ድለ

ሰንበት ዘሆሳዕና፡ ትእምርቱን ትርጉሙን ሰንበት ዘሆሳዕና፡ ትእምርቱን ትርጉሙን  

ሰንበት ዘሆሳዕና፡ ትእምርቱን ትርጉሙን

ኣብ ጥንቲ ታሪኽን ሎሚ እውን እንተኾነ ንጉስ ዝውጠሖ ክቡር እንስሳ ፈረስ እምበረ ኣድጊ ኣይነበረን ኣይኰነን፡ ከምቲ ነቢይ ዘካሪያስ ዝብሎ፡ ኢየሱስ ፍሉዩ ንጉስ እዩ፡

ናይ ኢየሱስ ምድራዊ ሕይወት ናይ መወዳእታ መዓልታትን ክሳብ ሰንበት ዘትንሳኤ ዘሎ ሕይወቱ እተብዕለሉን እትዝክረሉን ናይ ቅዱስ ሰሙን ብጋሴ ዝሕብር ሰንበት ሰንበት ዘሆሳዕና እዩ፡ ኢየሱስ ብዓጀብን ብውዕዉዕ ስምዒት ሕዝቢ ንጉስ እንክብል ዝኣወጆ ታሪኽ ዘዘንትው።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

ንጽብሒቱ እቲ ንበዓል ዝመጸ ብዙሕ ህዝቢ፡ የሱስ ናብ የሩሳሌም ከም ዚመጽእ ሰሚዑ፡ ጨናፍር ኦም ስየ ኣልዒሎም ኪቕበልዎ ወጹ። እናጨደሩ ኸኣ፡ ሆሳእና፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ንጉስ እስራኤል ብሩኽ እዩ፡ በሉ።  ከምቲ፥ ኣቲ ጓል ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ፡ እንሆ፡ ንጉስኪ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጽእ አሎ፡ ኢሉ እተጻሕፈ፡ የሱስ ከኣ ጻዕብ ኣድጊ ረኺቡ ተወጥሖ (ዮሓ. 12. 12-15)

ምእመናን ብልማድ ሰንበት ዘሆሳዕና ብዝብል ስም ይገልጽዎ፡ ብትኽክል ግና ሰንበት ናይ ጐይታ ሕማም ተባህሉ እዩ ክጽዋዕ ዘለዎ፡ ስለምንታይ እታ መዓልቲ ምብጻሕ ኢየሱስ ናብ ኢየሩስላሌም እተዘንትውን፡ ቅድሚ ኣብ ስቕለቱ ዝተነብሮ ናይ መወዳእታ ፍስሃ ዝገልጽ እዩ፡ ሕጻናት መን እዩ ወይ መን ምዃኑ ከይሓተቱ፡ ይወድስዎን ንጉስ ይብልዎን፡ እዚ ኸኣ ኣብ ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ቁጥዔን ምረትን ይፍጥር።

ኣድጊ

ኣብ ጥንቲ ታሪኽን ሎሚ እውን እንተኾነ ንጉስ ዝውጠሖ ክቡር እንስሳ ፈረስ እምበረ ኣድጊ ኣይነበረን ኣይኰነን፡ ከምቲ ነቢይ ዘካሪያስ ዝብሎ፡ ኢየሱስ ፍሉዩ ንጉስ እዩ፡ እዚ ፍልዩ ንጉስ’ዚ ኣብ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ይኣትው፡… እቲ ትሑትን ኣገልጋልን ዝዀነ እንስሳ - ኣድጊ ከምጽእሉ እዩ ዝሓትት፡ ናብ ኢየሩሳሌም ዝኣትው ኣጽዋሩ ስሑሉን ሰራዊት እምሪሑን ወይ ብስልጣናት ተመሪሑ ኣይኰነን፡ ኣብ ማእክል እቲ ዕለታዊ ሕይወቱ ብጻዕርን ብመዓልታዊ ዕዩ ብዝመረሕ ሕዝቢ ተዓጂቡ እዩ ዝመጽእ፡ ናብዚ ሕዝቢ’ዚ ሰላምን ምሕረትን ሒዙ እዩ ዝመጽእ። ዓወት ዘቃልሕ ምእታው ናብታ ቅድስቲ ከተማ፡ ኢየሱስ ንዅሎም ወልደ እግዚኣብሔር ምዃኑ ይገልጽ፡ … ናይ ኢየሱስ መሲሕነት ቀዳማይ መግለጺ፡ እታ ኣድጊ፡ ኢየሱስ ናብ ድሕነት ዝመርሖ ናይ ሰብ ምድራዊ ሕይወት መግለጺ እያ፡ ካብ ሓጢኣት ሞትን ፍርድን ዝፈትሕ። ፍትሕዋ… ዝብል ቃል ደሓር እውን እቲ ብደቀ ምዝሙር ዝፍጸም እዩ፡ ዝተፈትሑ ትንሳኤ ዘበስሩ ደቀመዝሙርን ስዒቡ ንመሰካኽር ወንጌል ዝውክል እዩ።

… ኦም ስየ

ኦም ስየ እቲ ኣብ በቢ ዓመቱ ብሓንቲ  እትጥጥዕ ቆጽሊ ኣቢሉ እዩ ዝሕደስ፡ ከምኡ እውን መሲሓዊ ትእምርቲ እዩ፡ ኣብ መንጐናን ከተማን ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሕዝብን ናይ ዘራኽብ ድልድል ትምእምርቲ እዩ፡ ክሳብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኦም ስየ ኣብ ምስራቕ ክፍሊ ዓለም ኣብ እዋን በዓላት ሕዝቢ ዝጥቀመሉ መግለጺ በዓል እዩ ዝነበረ፡ ኣብ ምዕራብ ዓለም ግና ስየ ዘይቦቅል ብምዃኑ ብኦም ኣውሊዕ ይትካእ፡ ኣብቲ ኣውሊዕ እውን ዘየቦቕለሉ ስሜን ኤውሮጳ ንበዓለ ሆሳዕና ነቲ ስየ ኦም ብናይ ዕንበባታት ኣቑጻልን ጨንፈርን ይትክእዎ። ኣብ ምዕራብ ዓለም ሰንበት ቅድሚ በዓለ ፋሲካ፡ ብባህሊ ንቅድመ ምስጢረ ጥመቀት ዝምልከት ሊጡርጊያ ዝበዓለሉ ዕለት እዩ ዝነበረ፡ ኣም ስየ ሒዝካ ዝፍጸም መንፈሳዊ ዑደት ተቀባልነት ረኺቡ ኣብ ሊጡርጊያ ክሳዃዕ ንምግባር ብዙሕ ተደኺሙ እዩ።

ኣይሁዳዊ ኣናስር በዓለ ሆሳዕና

ኣብ ኣይሁድ ባህሊ በዓለ-ዳስ (ኣጕዶ) ወይ ሱኮት ብዝብል ስም ዝጽዋዕ በዓል ኣሎ፡ ምስቲ በዓለ ሆሳዕና ዝመሳሰል እዩ፡ ሕዝቢ እስራኤል ካብ ባርነት ምስሪ ናጻ ዝወጻሉ ዕለት ዝዝክረሉን ናጽነት ዝበዓለሉን ዕለት እዩ፡ ካብ ምስሪ ናጻ ምስተለቀ ነርበዓ ዓመታት ኣብ ኣጓዱ ከምእተቐመጠ ዝዝክረሉ እዋን እዩ፡ መሲሕ ልክዕ እዚ በዓል ኣብ ዝበዓለሉ ዕለት ክመጽእ እዩ ዝብል ትጽቢት እውን ኣሎ፡ ሕዝቢ ንመንፈሳዊ ንግደት ናብ ኢየሩስሌም ይኸይድ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣብቲ ኦም ስየን ኦም ጻጸን ቅርቅሃን ናይ እምነትን ጸሎትን ጽሞናን ትእምርቲ ዝበሃሉ ጨናፍር ኣብ ዘንበድብድ ዑደት ይሳተፉ፡

ተንቀሳቓሲ በዓል

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት በዓለ ሆሳዕና ልክዕ ከም በዓለ ፋሲካ ቀዋሚ ዝበዓለሉ ዕለት የብሉን፡ ናይ ጐርጐሪዮስ ባሕረ ሓሳብ ንዝኽተሉ  በዓለ ሆሳዕና ካብ ዕለት 22 መጋቢት ክሳብ ዕለት 25 ሚያዝያ ኣብ ዘሎ እዋን የብዕልዎ፡ ዓቢይ ጾም ኣብ በዓለ ሆሳዕና ኣይዛዘምን፡ ናብ ፋሲካ ዘሰጋግር ሳልስት ቅድመ ፋሲካ ሊጡርጊያ ካብ ሓሙስ ይጅምር።

ሰንበት ዘሆሳዕና፡ ትእምርቱን ትርጉምን
15 April 2019, 17:05