ድለ

ሃገረ ማእከላዊት ኣፍሪቃ፡ ካርዲናል ንዛፓላይንጋ፡ ዕጥቃዊ ጉጅላውነት ከብቅዕ ጻውዒት የቕርቡ ሃገረ ማእከላዊት ኣፍሪቃ፡ ካርዲናል ንዛፓላይንጋ፡ ዕጥቃዊ ጉጅላውነት ከብቅዕ ጻውዒት የቕርቡ 

ሃገረ ማእከላዊት ኣፍሪቃ፡ ካርዲናል ንዛፓላይንጋ፡ ዕጥቃዊ ጉጅላውነት ከብቅዕ ጻውዒት የቕርቡ

ብፁዕነቶም ይብሉ ሎሚ 15 ዝተፈላለዩ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ጽባሕ 16 እናበለ ዝቕጽል፡ እቲ ኣብ ናይ ካርቱም ናይ ሰላም ዋዕላ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ድሮ እቶም 14 ዝነበሩ ዕጡቓት ሓይሊ ዝተሳተፍሉን ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝፍተነሉ ዘሎ እዋን ካልእ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ክቐውም ምርኣይ የሕዝን

ናይ ሃገርና ማእከላዊት ኣፍሪቃ ዓበይቲ ማሕበራዊ ጸገማት ብጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ኣይኰነን ዝፍታሕ፥ ነዚ ዝበሉ ናይ ረፓብሊካዊት ሃገረ ማእከላይ ኣፍሪቃ ርእሰ ከተማ ባንጉይ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዲየውዱነ ንዛፓላይንጋ ክዀኑ እንከለዉ፡ ብፍላይ ኣብ ቀረባ እዋን ንናይታ ሃገር ጸገም ክፈትሕ እየ ቢሉ ዝቖመ ሓድሽ ናይ ዕጡቓት ግንባር እታ ሃገር ንዘላትሉ ጸገም ዘብእስ እምበር መፍትሒ ክኸውን ከምዘይክእል ገሊጾም፡ ጸገማትና ይብሉ ብዘተ እንተዘይኰነ ዕጡቓት ሓይሊ ብምብርኻት ዝፍታሕ እይኰነን ከምዝበሉ ፊድስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ውግእን ወረ ውግእን ግብኣተ መሬት እንበለሉ እዋን እዩ፡ ጸገማትና ከቢድን ዓቢይን እዩ፡ ሓደገይና ኵነትን ኣባይቲ ትምህርቲ ብዘይ መምሃራንን ናይ ሃገር መሰረታዊ ኣገልግሎት መውሃቢ ተቕዋማት፡ ናይ ትምህርቲ ኪደት ስንኩፍን ናይ ሕክምና ኣገግሎት እውን ከምኡ፡ ዋሕዲ ሓኻይምን ናይ ሕክምና ሰብ ሙያን፡ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸገም ንምፍታሕ ሓድነትን ዘተን እምበር ምብርኻት ዕጡቓት ሓይሊ መፍትሒ ክኸውን ዘይሕሰብን ሕልቂትን ጸገማትን ዘበራኽት እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡

ሓድሽ ዝቖመ ሓይሊ ዓማጽያን መንግስቲ ናብ ናይ ሰላም ዘተ ከብል ይድርኽ ዶ ይኸውን?

እቲ ሓድሽ ዝቖመ ካብቶም ኣብ ካርቱም ኣብ ማእከላዊት ሃገረ ኣፍሪቃ ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሰላም ዘተ ካብ ዝተሳተፉ 14 ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ንሕዳሴ ሃገራዊ ጥርናፈ ካብ እተሰምየ ተፈልዩ ብሔራዊ ሃገራዊ ጥምረት ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝሰመየ ሓድሽ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ከምዝቖመ እዚ ሓይሊ ዕጡቓት ዕለት 28 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ካብ ዝፈነዎ ሓበሬታ ክፍለጥ እንከሎ፡ ብፁዕነቶም ይብሉ ሎሚ 15 ዝተፈላለዩ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ጽባሕ 16 እናበለ ዝቕጽል፡ እቲ ኣብ ናይ ካርቱም ናይ ሰላም ዋዕላ ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ድሮ እቶም 14 ዝነበሩ ዕጡቓት ሓይሊ ዝተሳተፍሉን ሰላም ንምርግጋጽ ኣብ ዝፍተነሉ ዘሎ እዋን ካልእ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ክቐውም ምርኣይ የሕዝን እንክብሉ ካብ ሮማ ባንጉይ ኣብዝኣተውሉ ዕለት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ኣሊጡ።

ሰላም ኣብ ፍትሒ

ዕለት 21 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ሰለስተ ናይ ሃገሮም ከባቢታት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኰኒኖም ነቶም ዝተቐትሉ 34 ዜጋታት እናሓሰብ ሰላም ኣብ ፍትሒ ክቐውም ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ዝፍጸም መጥቃዕትን ግብረ ሁከትን ህዝቢ ዝወክል ኣይኰነ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሓይሊ ንውልቃዊ ረብሓ ዝኣመተ እዩ፡ እቶም መቕተልቲ ዝፈጸሙ ንፍርዲ ክቐርቡን ንምውታትን ኣባይቲ ስድራ ምዉታትን ፍትሒ ክወርድን መንግስትን ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብን ንናይታ ሃገር ጸገም ኣብ ምፍታሕ ዘርእዮ ድኻም ዜጋታት ብውልቆም ግብረ መልስ ንኽህቡ ይድርኽ ኣሎ ቢሎም፡ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ምስ መንግስቲ ማእከላዊት ሃገረ ኣፍሪቃ ብምትሕብባር ሰላም ኣብ ምርግጋጽ ክተግህ ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ። 

ካርዲናል ንዛፓላይንጋ፡ ዕጥቃዊ ጉጅላውነት ከብቅዕ ጻውዒት የቕርቡ
12 June 2019, 16:29