ድለ

2019.06.09 ሰንበት ዘዕርገት 2019.06.09 ሰንበት ዘዕርገት  

ሰንበት ዘዕርገት 2 ሰነ 2011 ዓ.ም.( 6/9/2019)

መዝሙር፡ በሰንበት ዐርገ ሐመረ.. . “ብሰንበት አብ መርከብ ደየበ ንባሕርን ንንፋሳትን ገሰጾም፥ ከምዚኸኣ በሎም፥ አብ ልብኹም ጥርጥር አይእቶ ከምቲ አቦይ ንአይ ዝለኸኒ አነ ኸአ ንአኻትኩም እልከኩም አሎኹ አብ ቤት አቦይ ብዙሕ ማኃደር አሎ እንደገና ክመጽእ እየ ምሳይ አብ መንግስቲ አቦይ አብ ሰማያት ምእንቲ ክትኮኑ እውን ክወስደኩም እየ”።
ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ኤፈ 1፡17-23፥ (ዕብ 9፡ 2428) 1ጴ 3፡15-ፍ፥ ግ.ሓ. 1፡1-11፥ሉቃስ 24፡46-53።  ስብከት፡ ዓርገ እግዚአብሔር በይባቤ፥ ወእግዚእነ በቃለ ቀርን፥ ዘምሩ ለአምላክነ ዘምሩ። እግዚአብሔር ብዕልልታ ዓረገ፥ ጎይታና እውን ብመለኸት ዓረገ፥ ዘምሩ ንኣምላኽና ዘምሩ” መዝ. 47፡5~6።

ብዛዕባ ዕርገት ኢየሱስ ንሰማይ ዝንገር ሓደ ጽውጽዋይ አሎ። ኢየሱስ ንሰማይ ምስ ዓረገ ገብርኤል መልአኽ ረኺብዎ ይብሃል ከምዚ እናበለ ኸአ ሓቲትዎ። ሕጂ ተልእኮኻ/ሥራሕካ ፈጺምካ መጺእካ አሎኻ ግን እንታይ መደባት ገርካ መጺእካ ነቲ አብ ዓለም ዘምጻእካዮ ሓቂ አብ ኩሉ ከም ዝበጽሕ ክትገብር? ኢየሱስ ከምዚ እናበለ መሊሱ፥ ከምቲ አነ ንድላይ አቦይ ዝገበርኩ ነቲ አነ ዝበልክዎ ዝቕጽሉ ካብቶም ብዙሓት ዝስዕቡኒ ዝነበሩ ገፈፍቲ ዓሣን መኽፈልቲ ቀረጽን ሓርየ ጸዊዐ ኢልዎ። ገብርአል ቅጽል አቢሉ ብዛዕብኦም እፈልጥ እየ፥ ግን እንታይ ካልእ መደብ ገርካ? ኢየሱስ ክምልስ እንከሎ፥ ንጴጥሮስ፥ ያዕቆብን ዮሓንስን ብዛዕባ መንግስቲ አምላኽ ምሂረዮም፥ ንቶማስ ብዛዕባ እምነት፥ ኩሎም ንህዝቢ ክምህርን ከሕውን ከሎኹ ምሳይ ነሮም ኢልዎ። ገብርአል ትቕብል አቢሉ፥ እዚ ዘየተአማምን ዕድል/ዕጫ ከምዝኾነ ትፈልጥ ኢኻ ብርግጽ ካልእ መደባት ክህልወካ አለዎ ስራሕካ ብላሽ ኮይኑ ከይተርፍ። ኢየሱስ ትሕት ብዝበል ድምጺ ክምልስ እንከሎ “ካልእ መደብ የብለየን፥ መደበይ አብኦም ሓዲገዮ አሎኹ ኢልዎ ይብሃል።

ቀጸልቲ መደብ ኢየሱስ ኩልና ብጥምቀት ዝአመናን አብኡ እምነት ገርና ምስ ቤተ ክርስትያኑ እንጉዓዝ ዘሎና ኢና። ነፍስወከፍና አብ ግራት አምላኽ እጃምና ክነበርክት ትሑዛት ኢና። ብማዕዶ ካልኦት ክገብሩ ጥራሕ ምድላይ ናይ ሓደ ተልእኮ ክርስትያን ዘይተሰቝሮ ጥራሕ እዩ።

ናይ ሎሚ ሰንበት ፯ይ ሰንበት ዘትንሣኤ ኮይኑ ዘዕረገት ኢልና ንሰምዮ ። ብዓለ ትንሣኤ ካብ እነብዕል 40 መዓልቲ ሓሊፉ ዝሓለፈ ኃሙስ ዕርገት ተባዒሉ፥ አብ ገለ ሰበኻታት ንሓዋርያዊ ጥቕምን ተሳትፎን ክጥዕም አብ ሰንበት የብዕልዎ አብ ስርዓት ሃገርና ድሕሪ ዕርገት ዘላ ሰንበት ዘዕርገት ኢልና ንዝክራ።

አብ ኩሎም ወንጌላውያን ኢየሱስ ከመይ ኢሉ ምድራዊ ሕይወቱ አብ መጨረሻ ከም ዝሓለፈ ዝገልጽን ከመይ ኢሉ ከም ዝተፈልዮም ዝገልጽ ንረክብ። እንተ ኾነ አብ ሉቃስን ግብሪ ሓዋርያትን ብሓደ ወገን ማቴዎስን ማርቆስን በቲ ካልእ ወገን ዝመሳሰልን ዝፈላለይን ነገራት ንረክብ።

አብ ሉቃስን ግ.ሓ.ን ዕርገት አብ ቢታንያ ጥቓ ኢየሩሳሌም ከም ዝኾነ ይነግሩና። ማቴዎስን ማርቆስን ግና አብ ገሊላ ኸም ዝተፈልዮም ይነግሩ። ክልቲኦም ወገን ግን አብ እሞባ ከም ዝተፈጸመ እዮም ዝነግሩ።

አብ ሉቃስን ግ.ሓ.ን ዕርገት ድሕሪ ትንሣኤ ድሕሪ 40 መዓልቲ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ደጋጊሙ ምስ ተራእዮም ከም ዝኾነ ይነግሩና። አብ ማቴዎስን ማርቆስን ግን አብ መንጎ ትንሣኤን ዕርገትን ዝኾነ ጊዜ ምአስ ከም ዝኾነ ዝሕብር አይንረክብን። ዳርጋ እቲ ፩ያ ዝተራእዮ መጀመርያን መጨረሽታን እዩ።

አብዚ ተመስሪትና ሓደ ንጹር ነግር እንርእዮ ወንጌላውያን አብ ታሪኻዊ ሓቅታት ዕርገት ክነግሩ ዝዓለሙ አይኮኑን፥ ንሳቶም ብዝያዳ ዘተኩሩሉ መልእኽቲ ተስፋ ግርማ ሞገስና ምምሕልላፍን ንተልእኮ ኢየሱስ ብሓላፍነት ለቢሳካ ምቕጻልን እዩ።

አብ ግ.ሓ. 1፡1-11 ዝተነበ ሉቃስ ብዛዕባ ዕርገት ዝሃቦ ኢና ሰሚዕና። ኢየሱስ ነርድእቱ ክሳብ ቢታንያ ወሲድዎም አብ እምባ ምስ በጽሐ ከአ እናረአይዎ ንሰማይ ዓረገ ካብ አዒንቶም ከአ ደመና ሰወረቶ። ሽዑ እናተሓጎሱን ንአምላኽ እናአመስገኑን ንኢየሩሳሌም ተመሊሶም። አብዚ ክልተ ክነስተውዕለሉ ዝግብአና ነገራት አሎ።

፩ያ ንቢታንያ ወሲድዎም ይብል፥ ቢታንያ እታ ኢየሱስ ንኢየሩሳሌም ብሰንበት ሆሣዕና ዝአተዋ እያ። ሕጂ እውን ካብ ቢታንያ እዩ ኢየሱስ ናብ ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ማኅደር ሰማያዊ አብኡ ዝአቱ ዘሎ።

፪ይ እቲ ዝጥቀስ ደመና ከም እንርእዮ ደመና አይ ኮነን። አብ ብሉይ ኪዳን ምልክት አምላኽ ምስ ህዝቡ ከምዘሎ ዝገልጽ እዩ አብዚ እንርድኦ ከአ ሕጂ እውን አብ ማእከሎም ከምዘሎ ዝገልጽ እዩ፥ ስለዚ እግዚአብሔር አቦ እዩ አብ ዕርገት ኢየሱስ ዝዋሳእ ዘሎ።

ዕርገት ጎይታ፥ ፍሉይ ፍጻሜ አብ ሕይወት ኢየሱስ ከምኡ ጠቓሚ ብዓል አብ ቤተ ክርስትያን እዩ። እሞ ንሕና ከመይ ንርእዮን ነብዕሎን አሎና? ብሓቂ ክንርእዮ እንተ ኾና እንታ እዩ ትርጉም ዕርገት፥ እንታይ እዩ ሎሚ ብፍላይ አብ ሕይወት ንነፍሰወከፍና ዘልኦ ፍሉይነት?

፩ያ ዕርገት ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ግርማ ሞጎስ ድሕሪ ትንሣኤ ዝተፈጸመ ፍጻሜ እዩ። ብሓቂ ክንርእዮ ከሎና ሕማማት ሞት ኢየሱስ ትንሣኤኡ፥ ዕርገቱን ጵብራቅጦስን ኩሎም ሓደ ነገር የቝሙ፥ ካብ ነነድሕዶም ዘየፈላሊ ዘተአሳስር ሓደ ናብቲ ሓደ ዘመልክት አልኦም።

አብዚ ዘሎናዮ ዘመን ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ውሩይ እዩ ሓንቲ ጋንታ ወይ ሓደ ፍሉይ ተጻዋታይ ካብታ ጋንታ ብጽቡቕ ተጻዊቶም እንተ ሰዓሩ ድሕሪ ጸወታ ነቲ ቀንዲ ተጻዋታይ/ወቲ ናይ እታ ዝሰዓረት ጋንታ ደገፍቲ ጸሮም ሓፍ የብልዎ። አብዚ እዋና ንመርዓትን መርዓውን አብ ገለ ጓይላ ዕሰልየ ክብሉ ከለዉ አዕሩኽ ሓፍ የብልዎም እዚ ኸአ ፍልይቲ መዓልቶም ከምዝኾነት ልዕሊ ኹሉ ሓፍ ክብሉ ክሕጎሱ ንማለት እዩ። ንሰብ ወይ ንሓደ ሓፍ ክተብሎ ከሎኻ ናይ ክብሪ፥ ብኹሉ ክርአ ከምኡ ካብቶም ዝርእይዎ ዘለዉ መን ምዃኑን እንታይ ከምዝገበረን ንኽርእዩ እዩ። እዚ ምስ ዕርገት ኢየሱስ ክንርእዮ ከሎና ተመሳሳላይ እዩ። ትንሣኤኡ ዓወት አብ ልዕሊ ኃጢአትን ሞትን፥ እግዚአብሔር ብምሉእ ስለ ዝተሓጎሰሉ ንመንግስተ ሰማይ አብ ሕቍፉ ሓፍ አቢልዎ እዚ ዕርገት ንብሎ። ሕጂ ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍና አብ ሰማይ ይጽበየና አሎ፥ ዕርገቱ ተስፋ መጻኢ ክብርናን ዋሕስ አብ ሰማይ ከም እንረኽቦን እዩ።

ዕርገት ንጰራቅሊጦስ መቀራረቢ ሓደ ደረጃ እዩ። ንሓዲስ ልቢ፥ ንሓዲስ መንፈስን ሓዲስ ኃይሊ እምነትን ዝመጽእ ሰንበት እነብዕሎ ብዓል። ሰማያዊ አቦ ንኢየሱስ ንሰማይ ክወሰዶ እንከሎ ፍሉይ ምቅርራብ ቅድሚ ምኻዱ/ምፍልዩ እዩ ገርሉ፥ መንፈስ ቅዱስ ክልእኽ እዩ። ከምቲ ወንጌል ሉቃስ ዝብሎ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ዘተስፈዎም ካብ ላዕሊ ኃይሊ ከም ዝለብሱ እዩ።

፪ይ ዕርገት መጨረሽታ ምልክት ድሕነት አብ ምድራዊ ሕይወት ኢየሱስ እዩ። እዚ ማለት ከአ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ድሕሪ ዕርገቱ ብግዙፍ አካል ዝርአዮም አቋሪጹ። እዚ ግን ተልእኮ ኢየሱስ አብ መጨረሻ በጺሑ ማለት አይኮነን። አብ ግ.ሓ. 1፡8 ተልእክኡ ንሓዋርያቱ ክቕጽልዎ አብኦም ከምዝሓደጎ ክነግር እንከሎ “አብ ኢየሩሳሌምን አብ ኵላ ይሁዳን አብ ሰማርያን ክሳብ ወሰን ምድሪ ኸአ መሰኻኽረይ ክትኮኑ ኢኹም” ኢልዎም። ሓደ ዓይነት ተልእኮ ሕጂ እውን ብግልናን ከም ማሕበር አመንትን ቤተክርስትያን ተዋህቡና አሎ። እቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተጀመረ ናይ ድሕነት ስራሕ ሕጂ እውን ብቤተ ክርስትያን ብአና አባላታ ዝኾና ክቕጽል አለዎ። ኢየሱስ አብ ቤተ ክርስትያኑ ብዝተፈላለየ መገዲ አሎ ማለት ንሱ ዘይርአ መራሕ አብታ እትርአ ቤተ ክርስትያን እዩ። ካብዛ መዓልቲ ዕርገት ቀጺሉ አካላዊ ህላዌ ክርስቶስ ምስጢራዊ እዩ፥ እዚ ኸአ ክርስቶስ ኩሉ ጊዜ ምሳና ህልው ዝኸውን አብቶም እንጥቀመሎም ምልክታት ምስጢራት ኢልና እንጽውዖም ጥምቀት ሜሮን ቅ. ቍርባን፥ ንስሓ፥ ቃል ኪዳን ክህነትን ቅብአተ ሕሙማንን እዩ። አብዞም ምስጢራት ህላዌ ክርስቶስ አብዚ ዓለም እንከሎና ንምከረሉ።

፫ይ ዕርገት ኢየሱስ ካብ ሓዋርያቱ ከም ዝተፈልየሉ ክርአ ይክአል። አብ ግ.ሓ. 1፡1-11 ኢየሱስ ንሓዋርያት ከመኢሉ ከም ዝተሰናበቶም ንርኢ፥ እዚ ኸአ ኩሎም ምስኡ ከለዉን ንኹሉ ኩነታት ከም ስእሊ ገሩ እናአቕረበ ይነግረና። ኢየሱስ ከም ሓደ ፍሕኛ/ባላንቺና ንላዕሊ ገጹ እናደየበ ክሳብ ምርአይ ዝስእንዎ ቀስ ብቕስ ከም ዝተሰወረ ገሩ ይነግረና። እዚ ምናልባት ንሓዋርያት ከቢድ ነገር ነሩ ክኸውን ይኽእል እዩ፥ እንተ ኾነ ቅድሚ ምኻዱ ብዝሃቦም ዘሓጉስ ህያባቱ መሊእዎም እዩ። ህያብ ምርዳእ በዚ ኸአ ንቅዱስ መጽሓፍ ብምሉእ ክርድእዎ፥ ተስፋ ኃይሊ መንፈስ ቅዱስን መጨረሻ ናይ ፍቕሪ ቡራኬ ምስ ተስፋ ከምዘይሓድጎም ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምስኦም ከምዝኸውን ገሊጽሎም።

አብ ጊዜ ስንበት ዝተገብረ ፍጻሜ ናይ ክርስቶስ ዳግማይ ምጽአቱ ጫፍ ተርእዮን ርግጽነቱን ሂብዎም። አቱም ሰብ ገሊላ ስለምንታይ ኢኹም አብ ሰማይ አማዕዲኹም እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዓርግ ከሎ ዝረአኽምዎ ከምኡ ገሩ ኸአ ኺመጽእ እዩ” (ግ.ሓ. 1፡11)።

እዚ እምነት ሕይወት ድሕሪ ሞት ከም ዘሎ ዝገልጽ አብ ፩ይቲ ንባብና ኤፈ 1፡17-23 ንርእዮ። አዒንቲ ልብኹም በሪሁ ናይ እቲ ዝጸውዓኩም ተስፋ እንታይ ከም ዝኾነ ምእንቲ ኽትፈልጡ፥ እቲ ንአመንቲ ዘተስፈዎም ናይ እቲ ኽቡር ርስቲ ሃብቲ እንታይ ከምዝኾነ ምእንቲ ክትግንዘቡ፥ አባና አብቶም እንአምን ከአ እቲ ኺግመት ዘይክአል ዕቤት ኃይሉ እንታይ ከምዝኾነ ምእንቲ ክትፈልጡ እጽሊ አሎኹ ይብል። አብዚ እንርእዮ ጽቡቕ ጸሎትን ዘደንቕ አተሓሳስባን እዩ።

ቅ. ጳውሎስ ነዚ ብዝያዳ ክገልጾ እንከሎ እግዚአብሔር አብ ንክርስቶስ ካብ ሙታት ዘተንሥአሉን አብ ሰማያት አብ የማኑ ዘቐመጠሉን ኃይሉ እዩ ይብል (ኤፈ 1፡20)። አብ የማን አምላኽ ተቐመጠ ዝብል ናይ አይሁዳውያን ውስጠዘ እዩ፥ ምስ አምላኽ ስልጣን ምክፋል ማለት እዩ። ብኻልእ አዘራርባ እግዚአብሔር አብ ንወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታ ሰማይን ምድርን ገርዎ ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት ኢና እምብአር ብዓል ዕርገት እነብዕል ዘሎና።

ቅ. ጳውሎስ መግለጺኡ ብዝያዳ ይቕጽል እሞ ክርስቶስ ሕያው አሎ፥ ንሕና ምድራውያን ሰውነቱ ኮና። ሰውነቱ ስለ ዝኾና ንኻልኦት ክርስቶስ ክንኮነሎም አሎና። ንሱ ሓንሳብ ንምድሪ ምስ ሓደጋ ንስርሑ ክንቅጽል ምእንቲ መንፈሱ ሂቡና።

ዘንበብናዮ ወንጌል ካብ ሉቃ 24፡ 4653 እዩ። ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ዝዓበየ ተልእኮ ንሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ እዩ ሂብዎም። “ብስሙ ኸአ ንስሓን ኅድገት ኃጢአትን ካብ ኢየሩሳሌም ጀሚሩ አብ ኵሎም አሕዛብ ኪሰብኩ ልኢኽዎም። ናይ እቲ ኩሉ ዝረአይዎም ዝበሎምን መሰኻኽር ንሶም እዮም። ስለዚ ዓላማ ተልእክኦም ንኹሉ ዘጠቓለለ ሓፈሻዊ እዩ። ተልእክኦም አብ ኩሎም አሕዛብ እምበር አብ እስራኤል ጥራሕ አይኮነን። አብ ምእተዊ ኢየሱስ ንሓዋርያቱ ክርአዮም እንከሎ ከም ጎይታ ኩሉ ዓለም እዩ ተራእይዎም። ርእይ ምስ አበልዎ ኩሉ ዘጠራጥር ነገራት ካብኦም ተቐንጢቱ፥ ክዛረቦም እንከሎ ብቃላት ትእዛዝ እዩ ዝነገሮም። ግን እቲ ዝሃቦም ምስኦም ኩሉ ጊዜ ከምዝህሉ ዝገልጽ ክሳብ ክንደይ ምስኦም ጥቡቕ ርክብ ከም ዝህልዎ ይገልጽ። ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም ክህሉ እየ።

ብዓለ ዕርገት እምብአር እንጎናጸፎ ክብረ ግርማ መጻኢ ተስፋናን ዋሕስና ንጎይታ አብ መንግስተ ሰማይ ከም እንረኽቦ ዘረጋግጽ እዩ። ዕርገት መዘኻከሪ ድሕነትናን እቲ ሓቀኛ ቤትና መንግስተ ሰማይ ከምዝኾነ ዝገልጽ እዩ። ሎሚ እምብአር ኲኖ እዚ እንነብሮ ዓለም ርኢና ክንክእል መወዳእታና አብቲ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ እንሳቶፎ አብ መንግስተ ሰማይ ከምዝኾነ አለሊና ጉዕዞና ክነቕንዒ ይግባእ። እዚ እንነብሮ ዓለም ግዝያውን ሓላፊ ምዃኑ እምበር ዘለዓለማዊ ከምዘይኮነ ክንፈልጥ አሎና። አብ ገለ እዋን እዚ እንነብሮ ዓለም ጥራሕ ቀዳምነት ሂብና ስለ እንነብር ሎሚ ክንበራበር ንሕተት አሎና። ሕይወተይ ከመሎ ንሰማይ ዝኸውን ስንቂ ሒዘዶ እጉዓዝ አሎኹ ክንብል ይግብአና።

ብተወሳኺ ብዓለ ዕርገት ንመጻኢ ዝጽበየና ዘሎ ድሕሪ ሞት ንዘሎ ነገራት ክንሓስብ ጥራሕ አይኮነን ዘዘኻኽረና አብዚ ሕይወት ከሎና ክንከዶ ዘሎና መገዲ እውን የዘኻክረና እዩ። ኢየሱስ ቅድሚ ዕርገቱ ንሓዋርያቱ ልኢኽዎም ንአና እውን ሎሚ ይልእኸና አሎ። መሰኻክሩ ክንከውን ንተልእኮኡ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ክሳብ ብዳግም ዝመጽእ ክነብጽሖ ንልአኽ አሎና። ብሓቂ ዓቢ ሓላፍነት/ተልእኮ እዩ። ግን ቅድሚ ንኢየሱስ ንኻልኦት ምስባኽና መጀመርያ ኢየሱስ ጎይታ ልብና ምዃኑ ክነረጋግጽ አሎና። እዚ እንገብሮ ኸአ እናጸለና አብ ቃላቱ ክነስተንትን ከምቲ ንሱ ዝመሃሮ ብምንባርን ንትእዛዛቱ ብምሕላውን እዩ። አብ ኩሉ ሕይወትና ተግባርና ንኢየሱስ ክንመስል ክንጽዕር አሎና። ድሕሪኡ ነቲ ሰናይ ብሥራት ንካልኦት ክንሰብኽ ብቃልናን ተግባርናን ጥራሕ ዘይኮነ ብምሉእ ሕይወትና ሽዑ ኢየሱስ አብ ልባቶም ክነግስ እሞ ሓንቲ ምዓልቲ ኩልና ምስኡ አብ መንግስተ ሰማይ ክንህሉ ኢና።

ብዓልና ባሪኹ ቅዱስ ሕይወት እንመርሕን ነሕዋትና አፍደገ ሰማይ እንኸፍትን ይግበረና።

ብሩኽ ብዓል።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ  

08 June 2019, 11:56