ድለ

2019.06.22 ጋዜጣ ብርሃን ናይ ግንቦተ/ሰነ ቊ.8 (579) 1990 ዓምግ 1998 ዓምፈ 2019.06.22 ጋዜጣ ብርሃን ናይ ግንቦተ/ሰነ ቊ.8 (579) 1990 ዓምግ 1998 ዓምፈ  

ቅድሚ ዕሥራ ዓመት ምስ ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ብጉዳይ ኣገልግሎት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝ

እዚ ኣብዚ ቅነ መዛረቢ ኮይኑ ዘሎ ‘ኣረክቡ - ርእይቶ ይገበር ኣይፋልኩም’ ዝብል ግድል ገና ኣብ 1995 ዓምፈ ከምዝጀመረን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ንልዝብን ዘተን ብምጽዋዕ ኣቍዋማ ኣነጺራ ብጽሑፍ ከምዝሃበትን ኣብ ዝሓለፈ መደባትና ብዝርዝር ኣቅሪብና ከምዝነበርና ዝዝከር እዩ። ሎሚ ከኣ ብ1998 ዓምፈ ምስ ክቡር ፕረሲደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንረድዮ ቫቲካን ኣቶ ተኽለእግዚእ ዝገበሮ ቃለ ምልልስ ነቅርበልኩም።

አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን

ጋዜጣ ብርሃን ብ1940 ዓምግ (1948 ዓምፈ) ዝተመሥረተ ብመነኮሳት ሲታውያን ዝዳሎ ልሳን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኮይኑ ኣብቲ እዋን እቲ ወርቃዊ ኢዮቤልዩ ናይ ሓምሳ ዓመቱ ዝዝከረሉ ዝነበረ ዓመት ኢዮቤል ኮይኑ ኣብቲ ቅንያት እቲ ተወሊዑ ንዝነበረ ኲናት ንምትህድዳእ ተጻይ ናይቲ ቅነቲ ወግእ ዝዕድም መራኸቢ ብዙሓን ‘ምእንቲ ሰላም ሕልፊ ዘፍሰሰ፥ ኣብ ውግእ ዝወሓደ ደም መፍሰሰ` ብዝብል መኽፈቲ ጀሚሩ፣ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓባር ‘ብሰላም ዚጒዳእ የለን፤ ብውግእ ግን ኲሉ ይጠፍእ’ ኢሎም ዘመሓላለፍዎ ጻውዒት ተዓንጊቡ ኣብ ናይ ግንቦተ/ሰነ ቊ.8 (579) 1990 ዓምግ 1998 ዓምፈ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ቃለ መሕትትን ካልእ ትሕዝቶን ሒዛ ወጸት።

ብድምጺ ቀሪጽና ነቅርበልኩም!

ብድምጺ ንምክትታል!
22 June 2019, 13:08