ድለ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሓልዮት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሓልዮት ስደተይናታትን ተመዛበልትን 

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሓልዮት ስደተይናታትን ተመዛበልትን

ናብ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ንኽኣትዉ

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ምሕደራ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ደገፍ በቢ ዓመቱ ዝምድቦ ሃብቲ ገንዘብ ምሉእ ብምሉእ ደው ንኸብሎ ዝብል መደብ ከምዘለዎ ኣብታ ሃገር ዝተፈላለያ ናይ ዜና ማዕከናት ብፍላይ ፖለቲክ እተሰምየ መጽሔት ዘቕረቦ ጽሑፍ ዘተሓሳሰቦም ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ዘለዎም ስክፍታ ገሊጾም፡ ካብ ውግእን ዓመጽን ብኻልእ ዝተፈላለየ ሰብኣውን ሃይማኖታውን ዓሌታውን ጸገም ምኽንያት ንዝስደዱ ዝውዕል ናይ ድጋፍ መሳለጢ መንግስቲ ዝህቦ ዝምድቦ ዝነበረ ሃብቲ ገንዘብ እንተድኣ ተቛሪጹ እቶም ተመዛበልትን ስደተይናታትን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ብቐሊሉ ክቃልዑ ከምዝኽእል ሓቢሩ ዘለዎ ስክፍታ ከምዝገለጸ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጆይ ቫስከዝ፥ እቲ ዝተፈነወ ሓበሬታ ብሓቂ ዘሰንብድን ከም ሃገርን ሕዝብን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንዘለዋ ዕሴታት ዝጻረር እዩ ቢሎም፡ ናብ ሕቡራት መግስታት ኣመሪካ ዝመጹ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ ንኽኣትዉን ምስ መጹ ኣብ ዝተኣንገድሉ ከባቢ ገዛእ ርእሶም ንኽጣጥሑ መንግስቲ ዝምድቦ ዝነበረ ርእሰ ማል እንተድኣ ምሉእ ብሉእ ተሰሪዙ እቶም ተመዛበልትን ስደተይናታትን ኣብ ሕይወቶም ከጋጥሞም ዝኽእል ሰብኣውን ማሕብራውን ቅልውላው ዝኸፍአ ከምዝኸውን ዝተረጋገጸ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡

ኣብ 1980 ዓ.ም. ናይ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካ መንግስቲ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ዓለም ተመዛበልቲ ናብ ኣመሪካ ክኣትዉን ሕይወቶም ንኸመሓድሩ ዕድል ክወሃቦም ዝጸደቐን ኣብ ግብሪ ዝውዕ ዘሎ ሕጊ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ዓመት ክሳብ 95 ሺሕ ተመዛበልትን ዑቕባ ሓተትን ንኽኣትዉ ዕድል ዝህብ ከምዝነበረን ናይ ትራምፕ ምሕደራ ኣብ 2019 ዓ.ም. 30 ሺሕ ጥራሕ ዝፈቅድ ከይኑ ከምቲ እቲ መጽሔት ከምዝሕብሮ እንተድኣ ኰይኑ ኣብ 2020 ዓ.ም. ምሉእ ብምሉእ እቲ መደብ ክስረዝ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፡ እዚ ጉዳይ’ዚ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ኣዚዩ ዘተሓሳስቦም ከምዝዀነ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ናይ ትራምፕ መንግስቲ ማእከላይ ከባቢ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን መክሲኮን ዘየጠቓልል ካብ ካልኦት 10 ሃገራት ካብ ኮንጐን ምያንማርን ኡክራይንን ኤርትራን ኣፍጋኒስታንን ሶሪያን ዒራቕን ሱዳንን ብሩንዲን ኮሎምቢያ ዝመጹ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ዝቕበልን እዚ ናይ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ምሕደራ ብጀካ ካብዘን ዝተገልጻ ሃገራት ወጻኢ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ካብተን ምስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝዳቦዋ ሃገራት እውን ዝስደዱ ተቐባልነት ዘይህብ ምዃኑ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ካብ ዘመሓላለፎ ምንጪ ዜና ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ሓልዮት ስደተይናታትን ተመዛበልትን
24 July 2019, 18:01