ድለ

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ሆንዱራስ ርእሰ ከተማ ተጉቺጋልፓ ናብ ዝካይድ ዘሎ መበል 37 ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ ጉባኤ ንናይ ላቲን ኣመሪካ ብድሆታት ዝምልስ ክኸውን ኣተሓሳሲቦም

ኣብ ፐሩ ናይ ትሪኺዮ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ካብረኾስ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓ ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ሓድሽ ኣቦ መንበር ንኽዀኑ እቲ ጉባኤ ኣብ ሆንዱራስ ክሳብ ዕለት 18 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምዝሓረዮምን ቅዱስ ኣቦና ናብቲ ጉባኤ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ እውን ክንገር እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ ከምእተነበ ናይቲ ጉባኤ ናይ ዜናን ሕትመትን ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ሆንዱራስ ርእሰ ከተማ ተጉቺጋልፓ ናብ ዝካይድ ዘሎ መበል 37 ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ እቲ ጉባኤ ንናይ ላቲን ኣመሪካ ብድሆታት ዝምልስ ክኸውን ኣተሓሳሲቦም፡ እቲ ጉባኤ ናይ ቤተ ክርስቲያናዊ ሱታፌ መግለጺ ከምዝዀነ፡ ጓሶት ብዝተሓደሰ መንፈስ ተልእዀኦም ንናይ ላቲን ኣመሪካ ብድሆታት መልሲ ክህቡ መታን ምስ ጓሶት ብምትሕብባርን ብምድጋፍን ንኽዓዪ ዝተጸውዐ ምዃኑ ኣዘኻኽIሮም፡ እቲ ናይቲ ጉባኤ ከይዲ ፍርያም ክኸውን ጸሎቶም ኣረጋጊጾም ጻዕርታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እታ ክፍሊ ዓለም ንሓለዋ ቅድስተ ድንግል ማርያም አወክፍ ከምዝበሉ ቤት ጽሕፈት ዜናን ሕትመትን ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካ ጉባኤ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ካብረኾ ሓድሽ ኣቦ መንበር ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳ ጉባኤ

እቲ ኣብ ተጉቺጋልፓ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኣብ ናይ ዕለት 14 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ውዕሎኡ ኣብ ፐሩ ናይ ሰበኻ ትሩኺዮ ሊቀ ጳጳሳት ካብ 2006 ክሳብ 2012 ዓ.ም. ናይ ፐሩ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኰይኖም ዘገልገሉ፡ ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ካብረኾስ ኣቦ መበር ንኽዀኑ ከምዝሓረዮም ዝሓበረ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ጉባኤ ጳጳሳት ቤት ጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ብፁዕ ኣቡነ ካብረኾስ ዕለት 5 ሓምለ 1948 ዓ.ም. ኣብ ፐሩ ዞባ ቾታ ከተማ ያማ ዝተወልዱን፡ ዕለት 7 ታሕሳስ 1974 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን፡ ዕለት 7 ነሓሰ 1988 ዓ.ም. ጳጳስ ተሰምዮም፡ ዕለት 6 ለካቲት 1996 ዓ.ም. ናይ ካስትረንሰ ሰበኻ ጳጳስ ተሸምዮም፡ ዕለት 12 ሓምለ 1999 ዓ.ም. ናይ ትሩኺዮ ሊቀ ጳጳስ ተሰምዮምን ካብ 2006 ክሳብ 2009 ዓ.ም. ናይ ፐሩ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ኰይኖም ተሓርዮምን ንኻልኣይ ግዜ እውን ክሳብ 2012 ዓ.ም. ኣብ ሓላፍነቶም ክቕጽሉ ተሓርዮም ከምዘገልገሉን፡ ኣብ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ፐሩ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ኣወሃሃዲ ኰይኖም ከምዘገልገሉ የዘኻኽር።

ክውንትን ስልጥንት ቤተ ክርስቲያን

እቲ ጉባኤ ጳጳሳት መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን እቲ ሓፈሻዊ መበል 37 ኣኼባ ቀዳማይ ዋዕላ በቶም ናይቲ ጉባኤ ኣቦ መንበር ኰይኖም ዘገልገሉ ዝነበሩ ብብፁዕ ካርዲናል ሩበን ሳላዛር ጐመዝን ኣብ ሆንዱራስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኖቫኡስ ሩጋምብዋን ከምእተመረሔን፡ ሓዋርያዊ ልኡኽ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ቅድሚ ብድሆታት ሃገራት ላቲን ኣመሪካ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ጭቡጥ ተዋሳእነት ዘለዋ ስልጥቲ ኰይና ክትርከብ ኣለዋ ከምዝበሉ ካብቲ ጉባኤ ዝወጸ መግለጺ የመልክት።

ተስፋ ምቕራብ

ናይታ እቲ መበል 37 ሓፈሻዊ ጉባኤ እተአንግድ ሃገረ ሆንዱራስ ብፁዓ ጳጳሳ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ሳን ፐድሮ ሱላ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንገል ካራቻና ፐረዝን ብናይ ተጉቺጋልፓ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ኣንድረስ ሮድሪገዝ ማራዲያጋን ንተጋባእያን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃሎም ከምዘስምዑ ዝሓበረ መግለጺ እቲ ጉባኤ ኣስዒቡ ብፁዕ ካርዲናል ማራዲያጋ፡ ኣብቲ ፍቕርን ተስፋን ዘይብሉ ኣብ ዝመስል ስፍራ ፍቕርን ተስፋን ክሰፍሕ ቅዱስ ኣቦና ንዘካይድዎ ምስ ድኻን ስኡንን ዝተናዕቀን ዝተነጸለን ምዃን ዝብል ዝነብርዎን ኣብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ክንበር ዘተሓሳስብዎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እትነብሮ ኽኸውን ኣለዎ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጡ።

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ
16 May 2019, 17:31