ድለ

መበል 175 ዓመት ምስረታ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት መበል 175 ዓመት ምስረታ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት 

መበል 175 ዓመት ምስረታ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት

እቲ ናይ ጸሎት ሓዋርያት ማሕበር ኣብ ዝሓለፉ 175 ዓመታት ቅዋሜኡ ካብ ዘለዎ ዓቢይ ኣድላይነት ዝነቐለ ሕዳሴ ዘድልዮ ኰይኑ እውን ስለ ዝተረኽበ፡ ምስቲ እዋናዊ ኵነት ዓለም ብምንጽጻር ክሕደስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝመዓዱን

ሰነ 28ን 29 2019 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ መበል 175 ዓ.ም. ምስረት ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎትን መበል 10 ዓመት ሕዳሴኡን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘሳተፈ መደብ ክበዓል ምዃኑ ናይቲ መረብታዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ዋና ኣመሓዳሪ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባ ፎርኖስ ገሊጾም፡ ብዘይ ጸሎትን ሱታፌ መረብታዊ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ፍርያም ኣይምዀነን ኢሎም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዝብል መጸውዕ ዕለት 3 ታሕሳስ 1844 ዓ.ም. ብኢየሱሳዊ ማሕበር ኣባል ኣባ ሳቨሪዮ ጓትረለት ከምእተመስረተን፡ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ማሕበር ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ብዝብል ስም ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተሓዲሱን፡ ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 28 ሰነ ኣብ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ኣብ ጳውሎስ ሻድሻይ ደሚቑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣሳቲፉ ክበዓል ምዃኑን፡ ኣብቲ በዓል ካብ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን እስያን ኦቻይና ዝተዋጽኡ ብጠቕላላ ሽዱሽተ ሽሕ ዝግመቱ ምእመናን ብናይቲ መረብታዊ ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ናይ ሃገራትን ክፍለ ዓለምን ኣመሓደርትን ኣወሃሃድትን ናይቲ ማሕበር ተሰንዮም ክሳተፉ ምዃኖም ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፎርኖስ ገሊጾም።

ታሪኽ ብጋሴ ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልው

እቲ ሎሚ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ብዝብል መጸውዕ ዝተሓደስ ቅድሚ 175 ዓመት ብዙሓት ንናይ ቤተ ክርስቲያን ረብሓ ፍቓድ እግዚኣብሔር ንምንባር ክሳብ ሕይወቶም ኣሕሊፎም ንምሃብ ወትሩ ስንድዋት ኰይኖም ንኽርከቡ ምጽላይ ብዝብል ድላይ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውያን ተወላዲ ፈረንሳ ኣባ ሳቨሪዮ ጓትረለት ዘካየድዎ ኣብ ዝነበረ ዓውደ ጉባኤ ሓሳብ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ፡ ኣብቲ ኣዋን ብዙሓት መንእሰያት ቃል ኣምላኽ ንኸበስሩ ናብ ህንዲ ንኽኸዱ ተነቓቒሖምን እዚ ንምፍጻም ዝከታተልዎ ዝነበረ ትምህርቲ እውን ከቋርጹን ልኡካነ ወንጌል ኰይኖም ንኽለኣዅ ዝነበሮም ህረርታን፡ እቲ ዝነበሮም ውዕዉዕ ድላይ ወንጌላውነት ብጸሎት እውን ክፍጽምዎ ከምዝኽእሉ ካብ ሓለቓኦም ኢየሱሳዊ ካህን ምስ ተነግሮም፡ ኣብ ዘለኻሉ ኰይንካን እትኽተሎ ዘለኻ መደብ ሕንጸት እውን ከየቋረጽካ ኣብ ጸሎትን ብጸሎትን ልኡኽ ምዃን እውን ከምዘከኣልን ኣብዚ ኸኣ ዓለማውያን ምእመናን ልኡካነ ወንጌል ንምዃን ሰፊሕ ዕድል ዘይነበሮም እውን ክጽንበርዎ ዘኽእል መደብ ምዃኑ ይስተውዓል፡ ኣብ መባእታ 1900 ዓመታት ናይዚ ናይ ጸሎት ሓዋርያት ማሕበር ልዕሊ 13 ሚሊዮን ከምዝበጽሑን ኣብዚ እዋን’ዚ 35 ሚሊዮን ከምዝዀኑ ኣባ ፎርኖስ ይሕብሩ።

ኣብ ጐዳና ሕዳሴ

እቲ ናይ ጸሎት ሓዋርያት ማሕበር ኣብ ዝሓለፉ 175 ዓመታት ቅዋሜኡ ካብ ዘለዎ ዓቢይ ኣድላይነት ዝነቐለ ሕዳሴ ዘድልዮ ኰይኑ እውን ስለ ዝተረኽበ፡ ምስቲ እዋናዊ ኵነት ዓለም ብምንጽጻር ክሕደስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝመዓዱን፡ እዚ ሕዳሴ’ዚ ናብቲ ንኽቐውም ዘለዓዓሎ መንፍፈስ ቅዱሳዊ ኣስተንፍሶ ምምላስ ዝብል እዩ፡ እዚ ምምላስ’ዚ ምስ ህሉው ኩነት ዝተገናዘበ እውን ክኽውን ብዝብል ሓሳብ ተሓዲሱን ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ብዝብል መጸውዕ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ብምስማዐ ርእየት ኣቢሉ ይዝርግሕን ኣብዚ መደብ ጸሎት መንእሰያትን ምእመናንን ቤተ ክርስቲያንን ንኽሓብሩ ዝተፈላለዩ መደባትን ኣብ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ጸሎት ናይ ሓባር ጉዕዞ የነተባብዕ።

ዘይረአይ ናይ ሰናይ ጸባኦት

ኣባ ፎርኖስ ይብሉ፡ እዚ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ጸባኦት ሰናይ እዩ፡ እቶም ኣብዚ ማሕበር’ዚ ዝሕቆፉ ብጽሞና ኣብ ጸሎት ነቒሖም ብዘይ ርአዩለይን ስምዑለይን ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ ይምስክሩ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእዀ ፍርያምንቱ ካብ ጸሎት ምዃኑ ዘረጋግጽ ማሕበር እዩ ኢሎም።

መበል 175 ዓመት ምስረታ ዓለም ሓቆፍ መረብታዊ ናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት
26 June 2019, 16:57