ድለ

ቅዱስ ቀዳም (ቀዳም ስዑር)፥ ማርያማዊ ግዜ ቅዱስ ቀዳም (ቀዳም ስዑር)፥ ማርያማዊ ግዜ 

ቅዱስ ቀዳም (ቀዳም ስዑር)፥ ማርያማዊ ግዜ

ኣብ ትሕቲ መስቀል ብወዳ ሞት ንበይና ዝተረፈትን ወዳ ኢየሱስ ትንፋሱ ቅድሚ ምሕላፋ ንዮሓንስ እነሄት ኣዴኻ እነሆ ወድኺ እንክብል ንሓድ ሕዶም ብሕድሪ የዋሃህቦም

ቅዱስ ቀዳም (ቀዳም ስዑር) ብላቲናዊ ባህሊ እውን መንጐኣዊ መዓልቲ ተባሂሉ ይስየም፡ ኣብ ስቓይ ስለ ሞት ኢየሱስን ሓሴትን ዓወትን ስለ ትንሳኤኡን ኣብ ዘሎ መንጐ ኩነት፡ ኣብዛ ዕለት እዚኣ ምንም ዓይነት ሊጡርጊዊ ስነ ስርዓት ኣይፍጸምን፡ ማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ጽሞናን ምጽባይን ኰይኑ፡ ነቲ ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ደቀ መዛሙርት ዘጋጠሞም ስንባደን፡ ጥፉእነትን ብህራረን፡ ምድንጋራትን ኵሉ ዘስትንተነላ መዓልቲ እያ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ቀዳም ወይ ዓቢይ ቀዳም ዝብል መጸውዕ ዝወሃቦ እውን ክኸውን እንከሎ ገሊኣቶም እውን እቲ ዝነወሐ መዓልቲ እንክብሉ ይገጽዎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕይወት ሰብ ክሰፍሕ ዝኽእል ናይ ኣስተምትኖ መዓልቲ እዩ፡ ምንም ዓይነት ሊጡርጊያዊ ብዕሎት ዘይፍጸመሉ፡ ሱታፌ ቅዱስ ቁርባን ዘይንበረሉ፡ ብጽሞናን ጸሎትን ኣስተንትኖን እቲ ደቀ መዝሙርት ድሕሪ ሞት ክርስቶስ ዝተመከርዎ ስንባደን ፍርሕን ዝተሰምዖም ጥፉእነትን ናትካ ገርካ ብምንባር ንኢየሱስ ሃረር እትብለሉን እትጽበየሉን መዓልቲ እዩ።

ምሸት እቲ ዳርጋ ፋሲካ ትንሳኤ ተገይሩ ዝሕሰብ ናይ ዋዜማ ሊጡርጊያ ኣብ ቀዳም ዝጅምር ይኸውን፡ ናይ ቅልውላው መዓልቲ እውን ተባሂሉ ይግለጽ፡ ስለምንታይ ኣርባዕቲኦም ወንጌላውያን ብዛዕባ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝብልዎ ነገር ስለ ዘልየለ፡ ድሕሪ ተቀብረ ክሳብ ተንስኣ እሙታን ዘሎ ኩነት ክትሓስብን ክትግምትን ጥራሕ ኢኻ እትኽእል። ሰብነት ኢየሱስ ኣብ መቓብር፡ ዕለቱ ብሃይማኖት ኣይሁድ መዓልቲ ዕረፍቲ ብምዃኑ፡ ደቀ መዛሙር ተዓጽዮም እንታይ ኰን ክኽሰት እዩ ቢሎም ይጽበዩ።

ናይ ጽሞና ግዜ ኣይነበረ

ፒዮስ መበል 12 ቀዳም ናይ ጽሞናን ኣስተንትኖን መዓልቲ ክኸውን ዝብል ንብዙሕ እዋን ተረሲዑ ዝነበረ ክርስቲያናዊ ልምዲ ዳግም ኣብ ሊጡርጊያ ስርዓተ ላቲን የተኣታትዉ፡ በዚ ኣገባብ’ዚ ሊጡርጊያዊ ሕዳሴ ከምዝገበሩ ናይ ሊጡርጊያ ሕዳሴ ታርኽ የመላኽት፡ እዚ ኸኣ ኣብ ናይ ክርስቶስ ሞት ነፍሲ ወከፍ ክርስቲያን ካልእ እውን እንተዀነ ዘለዓለማዊ ሕይወት ኣብ ክርስቶስ ኣናሓሰበ ናይ ገዛእ ርእሱ ሞት ንኸስተንትንን ዘተባብዕ እዩ፡ መሲሕ ሞይቱን ተቐቢሩን እዩ፡ ስለዚህ ከኣ እምነት ዝፍተነላ መዓልቲ ትኸውን፡ ብምጽባይን ሃረር ብምባልን ዝንበረላ ዕለት። ዓርቢ ናይ መስቀል ቲዮሎጊያ ሎሚ ቀዳም ከኣ ናይ ሰቂለ ሕልና ቲዮሎጊያ ይንበር።

ናብ ሲኦል ወረደ

ኣብ ጥንቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ቀዳም ኢየሱስ ናብ ሲዖል ዝወረደላ መዓልቲ ተባሂሉ እውን ይግለጽ፡ ሰብ ብምልኣት ንምድሓንን ምስኡ ናብ ሰማየ ሰማይ ከሰጋግሮ ናብቲ ኣዚዩ ጥልቂ ዝዀነ ናብ ናይ ሞት መግስቲ ይወርድ፡ ኣብ ሲዖል ምስቲ ንዅሉ ሰብ ዝውክል ኣዳም ይራኸብ፡ ንኸበራብሮን ከኸተንስኦን፡ ዘይግብኦ ዘይብል ንዅሉ ዝተጸገወ ትንሳኤ የበስሮ፡ ኣብ መንጐ መቓብርን መንግስቲ ኣምላኽን ድልድል የቕውም፡ ኢየሱስ እቲ ዘተኣማምንን ፍቱን ዝዀነ ኣጽዋር መስቀል ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ሞት ብሞት ጥራሕ ከምዝሰዓር የበስር።

ሰዓታት እኖ (ቅድስቲ ድንግል ማርያም)/ እመ ጽሙረ
ካብ 30 ዓመታት ንነጀው ቅዱስ ቀዳም ወይ ቀዳም ስዑር ብናይ ቢዛንታይን ባህሊ መሰረት፡ ሰዓታት እመ ኣምላኽ ዝበዓለሉ ዕለት እዩ፡ ናይ ማርያም ተክለ ሰብነት ዝስትንተነሉን ብወዳ ሞት ምኽንያት ዝስምዓን እትነብሮን መሪር ስቓይን ተስፋ ኣብ ትንሳኤኡን፡ ቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ እመ ሕማማት ዝብል መጸውዕ ክህባ በዚ ምኽንያት’ዚ እዩ፡ ኣብ ትሕቲ መስቀል ብወዳ ሞት ንበይና ዝተረፈትን ወዳ ኢየሱስ ትንፋሱ ቅድሚ ምሕላፋ ንዮሓንስ እነሄት ኣዴኻ እነሆ ወድኺ እንክብል ንሓድ ሕዶም ብሕድሪ የዋሃህቦም፡ እዚ ኸኣ ማርያን ዝተቐበለቶ ናይ ኣደነት ተልእዀ ደረት ኣልቦ ምዃኑ የረጋግጽ። ብዘይ ደቂ ክትተርፍ ዘይከኣል እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ካብቲ ስቓይን እምነትን ማርያም ትውለድ፡ ምስኣ ኣብ ትሕቲ ናይ ኢየሱስ መስቀል ብተስፋ ትዅላዕ፡ ካብ 1987 ዓ.ም. ዓመተ ማርያም ካብ ዝተበዓለሉ ዕለተ ኣትሒዙ ቀዳም ስዑር ኣብ ሮማ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓባይ ብሰበኻ ደረጃ ይበዓል፡ ቀዳም ምስ ማርያም።

ቅዱስ ቀዳም (ቀዳም ስዑር)፥ ማርያማዊ ግዜ
20 April 2019, 15:59