ድለ

2019.04.13 መዓርገ ዲቚና ኣብ ኣሥመራ 2019.04.13 መዓርገ ዲቚና ኣብ ኣሥመራ 

መዓርገ ዲቁና ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ኣሥመራ ኤርትራ!

ብዕለት 7 ሚያዝያ 2019 መንእስይ ኣማኑኤል ገብረትንሳኤ ጳውሎስ ካብ ገዳም ዓቢ ዘርኣ ክህነት፣ ብዙሓት ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ተምሃርቲ ዘርኣ ክህነትን ፈተውትን ወለደን ኣብ ዝተረኽቡሉ፣ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ኪዳነ ምሕረት ብኢድ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣቡነ መንግሥትኣብ ተስፋማርያም መዓርገ ዲቁና ተቀቢሉ።

ኣብቲ ብዕለቱ ዝዓረገ መስዋዕቲ ቅዳሴ፣ ድሕሪ ንባብ ወንጌል፣ ብፁዕ ሊቀጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ስብከት። “ፍቑራን ሕዝበ እግዚኣብሔር ብጾምን ብጸሎትን ብምጽዋትን ናብ ፋሲካ እናቀረብና ንኸይድ ኣሎና። ክሳብ ኣብዚ ዘብጽሓና እግዚኣብሔር ይመስገን፣ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ከኣ ከሰንየናን እምነትና እናገለጽና ጉዕዝና እንቅጽለሉ ሓይሉ ይሃበና። ናብ ብርሃነ ስትንሳኤኡ ብድሓነ ሰሊም የብጽሓና። እዛ ሰንበት እዚኣ ዘገብረሔር ትብሃል። ትርጉሙ ድማ ሕያዋይ ኣገልጋሊ ማለት እዩ። መበገሲኡ ድማ ካብዚ ሕጂ ዝተነበ ወንጌል ማቴዎስ እዩ። እቶም ሰለስተ ኣገልገልቲ በብጽሒቶም ምስ ወሰዱ፣ እቶም ክልተ እሙናት ኮይኖም ተመስጊኖም። እቲ ጎይትኦም ንነፍሲ ወከፍም “ኣታ ሕያዋይ እሙን ኣገልጋሊ ኣብ ሒደት እሙን ኮይንካ ኢኻሞ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ’’ እናበለ ዘጸናንዕ ቃላት የስምዖም።

ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ህያብ ጎይትኦም ተቀቢሎም ስለ ዝረብሑሉን ዝተጠቅሙለሉ ተመስጊኖም። ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍና ክፈጥረና እንከሎ ዝተፈላለየ ጸጋታት ወይ ዉህበታት ይህበና እዩ። ብናኣሽቱና መንፈጠረና ክንምሃር እንከሎና፣ ኣምላኽ ክንፈትዎን ክንፈልጦን ንሱ ዝኣዘዘና ስራሕ ክንፍጽምን ፈጢሩና ዝብል ተማሂርና። ስለዚ ንሱ እንተዘይሓጊዙና እዚ ማለት ጸጋኡ እንተዘይሂቡና ክንፈልጦን ክንፈትዎን ክንእዘዞን ኣይንኽእልን ኢና። ግድን ብህያባቱ ክሕግዘና ኣለዎ። ነቲ ኣብ ወንጌል ዝርኣናዮ ብዓል ሓደ መኽሊት ነፋግ ኮይኑ ሰለ ዘይረብሓሉ ወይ ስለ ዘይተጠቅመሉ፣ ጎይታኡ “ኣታ ክፉእ ሃካይ” ይብሎ። ነቶም ክልተ ቀዳሞት ግና እሙናትን ሕያዎትን ይብሎም። ንሕናውን ብዘሕ ግዛ ነፋጋትን ሃካያትን ኢና። ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ጸጋ ኣይንሰርሓሉን ኢና ዘሎና። ንርእስና ጥራይ ንሓስብ፣ ንርእሰይ ጥራይ ይጥዓመኒ ንብል። ኩልና ከምኡ ኢና፣ እዚ ግና ኣብ ጸገም እዩ ዘእትወና። ኣነ መን እየ፣ ካበይከ መጺአ፣ እዚ ዘሎኒ ጥዕና፣ ንብረት፣ ሃብቲ፣ ዕድመ፣ ዘፍቅሩ ቤተ ሰብ፣ ውለድ መን ሂቡኒ ኢልና ክንሓስብ ይግብኣና። እዚ ኩሉ ኣምላኽ እዩ ሂቡና። ንሱ ኩሉ ግዜ ለጋስ እዩ። ንሕና ደቂ እቲ ለጋስ ኣቦ ስለ ዝኾንና ድማ ንዕኡ ክንመስል ይግብእና። “ኦጎይታ ዝሃብካና ጸጋ ከንቱ ከይከውን ክንረብሓሉ ናይ ትብዓትን ለጋስነትን ጸጋ ሃበና” ንበሎ።

እዚ ሎሚ ዲቁና ዝቅበል ዘሎ ወድና ኣማኑኤል መኽሊት ተቀቢሉ እዩ። ነታ ሓንቲ እኳ ድሮ ተጠቁሙላ ኣሎ። ኣምላኽ ጸዋዕታ ምስ ሃቦ፣ ሕራይ ጎይታይ ኢሉ ክሳብ ሎሚ ብጽቡቅ ተጓዒዙ፣ ኣብዚ መዓርግ በጺሑ። ንኣምላኽ ከነመስግኖ ይግባእ። ኣምላኽ ንሕዝቡ ብዘይ ጓሶት ኣይገድፎምን እዩ። ብልቢ ነመስግኖ። ንስኻ ድማ መኽሊት ተቀቢልካ ኢኻ። ክንድቲ ዝሃበካ ተጊህካ ከተገልግሎን ክትቅደሰሉን ኢሉ እዩ ሂቡካ እሞ፣ እቲ ዝሃበካ ከምዘይገድፈካ ፈሊጥካ “ጎይታ ብልግስነትካ መኽሊት ሂብካኒ ኢኻሞ ለጋስን፣ ትሑትን፣ እሙንን ኣገልጋሊኻ ግበረኒ” እናበልካ ተንበርኪኽካ ክትጽሊ እንተኺኢልካ ብሓቂ ነቲ መኽሊትካ ብግቡእ ክትረብሓሉ ኢኻ።

ክቡራት ሕዝበ እግዚኣብሔር፣ ዲያቆን ማለት ቃል ብቃሉ ካብ ግሪኽ ዝመጸ ኮይኑ፣ ኣገልግሎት ማለት እዩ። እንታይ እዩኸ እቲ ኣገልግሎቱ፣ ብፍላይ ነቶም ድኻታት፣ ሕሙማት፣ ሽማግለታት፣ ነቶም ሰብ ዘይብሎምን ሰብ ዘይርእዮምን ዘይፈልጦምን ድምጺ ኮይንካ ክትልኣኾም እንከሎኻ እዩ። ፣ ንካህናትን ንጳጳሳትን ኣብዚ ዝተረስዔ ሰብ ኣሎ፣ ኣብ ሆስፒታል ሕሙም ኣሎ፣ ኣብ ገዝኡ ዝደቀሰ ኣሎ፣ ድራር ዕለት ዝስኣነ ሰብ ኣሎ እናበልካ ከተገልግል እንከሎኻ እዚ እዩ ዲቁና ማለት። ክሳብ ዕለት ክህነትካ ትበጽሕ ትጉህ ኣገልጋሊ ካህናት ክትከውን፣ ነቶም ድምጺ ዘይብሎም ድምጺ ክትኮኖም ተጸዊዕካ ኣሎኻ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ግብሪ ዲቁና፣ ማለት መስዋዕቲ ቅዳሴ፣ ብመንፈሳውነትን ብትግሃትን ከተገልግል፣ ንባባት ቃል እግዚኣብሔር ኣቐዲምካ ከተንብብ፣ ክትዳሎ፣ ንሕዝቢ እግዚኣብሔር ከተንብበሎም፣ ቃል ኣምላኽ ከተስምዕ፣ ስጋን ደምን ክዕደል እንከሎ ንካህናት ክትሕግዝ፣ እዚ እዩ ዲቁና ማለት እሞ እቲ ሕያዋይ ጓሳ መድኃኒና ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከምቲ ኣብ ወንጌል ነቶም እሙናት “ሕያዎት ኣገልገልቲ” ዝበሎም ንዓኻ ድማ ሕያዋይን እሙንን ኮይንካ ኢኻ እሞ ናብ ደስታ ጎይታኻ እቶ ክብለካ እዩ፣ እምብኣር ፍቁር ወድና፣ “ናብ ክህነት በጺሕካ ብዝዓበየ ከተገልግለኒ ኢኻ እሞ ነዚ ዲቁናኻ ከም ዓቢ ጸጋ ተቀበሎ” እናበለ ዝምዕደካ ዘሎ እግዚኣብሔር፣ ባዕሉ ኢዱ የንብረልካ፣ ኣብዚ ናይ ዲቁናኻ ከኣ ወትሩ ብጸጋኡ ይደግፍካ። እታ ኣደ ኣገልገልቲ ዝኾነት ኪዳነ ምሕረት ከኣ ወትሩ ምሳኻ ትኹን ኣናበልና ንምርቐካን ኣብ ጸሎትና ከኣ ንዝክረካን ኣሎና።

13 April 2019, 19:35