ድለ

ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት፥ ፍትሕን ናጽነትን ንሕዝቢ፡ ኣብ ከይዲ ዘተ ንቕድሚት ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት፥ ፍትሕን ናጽነትን ንሕዝቢ፡ ኣብ ከይዲ ዘተ ንቕድሚት 

ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት፥ ፍትሕን ናጽነትን ንሕዝቢ፡ ኣብ ከይዲ ዘተ ንቕድሚት

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰራሕተይናታት ኣብ ዝበዓለሉ ዕለትን እቲ ኣብታ ሃገር ዝተባርዔ ድሮ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው ከወግድ ዝኽእል ነባሪ ሰላም ዘውሕስ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዘቃልሕ ናይ ሕዝብን ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝውሕስ ስርዓተ መንግስቲ

ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ዕለት ሓደ ግንቦት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ሰራሕተይናን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰራሕተይናታትን ምኽንያት፥ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሕዝቦምን ሃገሮምን ኣዚዩ ንሓደጋ ዘቃልዕ ዘሎ ስቓይን ኢፍትሓውነትን እናሓሰቡ፡ ኣብ ኒካራጉዋ ቀጻሊ ኣብ ዝዀነ መስርሕን ስምምዓትን ዝቖመ ነባሪ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ክረጋገጽ ጻውዒት ብምቕራብ፡ ቅዱስ ኣቦናን ቅድስቲ መንበር ሽግራት ብዘተ ክፍታሕ ዝብል ንዘቕርብዎ ጻውዒቲ ምሉእ ድጋፎም ይገልጹ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

በቲ እንነብሮ ዘሎና ሓሴትን ፍስሓን ትንሳኤ ዘእግዚእነ፡ ናይ ሃገርን ሕዝብን ታሪኽ ክንበብ ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ እቲ ንሃገሮምን ሕዝቦምን ምኽንያት ስቓይን ኢፍትሓውነትን ኰይኑ ዘሎ ቅልውላው እዚዩ ዘሰክፎም ምዃኑ ገሊጾም፡ ናይ ፖለቲካ እሱራትን ግህሰት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን፡ ስደትን ምዝብልናን ድኽነትን ስእነት ስራሕን ዘይምርግጋእን ስእነት ጸጥታን ድሕነትን ዞባዊ ምስሕሓባትን ምብሓት ናይ ሕዝቢ መሬትን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ጸገማ መፍትሒ ክረኽቡ ጻውዒት ብምቕራብ፡

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰራሕተይናታት ኣብ ዝበዓለሉ ዕለትን እቲ ኣብታ ሃገር ዝተባርዔ ድሮ ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው ከወግድ ዝኽእል ነባሪ ሰላም ዘውሕስ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዘቃልሕ ናይ ሕዝብን ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝውሕስ ስርዓተ መንግስቲ ክህሉ የተሓሳስቡ።

ጸቕጥን ዓመጽን ከብቕዕ

ናጽነት ምንባርን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ቅድሚ መንግስታት ዝነበሩ ዕሴታት እያቶም ስለዚህ ንምኽባሩን ንምንቕቓሑን ምክልኻሉን ኣብ ኩሉ ንኹሉን ውሕስ ክኸውን  ቅድሚ ዝዀነ ይኹም ማሕበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ውዕላትን ማንም ኣካል ይኹን መንግስቲ ስነ ምግባራውን ግብረ ገባውን ትሑዝ እዩ ዝበሉ ብፁዓን ጳጳሳት ኒካራጉዋ ኣስዒቦም፡ ኣብ ሓደ ሕዝብን ሕብረተሰብን ጸቕጥን ዓፈናን ከይሃሉ ዝብል ውሳኔ ክገሃስ የብሉን፡ ናይ ሕዝብን ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናጽነት ዝዀነ ይኹን ቅድመ ኩነትን ስርዓትን ዘይብል እዩ፡ ሰብኣዊ ፍጥረት ናጻን በዓል መሰልን ክብርን ኰይኑ ዝተፈጥረ እዩ ይብሉ።

ምኽባር ስርዓት ደሞክራስን ናይ ሕዝቢ ሉኣላውነትን

ስልጣንን ናይ መንግስቲ ጽፍሕታትን መጋበርያ ምልክን ወይ ከኣ ረብሓን ሓለፋታትን ዘካፋፍል ዘይኰነስ ስርዓት ደሞክራሲ ዘኽብርን ዝከላኸልን ካብ ዝዀነ ይኹን ውልቃውን ፖለቲካውን ረብሓታት ናጻ ዝዀነ ናይ ህዝብን ሃገርን ጥቕሚ ጥራሕ ዘገድሶ ስልጣንን ናይ ሕዝባዊ ምርጫ ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሓፈት መንግስቲ ናጻን ድላይ ሕዝቢ ናይ ውሁዳን ይኹን ናይ ብዙሓን ናይ ኩሉ ዜጋ ረብሓ ክኽበር ዝዓይን ሕዝቢ እውነተይና ሉኣላዊ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ ኢሎም።

ዘያደልው ስርዓት ህግን ፍትሕን ናጽነት ካብ ዝዀነ ይኹን ጸቕጥን ዓፈናን

ንናይ ፖለቲካ ውድብ ሰንደቕ ዕላማ ዘይንብርኸን ንዝዀነ ይኹን ፖለቲካዊ ህልዮ ዘይዕጸፍ ናጻን ዘይውግንን ስርዓት ሕግን ፍትሕን ክህሉ ጻውዒት ዘቕረቡ ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ኣስዒቦም፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናይ ሕትመትን ሓበሬታን ናጽነት ክኽበርን፡ ሓሳብካ ብዘይ ናይ ምግላጽ ናጽነት ካልእ ኩሉ መግለጺ ናጽነት ይቕምስሉን ይሓቁን ከምዝበሉን።

ናይ ቅድስቲ መንበር ጻውዒት ነኽብር

እቲ ኣብ ኒካራጉዋ ተኸሲቱ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው መፍትሒኡ ዓውደ ዘተ ምዃኑ ቅድስቲ መንበርን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ዘቕረብዎ ሓሳብ ዘቃልሑ ናይ ኒካራጉዋ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት፡ ብዘተ ዘይፍታሕን ብሓይሊ ዝተፈትሔ ዝመስል ጸገም ዝተዳጐነ እምበር መፍትሒ ዝረኸበ ስለ ዘይኰነ ውዒሉ ሓዲሩ ተፈንጃሪ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ሕዝብን ሃገርን ንዝኸፍሔ ሓደጋ ከይተቓልዔ እንከሎ እቲ ዝረአይ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቅልውላው ብዘተ ክፍታሕ ሓቲቶምን፡ እቶም ስቓይን መከራን ዘስዓቡን ብዙሓን ንዝተፈላለየ ሓደጋ ዘቃልዑን ተሓተትቲ ንሕጊ ክቐርቡን፡ ዝተጐድኡ ኣባይቲ ስድራን ዜጋታትን ግቡእ ካሕሳ ክረኽቡ ይግባእ ቢሎም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኒካራጉዋ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዓውደ ዘተ ተተባብዕ ይብሉ።

ነባርን ቅኑዕን ሰላም

ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት መልእኽቶም፡ እምነትና ኣብቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ጠርዚ ኰይንና ተዓዘብቲ ንኽንከውን ዘይፈቕድ እዩ፡ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻ ናይ ካልእ ስቓይ እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ ኴይንካ ምንባር ወንጌላዊ ኣይኰነን ጥራሕ ዘይኰነስ ዝኸፍኤ ኣብ መንጐ ኣሕዋት መሰረት ጽልእ ምዃን ማለት እዩ፡ ስለዚህ ቅኑዕን ናበርን አላም ምእንቲ ክረጋገጽ፡ ናይ ሕብረተሰብን ውልቀ ሰብን ለውጥን ሕዳሴ ኣገዳሲ እዩ፡ ናይ ኩሉ ረብሓ ምቕዳም፡ እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ካብ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝተወሃበ መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ኒካራጉዋ ብፁዓን ጳጳሳት፥ ፍትሕን ናጽነትን ንሕዝቢ፡ ኣብ ከይዲ ዘተ ንቕድሚት
02 May 2019, 17:59