ድለ

ካርዲናል ሳኮ፥ ድላይ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኢራቕ ምብጻሕ ንሃገረ ዒራቕን ሕዝብን ፍሉይ ደገፍ እዩ ካርዲናል ሳኮ፥ ድላይ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኢራቕ ምብጻሕ ንሃገረ ዒራቕን ሕዝብን ፍሉይ ደገፍ እዩ 

ካርዲናል ሳኮ፥ ድላይ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኢራቕ ምብጻሕ ንሃገረ ዒራቕን ሕዝብን ፍሉይ ደገፍ እዩ

ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 16 ሰነ 2019 ዓ.ም. መላእ ካህናትን ገዳማውያንን ስለ እዚ ድላይ ቅዱስ ኣቦና ክጽልዩ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ከምዝወሰኑ ሓቢሮም፡ እቲ ድላይ እንተድኣ ተፈጺሙ ዒራቕ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ክትብጻሕ ንፈለማ ግዜ እዩ ዝኸውን

ኣብ ዒራቕ ናይ ከለዳዊ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ባቢሎን ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ራፋኤል ቀዳማዊ ሳኮ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ንኸካይዱ ዘለዎም ድላይ ዕለት 10 ሰነ 2019 ዓ.ም. ናይ ምስራቕ ኣቢያተ ክርስቲያን ደጋፊ ማሕበር ኣብ ዘካየዶ ዓውደ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዝገለጽዎ ሓሳብ መሰረት ምስ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ እዚ ድላይ ቅዱስ ኣቦና ናብ ሓደ ሓድሽ ናይ ሰላም ርእየት ዘብጽሕ መገዲ ዘርህውን ዘረጋግጽን እዩ እንክብሉ ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ናብ ዒራቕ ንኽበጽሑ ዘለዎም ድላይ ኵሉ ኣስላማይ ድዩ ክርስቲያን ኣብ መገዲ ዝተራኸብናዮ ዜጋ ዝተሰምዖ ዓቢይ ሓጐስ እዩ ዝገልጽ፡ እዚ ምብጻሕ’ዚ ክረጋገጽ ብጸሎት ነሰንዮም ኢሎም።

ናይ ዒራቓውን ሓጐስ

ብፁዕ ካርዲናል ሳኰ ኣብ ዒራቕ ናይ ዞባ ኩርድስታን ርእሰ ዞባ ንኽዀን ዝተሓርዩ ነትቺርቫን ባርዛኒ ኣብ ዝፈጸምዎ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ተሳቲፎም ምስ ኣብቅዑ ምስ ቫቲካን ኣገግሎት ክፍሊ ዜና ብዛዕባ ድላይ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዒራቕ ብስልኪ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ዜና ኣብ ሰበኻ ኣንካዋ ሓድሽ መእንገዲ ቤት ኣብ ዝምርቕሉ ዝነበርሉ እዋን ከምዝሰዑን ኣብቲ ናይ ምረቓ በዓል ዝሳተፉ ዝነበሩ ኣስታት ሓሙሽተ ሚእቲ ዝግመቱ እቲ ዜና ምስ ተሰምዐ ሃሌ ሉያ ሃሌ ሉያ እናበሉ ዝተሰምዖን ሓጐስ ከምዝገለጹን፡ ንሕዝብን ሃገረ ዒራቕን ዓቢይ ድጋፍ እዩ ኢሎም፥ ድሮ እዚ ድላይ ቅዱስ ኣቦና ክፍጸም ጸሎት ንገብር ኣሎና፡ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ዝመጽእ ዘሎ ዕለት 16 ሰነ 2019 ዓ.ም. መላእ ካህናትን ገዳማውያንን ስለ እዚ ድላይ ቅዱስ ኣቦና ክጽልዩ ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ከምዝወሰኑ ሓቢሮም፡ እቲ ድላይ እንተድኣ ተፈጺሙ ዒራቕ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮ ክትብጻሕ ንፈለማ ግዜ እዩ ዝኸውን፡ ሕዝብን መንግስትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ብሃረርታ ዝጽበይዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዩ ኢሎም።

ሓድሽ ዓይነት አመለኻኽታ ሰላም

ኣብ ዒራቕ ይብሉ ብፁዕነቶም፡ ናይ ሓባር ረብሓ ንምሕናጽ ሕዝቢ ሰላማውን ብዅሉ ተቐባልነት ብዘለዎ ኣገባብ የሳልጥ ኣሎ፡ ብዘይ ናይ ሃይማኖትን ዓሌትን ኣፈላላይ፡ ይዅን ደኣ እምበር ቅድም ኵለንትናዊ ሰብኣዊ ሕንጸት ኣገዳሲ እዩ፡ ግኡዛዊ ሕንጸት ምዕሩይን ፍትሓውን ዝኸውን ሰብኣዊ ሕንጸት ምስ ዝፍጸም እዩ፡ ኣኽብሮት ንሕይወትን ሰላምን ምህዳርን ብጠቕላላ ፍጥረትን ተፈጥሮን ምኽባር የድሊ፡ እዚ ቅዱስ ኣቦና ዘነቓቕሕዎ ዘለዎ ሓድሽ ዓይነት ናይ ሰላም ኣመለኻኽታን ባህልን መገድን እዩ፡ እዚ ኣብ ዮርዳኖስን ኢሚራት ዓረብን ምስርን ሞሮኮን ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዝገለጽዎን ዘብርህዎን ሓድሽ ዓይነት ባህሊ እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ዒራቕ ምብጻሕ ኣካይዶም ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ብርቱዕ ቃል ሰላም ከምዝኸውን ርግጸይና እየ ኢሎም።

ቅርሕንቲ ተሰጊሩ እዩ

ዋላ’ኳ ናይቲ ገዛእ ርእሱ እስላማዊ ሃገር ቢሉ ንዝሰመየ ኣሸባሪ ሓይሊ ዝውክሉ ንኣሽቱ ጅሃዳውያን ጉጅለታት ሓሓሊፎም ዝፍጽምዎ ሁከትን ግብረ እከይን ይሃሉ፡ ብሓፈሻኡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ህልው ኩነት ዝሓሸን ናብ ዝበለጸ ምርግጋእን ሰላምን ዘቕንዔ እዩ ዝመስል፡ ኣብ ኩርድስታን ጸጥታን ሰላምን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ውሕስ እዩ ከበሃል ይከኣል፡ ኣብ ባግዳድ እውን፡ ሕዝቢ ዘሕልፎ ዝነበረ ስቓይ ከምዝነከየን ዕለታዊ መነባብርኡ እወታዊ እዩ ከበሃል እውን ይከኣል፡ ኣብ መንጐ ክርስቲያንን ኣስላምን ናይ ሓባር ዘተ ዝሓልይ ናይ ሓባር ድርገት ከምዝቖመ እውን ሓቢሮም ካብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተበገሰ ድርገት እውን ከምዝዀነን፡ እቲ ናይ ሓባር ዘተ ቅርሕንቲ ክስገር ከምዝገበረ ይምስክሩ።

ውጥረት ኣብ መንጐ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን

ኣብ መንጐ ኢራንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ዘሎ ውጥረት ኣብ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ ዓቢይ ጽልዋ ከምዝህልዎ ፍሉጥ እዩ፡ ናብ ውግእ ከይቕየር ተስፋ ንገብር፡ ብዛዕባ እዚ ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት መንግስቲ ዒራቕ ዘለዎ አመለኽኽታ ጥንቁቕ እዩ፡ ኣብ ኢራን ኰነ ኣብ ሕቡራት መግንስታት ኣመሪካን ድላይ ዘተ ክብ ክብል ተስፋ እገብር፡ እዚ እውን ናይ ብዙሓት ድላይ እዩ፡ ኣመሪካውያን ኰኑ ከባቢ ማእከላይ ምብርቕ ውግእ ሳዕቤኑን ሓዲግዎ ዝሓልፍ ማእለያ ዘይብሉ ሰብኣውን ንዋታውን ማህሰይቲ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ጉዳይ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ካርዲናል ሳኮ፥ ድላይ ቅዱስ ኣቦና ናብ ኢራቕ ምብጻሕ ንሃገረ ዒራቕን ሕዝብን ፍሉይ ደገፍ እዩ
12 June 2019, 16:33