ድለ

2019.06.25ፍሉይ ናይ ጾምን ጸሎትን ምህልላን መዓልታት (መልእኽቲ ጉባኤ ካቶካውያን ጳጳሳት ኤርትራ) 2019.06.25ፍሉይ ናይ ጾምን ጸሎትን ምህልላን መዓልታት (መልእኽቲ ጉባኤ ካቶካውያን ጳጳሳት ኤርትራ) 

ፍሉይ ናይ ጾምን ጸሎትን ምህልላን መዓልታት ስለካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ

‘ጸጋ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኵልኻትኩም ይኹን’ (2 ተሰ 3.18)

ከምቲ ነሀምያ፥ ሕማቕ ወረ ምስ ሰምዐ፡ ‘እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰማዕኩ፡ ሓያሎ መዓልቲ ሐዚነ እናበኼኹ ተቐመጥኩ’፣ ዝበሎ ንሕናውን በዚ ሎምቅነ ኣብ ቤተክርስትያናን ሕዝብናን ተረኺቡ ዘሎ ዘሕዝን ፍጻሜታት ክንሓንዝንን ክንበክን ንቡር እዩ። እንተኾነ ንሕና፥ ኣመንትን ደቂ ተስፋን ስለዝኾንና፥ ከምቲ ነሀምያ ቀጺሉ ዝብሎ፣ ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰማይ ድማ እጸውምን እጽልን ነበርኩ’ ክንብል ግቡእ እዩ። ብዘይካ ኣማልኽ ኪረድኣናን ከጸናንዓናን፡ ሽግርና ክፈትሓልናን ዝኽእል ሓደ’ኳ ከምዘይብልና ፈሊጥና ኣብ ቅድሜኡ ተደፊእና ኣብ ጾምን ጸሎትን ክንጽመድ እንከሎና መስተርሆት ከምእንረክብ ኣይንጠራጠርን። በዚምኽንያት እምበአር ካብ በዓል ቅዱስ ኣቡነ ያዕቆብ ዩስጢኖስ 25.06.2019 ዓምፈ ክሳብ በዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን 12.07.2019 ዓምፈ ኣብ ኩለን ኣብያተ ክርስትያንትን ገዳማትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ፍሉይ ናይ ጾምን ጸሎትን ምህልላን መዓልታት መዲብና ከምዘሎና ነፍልጠኩም። (መልእኽቲ ጉባኤ ካቶካውያን ጳጳሳት ኤርትራ)

ብድምጺ ንምክትታል!
25 June 2019, 17:11