ድለ

ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ሊማ፡ ምስ ሕዝበ ኣግዚኣብሔር ሓድሽ ኣገባብ ቤተ ክርስቲያን ንኣማዞን ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ሊማ፡ ምስ ሕዝበ ኣግዚኣብሔር ሓድሽ ኣገባብ ቤተ ክርስቲያን ንኣማዞን 

ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ሊማ፡ ምስ ሕዝበ ኣግዚኣብሔር ሓድሽ ኣገባብ ቤተ ክርስቲያን ንኣማዞን

ኣማዞናውያን ከማና ንኽዀኑ ናብኦም ምዃድ ዘይኰነስ ናብእቶም ብምዃድ ኣብቲ ከባብን ካብቲ ከባቢ ወጻኢ እትቐውም ቤተ ክርስቲያን ንምልላይ

ናይ ፐሩ ርእሰ ከተማ ሊማ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ካስቲዮ ማትታሶግሊዮ ዕለት 1 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብቕዱስ ኣቦና ኣቀባብላ ተገይሩሎም ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኽካየድ ዝጸውዕዎ ዛዕባ ኣማዞን ዝመክር ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ሃገራት ከባቢ ኣማዞን ኣማእኪሎምን እቲ ሲኖዶስ ዝተዓረዶ ብድሆታትን ነቲ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝነብሮ ጐይታውነት ዓይነት ምሕደራ ርእሰ ጉዳይ ዘተን ምንጽጻርን ዝካየደሉ ካብ ምዃን ሓሊፉ ሰብኣዊ ፍጥረት ናብቲ ምሕደራ ተፈጥሮ ኣብ ሓላፍነት ናብ ዝብል ግብረ ገባዊ ሓላፍነት ንኸብል ዝጽውዕ ምዃኑ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዘይ ኣማዞን ምስትንፋስ ዝከኣል ኣይኰነን ነዚ ግምት ብምሃብ እቲ ዛዕባ ኣማዞን ዝዝትይ ሲኖዶስ ዘለዎ ዓቢይ ኣገዳስነት ክተስተዕል ትኽእል። ካብ ገዛእ ርእስና ውጽእ ቢልና ተፈጥሮ ዝነብሮ ዘሎ ጸገማት ንምስትውዓልን ብተመሳሳሊ መገዲ እውን ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ዝነብሮ መግዛእታዊ ምሕደራ ብምስትውዓል ንምእራምን ዝድግፍ ምዃኑ እዞም ብቕዱስ ኣቦና ናይ ሊማ ሊቀ ጳጳሳት ንኽዀኑ ዝተሸሙን ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ካብ ኢድ ቅዱስ ኣቦና መንጠሊና ትእምርቲ ናይ ሓዋርይዊ ኑዛዜ እምነት ካብ ዝተቐበሉ ሊቃነ ጳጳሳት ሓደ ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ካስቲሎ ማታሶሊዮ ገሊጾም፡ እቲ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝካየድ ሲኖዶስ ዛዕባ ኣማዞን፡

ናይ ኣሕዛብ ማሕብራዊ በዓል-ቤታውነት

ናይቲ ሲኖዶስ ቀንዲ ዕላማ ንቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዝነብሩ ኣሕዛብ ዘተን ምንጽጻርን ዝብል ኰይኑ፡ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 29 ሰነ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ ኣሕዛብ ማሕበራዊ በዓልቤታውነት ዘለዎ ዓቢይ ኣገዳስነት የመላኽቱ፡ ስለዚህ ከም ማሕበራዊ በዓል ቤት ሓሳቦም ክገልጹን ቤተ ክርስቲያን እውን ማሕብራዊ በዓል ቤታውነት መልክዕ ክህልዋ ኣገዳሲ ምዃኑ የብርሁ፡ እዚ እቲ ናይቲ ሲንዶስ ዕላማ እዩ ኢሎም።

ሰብ ሙያ ብዝመያየጥሉ ግድላት ጥራሕ ዘይዕቀን

ኣብ ከባቢ ኣማዞን ዝፍጸም ምዝመዛ ሃብቲ ተፈትሮ ዝምልከት ሽግር ዋላ’ኳ ኣገዳስነት ዘለዎ ሓሳብን ማዕቅናትን ንምቕራብ ዝከኣሎም ይዅን ብሙያተይናታት ጥራሕ ዝፍታሕ ኣይኰነን፡ ሕዝቢ ዝምልክት ጉዳይ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ምስ ሕዝቢ ኣማዞን ምዝታይን ምምካርን የድሊ።

ቤተ ክርስትያን ብርሃን ክትከውን ካብ ህዝቢ ዝቐርብ ድጋፍ

ሕዝቢ ኣማዞን ንቤተ ክርስቲያን ዝብሎ ኣለዎ፡ ናይቲ ከባቢ ኣማዞን ሕዝቢ ተፈጥሮ ዘንብብ ትኵር ጥማቶን ኣስተውዕሎን የብልናን ምእንቲ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይቲ ሕዝቢ ምስትውዓል ንተፈጥሮ ናታ ገይራ ኣብቲ ከባቢ ንእተካይዶ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከተሐይልን ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ባህልን ልምድን ኩነታት እቲ ከባቢ ንምስትውዓል ዝድግፍ ብምዃኑ ነቲ ህዝቢ ናታ ገይራ ኣብቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምዃን ኩነት ንምቛም ዝሓቀነ ሲኖዶስ እውን ምዃኑ ይሕብሩ።

ንናይ ሰብኣዊ ሕይውት ዝበረኽ ዓለም

ኣማዞናውያን ከማና ንኽዀኑ ናብኦም ምዃድ ዘይኰነስ ናብእቶም ብምዃድ ኣብቲ ከባብን ካብቲ ከባቢ ወጻኢ እትቐውም ቤተ ክርስቲያን ንምልላይ የድሊ፡ እንነብረሉ ዓለም ንናይ ሰብኣዊ ሕይወት ዝበረኸ መታን ክኸውን ይብሉ ብፁዕነቶም እቲ ሲኖዶስ ካብቲ ኣብ ኣማዞን ዝነብር ኣማዞናዊ ትምህርቲ ንምርካብን ካብ ቁጠባውን ኤኮኖሚያውን ህርፋን ናብ ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ዝመርሕ ከምዝኸውን ኣይጠራጠርን እየ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ሊቀ ጳጳሳት ሰበኻ ሊማ፡ ምስ ሕዝበ ኣግዚኣብሔር ሓድሽ ኣገባብ ቤተ ክርስቲያን ንኣማዞን
02 July 2019, 16:55