ድለ

ካርዲናል ክራየውስኪ፥ ቅዱስ ኣቦና ካብ ለስቮስ ኣይተፈለዩን፡ ኣብኡ ምስ ስደተይናታት እዮም

ካብ ዕለት 8 ግንቦት ክሳብ ዕለት 10 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ኣብታ ዕለት 16 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ግሪካዊት ደሴት ለስቮስ ኣብ ዝርከብ መእለዪ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ምጽባሕ ኣካይዶም ዝገለጽዎ ሓልዮትን ቅርበትን ጭቡጥ ድጋፍን ተዘክሮ ጥራሕ ዘይኰነ ቅዱስነቶም ምስቶም ስደተይናታትን ኣብቲ መእለዪ ስደተይናታት ህልው ምዃኖም

ናይ ጳጳሳዊ ቤተ መጽዋት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ኣብ ግሪካዊት ደሴት ለስቮስ ኣብ ዝርከብ መእለዪ ስደተይናታት ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ስደተይናታትን ምስቶን ናይቲ መእለዪ ስደተይናታት ኣመሓደርትን ወለንተይናታትን ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ነዚ መሰረት ብምግባር ጳጳሳዊ ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓት ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣብ ግሪካዊት ደሴት ለስቮስ ኣብ ዝብርከብ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን መእለዪ ሰፈር ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ነቶም ስደተይናታት ንበይንዅን ኣይኰንኩምን ኣብ በይናውነት ኣይክትሕደጉን ኢኻትኵም ቢሎም ዝገለጽዎ ሓሳብ ምልስ ቢሎም ከቃልሑ እንከለዉ፡ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ኣውን ብወገኖም፥ እዋኑ እዋን ንጡፍ ግብረ ሰናይ እዩ፡ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት መተሓላልፎ ምርሃው ዝብል እዩ እንክብሉ ይገልጹ።

ቅዱስ ኣቦና ካብ ለስቮስ ኣይተፈለዩን፡ ኣብኡ ምስ ስደተይናታት እዮም

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 8 ግንቦት ክሳብ ዕለት 10 ግንቦት 2019 ዓ.ም. ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ኣብታ ዕለት 16 ለካቲት 2016 ዓ.ም. ኣብ ግሪካዊት ደሴት ለስቮስ ኣብ ዝርከብ መእለዪ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ምጽባሕ ኣካይዶም ዝገለጽዎ ሓልዮትን ቅርበትን ጭቡጥ ድጋፍን ተዘክሮ ጥራሕ ዘይኰነ ቅዱስነቶም ምስቶም ስደተይናታትን ኣብቲ መእለዪ ስደተይናታት ህልው ምዃኖም ከምዘረጋገጹን፡ ቅዱስ ኣቦና ዳርጋ ኣብኡ ተሪፎም ቢልካ ክትገልጾም ዝከኣል ምዃኑ ይሕብሩ፡ ኣብቲ መእለዪ ስደተይናታት ኣስታት ሸውዓተ ሺሕ ዝግመቱ ስደተይናታት ከምዘለዉን ብጠቕላላ ኣብ መላእ ግሪክ ውግእን ጥምየን ዓመጽን ዘሳደዶም ገዛእ ርእሶምን ኣባይቲ ስድራኦምን ንኸድሑኑ ዝተሰዱ ካብ 60 ክሳብ 70 ሺሕ ዝገመቱ ከምዝዀኑ ይንገር።

ናይ ብፁዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ምብጻሕ ጨንፈር ሓልዮ ስደተይናታት ናይ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ኣገልግሎት ዝሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ጽሕፈትን ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ ቅዱስ ኤጂዲዮ ዘዳለዎ ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ስፍራ ኣብ 2016 ዓ.ም. ምብጻሕ ኣካይዶም ነቶም ስደተይናታትን ተመዛበልትን በይንኹም ኣይኰንኵምን፡ ኣባኹም ተስፋ ከይትቕህም ሓደራ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ዝለገስዎ መጸናንዕን ናይ ቅርበትን ሓልዮትን ቃል፥ ሎሚ እውን ኣብቲ ስፍራ የቃልሕ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ቡዙሃን ዝሓልዮ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት የረጋግጽ።

ቅዱስ ኣቦና ካብ ለስቮስ ኣይተፈለዩን፡ ኣብኡ ምስ ስደተይናታት እዮም

ግብረ ሰናይን ምትሕብባርን

ኣብቲ ጳጳሳዊ ናይ ምጽዋት ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ካርዲናል ኮንራድ ክራየውስኪ ኣብ ለስቮስ ዘካየድዎ ምብጻሕ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ናይ ሉሰምበርግ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ዣን ክላውደ ሆለሪኽን ናይ ኣተንስ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ሰቫስቲኣኖስ ሮሶላቶስ ከምዝሓበሩን ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን፥ ብፁዕ ኣቡነ ዣን ክላውደ ሆሊሪኽ ኣብቲ ጳጳሳዊ ናይ ምጽዋት ሓልዮ ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ብፁዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ዘቕረብዎ ጻውዒት ሓገዝን ደገፍን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ርክስቲያን ኣብ ኤውሮጳ እውን እዩ ቢሎም፡  ኤውሮጳ ክርስቲያን ዝብል ቅጽል ስም ክትጥቀመሉ ድላይ ዘለዋ እንተድኣ ኰይና፡ ክርስቲያን ምዃና ብንጡፍ ግብረ ሰናይ እትገልጸሉ ሰዓት ሕጂ እዩ፡ ስለዚህ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብ ኣብ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ መተሓላልፎ ክህሉ እንክብሉ ክሓትቱ እንከለዉ፡ ናይ ኣተንስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሮሶላቶስ እውን ብወገኖም፡ ኤውሮጳ ተሓባባሪት ምዃና ብቃልን ብግብርን ክስምዓን ክትነብሮን ኣለዋ ከምዝበሉ ኣኵይሊኖ ገሊጸን።

መእለልዪ ስደተይናታት ኣብ ደሴት ለስቮስ

እቲ ኣብ ደሴት ለስቮስ ኣብ ዝርከብ መእለዪ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ምብጻሕ ዘካየደ ጉጅለ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሞሪያ ዝርከብ ናይ ስደተይናታት መንነት መረጋገጺ ናይ ሓለዋ ጸጥታ ቤት ጽሕፈት ምብጻሕ ኣካይዱን ኣብኡ ኣብ ዝርከብ ልዕሊ 4.700 ዝግመቱ መብዛሕቲኦም ካብ ኣፍጋኒስታን ዝመጹን፡ ካብ ዒራቕን ኢራንን ሶሪያን የመንን ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ዝመጹ ስደተይንታት ዝርከቡሉ ማእከል እውን ምብጻሕ ከምዘካየደን፡ ምስ ናይ ግብረ ሰናይ ሓልዮ ወለንተይናታትን ኣብ ሄላስ ጨንፍ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ካሪታስን ኣመሓደርቲ ከምእተራኸበን፡ ብፁዕ ካርዲናል ክራየውስኪ ነቲ ጨንፈር ካሪታስ ሄላስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ንናይ ስደተይናታት ሓገዝ ዝውዕል ሚእቲ ሺሕ ኤውሮ ከምዝለገሱን ኣስዒቦም እውን ኣብ ካራ ተፐ ዝርከብ 1.300 ስደተይናታት ናብ ዝርከቡሉ መእለዪ ስደተይናታት ከምዝበጽሑን። እዚ መእለዪ ስደተይናታት ካብ 2018 ዓ.ም. ሕብረት ኤውሮጳ ብዝለገሶ ኣርባዕተ ሚሊዮን ዝመሓደር ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብዚ መእለዪ’ዚ እቶም ኣዚዮም ተኣፈፍቲ ዝበሃሉ ስደተይናታት ሓገዝ ዝረኽብሉ ምዃኑን እቶም ስደተይናታት ናብ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ እውን ከምዘመሓላለፉ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ካብ ለስቮስ ኣይተፈለዩን፡ ኣብኡ ምስ ስደተይናታት እዮም
25 May 2019, 18:03