አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ጋዜጣ ብርሃን ብ1940 ዓምግ (1948 ዓምፈ) ዝተመሥረተ ብመነኮሳት ሲታውያን ዝዳሎ ልሳን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኮይኑ ኣብቲ እዋን እቲ ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ናይ ሓምሳ ዓመቱ ዝዝከረሉ ዝነበረ ዓመት ኢዮቤል ኮይኑ ኣብቲ ቅንያት እቲ ተወሊዑ ንዝነበረ ኲናት ንምትህድዳእ ተጻይ ናይቲ ቅነቲ ወግእ ዝዕድም መራኸቢ ብዙሓን ‘ምእንቲ ሰላም ሕልፊ ዘፍሰሰ፥ ኣብ ውግእ ዝወሓደ ደም መፍሰሰ` ብዝብል መኽፈቲ ጀሚሩ፣ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓባር ‘ብሰላም ዚጒዳእ የለን፤ ብውግእ ግን ኲሉ ይጠፍእ’ ኢሎም ዘመሓላለፍዎ ጻውዒት ተዓንጊቡ ኣብ ናይ ግንቦተ/ሰነ ቊ.8 (579) 1990 ዓምግ 1998 ዓምፈ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ቃለ መሕትትን ካልእ ትሕዝቶን ሒዛ ወጸት።
ብድምጺ ቀሪጽና ነቅርበልኩም!