ድለ

ቡሩንዲ፡ ክንየው ፍልልይ ዓሌት ናይ ሕውነት መሰኻኽር 44 ካቶሊካውያን ሰማዕታት ቡሩንዲ፡ ክንየው ፍልልይ ዓሌት ናይ ሕውነት መሰኻኽር 44 ካቶሊካውያን ሰማዕታት 

ቡሩንዲ፡ ክንየው ፍልልይ ዓሌት ናይ ሕውነት መሰኻኽር 44 ካቶሊካውያን ሰማዕታት

ዕለት 17 ግንቦት 1972 ዓ.ም. ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ዝዕድመኦም ካህን ገጣምን ናይ ፍልስፍና ሊቅ ብዝሓ ዓሌት ሃብቲ እምበር ምኽንያት ፍልልያትን ተጻብኦነትን ከምዘይኰነ ዝምህሩን ዝምስክሩን ዝነበሩ ኣባ ሚከል ካዮያ

እቲ ዘይፈላልይ ደረት ኣልቦ ፍቕሪ ክርስቶስ መሰኻኽር ዝዀኑ ክልተ ዜጋታት ኢጣሊያ ኣባላት ማሕበር ሳቨሪያኒ ካህናትን ክልተ ዓለማውያን ምእመናን ዜጋታት ኢጣሊን 44 ካህናትን ዓለማውያን ምእመናንን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ዝርከብዎ ካቶሊካውያን ሰማዕታት ቅድስና ንኽእወጀሎም ዘድሊ ኪደት ብወግኢ ምብጋሱ ምኽንያት ኣብ ብሩንዲ ንትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን መላእ ሃገርን ዓቢይ ሓጐስ ከምዝፈጠረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ብሩንዲ ካብ ሰብዓታት ክሳብ ተስዓታት ዓመተ ምሕረት ካህናትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ዓለማውያን ምእመናንን ዝርከብዎም ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ሰማዕታት መሰኻኽር ሕውነት ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ንኽእወጀሎም ዘድልይ ኪደት ኣብ ናይ ብሩንዲ ካቴድራል ብወግዒ ከምእተበገሰን እዞም ኣብ ወጋሕታ ናጽነት ብሩንዲ ኣብ መንጐ ቱትዚን ሁቱን ግጭት ኣብ ዝተባርዓሉ እዋን ብዘይ ኣፋላላይ ዓሌት እቲ ኵላዊ ዝዀነን ንማንም ዘይንጽል ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ዝመስከሩን ዓሌትን ኣመለኻኽታን ባህልን ንዘሎ ፍልልያት ሰገር ዝዀነ ኣብ ፍቅሪ ክርስቶስ ዝጸንዔ ሕውነት ዝመስከሩን ኣብዚ ምስክርነት’ዚ ናይ ደም ሰማዕትነት ዝተቐበሉ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፡

እቶም ኣርብዓን ኣርባዕተን ካቶሊካውያን ሰማዕታት

ዕለት 17 ግንቦት 1972 ዓ.ም. ሰላሳን ሸሞንተን ዓመት ዝዕድመኦም ካህን ገጣምን ናይ ፍልስፍና ሊቅ ብዝሓ ዓሌት ሃብቲ እምበር ምኽንያት ፍልልያትን ተጻብኦነትን ከምዘይኰነ ዝምህሩን ዝምስክሩን ዝነበሩ ኣባ ሚከል ካዮያ ብዕጡቓት ሓይሊ ተታሒዞም ክቕተሉ እንከለዉ መዝሙረ ዳዊትትን ናይ ማርያም ናይ ምስጋና ጸሎትን ይዝምሩ ከምዝነበሩን፡ ዕለት 30 መስከረም 1995 ዓ.ም. ኣባ ኦቶሪኖ ማኡለን ኣባ ኣልዶ ሚርኪዮል ዜጋታት ኢጣሊያ ኣባላት ማሕበር ሳቨሪያኒ ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ኣብ ቡየንገሮ ከባቢ ኣብ ዘካይዶ ተልእዀ ዘገልግላ ዝነበራ ኢጣሊያዊት ወለንተይና ካቲና ጉበርትን ዝተቐትሉን ዕለት 30 ሚያዝያ 1997 ዓ.ም. ዝተቐትሉ ኣርባዕተ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ካልኦትን ብጠቕላላ ኣብቲ ዝተቐትልሉ ስፍራ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዎ ቤተ መቕደስ ሕውነት ከምእተሓንጸ እውን ክፍለጥ እንከሎ፡

ብፁዓን ጳጳሳት ብሩንዲ፡ ክርስቲያናዊ ሕይውነት የብዕሉ

ብፁዓን ጳጳሳት ብሩንዲ ናይዞም 44 ሰማዕታት ሕውነት ናብ ቅድስና ዘብጽሕ ንዝካየድ መጽናዕቲ ገድለ ቅድስና ብናይ ብሩንዲ ሰበኻ ክብገስ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ውሳኔ ይዅንታ ስለ ዝሃበሉ ዝተሰምዖም ሓጐስ ገሊጾም፡ ሎሚ ከም ትማሊ ከምቲ ንሳቶም ዘቕረብዎ ምስክርነት ኣዚዩ ኣብ ዘድልየሉ እዋን፡ ነቲ ብመሰረት ክርስቶሳዊ ፍቕሪ ዝመስከርዎ ሕውነት ዓቢይ ግምት ዝህብ ብጸሎትን ትብዓትን ሓሴትን ዝተቐበልዎ ሰማዕትነት ንእዋናዊ ማሕብረሰብ ኣብነት ምዃኑ ይገልጹ።

ቡሩንዲ፡ ክንየው ፍልልይ ዓሌት ናይ ሕውነት መሰኻኽር 44 ካቶሊካውያን ሰማዕታት
26 July 2019, 17:06