ድለ

2019.04.8 ደብረ መድኀኔ ዓለም ገጅረት 2019.04.8 ደብረ መድኀኔ ዓለም ገጅረት  

ብምኽንያት ጾመ ኣርብዓ ኹሎም መንእሰያት ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ሱባኤ ኣካይዶም!

ብምኽንያት ጾመ ኣርብዓ ኹሎም መንእሰያት ርእሰ ኤጳርቅና ኣሥመራ ኣብ ደብረ መድኀኔ ዓለም ገጅረት ብዕለት 23 መጋቢት 2019 ዓመታዊ ሱባኤ ኣካይዶም፣ እቲ ሱባኤ ብጸሎት መቁጸርያን ብኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽን ኣምልኾን እዩ ጀሚሩ፣

ብድሕሪ እዚ ክቡር ኣባ ቶማስ ነጋሽ ቆሞስ ደብረ በአታ ለማርያም፣ ንመንእሰያት ኣብ ዚሃብዎ ቃል ስብከት፣ “ነዚ ከምዚ ዝበለ ግዜ ዚሃበና እግዚኣብሔር ከነመስግኖ ይግባእ። ሎሚ ብዛዕባ ጾም ኣርብዓ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ከነስተንትን ኢና። ከምቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ 17 ዚረኣናዮ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዮውሓንስን ያዕቆብን ጴጥሮስን ሒዝዎን ናብ እምባ ምስ ደየበ፣ ትርኢቱ ተለዊጠ ኣጸባረቀ። እዚ ኣብ’ዚ ጾም ኣርብዓ ዚህበና መልእኽቲ ኣለዎ። ቅድሚ’ዚ ኣብ ምዕራፍ 16 “ክስዕበኒ ዚደሊ ነፍሱ ይመንን መስቀሉ ኣልዒሉ ድማ ይስዓበኒ” ይብሎም። ሓደ ግዜ እውን “ኣብ’ዚ ምድሪ እዚ ብኣይን ብቃለይን ዚሓፈረ፣ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ክሓፍር እዩ” ኢሉ ምሂርዎም እዩ። ንክርስቶስ ምስዓብ ማለት ገዚእ ርእስኻ ምኽሓድን ብኣምላኽን ብቃሉን ዘይምሕፋርን እዩ። ከምኡ እውን ንኣምላኽ ዘየኽብር ነገር ካባኻ ምእላይ፣ ንስጋን ዓለምን ምኽሓድ፣ ሕይወትካ ንኢየሱስ ምውፋይ፣ ዘሎካ ኩሉ ምምናን እዩ።
ጾም ማለት ንጽጉማት ምሕጋዝን ገዛእ ርእስኻ ኪሒድካ ንኢየሱስ ምስዓብን እዩ። ውሽጣዊ ቅሳነት ብስጋ ምሕጓስ ዘይኮነስ ካብ ገዛእ ርእስኻ ብምውጻእን ናይ ዓለምን ናይ ስጋን ነገራት ብምኽሓድን እዩ ዚርከብ። ኢየሱስ ብኣይን ብቃለይን ዘይምሕፋር እዩ ዘዐውተኩም ኢሉና እዩ። ነቶም ሰለስተ ሓዋርያት ኣብ እምባ ሒዝዎም ከይዱ ምስ ተለወጠ፣ እዚ እዩ እቲ ዚጽበየኩም ዘሎ በረኸት ወይ ጸጋ ኢሉ ኣርእይዎም ክንብል ንኽእል።

ነዚ መደብ እዚ ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ምኽንያቱ እቲ ትርኢቱ ኣዝዩ ዘንጸባርቅን ደስ ዘብልን እዩ ነይሩ። ጴጥሮስ እውን ተመሲጡ፣ ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቅ እዩ፣ ክሳብ ዝብል ኮይኑ። ኣብቲ ትርኢት ሙሴን ኤልያስን ምስኡ ነይሮም። ሙሴን ኤልያስን ኩሉ ገድሊ ናይ ሰብ ዘሕለፉ እዮም። ሰለስቲኦም ድማ ነናይ ኣርብዓ መዓልቲ ጾም ኣካይዶም እዮም። ኢየሱስ 40 ለይትን መዓልትን ኣብ በረኻ ጸይሙ፣ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ናይ 40 መዓልትን ለይትን ጸይሙ። ኤልያስ ካብ ንግስቲ ኤልዛቤል ክሃድም እንከሎ ከይበልዕ ኣርብዓ መዓልትን ለይትን ከይደኸመ ተጓዕዘ። ብድሕሪ እዚ መንፈስ እግዚኣብሔር ምስ ተገልጸሉ ይምለስ። ኢየሱስ እውን ኣብ ምድረበዳ ምስ ጾመ መንፈስ ኣምላኽ መሊኡ ይምለስ። ሙሴ እውን ኣብ ሲና ድሕሪ ናይ 40 መዓልቲ ጾመ፣ ቃል ኣምላኽ ተቀቢሉ ይምለስ። ኣብዚ ናይ ሰለስቲኦም ሕይወት እንተርኢናዮ ጾም ኣገዳሲ ሙዃኑ የረድኣና።

ከምቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን እንርእዮ፣ ጾም ካብ መግቢ ምሕራም እዩ። ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ካብቲ ኦም ኣይትብልዑ ኢልዎም። እዚ ሓደ ዓይነት ጾም እዩ ነይሩ። ካብቲ ጥዐም ወይ ምቁር ከልኪልዎም። እዚ እንታይ የረድኣና ጾም ካብቲ ስጋዊ ደስታን ጣዕምን ምርሓቅ ሙዃኑ እዩ። ኣምላኽ ንምንታይ ንኣዳምን ሔዋንን ከልኪልዎም ማንም ዝፈልጥ የሎን፣ ባዕሉ ጥራይ እዩ ዝፈልጣ። ይኹን እምበር ኩሉ ኣምላኽ ዝገብሮ ንሰናይና ሙዃኑ ንፈልጥ ኢና።

ጾም ንነፍሲ ኣብ ልዕሊ ስጋ ስልጣን ምሃብ እዩ፣ ከምኡ እውን ንስኻ ዘሎካ ጸጋ ዘኪርካን ኣስተውዒልካና ንጭኑቅን ስኡንን ምዝካርን ምሕጋዝን እዩ፣ እዚ ምስ ገበርካ ድማ ኢየሱስ ኣብ ሕይወትካ ብዝያዳ ክነግስ ይሕግዘካ። ኣብ ግብረ ሓዋርያት ምዕራፍ 13 ሓዋርያት ክጾሙን ክጽልዩን እንከለው መንፈስ ቅዱስ “ነቲ ኣነ ዝመረጽክዎም ኣገልግሎት ንባርናባስን ሳውልን ፍለዩለይ” ኢልዎም። ኣብዚ እንታይ ንርዳእ ብጾም ንስጋና ምስተቆጻጸርናያ ኣምላኽ ክዛረበና እንከሎ ክንሰምዖ ንኽእል። ብዝኾነ መንገዲ ካብ ኣምላኽ መልእኽቲ ክትቅበል ትኽእል ማለት እዩ። እዚ ንምግባር ግን ብልማድ ዘይኮነስ ብርድኢትን ብእምነትን ክንጽልን ክንጸውምን ይግብኣና። ንኤልያስን ሙሴን ድሕሪ ጾም ክግለጸሎምን መሪሕነት ክህቦምን ንርኢ። ኣብ ጽምዋ በረኻ፣ ኣብ ምድረ በዳ፣ እዮም ጸይሞም። ኣብ ጫውጫውታን ኣምልኾ ጣኦት ኣብ ዘለዎን ኮይንካ ድምጺ ኣምላኽ ክትሰምዕን ከተምልኽን ኣይትኽእልን ኢኻ። ካብ ኩሉ ወጺእካ፣ ተፈሊኻ ኢኻ ድምጹ ክትሰምዕን ክትጽልን ትኽእል። ቅደስ ጳውሎስ እውን ባዕሉ ከምዝምስክሮ ምስ ተጸውዓ፣ ኣብ ምድረ በዳ ዓረብ ንሰለስተ ዓመት እዩ ጸኒሑ፣ ኣብኡ መንፈስ ቅዱስ ምስ ምሃሮ ድማ ከገልግል ጀሚሩ። ኣብ በረኻ፣ ኣብ ጽምዋ ምኻድ፣ ምሉእ ብምሉእ ገጽ ኣምላኽ ምድላይ እዩ፣ ትውክልትኻ ኩሉ ኣብ ጎይታ ምግባር እዩ። ኣብቲ ማንም ክረድኣካ ዘይክእል ምድረበዳ ኣምላኽ ኣሎ።

ኣርብዓ መለኮታዊ ዝኾነ ትርጉም ኣለዎ ኣብ ቅደስ መጽሓፍ። ብዘሕ ነገር ኣሎ ን40 ዝምልከት። 40 ናይ ምልኣት ቁጽሪ እዩ። ንኣብነት እንተ ደሊና

1- ኣርብዓ ለይትን መዓልትን ማይ ኣይሂ ዘኒቡ ንዓለም ኣጽርይዋ፣ ነቲ ሕማቅ ዘበለ ኣልይዎ።
2- ደቂ እስራኤል 40 ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ተጓዒዞም። ኣብኡ ድማ ኣጽርይዎም። እዚ ምስቲ ናይ ክርስትና ምድራዊ ሕይወትና ዝተሓሓዝ እዩ። ንሕና ድማ ኣብ ጉዕዞ ኣሎና።
3- ከምቲ ኣብ ላዕሊ ኣቀዲምና ዝርኣናዮ ሙሴ፣ ኤልያስ፣ መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ን 40 መዓልትን ለይትን ይጾሙ።

ዝኸበርኩም መንእሰያት እምበኣርከስ ጾምና ከምቲ ቅደስ ጳውሎስ ኣብ ኤፈሶን 4. 20-23 “----ነቲ ቀደም ትነብሩሉ ዝነበርኩም ብኽፉእ ትምኒት ዝተበላሽወ ኣረጊት ሰብነትኩም ቀንጥጡ፣ በተሓሳስስባኹም እውን ተሓደሱ። ነቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሔር፣ ብጽድቅን ብቅድስናን ዝተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ከኣ ልበስዎ” ዝብለና፣ ብሓቂ ኣብዚ ከብጽሓና ኣለዎ። ካብ መንፈስ ቁልዕነት ንውጻእ፣ ንዓለም ከይመሰልና ብቅድስና ንመላለስ፣ ነዚ ተዋሂቡና ዘሎ ግዜ ኣብ ረብሓና ነውዕሎ” ብምባል ስብከቶም ዚዘሙ።

ብድሕሪ እዚ ኣብ ቅድሚ ቅደስ ቁርባን ስግደትን ጸሎት ኣምልኾን ምስ ተገብረ ድማ ክቡር ኣባ ዓንደማርያም ኣብርሀ ንመንእሰያት ካልኣይቲ ትምህርቲ ሂቦም፣ ኣባቴ ኣብ ትምህርቶም “ኣብ ዘመነ ጾም ኢና ዘሎና፣ ንሕና ሎሚ ብፍላይ መንእሰያት ክሳብ ክንደይ ኢና ትርጉም ጾም ንኣምንን ንርዳእን፣ ፍረ ዘለዎ ጉዕዞ ምእንቲ ክንጉዓዝ ሕጂ ምስ ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍን ትምህርቲ ቤተክርስትያንን ኣዛሚድና ትርጉም ጾም ክንርድኦ ክንፍትን ኢና። ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትና ጾም ሓደ መጋበሪ ናይ ጣዕሳን ናይ ምምላስን ምልክት እውን እዩ። ከምኡ እውን ከምዝሓጣእና ክንእመንን ካብ ሓጢኣት ክንርሕቅን ዝገብር ሓይሊ እዩ። ምኽንያቱ ሓጢኣት ምጉዳል ማለት እዩ። ኩልና ከምንፈልጦ ብብዘሕ መንገዱ ንሓጥእ ኢና። ጾም ንዓና ነታ ጸባብ መንገዲ መሪጽና ንጉዓዘሉ ሂወት እዩ። መንገዲ ድሕነት እዩ። ኣብ ኤር 18
ኣምላኽ “ተመለሱ ጎዲልኩም ኣሎኹም ኣይተሕዝኑኒ ይብሎም” ስለዚ ጾም ካብ ውድቀትና ኣተንሲኡ ጉድለትና ዝምልእ እዩ። ስለዚ ጾም ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ንምለሰሉ መንገዲ እዩ። ጾም ተግባር ንስሓ ንፍጽመሉ ክኸውን ኣለዎ። ቤተክርስትያን ካብ ስጋን ውጽኢት ስጋን ተሓረሙ ትብለና። ብሕጊ ቤተክርስትያን ሓደ ሰብ ካብ 14 ዓመት ንላዕሊ ክጸውም ኣለዎ። ኣብ ትሕቲ ጉስነት ስድራቤቱን ቤተክርስትያንን ኮይኑ ይጅምሮ ማለት እዩ። ሮቡዕን ዓርብን እውን ጾመ ድሕነት እየን። ረቡዕ ጉባኤ ተኻየደ፣ ከመይ ጌርና ንቅተሎ ኢሎም ዘትዮም። ዓርቢ ድማ ስሌና ኣብ መስቀል ሞይቱ።

ጾም ስቃይን ሞትን ናይ ክርስቶስ እናዘከርና ናብ ትንሳኤ ንምብጻሕ እዩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ትርጉም ናይ ጾም ካብ ስጋን ካብ ጠስምን ጸባን ምሕራም ሓጺርናዮ ኣሎና። ኣብ ትንቢት ኢሳያስ 58 ዘሎ ትርጉም ጾም እዩ ዝያዳ ዘግድሰናን ዝምልከተናን። ኣብ ግዜ ጾም ኣርብዓ ግድን ናይ ፍቅሪ ስራሕን ናይ ምሕረት ስራሕን ክንገብር ኣሎና። ካብቲ ንስጋን ንመስተን ካልእን እነጥፋኦ ዝነበርና ገንዘብ ኣኻኺብና ንጽጉማትን ስኡናትን ንሃቦም። ንገዛእ ርእስና ኣይንጠቀመሉ፣ እንተዘይኮነ ካብ ጸጋማይ ጁባና ናብ የማናይ ጁባና ኢና ነሳግሮ ዘሎና ማለት እዩ። ሰለዚ ነእሙሮና ነስፍሓዮ።

ሓደ ግዜ ሸፋቱ ከብቲ ዘሚቶም ክኸዱ እንከለዉ ኣብ መንገዲ ሮቡዕን ዓርብን ጾም እዩ ኢሎም ጸባ ናይተን ዝዘመትወን ከብቲ ምስታይ ኣብዮም ይብሃል። እዚ እንታይ ይብሃል፣ ጾምና ብልማድ ዘይኮነ ብርድኢት ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ኢሳ 58 ዝብለና ንስምዓዮ “ኣብ ግዜ ጾምኩም ተግባርትኩም ኢኹም ትገብሩ” ክብለና እንከሎ ሓቁ እዩ። ካብ ጥልላት ጥራይ ዘይኮነ ካብ መስተን ሓጢኣትን ክፉእ ልማዳትን ንርሓቅ። ስጋ በሊዕካ ኣይትሰክርን ኢኻ፣ መስተ ሰቲኻ ግና ትሰክር እሞ ዘይግበር ትገብር፣ ዘይብሃል ትብል። ስለዚ ብርድኢት ንጹም። ካብ ልማዳዊ ስርዓት ንውጻእ።

ሎሚ ገሊኣቶም ኣብ ግዜ ጾም ሓደ ሓደ ጽቡቅ ነገራት ምግባር ጀሚሮም ኣለው፣ ንኣብነት ካብ ፊልም ንርሓቅ፣ ቀልጢፍካ ገዛኻ ምእታው፣ ገለ ወልፍታታ ምግዳፍ ወዘተ የዘውትሩ ኣለው። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንቸስኮ፣ ንኹልና ሓንቲ ለበዋ ሂቦሙና ኣለው። ንሳ ድማ “ንቃል ኣምላኽ ክንደይ ግዜ ትህብዎ” ትብል እያ። ኣነስ ኣብ መዓልቲ ቃል ኣምላኽ ከየንበብኩ ክውዕል የብለይን ኢልና ንወስን። ንኣብነት ኣብ ግዜ ቅዳሴ ወይ ኣኼባ ምስ ጸናሕና ክንደይ ሚስ ኮል ከምዘሎና ክንፈልጥ ብዘሕ ኢና ንህወኽ። ወይ ድማ ሞባይልና ኣብ ገዛ ረሲዕናያ እንተ ወጻእና ከንደይ ኢና ተመሊስና ከነምጽኣ ንህወኽ፣ በዚ መልክዕ እዚ ድማ ክንደይ ኢና ንቃል ኣምላኽ ከየንበብኩ ውዒለ ኢልና ንህወኽን ንሽገርን። ከምቲ ንኻልእ ነገራት ንግደሰሎም ንቃል ኣምልኽ ድማ ዝያዳ ኩሉ ንገደሰሉ።

ጾም ንነብያት ሓዲስ ምውላድ ይፈጥረሎም ነይሩ። ዮውሓንስ መጥመቅ ብዛዕባ መሲሕ ክምህር ክንደይ ግዜ ኣብ በረኻ ወጺኡ ጸይሙ። ሙሴ እውን ኣርብዓ ለይትን መዓልትን ጸይሙ። ኩሉ ግዜ ንሓዲስ ተልእኮ ክኸዱ እንከለዉ ብጾም ይኸዱ ነይሮም። ጾም ማለት ንዓና ምሕዳስ ማለት እዩ። ነቲ ብርሃን ዝኾነ ክርስቶስ ምቅባል ማለት እዩ። ጾም ፍትሕን ጥበብን ከምንገብር ይገብረና። ጥምየት እሞ ነስተማቅራ፣ ናይ ዓርቢ ስቅለት ጥምየት ከባድ እያ፣ እታ ጥምየት ንዘክራ፣ ስለዚ ጥምየት ፍትሕን ጥበብን ከነዘውትር ምኽንያት ይኾነና። ንጥሙያት ክንዝክር ዝገብረና ጾም እዩ፣ ሰለዚ ጽኑዕ ሓለዋ ናይ ነፍሲ ስለ ዝኾነ
ነዘውትሮ። ዘይትጸውም ነፍሲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክትቀውም ኣይትኽእልን እያ። ኩሎም ቅዱሳን ኣቦታትና ንርኣዮም ብጾም እዮም ንእዚኣብሔር ዝረኽብዎን ዘስተማቅርዎን ነይሮም። ንኹሉ ጸገማትና፣ ሓጢኣትና፣ ክንስዕሮ ወይ ክንሰብሮ እንተ ደሊና ከምኡ እውን ንመንፈሳዊ ሓይልና ከነበርትዖን ከነሓድሶን እንተደሊና ጾም ነዘውትር።

ቀዳሞት ኣቦታትና መነኮሳት ጸወምቲ ነይሮም፣ ምእንቲ ከይድቅሱ ኣብ ዓራውቶም እሾኽ ይገብሩ ነይሮም። ሰብነቶም ይገርፉ ነይሮም። ካብ ብዙሕ ይሕረሙ ነይሮም። እዙ ኩሉ ገጽ ኣምላኽ ንምርኣይ እዩ። ሎሚ ድማ ንሕና ትርጉም ጾም ንረዳእ፣ ካብ ልማዳውን ባህላውን ንውጻእ፣ ፈጸምቲ ስርዓት ጥራይ ኣይንኹን፣ ለውጢ ወይ ዕብየት ነርኢ። ዕላማን ትርጉምን ናይ ጾም ንረዳእ። ዓሚቚ ለውጢ ናይ ሕይወት ክንገብርን ንቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ተኣዚዝና ክንከይድን ኣብ ውሳኔ ንእቶ። ነዙ ንምግባር ድማ ኣምላኽ ብጸጋኡ ይርድኣና” ብምባል ስብከቶም ዛዘሙ። ብድሕሪ እዚ መስዋዕቲ ቅዳሴ ምስ ዓረገ
ድሕሪ ምሳሕ ነናብ ቦትኦም ተመሊሶም።

Photogallery

ስእሊ መዘምራን
08 April 2019, 18:05