ድለ

2019.02.18 ሊቀ ጳጳስ ናይ ኡጋድጉ ፍሊፐ ናከለንቱባ ወድሮጎ ሓድሽ ፕረሲደንት ጉባኤ ጳጳሳት መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) 2019.02.18 ሊቀ ጳጳስ ናይ ኡጋድጉ ፍሊፐ ናከለንቱባ ወድሮጎ ሓድሽ ፕረሲደንት ጉባኤ ጳጳሳት መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM)  

ብፁዕ ካርዲናል ወድሮጎ ፕረሲደንት ናይ ጉባኤ ጳጳሳት መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን (SECAM) ኮይኖም

ጉባኤ ጳጳሳት ኣፍሪቃን ማዳጋሲካርን ትማሊ ዕለት 29 ሓምለ 2019ዓምፈ ከም መዛዘሚ ናይ’ቲ ኣብ ካምፓላ ኡጓንዳ ዝርከብ ናሙንጎንጎ ዝተባህለ መካነ-ንግደት ዘካየድዎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጳጳሳት፣ ሊቀ ጳጳስ ናይ ኡጋድጉ ፍሊፐ ናከለንቱባ ወድሮጎ ሓድሽ ፕረሲደንት ኮይኖም ከምዝተመርጹ ተፈሊጡ።

ዮናስ ስዩም - ከተማ ቫቲካን

እዚ ምርጫ’ዚ ብኣጋጣሚ ናይ’ቲ ካብ ዕለት 20 ሓምለ ጀሚሩ ʽስድራ እግዚኣብሔር ዝኾነት ቤተክርስትያን ኣፍሪቃ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ትሰብኽ እናበለት ኢዮቤላ ተብዕልʽ  ብዝብል መሪሕ ቃል ምድላዋት ክግበረሉ ዝቐነየ ናይ መበል 50 ዓመት በዓል ምምስራት ናይ’ቲ ጉባኤ ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ። ብፁዕነቶም ንፕረሲደንት ዝተመርጹ፣ ነቲ ቅድሜኦም ፕረሲደንት ዝነበሩ ብፁዕ ሊቀ-ጳጳስ ናይ ሉምባኖ ኣንጎላ ዝኾኑ ካርዲናል ጋብሪኤል ምብሊንጊ ተኪኦም ከምዝኾኑ ኣብ ዌብ ሳይት ናይ ኣመሰያ ተሓቢሩ።

ብፁዕ ፍሊፕ ሊቀ ጳጳስ ናይ ኡጋዱጉ ቡርኪነፋሶ ኮይኖም፣ ካርዲናል-ካህን ናይ ቤተክርስትያን ነዛዚተ-ሕዙናት ናይ ቱቡርቲኖ ውን እዮም። ብጽዕነቶም ብዕለት 25 ጥሪ 1945 ዓምፈ ተወሊዶም፣ ብዕለት 14 ሓምለ 1973ዓምፈ ኣብ ካያ መዓርገ ክህነት ከቕበሉ እንከለዉ ብዕለት 5 ሓምለ 1996 ናይ ኡዋሂጎያ ጳጳስ ኮይኖም ብምስያም፣ ብዕለት 23 ሕዳር 1996 መዓርገ ጵጵስና ተቐበሉ። ድሕሪ 12 ዓመት ብዕለት 13 ግምቦት 2009 ድማ ከም ሊቀ-ጳጳስ ናይ ኡጓድጉ ኮይኖም ድሕሪ ምስያም ኣብ ዕለት 22 የካቲት 2014ዓምፈ ድማ መዝነቶም ናብ ካርዲናል ክብ ኣበሉ።

ብዕለት 22 የካቲት ካርዲናል-ካህን ናይ ቤተክርስትያን ነዛዚተ ሕዙናት ናይ ቱብርቲኖ ድሕሪ ተመዚዞም ኣብ ዕለት 27 ሚያዝያ 2014 ዓምፈ ንብፁዕ ሊቀ-ጳጳስ ጋብሪኤል ምብሊንጊ ናይ ሉባንጎ ኣንጎላ ተኪኦም ብወግዒ ኣብ’ቲ ዝተመዘዝሉ ቤተክርስትያን ኣገልግሎቶም ጀሚሮም።

ከም ናይ ቀረባ ሓገዝቶም ኮይኖም ዝተመዘዙ፣ ብፁዕ ኣቡነ ሲተምበለ ሲፑካ ናይ ማታታ ደቡብ ኣፍሪቃን ብፁዕ ኣቡነ ሉሽዮ ኣንድሪስ ናይ ሻይሻይ ሞዛምቢክን ብቐደም ተኸተል ከም ቀዳማይን ካላኣይን ኣማኸርቶም ኮይኖም ተመዚዞም።

ክቡር ኣባ ተርዋሰ ሄንሪ ኣካብያም ካብ ናጀርያ ንክቡር ኣባ ጆሴፍ ኮማኮማ ካብ ዛምቢያ ተኪኦም ዋና ጸሓፊ ናይ ሰካም ብምዃን ክስየሙ እንከለዉ፣ ስዒቦም ንዝግበሩ ምቅይያራት ድማ ኣብ ጊዝይኦም ከሕበሩ ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

ብድምጺ ንምክትታል!

 

29 July 2019, 19:34