ድለ

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዓውደ ኣኼባ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዓውደ ኣኼባ 

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዓውደ ኣኼባ

እቶም ካብ ሓደ ፍልዩ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሓደ ጭቡጥ ኩነት ዝነቓቕሑ ኣብ ቤተ ክርስትያን ሓባራውነት ዝሰረጹ ኰይኖም ንዓቢይ ፍርያምነት ምስ ካልኦት ጭቡጥ ኩነታት ብምርኻብ ይንበር

ኣብ እንግልጣር ኣብ እትርከብ ከተማ ቢርምንግሃም ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ዓመታዊ ሓፈሻዊ መበል 47 ዓውደ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፍት ኣብ ተቕዋም ኦስኮት ቅድሰ ማርያም ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከምዘካየደን፡ እቲ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ ዝተመያየጠሉን ዝተመኻኸረሉን መሰረታዊ ነጥቢ፡ ዘተ ኣብ መንጐ ውህበት ስልጣነ(ሃይራርቃዊ) ኣርከንን ፍሉይ ውህበት (ጸጋ) መንፈስ ቅዱስን ዝብል ከምዝነበረ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሳልቫቶረ ትሮፐኣ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ልልያ ፍሉይ ህያባት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንቤተ ክርስቲያን ሕይወታዊ እዩ፡ ኣብ ውሽጣ ኣብ ሰፊሕ ባህላውን ሃይማኖታውን ኵርናዕ ክሳብ ዝንበርን ዝግለጽን ኣብ ጥቕሚ ዝውዕልን ብፍላይ ክሳብ ብሓባር ምንባር እቲ ካብ’ቲ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ዝጽገዉ ህያባት ሃይራርቃዊ ኣርከንን ህያባት መንፈስ ቅዱስን። እዚ እቲ ዓውደ ኣኼባ ብሰፊሕ ዘስተንተነሉ ነጥቢ ምዃኑ ትሮፐኣ ይሕብሩ።

ኣገዳስነት ዓቐን መንፈሳዊ ህያብ

ናይ ኣፍቅሮተ ዘቤት ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ኣደ መንበር ማሪያ ቮቸ ኣብቲ ኣኼባ ብዛዕባ መንፈሳውያን ህያባት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎ ኣገዳስነት ኣማእኪለን፡ ጴጥሮሳውን ማርያማውን ተክለ ሰብነት ብሓባር ንሓድሽ ጴጥንጠቆስጠ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣሞርኵይዘን ምስክርነት ከምዘቕረባን፡ ብፍላይ ኣገዳስነት ሓባራዊ ምንባር ሃይራርቃዊ  ኣርከን ህያብን ፍሉይ ህያባትን መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ሓሳብ ከምዘስመራሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ትሮፐኣ ኣስዒቦም፡ መንፈስ ቅዱስ ነዞም ህያባት ዝጽግውን ኣናስሮም ንሱ ባዕሉ ከምዝዀነን ዋላ’ኳ ናይ ተራን ሓላፍነትን ብዛሃነት ይሃሉ ሸቶኡ ሓደ-ዓይነት እዩ። ስለዚህ እቶም ካብ ሓደ ፍልዩ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሓደ ጭቡጥ ኩነት ዝነቓቕሑ ኣብ ቤተ ክርስትያን ሓባራውነት ዝሰረጹ ኰይኖም ንዓቢይ ፍርያምነት ምስ ካልኦት ጭቡጥ ኩነታት ብምርኻብ ይንበር። እዚ ምንባር’ዚ ህያባት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ከም ፍሉይነቶም ዝንበሩን ኣብ ውሽጢ ቤተ ከይተዓጸዉ ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ እውን ናብ ዝብሉ እያቶም፡ ስለዚህ ብናይ ሓባር ሃንቀውታ ተደሪኾም ክሳብ ኣጽናፍ ዓለም ይጓዓዙ፡ እቲ ማርያማዊ ተክለ ሰብነት ንቤተ ክርስቲያን እውነተይናን ፈራዪ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝምህርን ዘስርጽን እዩ ክምዝበላ ይገልጹ።

ግደ ልልያ

እቲ ናይቲ ዓውደ ኣኼባ ካልኣይ ናይ ኣስተንትኖ ነጥቢ ብናይ ሳውዝዎርክ ሰበኻ ልሂቅ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ከቪን መክዶናልድ ናይ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ነበር ዋና ጸሓፊ ብዛዕባ ርክብ ህያባት መንፈስ ቅዱስን ተቕዋማትን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣተኵይሮም፥ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቦኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስ እንከለዉ ምስ ምንቅስቓስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ብቐረባ ዝተኸታተልዎ ተመክሮ ከምዝነበረ ጠቒሶም እዚ ብናይቲ እዋን ምስ ናይ ኣርጀቲና ህልው ኵነታት ዝተኣሳሰረ ኰይኑ፡ ከምቲ ንሶም ዝብልዎ፡ ምንቅስቓስ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ንናይ ውህደትን ናብ ውህደት ዘሰንይ ሓደ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ዓይነት መንፈሳዊ መስመር እዩ ብዝብል ተመክሮ ዝግለጽ እዩ። እቲ ዓቢይ ኣገዳስነት ዘለዎ ነጥቢ፡ ይብሉ ብፁዕነቶም፡ ናይ ውህደት ጸጋ ምዃኑ ምልላይ እዩ፡ ስለዚህ ክርስቲያን ዘዋህድን ዝተፈላለዩ ክርስቲያን ናብ ዕርቅን ሱታፌን ንኸብሉ ዝድርኽ እዩ ቢሎም። ኣተሓሒዞም እውን እቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር Iuvenescit Ecclesia - ዳግመ ጉብዝና ቤተ ክርስቲያን ብዝብል ኣርእስቲ ዘውጽኦ ሰነድ ጠቒሶም፡ እዚ ሰነድ ናብ ብፁዓን ጳጳሳት ዝብል ኰይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ ህያባት ሃይራርቅያ ኣርከን (ስልጣን ኣብ ቤተ ክርስቲያን)ን ህያባት መንፈስ ቅዱስን ተልእዀ ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብ ዘነጽር እዩ። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ካልኦት ብመሰረት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተደርሱ መጽሓፈ ጥበባትን፡ ኣብ መንጐ ህያባት ሃይራርቅያ ኣርከንን ህያባት መንፈስ ቅዱስን ተልእዀ ቤተ ክርስቲያንን ውጥረት ዘይኰነ ሰፊሕ ኵርናዕ ክህሉ ዝገብር ምዃኑ የብርሁ፡ ስለዚህ እቲ ዋና መፍትሕ ልልያ ዝብል እቲ ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ዘተሓሳስብዎ ቃል እዩ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያን ህያባት መንፈስ ቅዱስ ምልላይ ሕይወታዊ እዩ፡ እዚ ልልያ’ዚ ዝትግበር ምስቲ ነቲ እንነብረሉ ዕውሉም ዓለም ዝቐርጹ ናይ ባህላውን ሃይማኖታውን ሰፊሕ ኵርናዓት ብምርኻብ እዩ፡ ልልያ ምስቲ ህልው ኩነት ብምንጽጻር።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዓውደ ኣኼባ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌልን ባህልን ስድራ ቤትን ሕይወትን መንእሰያትን ማሕበራዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሓልዩ ኣርባዕተ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ድርገታት ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ኣቕሪቦምን፡ እዚ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተኻየደ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝምልከት ክኸውን እንክሎ፡ ነቲ ጉባኤ ቀሪቡን፡ ዋና ጸሓፍት ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝምልከቱ ሓበሬታን ተመክሮታቶምን ምስ ተለዋወጡ ንዝመጽእ ዘሎ ዓመት ዝክረ ነገራት ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ሳልቫቶረ ትሮፐኣ ኣፍሊጦም።

ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ዓውደ ኣኼባ
09 July 2019, 18:28