ድለ

ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ፥ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ስምምዕ ሰነድ ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ፥ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ስምምዕ ሰነድ 

ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ፥ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ስምምዕ ሰነድ

እንከሎ፡ እዚ ሰብኣዊ ሕውነት’ዚ ናይ ዓለም ሰላምን ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራን ሰነድ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መናብርተ ጥበብ ናይ ኣስተንትኖን ዓውደ መጽናዕትን ዝክረ ነገር ኰይኑ ከምዘሎ

ሮማ ኣብ ዝርከብ ደጋዊ ግዝኣት ሃገረ ቫቲካን ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ ናይ ውስጠ ሃይማኖታት መጽናዕቲ ማእከልን ናይ ስነ ዓረብን ስነ ምስልምና ሃይማኖት መጽናዕት ማእከልን ብምትሕብባር ዘሰናደውዎ ዕለት 4 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኢሚራት ሃገራት ዓረብ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ምስ ናይ ምስሪ ናይ ኣል ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ዒማም ኣሕማድ ኣል ጣይብ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ዝፈረምዎ ናይ ሓባር ናይ ስምምዕ ናይ ውሳኔ ሰነድ ዘማእከለ ነቲ ሰነድ ብዑምቀት ንምጽናዕ ብዝብል ሓሳብ ዓውደ መጽናዕቲ ከምእተኻደ ልኡኽ ጋዜጠይና ኤውጀኒዮ ሙራሊ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ከተማ ቫቲካን

እምነት ንኣማኒ ነቲ ካብኡ ዝተፈልየ ካልእነት ክድግፎ ዝግብኦ ሓውን ዝፍቀርን ምዃኑ ከስተውዕል የብቅዕ፥ እዚ እቲ ቅዱስ ኣቦናን ዶክተር ኣል ጣይብ ብሓባር ዘውጽእዎን ብኽታሞም ወግዓዊ ዝገበርዎ ሰነድ ናይ መበገዚ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ሰብኣዊ ሕውነት’ዚ ናይ ዓለም ሰላምን ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራን ሰነድ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መናብርተ ጥበብ ናይ ኣስተንትኖን ዓውደ መጽናዕትን ዝክረ ነገር ኰይኑ ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፡ ዕለት 8 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ፒሳይ እተሰምየ ናይ ውስጠ-ሃማኖታት ናይ መጽናዕቲ ማእከልን ዘሰናደዎ ኣብ ዙርያ እቲ ሰነድ ዘስተንትን ዓውደ መጽናዕቲ ምክያዱ ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ሙራሊ ሓቢሮም፡ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ኣድናነ ሞክራኒን፡ ናይ ውስጠ ሃይማኖት ናይ ስመ ምርምር ማእከል ዋና ሓላፊ ኣባ ላውረንት ባዛነዘን ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣላዛቢ ብምዃን ነቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝመርሑ ኣባ ቫለንቲኖ ኰቲኒ ምዃኖም ገሊጾም።

ናይ ምሕላም መሰል

እቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ሰነድ ኣብ መንጐ እምነት ክርስትናን ሃይማኖት ምስልምናን ሓድሽ ናይ ርክብን ዘተን ኣድማስ ዘርህው እዩ፡ ምስ ካልኦት ሃማኖታት እውን፡ እቲ ሰነድ ጦቢያዊ / ዘይብጻሕ ኣብ ናይ ሓሳባውነት ደረጃ ዝተርፍ ዘይኰነስ ዕድልን ናይ ምሕላም መሰል ዳግም ዘስርጽ እዩ፡ ብፍላይ ኣብ መንእሰይ ወለዶ፡ ነዚ ዝበሉ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ጽሑፍ ዘቕረቡ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ቲዮሎጊያዊ መጽናዕቲ ሊቅ ኣድናነ ሞክራኒ ከምዝዀኑን ኣስዒቦም፡ መንእሰይ ወለዶ ናይ ለውጥን ተስፋ መጻእን መንቀሳቐስን ናይ ናጽነትን ስርዓት ደሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ናይ ምሉእ ዜግነታውነትን ጥልቂ ጽምኢ ዘለዎ ምዃኑ ምስቲ ሰብኣዊ ሕውነት ዝብል ሰነድ ኣተሓሒዞም ብሰፊ ከምዘብርሁ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ሙራሊ ኣስዒቦም፡

ሓባራዊ መንፈስ ሓላፍነት

እቶም ናይ ሃይማኖት ምስልምና ናይ ቲዮሎጊይ ሊቅ ሞክራኒ፡ እቲ ሰነድ ኣብ ኩሉ ፍጥረትን/ተፈጥሮን ዘሎ ቆስሞሳዊ ሕውነት ዘማእከለ ምዃኑን፡ ስለዚህ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን መላእ ሰብኣዊ ፍጥረትን ተፈጥሮን እንነብረሉ ዓለም ብዘይ ናይ ሓላፍነት ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ፍጥረት ንሓደጋ ዝተቓልዔ እዩ ዝኸውን፡ … እዚ ሰነድ ዝተወልደሉ እዋን ኣብ ዓለም ዝተፈላለየ ዓመጽን ግጭት ኣብ ዝረኣየሉ ግዜን ኩነትን ብምዃኑ ናይ መላእ ዘርኢ ሰብ ጽሕፍቶ እንኰ እዩ፡ ናተይ ጽሕፍቶ ካልእን ዝተፈልየን እዩ ምባል ኣይከኣልን፡ ስለዚህ ሓላፍነት ናይ ኵሉ ምዃኑ የብርሁ።

ናጽነትን  ብዙህነትን

ሞክራኒ እቲ ሰነድ ዝገልጾ ኣብ መንጐ ሃይማኖታዊ ብዙህነትን ፍልልያትን ህብረ ሕብርታቱን ስነ ጾታን ዓሌትን ቋንቋን ጥበባዊ ናይ መለኰታዊ ድላይ መግለጽታት እያቶም፡ እዚ ምስቲ ዕለት 3 ሚያዝያ 2019 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዘቕረበዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ነቲ ናይ ማእከላይ ዘመን ቲዮሎጊያን ስዒቡ ዝማዕለበ ኣፍቃዲ ፍቓድ ዝብል ዝጠቐስዎ ሓሳብ ከዘኻኽሩ እንከሎዋ፡ ኣባ ላውረንት ባዛነዘ ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ንፍለማ ግዜ ናይ ሃይማኖት ናጽነት በዚ ኣገባብ እዚ ኣብቲ ሰነድ ከምእተነጸረ የመላኽቱ፡

ሓድሽ ዓይነት ሰነድ

እቲ ቅዱስ ኣቦናን ዶክተር ኣል ጣይብን ብኽታትሞ ብሓባር ዘውጽኦ ሰነድ ብዓይነቱ ሓድሽን ፍሉይን እዩ፡ ብቐጥታ ኣብ መንጐ ዘተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ወይ ውስጠ ሃይማኖታዊ ዘተ እዩ ቢልካ ዝግለጽ ኣይኰነን፡ በንጻሩ ናይ ውስጠ ባህልታት ዘተ እዩ ብኣጽንዖት ዘተሓሳስብ፡ ኩሎም ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእመናንን ኢኣማንያንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ተራኺቦም ክዝትዩ ዝዕድም እዩ ከምዝበሉ ሙራሊ ሓቢሮም።

ናይ ምሕዝነት ዘተ

ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን በነዲክቶስ መበል 16 ክሳብ ሎሚ ዘሎ ኩሉ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ይብሉ ኣባ ባዛነዘ፡ ዘተ ምስ ዓለም ኪደታዊ ምዃኑ ተስተውዕልን ምስ ዓለምን ስልጣነን ኣብ ሓቅን ፍቕርን ጸኒዕካ ምዝታይ ዝብል ሓሳብ ከምዝማዕበለን ገሊጾም፡ እዚም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ፡ ኣብቲ ሰነድ ዘለናሉ ዘመን ዝብልን ከምኡ እውን ፍስሓን ተስፋን ዝብል ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ውሳኔታት ብጥልቀት ሰሪጹ ከምዝረኸበዎን ብዛዕባ ሕውነን ሓሴትን ጓህን ብሰፊ ዝዛረብ እዩ፡ ስለዚህ ተግባራውነት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘመላኽት ሰነድ እዩ ከምዝበሉ ሙራሊ ኣፍሊጦም።

ኣብ ጳጳሳዊ ግረጐሪያና መንበረ ጥበብ፥ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ሰብኣዊ ሕውነት ዘርእስቱ ናይ ስምምዕ ሰነድ

 

 

 

09 April 2019, 17:31