ድለ

ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን 

ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን

ውፉይነት ንማርያም (ፍቕራዊ ተወፋይነት)፡ ልክዕ ከም መስቀልን ቅዱስ ቍርባንን ሓደ ናይ እምነት ዓንዲ እዩ፡ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ሰኑይ ድሕሪ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ ክበዓል ዝተወሰነ ንጽሕተ ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኰይኑ

ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልዀ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ዕለት 10 ሰነ 2019 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ንጽሕተ ድንግል ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን ኣብዒላ ከምዝወዓለትን፡ እዚ ብፍቓድ ወዳ ኣደነት ማርያም ኵላዊ ከምዝዀነ ዝዝከረሉን ዝስትንተነሉን፡ ኣደነት ማርያም ንዅሉ ፍጥረ ሰብን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝግለጽን ናብ ቤተ ክርስቲያን እውን ዝመሓላለፍ ኰይኑ፡ ቤተ ክርስቲያን እውን ኣደ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ንኽትከውን ዘብቅዕ እዩ፡ እዚ በዓል ንጽህተ ማርያም እመ ቤተክርስቲያን ድሕሪ በዓለ ጰራቅሊጦስ ሰኑይ ዝበዓል ክኸውን ካብ 2018 ዓ.ም. ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ራንቸስኮ ከምእተወሰነ ይፍለጥ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ጥቓ መስቀል የሱስ ከኣ ኣዲኡን ሓብቲኖኡ ማርያም ሰበይቲ ቀሌዮጳን ማርያም መግደላዊትን ደው ኢለን ነበራ። ኢየሱስ ነዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረኣየ፡ ነዲኡ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ፡ በላ።  ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፥ እንሃ ኣዴኻ፡ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ (ዮሓ. 19. 25-27)።

እዚ እቲ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ዝተወስደ ጥቕሲ ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን ምዃና ዘረጋጽን ኣመክንዮን እታ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ብኢየሱስ ፍቱው ዝዀነን ኢዩሱስ ነዲኡ እነሄት ኣዴኻ ኣብ ዝበሎ ዮሓንስ ትምልከት፡ ቃል ዮሓንስ ወንጌላዊ ናይ ማርያማዊ ኣኽብሮት ዝግለጽ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ካብኡ ሓሊፉ ዝኸይድ፡ ነቲ ኢየሱስ ዝሃቦ ቃል ተኣዝዞ ዝሓትት እውን እዩ፡ ቅድሚ ሞቱ፡ ማርያም ብየውሓንስ ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣደ ክትከውን ሓደራ ትበሃል፡ ኩሉ ፍጥረ እውን ውላዳ ክኸውን ይጽዋዕ።

ማርያም ኣብ ማእከል ናይ ድሕነት ሃምነነ (ዶግማ)

ውፉይነት ንማርያም (ፍቕራዊ ተወፋይነት)፡ ልክዕ ከም መስቀልን ቅዱስ ቍርባንን ሓደ ናይ እምነት ዓንዲ እዩ፡ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ሰኑይ ድሕሪ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ ክበዓል ዝተወሰነ ንጽሕተ ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኰይኑ ካብቲ ተራ ውፉይነት ንማርያም ሰገር ከነብልን፡ ንቤተ ክርስቲያን ሰናይነትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣደነት መንፈስ ክስስንን ኣብ መደብ ድሕነት ናይ እምነት ሃምነነ ማርያም ማእከላዊ ስፍራ ከምዘለዎን ብፍላይ ከኣ ማርያማዊ ህዝባዊ መንፈሳውነት ካብ እምነት ኣብ ቅድስቲ ስላሴ ዝምንጭው ምዃኑ መሰረት ገይሮም፡ ሰብ ብማርያም ኣቢሉ ናብቲ መለኮታዊ ምሕረት ክቐርብን ማርያም ፍጥረት ሰብ ናብቲ መለኰታዊ ምሕረት እትመርሕን እተሰንይን ምዃና ብምሕባር እዩ፡ ማርያም ኣደ ቀዳሞት ኣመንትን ኣደ ሓዋርያትን መንፈቅ ቅዱስ  ክቕበሉ ሁባሬ ንብርትን ድሕሪ በዓለ ጰራቅሊጦስ ማርያም ኣደ ቤተ ክርስቲያን ክበዓል እቲ ቀንዲ ቲዮሎግያውን ሃምነናውን ትምህርቲ ንሱ ምዃኑ የረድኡ።

ውፉይነት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ንማርያም ድንግል

ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን ዝብል መጸውዕ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅዱስ ኣጐስጢኖስን ኣብ ቅዱስ ሊዮነ ኣቢይን ቲዮሎጊያዊ ትምህርቲ መሰረት ዘለዎን፡ ኣብ ናይ በነዲክቶስ መበል 15ን ኣብ ሊዮነ ሻምናይን ደሓር እውን ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይን ስልጣናዊ ትምህርቲ ንጹርን፡ ዕለት 21 ሕዳር 1964 ዓ.ም. ኣብ ሳልሳይ ክፋል ጉባኤ ቫቲካን፡ ቅድስተ ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን ኣመ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ኣደ ምእመናንን ውፉያንን ቢሉ ይገልጻ፡ እቲ ኣብ ናይ ንቂያ 325 ዓ.ም. ተኣምኖተ ሃይማኖትን ብፍላይ ናይ ኤፈሶን ጉባኤ ኣብ 340 ዓ.ም. ማርያም እውነተይና እኖ ኣምላኽ ዝብል ስልጣናዊ ትምህርቲ መሰረት ዝገበረ ውሳኔ እዩ፡ ኣብ 1975 ዓ.ም. ቅዱስ ዓመተ ዕርቂ ማርያም እኖ ቤተ ክርስቲያን ዝብል ስያሜ ኣብ ናይ ሮማዊ መጽሓፍ ስርዓተ ቅዳሴ እትው ክኸውን ከምእተገብረን ዕለት 11 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት መበል 160 ዓመት ግልጸተ ማርያን ኣብ ሉድር ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ስልጣናዊ መልእኽቲ ሰኑይ ድሕሪ በዓለ ጰራቅሊጦስ በዓለ እመ ኣምላኽ  ኰይኑ ከበዓል ኣብ ባሕረ ሓሳብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ምልኵት ክኸውንን ክበዓልን ወሰኑ።

ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን
10 June 2019, 16:40