ድለ

ኣውስትራሊያ፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰንበት መዓልቲ ደቀባት ኣብዒላ ኣውስትራሊያ፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰንበት መዓልቲ ደቀባት ኣብዒላ 

ኣውስትራሊያ፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰንበት መዓልቲ ደቀባት ኣብዒላ

ቀዳሞት ተወለደትን ደቀባትን ኣውስትራሊያ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ኣስተዋጽኦን ቤተ ክርስቲያን ስሌኦም ኣብ ምክንኽንን ሓልዮትን እተሳልጦ

ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 7 ሓምለ 2019 ዓ.ም. ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣውስትራሊያ ሰንበት መዓልቲ ደቀባት-ቀዳሞት ተወለድቲ ሕዝቢ ከምእተበዓለን፡ በሸሓት ዝቑጸሩ ደቀባትን ዳሕረዋይ ወለዶ ደቀባትን ብሓባር ነቲ በዓል ብሱታፌ ከምዘብዓልዎን፡ ዝተፈላለዩ ባህላውያን መደባት እውን ምክያዱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቀዳሞት ደቀባት ሃገረ ኣውስትራሊያን ዳሕረዎት ክፍሊ ሕብረተሰብ ብጠቕላላ መላእ እውስትራልያውያን ብሓባር ኣብ ዝተበዓለ ሰንበት መዓልቲ ደቀባት - ቀዳሞት ተወለድቲ ሃገር ብሓባር ኣብቲ ናይ ኣውስትራሊያ ብፁን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዛዕባ ቀዳሞት ተወለድቲ ሃገረ ኣውስትራሊያ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሓልይ ድርገት ኣብ ዘሰናደዎ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ኩሉ ከምዝሓበረን፡ ደቀባት ዘማእከለን ዛዕባ ኩነታቶም ብዝተፈላለየ መዳይ ዝዳህሰሰን መዓልቲ ከምዝነበረ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥

ንናይ ደቀባት ባህሊ ንምንቕቓሕን ሓልዮትን ተበግሶታት ቤተ ክርስቲያን

ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ማህበረሰብን ማሕበራትን ካህናትን ገዳማውያንን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ብሓባር ምስ ደቀባት ኣውስትራሊያ ኣብ በዓል ደቀባት ኣስትራሊያ ብናይቶም ደቀባት መንፈሳውን ባህላውን መግለጽታት ተሰንዩ ዝተባዕለን፡ ኣደላይደ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል መስዋዕተ ቅዳሴ ብናይ ኣውስትራሊያ ደቀባት ባህሊ መሰረት ስነ ስርዓት ማዕጠንት ስዒቡ ከምዝዓረገን ኢየሱሳዊ ካህን ኣብ ኣውስትራሊያ ዓርክን ሓውን ቀዳሞት ተወለድቲ ተባሂሉ ዝንገረሎም ወንጌላዊ ልኡኽ ኣባ ፍራንክ ብረናን ዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዕርቂ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ቀዳሞት ተወለደትን ደቀባትን ኣውስትራሊያ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ኣስተዋጽኦን ቤተ ክርስቲያን ስሌኦም ኣብ ምክንኽንን ሓልዮትን እተሳልጦ ኵለ መዳያዊ ጻዕሪ ብሰፊሕ ገሊጾምን፡ ለምዘበን ናይ ኣውስትራሊያ ደቀባት ካቶሊካውያን ቤት ምኽሪ በቢ ዓመቱ ዝህቦ ስልማት ብዕድመ ንዝደፍኣ ንሓልዮትን መሰልን ክብርን ደቀባት ኣውስትራሊያ ብዙሕ ዘገልገላን መሓዛ ደቀባት ኣውስትራሊያውያን ዝብል መጸውዕ ንዝተወሃበን ኤልሲየ ሃይስ ተሰላሚት ከምዝበለን ኣፍሊጡ።

ፍልዩ ቆላሕታ ቤተ ክርስቲያን፥ ዘሕዝን ፍጻሜ ርእሰ ቀትለት ደቀባት ኣውስትራሊያውያን

ኣብ ኣውስትራሊያ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ወርሒ ሓምለ መባትኣ ዝተባዕለ ሰንበት መዓልቲ ደቀባት ኣብ ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ቤተ ክርስቲያን ግጻዌ ዝተነብረ በዓል ክኸውን እንከሎ፡ ኣብታ ዕለት እቲኣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ደቀባትን ዝወርዶም ሓደጋን ዘጋጥሞም ጸገማትን ካብቲ ዝርከብሉ ሕሩግ ሕይወትን በምዛሕቲኦም ዘሕዝን ፍጻሜ ርእሰ ቅለት ዝፍጽሙን እዚ ኣብ ልዕሊኦም ዘዘንብይ ዘሎ ሰብኣውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ጸገማት ኵሉ ክውገድ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኖም ኰይና እቲ ዘሕዝን ፍጻሜ መንቀሊኡን ብፍላይ እቲ በዚ ዓቢይ ሓደጋ’ዚ ዝተጠቕዐ መንእሰይ ክፍሊ ሕብረተሰብ ደቀባት ብምዃኑ ቀረባ ኰይና ኵለ መዳያዊ ሕንጸት ብምቕራብ ኢየሱስ ምልኣት ሕይወት ክህብ ዝመጸ ምዃኑ ብምብሳር ድጋፍ ብዘይ ምቁራጽ ከምእተቕርብ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡ ብሓባርን ብፍቕርን ብምክብባርን ንዘጋጠሞም ሰብኣውን ማሕብራውን ጸገማት ኩሉ ፍታሕ ክረክብ ብእተቕረቦ መደብ ድጋፍን ንዝምልከቶ ኣካል ስሌኦም ጠበቓ ብምዃን ማሕበረሰብን መንግስትን ኣብ ድጋፍ ደቀባት ክተግህ ዝተፈላለዩ ጐስጓሳት ከምእተሳልጥ የመልክት።

ኣውስትራሊያ፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሰንበት መዓልቲ ደቀባት ኣብዒላ
16 July 2019, 17:20