኻ፡’ በሎ።  ሳሙኤል ድማ፡ ‘እግዚኣብሔር ካብ ረሐቐካ ጸላኢኻውን ካብ ኰነ ደአ፡ ስለምንታይ ኢኻ እትሓተኒ፧ እግዚኣብሔርሲ ከምቲ ብኣይ ዝተዛረቦ እዩ ዝገበረ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ነታ መንግሥቲ ኻብ ኢድካ መንጢሉ ንብጻይካ ንዳዊት ሂብዋ እዩ። ነቲ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ስለ ዘይፈጸምካን፡ ከምቲ ነድሪ ቚጥእዓዑ ድማ ንሰብ ኣማሌቅ ስለ ዘየጥፋካዮምን፡ እግዚኣብሔር በዛ መዓልቲ እዚአ እዚ ነገር እዚ ገበረካ።  እግዚኣብሔር ንእስራኤልን ንኣኻን ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኺህበኩም እዩ። ጽባሕ ድማ ንስኻን ደቅኻን ምሳይ ክትኰኑ ኢኹም። ንሰራዊት እስራኤልውን እግዚኣብሔር ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣሕሊፉ ኺህቦም እዩ።’ በሎ። ሽዑ ሳዖል በቲ ዘረባ ሳሙኤል ኣዝዩ ፈሪሁ፡ ብኡብኡ ብምሉእ ቊመቱ ናብ ምድሪ ወደቐ፡ ምልእቲ መዓልትን ምልእቲ ለይትን ከኣ እንጌራ ኣይለኸፈን እሞ፡ ገለ ሓይሊ እኳ ኣይነበሮን።’ ይብል ቃል ኣምላኽ። ምናልባት ትሪ ልቢ ገፋዕቲ ይገርመና ይኸውን! ጥፋእ እንተኢሉካ ግን ከምኡ እዩ። 

ብድምጺ ንምክትታል!

 

Photogallery

‘ደቂ እቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ምእንቲ ክትኮኑ ንጸላእትኹም ኣፍቅሩ ምእንቲ እቶም ዘሳድዱኹም ጸሎት ግበሩ’ (ማቴ 5.25)
03 July 2019, 19:11