ድለ

ኡጋንዳ፥ መቕተልቲ ወንጌላዊ ልኡኽ ኡጋንዳ፥ መቕተልቲ ወንጌላዊ ልኡኽ  

ኡጋንዳ፥ መቕተልቲ ወንጌላዊ ልኡኽ

ናይቲ ገዳማውያን ኡጋንዳዊ ማሕበር ቅዱስ ልዋንጋ ወሃቢ ቃል ሓው ቻርለስ ዶመኒክ ካጐየ፡ ብመቕተልቲ ሓው ኤማኑኤል ሙጋሩራ ምኽንያት ዝተሰምዖን ሓዘን ገሊጾም መላእ ሕይወቶም ኣብ ተልእዀ ወንጌል ዝተጸምዱ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር እንክብሉ ከምዝገለጽዎም

ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ኣባል ማሕበር ገዳማውያን ቅዱስ ቻርለስ ልዋንጋ ወንጌላዊ ልኡኽ ሓው ኖርበርት ኤማኑኤል ሙጋሩራ ዕለት 3 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ብሰብ ኢድ ከምእተቐትሉ ፊደስ ናይ ዜና እገልግሎት ክሕብር እንከሎ፡ ናይቲ ገዳማውያን ኡጋንዳዊ ማሕበር ቅዱስ ልዋንጋ ወሃቢ ቃል ሓው ቻርለስ ዶመኒክ ካጐየ፡ ብመቕተልቲ ሓው ኤማኑኤል ሙጋሩራ ምኽንያት ዝተሰምዖን ሓዘን ገሊጾም መላእ ሕይወቶም ኣብ ተልእዀ ወንጌል ዝተጸምዱ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር እንክብሉ ከምዝገለጽዎም ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓው ኖርበርት ኤማኑኤል ሚጋሩራ ብሓደ ሮበርት ኣሲምወ ዝተባህለ ተማሃራይ መንበረ ጥበብ ከምእተቐትሉ ዝሓበረ ቤት መርመራ ሓይሊ ጸጥታ ኣስዒቡ ተሓታቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓለን፡ ነታ ናይቶም ልኡካነ ወንጌል ዝጥቀሙላ ናይ ማሕበሮም ንብረት ዝዀነት መንቀሳቐሲት ማኪና ንኽዘርፍ ቢሉ ዝፈጸሞ መቕተልቲ እውን ምዃኑ ከምዘፍለጠ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኡጋንዳዊ ማሕበር ገዳማውያን ቅዱስ ቻርለስ ልዋንጋ

ሓው ኖርበርት ኤማኑኤል ሙጋሩራ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ሰበኻ ካባለ ኣብ እትርከብ ቁሸት ቡያንጃ ዕለት 28 ታሕሳስ 1972 ዓ.ም. ዝተወልዱን ናይቲ ኡጋንዳዊ ገዳማውያን ቅዱስ ቻርለስ ልዋንጋ ጠቕላሊ ሓለቓ ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ ን 158 መዓልታት ጥራሕ ዘገልገሉ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፡ ኣብቲ ገዳም ኣብ 1992 ዓ.ም. ዝኣተዉን ኣብ 1995 ዓ.ም. ወርሒ ጥሪ ዕለት 6 መብጽዓ ከምዘበሩን ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ካብቲ ማሕበር ዝወጸ ምንጪ ዜና ጠቒሱ ይሕብር።

ኡጋንዳ፥ መቕተልቲ ወንጌላዊ ልኡኽ
09 July 2019, 18:41