ድለ

2019.04.17 ጸሎተ ኃሙስ 2019.04.17 ጸሎተ ኃሙስ  

ጸሎተ ሓሙስ ሚያዝያ 15 2011 ዓ.ም.(4/25/2019)

ስብከት፡ ወሠራዕከ ማእደ በቅድሜየ በአንጻሪሆሙ ለእለ ይሳቅዩኒ፥ ወአጽሓድከ በቅብእ ርእስየ፥ “እንጻር እቶም ዝሳቕዩኒ አብ ቅድመይ መአዲ ሰራዕካለይ፥ ንርእሰይ ብቅብኢ አለስለስካዮ” መዝ.23፡5
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ንባባት፡ 1ቆሮንጦስ 11፡23-26፤ 1ጴጥሮ 2፡12-25፥ ግ.ሓ.27፡8-23፥ ሉቃ 22፡1-30

ጸሎተ ኃሙስ ሓሙስ ጽግቦ ኢልና እንጽውዖ አብ ድሕነትና ዓቢ ምዕራፍ ዝሓዘ እዩ። በዚ መዓልቲ ክርስቶስ ዝለዓለ ፍቕሩ ገሊጹልና አብ መንጎና ክነብር ሥጋኡን ደሙን ከምኡ በዚ መዓልቲ ክህነት ንአገልግሎት ቤተ ክርስትያኑ ሰሪዑልና፥ ምስጢረ ንስሓ አብ ሰንበት ትንሣኤ  ሰሪዑልና። ክርስቶስ ቅድሚ ሕማማቱ ምጅማርን ድሕሪ ትንሣኤኡን ኩሉ ሂቡና በዚ ምኽንያት ነዚ ዕለታት ሕማማት ብፍሉይ ዘኪርና አብቲ ዘፍቀረና አምላኽ ክንምለስ እሞ ደቂ ትንሣኤ ኮና ክንርከብ ንሕተት አሎና።

ቀዳሞት ክርስትያን ቅዱስ ቍርባን ማእከል እምነቶም ገሮም ስለ ዝተጓዕዙ ንኹሉ ፈተናታት፥ ስደት ሞት ዝተፈላለየ ጸገማት ሰጊሮም ንክርስቶስ አብ ኩሉ አብጺሖሞ። ክርስቶስ አባይ ክነብር ክአምኖ ክምገቦ ክቕበሎ አሎኒ መንዩ ካብ ክርስቶስ ዝፈልየኒ ሞት፥ ስደት፥ ሕማም፥ እናበሎ ዝኾነ ነገር ክፈልዮም ከምዘይክእል ተረዲኦም ሓሊፎም። ናይ ሎሚ ክርስትና እንተ ረኤና አብቲ አቦታትና ዘውረሱና ሓቀኛ እምነት ስለ ዘይንጸንዕ ዘሎና ክንሳቐ ክንዋረድ ንርኢ አሎና፥ ብንጹር ክርስቶስ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ ዝሰቲ አባይ ይነብር አነ ከአ አብኡ እነብር ይብለና ስለዚ አብኡ እንተ ዘይተመለስና አብ ሕወትናን ዓለምናን ለውጥ ክመጽእ ክንጽበ የብልናን።

አብ ትምህርቲ አበው አብ ጸሎተ ሓሙስ ብዛዕባ ቅዱስ ቍርባን ቀዳሞት ክርስትያን ከመይ ገሮም ይዝክርዎ ከም ዝነበሩ ዝንገር ንረክብ። እዋኑ ብ304 ዓ.ም. እዩ፥ ቍጽሮም ውሕድ ዝበሉ ክርስትያን ብሓንሳብ  ኮይኖም አብ አቢትኒያ እትብሃል ከተማ አብ ሰሜን አፍሪቃ ብመዓልቲ ሰንበት ነቲ ብንጉሥ ዲዮለጽዩስ ተኸልኪሉ ዝነበረ ትእዛዝ ብምጥሓስ ቅዳሴ የዕርጉ ነሮም። ብአጋጣሚ ተታሒዞም አብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም። ስለምንታይ ንትእዛዝ ንጉሥ ከም ዝጠሓሱ ምስ ተሓቱ ሓደ ሽማገለ ካብአቶም ብሕጽር ዝበለ ንኹሉ እምነቶም እተጠቓልል መልሲ ከምዚ እናበለ ሂቡ ይብሃል፥ “Sine Dominco non possumus” “ብዘይ ናይ ጎይታ ነገራት ክነብር ክኾነልና አይክእልን እናበለ ምስ መለሰ 48 ብሓንሳብ ብሰማዕትነት ተቐቲሎም። ብዘይ ናይ ጎይታ ነገራት ክነብሩ አይክእሉን ነሮም እዚ ኸአ ብዘይ ቅዱስ ቍርባን ማለት እዩ።

ከመይ ገሮም እዞም ቀዳሞት ሰማዕታት ክርስትያን ናይ አቢቲነ ብዘይ ቅዱስ ቍርባን ክነብሩ ከም ዘይክእል ክርድኦም፥ ናይ ቅዱስ ቍርባን ነገራት ግዳማዊ ዘይኮነ አብ ውሽጣዊ ግብኦም ቀንዲ ነገር ከምዝኾነ ክርድኦም ክኢሉ። ብዝቐለል ክንምልሶ ከሎና ሓቀኛ ህላዌ ኢየሱስ አብ ቅ. ቍርባን ምሉእ ብምሉእ ይአምኑ ስለ ዝነበሩ ነዚ እምነት እዚ ከቐይር ዝክእል ዝኾነ ካልእ አብ ቅድሚኦም አይነበረን። አብ ቅዱስ ቍርባን ነጻነት አምልኾን ናይ አገልግሎት ሓይልን ክርእዩ ክኢሎም። አብ ቅዱስ ቍርባን ንኢየሱስ ክርእዩ ክኢሎም ስለዚ ብዘይ ብኣኡ ክነብሩ ከምዘይኮነሎም ነጊሮም። ናይ ሓደ ሓቀኛ አማናይ ሕይወት ብኸምዚ እዩ ዝግለጽ። እሞ ሎሚ አብ ቅዱስ ቍርባን ዘሎና እምነት ከመይ ዝበለ እዩ?

ክርስቶስ ቅዲም ሞቱን ድሕሪ ትንሣኤኡን ደጋጊሙ ምስጢር ቅዱስ ቍርባን ገሊጹልና እዩ። “ሥጋኡን ደሙን ክንምገብ” ከሎና አባና ሕይወት አሎ። አብ መአዲ ቅ. ቍርባን ክንቀርብ ከሎና ሓንትስ ብንጹሕ ልብን ብምሉእ እምነትን ንቕረብ እምበር ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ክፈልየና ዝኽእል ወላ ዝኾነ ኃይሊ የለን።

አብ ኦሪት ዘጽአት (12፡፡1-14) ከም ዝንበብ ፋሲካ አይሁድ አቐዲሙ ዝተገልጸ ነቲ ቅዱስ ቍርባን ዘስዕቦ መንፈሳዊ ነጻነት እዩ ዝሕብር። እስራኤላውያን አብ ምድረ ግብጺ ናይ ፖሎቲካ ባራዩ ጥራሕ ዘይኮነ መንፈሳዊ ባርነት እውን ነርዎም እዩ። አብቲ ጽሑፍ እንተ ረአናዮ ንፈርዖን ንአምላኾም ከምቲ ንሱ ዝደልዮ አብ በረኻ ንሰለስተ መዓልቲ ከይዶም ከምልኹ ፍቓድ ክህቦም ይሓትዎ ከም ዝነበሩ ንርኢ። ፈርዖን ፍቓድ ምስ ከልኤ አምላኽ አብ ጎኒ እስራኤላውያን ኮይኑ ውግእ ጀሚሩ። ካብኡ ንድሓር ፋሲካ አይሁድ ናይ እቲ አምላኽ ነጻ ዝገበሮም ዕለት ዝኽሪ ኾይኑ ክብዓል ጀሚሩ።

አብ 1ቆሮ. ዝንበብ ቅዱስ ጳውሎስ አብ መጨረሽታ ድራር ሓሙስ አብ ዝህቦ ሓበረታ ንሱ ዘምጽኦ መሰረታዊ ነጻነት ይገልጸልና። ፋሲካ አይሁድ ግዙፋዊ ነጻነት ንአምልኾ ከም ዘምጽኤ ሓሙስ ጽግቦ ኸአ መንፈሳዊ ነጻነት ንአምልኾ አምጺኡ። ቅዱስ ቁርባን ድኽመታትናን ድንቁርናን ክንርኢ ካብ ዝኽውለናን ካብ ንአይ ጥራሕ ካብ ዝብል ድኹም መንፈስ አውጺኡ አብ ምሉእ መንፈሳዊ ነጻነት ከም እንአቱ ይገብረና። ብመንፈስ አምላኽ ዝምርሑ ሰባት ናይ እቲ ዘቕርብዎ ነገራት ንአምላኽ ብቝዕ ዘይምዃኑ አጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። አብ ገለ ሃገራት ንአምላኽ ብዝለዓለ ንአምላኽ ከሓጉሱ ብማለት ክሳብ ደቆም ንመስዋዕቲ ዘዕረጉ አለዉ። እዚ ሓደ ዓይነት ባርነት እዩ። ብኻልእ መገዲ ክርኤ እንከሎ ኸአ ንመስዋዕቲ አብቲ ንስኻ እትርድኦን እትደልዮን ጥራሕ ደሪትካ ናትካ ጥራሕ ክትገብሮ አብ ዝብል መንፈስ የውድቐካ። ናይ ስምዒትናን ንአና አብ ዝጥዕመናን ጥራሕ ስለ እነተኩር ባራዩ ስምዒትናን ኮና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ዘይኮነ ከምቲ ንሕና እንደልዮ ክኸውን ንደሊ፥ እዚ ባርነት እዩ።

በዚ ምኽንያት እዩ ቅዱስ ቍርባን ሓዲስ ምዕራፍ ታሪኽ ደቂ ሰብ እዩ ዝብሃል። ሎሚ አምላኽ ሰብ ኮይኑ ባዕሉ ከመይ ገርና ከም እንጽሊ ይነግረና። ንሱ ጸሎት ጥራሕ አይኮነን ምሂሩና ንሱ ባዕሉ አብ ክንዳና ጸሎት አዕሪጉ። “እዚ ሥጋይ ምእንታኻትኩም ዝውሃብ. . . “ እናበለ ብቤተ ክርስትያኑ ብካህናቱ ገሩ ብቐጻሊ ክድገም ምዃኑ ነጊሩ። “ነዚ ክትገብሩ ከሎኹም ንዝኽረይ ግበርዎ” እናበለ ክቕጽልዎ ከምዘለዎም ነጊሩ። አብ ጸሎተ ሓሙስ ጸሎት ካብ ሰብአዊ ድኽመታትናን ነጻ ምዃኑ ገሊጹ። ወላ ብሓደ ኃጢአተኛ ካህን ዝዓርግ ቅዳሴ አብ ቅድሚ አምላኽ ተቐባልነት አልኦ። ወላ ናይ ሓደ ኃጥአተኛ ማሕበር ቅዳሴ ንናይ ዓለም ድሕነት ከቀላጥፍ ይኽእል። አብ ጸሎተ ሓሙስ ዝሃበና አምልኾ አብ ክእለትናን ግላዊ ተግባራትና ዝምስረት ዘይኮነስ አብ ድላይ አምላኽ ዝተመስረተ ክኸውን ከምዝግባእ ገሊጹልና። ሽዑ ንሕና ብዘይ ስቓይ ክነምልኽ ንኽእል። ነዚ ክንገብር ከሎና ነቲ ብቐዳሞት ክርስትያን ዝብልዎ ዝነበረ “ብዘይካ ጎይታ ከመይሉ ይኾነልና” ዝብል ክርድአና ይኽእል።

እዚ ርድኢት እዚ አብ ካልአይ ሓሳብ የምጽአና። ናይ ጎይታ ነገራት አብቲ ክነገልግሎ ዝግብአና የሰጋግረና። አብ ቅዱስ ቍርባን ንአምላኽ ዝግባእ መስዋዕቲ ጥራሕ አይኮናን እነዕርግ ናይ እቲ ዝገበርናዮ አምሳያ ንአምላኽ ኢና እንቕበል። ናይ ክርስቶስ ሥጋን ደምን ብንጽሕና ክንቅበል ከሎና አብቲ መሰረት መንነትና ዝኾነ ንጸንዕ ማለት አብ ፍቕርን አገልግሎትን ንወፍር። በዚ ምኽንያት ይመስል ክርስቶስ ብመዓልቲ ሓሙስ አእጋር አርድእቱ ክሓጽብ ዝደለ። አእጋር አርድእቱ ክሓጽብ እንከሎ ዝገለጾ እንተሎ ውሽጣዊ ምስጢር ናይ እዚ ምልውዋጥ፥ ሓድነት፥ አብ ነፍሲ ወከፍ ቅዳሴ ዘሎ ክርኢ ኢሉ እዩ። አምላኽ ባዕሉ ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ብመልክዕ ህብስትን ወይንን አብ መንጎና ሓዲሩ። አምላኽነቱ ከየጥፍኤ አብ መንጎና ሓደረ። ክርስቶስ አምላኽነቱ ከየጥፍአ ናይ ኩልና አገልጋሊ ኮይኑ። ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ኩልና ክንገብር ኸአ ንኹልና ይጽበየና።

እዚ ከቢድ ሓልፍነት እዩ። እንተኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ መጀመርያ ንርእሱ ከይገበሮ ንአና አይአዘዘናን። ንሱ ክሳብ መጨረሽታ አፍቂሩና ከምኡ ክንገብር ይደልየና። ሓደ እዋን ሓደ ጋዘጠኛ ንማዘር(አደ) ተረዛ ንሓደ ብርቱዕ ጨና ዝነበሮ ደዌ ዝሓመመ ካብ ጎደና ናይ ካልካታ ዘምጽአቶ ክትሓጽብ ምስ ረአያ አነ ምልዮን ዶላር እንተ ዝህቡኒ ነዚ እትገብርዮ አይምገበርክዎን ኢልዋ። ንሳ ኸአ አነ እውን አይምገበርክዎን ኢላቶ፥ ግን ነዚ ክገብር ዝገደደኒ አሎ ንሱ ኸአ ቅዱስ ቍርባን ኢዩ ኢላቶ። አብ ቅዱስ ቍርባን ኩሉ አርእዩና። በዚ እዩ እንተ ወሓደ ሓደ ስዓት አብ ቅድሚ ቅዱስ ቍርባን እተሕልፍ ዝነበረት። በዚ እያ ደቂ ማሕበራ ቅዳሴ ክረኽባሉ አብዘይክእላ ጨሪሻ ክትሰደን ዘይትደሊ ዝነበረት። ከምቶም ቀዳሞት ሰማዕታት ብዘይ ጉይታ አይኮነልና ዝብል ርድኢት ስለ ዝነበራ እዩ። ንክርስቶስ አብቲ ሕሙም ክትርእዮ ክኢላ። ንእምነትና ብዓይኒ ሰብ ጥራሕ እንተ ረኣናዮ ክንቅየር ይኸብደና እዩ።

ብዘይ ጎይታ ክነብር አይግብአናን ንሱ ዝአተዎ ኪዳን አይጠልምን፥ እንዕርጎ መስዋዕቲ፥ ጸግኡ ክህበና፥ ነጻነቱ ክህበና፥ ንርእሱ ክህበና ኩሉ ጊዜ ምስ ደለየ እዩ። እዚ እዩ ምስጢርን ሓጎስን ጸሎተ ሓሙስ።

በዚ ብሩኽ ዕለት ንኹሎም ብክህነት ዘገልግሉ ፍሉይ ጸጋ ክዕድሎም አብ ጸሎተይ እናዘከርኩ ንኹልና ተቐበልቲ ሥጋኡን ደሙን ኮና አብ ቅድስና ክንአቱ ባዕሉ ርእሱ ዝሃበና ክርስቶስ አብ መአዱ ይዓድመና።

አብ ሕማማትን ሞትን ክርስቶስ ተኻፊልና ምስኡ ብሓዲስ መንፈስ እንትንሥአላ ጸጋ ይዓድለና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ       

25 April 2019, 09:26