ድለ

2019.06.03 ብ2015 ዓምፈ ር.ሊ.ጳ መካነ ንግደት ሰማዕታት ኡጋንዳ ናሙጎንጎ ኡጋንዳ ኣብ ዝበጽሑሉ ግዜ 2019.06.03 ብ2015 ዓምፈ ር.ሊ.ጳ መካነ ንግደት ሰማዕታት ኡጋንዳ ናሙጎንጎ ኡጋንዳ ኣብ ዝበጽሑሉ ግዜ  

ዕለተ ዝኽሪ ሰማዕታት ኡጋንዳ ሰነ 3 2019ዓምፈ

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ነቶም ኣብ ሃገረ ኡጋንዳ ብሓባር ምስ ኣንግሊካውያን ኮይኖም ደሞም ስለክርስቶስ ዘፍሰሱ 22 ሰማዕታት ኡጋንዳ ቅዱስ ካርሎ ልዋንጋናን ብጾቱን ክትብል ዓመት መጸ ዕለት 3 ሰነ ብባሕረ ሓሳብ ጎርጎሮሳውያን ትዝክሮም። ሎም ዘመን እውን ሰማዕታት ኡጋንዳ ኣብነት ናይቲ ክርስቶስ ዝሃበና ተስፋታት ምዃኖም ብምግልጽ ዘኪራቶም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ቅዱስ ካርሎ ልዋንጋናን ብጾቱን ብ1964 ዓምፈ ብቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ቅድስናኦም ዝተኣወጀ እንክኸውን ኩላዊት ቤተክርስትያን ደም እዞም ሰማዕታት ምስ ናይ ካልኦት ምእንቲ ክርስቶስ ሰማዕትነት ዝተቀበሉን ኮይኑ ነታ ብደም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝደሓነት ቤተክርስትያን ጽንዓትን ልምዓትን ኮይኑ ከም ኣብነትን ኣማላድነትን ወትሩ ነባሪ ከምዝኾነ ግሉጽ ኮይኑ ሎሚ እውን እንተኾነ ዳርጋ ዕለታዊ ዜና ኮይኑ ዘሎ ምእንቲ ክርስቶስ ካብ ስደትን ስቃይን ሓሊፉ ዝስየፉን ዝቃጸሉን ብብዙሕ መንገዲ ደሞም ብምፍሳስ ዝምስክሩን ኣለው። ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ደጋጊሞም ከምዝብልዎ ካብቶም ናይ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ሰማዕታት ዝበዝሑ ሎሚ ከም ሎሚ ብደሞም ይምስክሩ ኣለው። እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ንሰማዕትነ ኡጋንዳ ፍሉይ ካብ ዝገብሮ ሓደ እቶም ብክርስቶስ ዚኣምኑ ካቶሊካውያንን ኣንግሊካውያንን ብሓባር ነታ ጽዋዕ ሰማዕትነት ብምቅባሎም እውን ር.ሊ.ጳ ንሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ዝምሕጸኑሉ ኩሉ ግዜ ብደም ዝተኣሳሰረ ሓድነት እንክብሉ ካብቲ ንሕና ህልዋን እንህቦ ቊሩብ ምስክርነት ሓድነት እዞም ስለ ክርስቶስ ደሞም ብሓባር ዘፍስሱ ዝህብዎ ናይ ደም ሓድነት ዓው ኢሉ ከምዝጭርሕን ከምዝምስክርን ይገልጹ።

ታሪኽ ሰማዕታት ኡጋንዳ ብተደጋጋሚ ከምዝተነግረ ዝዝከር ኮይኑ ንምዝኽካር ዚኣክል ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለዘመን ንጉሥ ምዋንጋ 2ይ ብቡጋንዳ ንዝፍለጥ ናይ ሎሚ ኡጋንዳ ይገዝእ ነበረ! ሥልጣኑ ከይትንከፎ ክብል ኣስላም ይኹኑ ክርስትያን ከሳድድ ጀመረ። ብ25 ግንቦት 1886 ዓም ንቅዱስ ካርሎ ልዋንጋ ምስ ብጾቱ ንሞት ይፈርዶም። ነቲ ሥቃይ ከበርትዑ ንማለት ካብቲ ቤተመንግሥቱ ዝርከቦ ዝነበረ ሙንዮንዮ ክሳብ ናሙጎንጎ ን27 ማይልስ ማለት 43,2 ኪሎሜትር ንዝኸውን መንገዲ ፍኖተ መስቀል ናይ ጐይታና ኢየሱስ ብዝመስል ብዘስቅቅ ኣገባብ ንሶመንተ መዓልቲ እናኣስቀዩ ናብቲ ቦታ ምስ ኣብጽሕዎም ንገሊኦም ብኩናት ንገሊኦም ብማሕነቅቲ ንገሊኦም ከምቲ ናይ ኢየሱስ ብሽንካር ኣብ ኣእዋም እናሰቀሉ ቀተልዎም። ካብቲ ዘገርም ገሊኦም ንጥምቀት ይሰናደው ስለዝነበሩ ቀቅድሚ ሞቶም ብቅዱስ ካርሎ ልዋንጋ ኣብኡ ተጠሚቆም። ሓደ ካብቶም ሰማዕታት ቅዱስ ብሩኖ ስረሩንኩማ ቀቅድሚ ሞቱ `ብዙሕ ዓይንታት ዘለዋ ምንጪ ፈጺማ ኣይትደርቅን እያ። ንሕና ምስ ሓለፍና ብድሕረና ካልኦት ክመጹ እዮም’ እንክብል ደም ሰማዕታት ቤተክርስትያን ከምትዕምብብ ከዝገብራ መስኪሩ ሓለፈ።

ኣብቲ ቦታ ሰማዕትነት ትማሊ ካብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃን ካልኦት ሃገራትን ዝተኣከቡ ብሚልዮናት ዝቊጸሩ ነጋድያን ዝተሳተፍዎ ዓቢ በዓል ከምዝተገብረ ካብ ቦታኡ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ። ብዙሓት ናይቲ ከባቢ ዓድታትን ሃገራትን ከም መንፈሳዊ ንግደት ካብ ታስዕቲ ጀሚሮም ብእግሮም እናተጓዕዙ ክሳብ ሃገራት ኣቋሪጾም እውን ከምዝነገዱ እንክምልከት ገሊኦም ክሳብ 300 ኪሎሜትር ብእግሮም ተጓዒዞም።

ሰማዕታት ኡጋንዳ ኩሎም መንእሰያት  ምንባሮምን ዕድመኦም ካብ 16 ክሳብ 24 ዓመት ኮይኑ እቲ ዝነኣሰ ቅዱስ ኪዚቶ ኮይኑ ወዲ 13 ዓመት ነበረ።

ብድምጺ ንምክትታል!
04 June 2019, 18:31