ድለ

ህላዌን ግደን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጐላ ህላዌን ግደን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጐላ 

ህላዌን ግደን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጐላ

ኣንጎላ ኣብ 2015 ዓ.ም. መበል 40 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኣብ ዘብዓለትሉ እዋን ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዝኽሪ ምኽንያት ብምግባር ኣብታ ሃገር ኤኮኖሚያዊ ቅልውላው መሰረት ገይሩ ተለዓዒሉ ንዝነበረ ማሕበራውን ሰብኣውን ቅልውላው መፍትሒ መታን ክረክብ ዕርቂ ብምንቕቓሕ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምዘበርከተት

ኣንጐላ ካብ 1975 ዓ.ም. ካብ ናይ ፖርቱጋል ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ካብ ዝወጻትሉ እዋን ኣትሒዛ ኣስታት 30 ዓመታት ዝወሰደ ሕድ ሓዳዊ ውግእ ዝተኻየደላን ኢእግዚኣብሔራዊ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝተረኣየላን ክትከውን እንከላ፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድኒ ሕዝቢ ኣንጐላ ቆይማ ናይቲ ዝሳቐይ ህዝቢ ድምጺ ኰይና ኣብ ደገፉን ስሌኡን ዘገልገለትን ሎሚ እውን ኣብ ጐድኒ እቲ ህዝቢ እያ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣንጐላ ካብ ፖርቱጋላዊ ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ 15 ክፍለ ዘመን ኣትሒዛ ወጌል ካብ እተቐበለትሉ እዋን እምነት ካቶሊክ ወግዓዊ ሃገራዊ እምነት ከይኑን፡ ልዕሊ 57 ሚእታዊ ሕዝባ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለን ሓደ ርብዒት ዝኸውን ናይ ፖሮተስታንት ቤተ ክርስቲያን (ሉተራናውን ባፕቲስትን መጦዲስታውን ካልኦት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያንን) ሰዓቢ ሕዝቢ ዘለዋን፡ ኣብ ገጠራራዊ ከባቢ እታ ሃገር ሎሚ እውን ሰዓቢ ባህላውያን ሃይማኖታት ይርከብ፡ ድሕሪ ናጽነት ካብ ብራዚል ዝመጸት ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መንግስቲ ኣምላሽ እተሰምየትን ካልኦት ዝተፈላለያ ጴንጠቆስጣውያንን ወንጌላውያንን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝሰፈሓላ ሃገር ከምዝዀነትን ንኡስ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ዝርከባ እውን እያ፡ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ኣስታት ሰለስተ ሚእታዊ ዝግመት ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ምዕራባዊ ከባቢ ኣፍሪቃ ብዝመጹ ስደተይናታት ዝቖመ እዩ።

ኣብታ ሃገር እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ርክብ ምስ መንግስታውያን ተቕዋማት

ድሕሪ እቲ ነዊሕ ወተሃደራዊ ኢእግዚኣብሔራዊ ስርዓተ መንግስቲ፡ ቤተ ክርስቲያን ተነጻጻሪ ዝዀነ ናጽነት ዘለዋ ክትኸውን እንከላ፡ እዚ ብናይታ ሃገር ቅዋም ናይ ሃይማኖት ናጽነት ክገሃስ ዘይብሉ ክፍሊ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን እዩ ቢሉ ኣብ ዝገልጾ ሓሳብ ዝጸንዔ ክኸውን እንከሎ፡ ረፓብሊካዊት ኣንጐላ ምስ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ርክብ ዘለዋን፡ ቅድስቲ መንበር እውን ካብ 1997 ዓ.ም. ኣትሒዛ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ኣንጐላ ዘለዋን እያ፡ ክሌኣዊ ናይ ምትሕብባር ስምምዓት ንምርግጋጽ ብኽልቲኣተን ሃገራት ይጽናዕ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ እዋን ስርዓት ማርክሳዊ ሌኒናዊ ከይተረፈ ንብዙሕ ሓደጋ ዝተቓልዔት እውን እንተነበረት ንሕዝቢ ቀረባ ካብ ምዃን ዓዲ ዘይወዓለትን ኣብ እዋን እቲ ካብ 1975 ክሳብ 2002 ዓ.ም. ፍርቒ ሚሊዮን ንሞትን ኣርባዕተ ሚሊዮን ዘመዘበለን ሕድ ሕዳዊ ውግእ እውን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ድሕር ከይበለት ኣብ ጐድኒ ህዝቢ ቆይማን ደሓር እውን ሃገራዊ ዕርቂ ክወርድ ጻውዒት ብምቕራብ ብወገና ማሕበራው ምቹእ ባይታ ኣብ ምፍጣር ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ዘበርከተት እያ። ኣብ ስነ ሕንጸትን ክንክን ጥዕናን ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ተዋፊራ ትርከብ።

ግደ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃገራዊ ዕርቂ

ኣንጎላ ኣብ 2015 ዓ.ም. መበል 40 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኣብ ዘብዓለትሉ እዋን ቤተ ክርስቲያን ነቲ ዝኽሪ ምኽንያት ብምግባር ኣብታ ሃገር  ኤኮኖሚያዊ ቅልውላው መሰረት ገይሩ ተለዓዒሉ ንዝነበረ ማሕበራውን ሰብኣውን ቅልውላው መፍትሒ መታን ክረክብ ዕርቂ ብምንቕቓሕ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከምዘበርከተትን መንግስቲ ናይ ሕዝቢ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ኣብ ምኽባር መዳይ ኣበርቲዑ ክዓይን ብዛዕባ ኩነታት ሃገርን ህዝብን ብቑዕን ናጻን ሓበሬታ ክረክብን ሓሳቡ እውን ክገልጽ ንኽድግፍ ብዝተፈላለዩ ኣጋጣምታት ጻውዒት ከምዘቕረበት ይንገር።

ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብድሆታት

እቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን መበል 13 ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣማእኪሉ ንዝተኻየደ ፍልዩ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ጠቕላሊ መደበይና ሲኖዶስ መሰረት ብምግባር ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጐላ ካብ 2014 ክሳብ 2016 ዓ.ም.  እትኽተሎ መርሓ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ወይ ኣብ ዳግማይ ስብከት ወንጌል ዘማእከለ ክኸውን ናይታ ሃገር ብፁዓን ጳጳሳት ወሲኖም ከምዝነበሩን፡ እዚ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ’ዚ ብፍላይ ናብ መንእሰያትን ዓለማውያን ምእመናን ኣባይቲ ስድራን ዘቕንዔ ከምዝነበር ክዝከር እንከሎ ንኣባይቲ ስድራ ዝምልከት ጉዳይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጐላ ንዝነበራ ሕጽረት ኣገልግሎት መፍትሒ ንኽረክብ ፍልዩ መደብ እውን ከምዘበገሰት ይዝከር።

እውነተይና ምልዋጥ ኣብ ክርስቶስ

መላእ ማሕበረ ክርስቲያን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኰነ ኣብ ማሕበራዊ መዳይ እውን ግቡእ ኣስተዋጽኦ ንኸበርክትን ቀንደይና ተዋሳኢ እውን ንኽኸውን እውነተይና ምልዋጥ ኣብ ክርስቶስ ክህልዎ ዝብል ፍልዩ ኣብ ክርስቲያናዊ ምስክርነት ቃልን ሕይወት ክተብዕን፡ እምነትን ሕይወትን ኣሳንዩ ክነብር መደባት ሕንጸትን ምንቕቓን ተገይሩን ንፈለማ ግዜ ኣብ 2015 ዓ.ም. መንእሰያት መሰኻኽር ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ኢኻትኩም ኣብ ዝብል መርሕ ቃል ዝቖመ ብሔራዊ መዓልቲ መንእሰያት ከምእተኻየደን፡ መንእሰይ ኣብ ገዛኻ ክሓድር እደልይ ኣለኹ ዝብል ካብ 2018 ክሳብ 2020 ዓ.ም. ዝካየድ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተሓንጺጹ ይትግበር ከምዘሎ ይንገር።

ኢዮበልዩ ዓመተ ተልእኾ ወንጌል

ብዝኽሪ መበል 150 ዓመት ስብከተ ወንጌል ኣብ ኣንጐላ ኣብ 2015 ዓ.ም. ብሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሕቕፎ ናይ ኣንጐላ ክቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ከምዘካየደት እውን ክዝከር እንከሎ፡ ናይዚ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቀዳማይ ኪደቱ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ካልኣይ ኪደቱ ኣብ ገዳማዊ ሕይወት ጸዋዕታን ኣብቲ ዓመት እውን ቀዳማይ ብሔራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ሉቃስ ወንጌል ምዕ. 24 ፍቕዲ 31 ዓይነ ልቦናኦም ተኸፍተ እሞ ኣለለይዎ ብዝብል ቃል ተመሪሑ ክምእተኻየደን ሎሚ ኣንጐላ ኤማኡስ እያ፡ ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ኣስፍሆተ ወንጌል ትነብር።

ርክባ ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያንን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን

ኣብ ኣንጐላ ሰላምን ብሔራዊ ዕርቅን ኣብ ምጽናዕ ዘተኰረ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጐላ ምስታ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ካልኦት ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ርክብ ዘለዋ ክኸውን እንከሎ ምስፋሕ መናፍቓውያን ሃይማኖታት ንቤተ ክርስቲያን ኰነ ንመንግስቲ እውን ከይተረፈ ዓቢይ ስክፍታ ኰይኑ ከምዘሎ ይንገር።

ህላዌን ግደን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣንጐላ
19 June 2019, 15:44