ድለ

2019.04.19 ዓርቢ ስቕለት 2019.04.19 ዓርቢ ስቕለት 

ዓርቢ ስቕለት ሚያዝያ 20 2011 (4/28/2019)

“እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ መልክዕን ውቃበን አይነበሮን፥ ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን ነበረ. . . ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ፆሮ፥ ንስቓይና ኸአ አብ ነፍሱ ጸዓኖ. . . . ንሱ ብሰንኪ ገበና ቆሰለ ብሰሪ አበሳና ድማ ተኸትከተ፥ ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ ንሕናውን ብስንብራቱ ሓወና. . . ናብቲ ዚቕተለሉ ቦታ ጎቲቶም ወሰድዎ እሞ ቀተልዎ. . . . ንብዙኃት ኬጽድቕ አበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺፀውር እዩ” (ኢሳ 52፡14፥ 53፡4-5, 8,11)

ተፈጸመ

ብድምጺ ንምክትታል!

ንባባት፡ ኢሳያስ  52፡13-53፡12፥  ዕብ 4፡14-5፡9፥  ዮሓ 19፡16-37

ሎሚ ምሉእ መዓልቲ ነቲ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ነፍሲ ወከፍና ኢሉ ዝተቐበሎ ስቓይን ስቕለትን ሞትን እናዘከርና አብ ልብና አቲና ነቲ አምላኽ ምእንቲ ድሕነትና ኢሉ ዘርአዮ ፍቕሪ ዘኪርና ንጽልን ንልምንን አሎና። ፍቕሪ ዘሳቒ እንተ ዘይኮነ ፍቕሪ አይኮነን ይብሃል። ክርስቶስ አብ መስቀል ተሰቒሉ ተሳቕዩ እዚ ብእምነትና መግለጺ ዓሚቕ ፍቕሪ ንብሎ ዝኾነ ፍቕሪ በዚ ክመዝን ይግባእ። አብ ግላውን ሓባራውን ሕይወትና ዋጋ ፍቕሪ ነቲ መሪር ጸገማት ብፍቕሪ ክንዛዝሞ ከሎና፥ ንኹሉ ዝወረደና ግፍዕን ውርደትን ምሒረ አሎኹ ኢልና ምስ ከአልና፥ ነቲ ብዘይ ሓንቲ በደል ስምና ዘዋረደ፥ ውርደትናን ስቓይናን ዝተመነየ አብ ክፍአት ተሸሚሙ ውድቀትና ሞትና ዝተመነየ ምሒርናን አፍቂርናን ምስ ከአልና ፍቕርና አስር ክርስቶስ ዝኽተል ኮይኑ ንረኽቦ።

አብ ወንጌል ዮሓንስ 19፡30 ኢየሱስ ንኹሉ ከምቲ ሰማያዊ አብኡ ዝደልዮ ምስ ገበረ “ተፈጸመ” ከም ዝበለ ነንብብ። ብሓንቲ ቃል ብግሪኽ “tetelestai” ብዝብል ተገሊጹ ንረኽቦ። ተፈጸመ ክብል እንከሎ እንታይ እዩ ዘስምዕ?

አብ ቅድስት ሃገር ብሊቃውንቲ አብ ዝተገብረ አርከሎጂካዊ ኩዕታ ሓደ መኽፈልቲ ቀረጽ ከም ቤት ጽሕፈት ዝጥቀሙሉ አብኡ ብዙሓት መዛግብን ብግዚኡ ዝነበረ አተሓሕዛ ገንዘብ ከመይ ከም ዝነበረ ዝገልጽ ረኺቦም። ክልተ ናይ ከፈልቲ ቀረጽ ዝርዝር ዝሓዘ መዛግብ ተረኺቡ አብታ ሓንቲ አብ ልዕሊአ “tetelestai” ዝብል ጽሑፍ ነሩ። እዚ ኸአ “ኵሉ ዝኸፈሉ” ማለት እዩ። እዚኦም ሰባት ወላ ሓንቲ አይእወዱን እዮም ኵሉ ዝኽፈል ከፊሎም ማለት እዩ። ኢየሱስ “ተፈጸመ” ክብል እንከሎ እንታይ እዩ እቲ ዝተፈጸመ? እቲ ብሰንኪ ኃጢአትና አምላኽ ዝእውደና ዕዳ እዩ ተኸፊሉ፥ ብምልኡ ተኸፊሉ።

አብ ርድኢት አይሁድ ኃጢአት ክኽፈል ዘለዎ ዕዳ እዩ። ኢየሱስ አብ ትምህርቱ ዝመሳሰል ቃላት ይጥቀም ነሩ ማለት ኃጢአት ዕዳ እዩ፥ ሕድገት/ምሕረት ከአ ናይ ዕዳ ሕድገት/ምሕረት እዩ። አብ ሓደ ዝሃቦ ምሳሌ ብዛዕባ ሓደ ብጎይትኡ ኵሉ ዕዳኡ ዝተሓድገሉ ግን ንብጻዩ ከምቲ ዝተማሕሮ ክምሕር ዘይክአለ ነጊሩ። እዚ ዝነግረና ብአምላኽ ምስ ተመሓርና ንሕና እውን ንኸማና ዝበለ ሓውናን/ሓፍትናን ክንምሕር ከም ዝግብአና ንምግላጽ  እዩ። አብ ዝመሃረና ጸሎት “በደልና ሕደገልና ንዝበደሉና በደሎም እምንቲ ክንሓድግ” እናበለ ምሂሩና። ኢየሱስ አብ ትምህርቱ ብዛዕባ ምስ አምላኽን ብጾትናን ዘሎና ርክብ ክገልጽ እንከሎ ፈሊጡ ቋንቋ ነገዶ/ሸቃጦ ይጥቀም። አብ መስቀል ክመውት እንከሎ “ተፈጸመ” ክብል እንከሎ ኵሉ ተኸፊሉ ማለቱ እዩ። ኃጢአትና ብምልኡ ተኃዲጉልና እዩ፥ ኩሉ “ተፈጺሙ” እዩ።

ስለዚ ነዚ ናይ መወዳእታ ሓሳብ ኢየሱስ ከመይ ኢልና መልሲ ንህበሉ? ክነስተውዕለሉ ወይ ክንዝክሮ ዘሎና “ኃጢአትኩም ክኅደገልኩም” እዩ ዝብል ተስፋ አይኮነን” ከምኡ ውዕሊ ዘለዎ “ኃጢአትኩም ክኅደገልኩም እዩ ከምዚ እንተ. . . .” ሓሳብ አይ ኮነን። እሞ ከመይ ናበልና ክንምልሶ ይግብአና? እንታይ ክንገብር አሎና? ሓንቲ ክንገብራ ዘሎና “አሜን ኢልና ከም ዝበልካዮ ይኹን ምባል ጥራሕ እዩ”። ክንገብሮ ዘሎና እዚ ኹሉ ዝገበርክዎ ኃጢአት ክበዱን ሳዕበኑ ብዘየገድስ ንአይ ጥራሕ ዝምልከት ከም ዝኾነ ክአምን አሎኒ። ኃጢአተይ ኵሉ መጠኑ ብዘየገድስ ተማሒረ ተሓዲግለይ እዩ። አነ ክገብሮ ዘሎኒ “ከመስግን የቐንየለይ ኢየሱሰይ” ምባል ጥራሕ እዩ። ምሉእ ሕይወትካ ንኢየሱስ በቲ ዝተገብረልካ ምምስጋን ክትምሃር ይግባእ። በዚ ምኽንያት እዩ ሰንበት ሰንበት ቤተ ክርስትያን እንኸይድ። ቤተ ክርስትያን እንኸይድ መስዋዕቲ ቅዳሴ ክነዕርግ ንሱ ኸአ “ምስጋና” “Eucharist” ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት ኢና ንኻልኦት ክነፍቅርን ሕያዎትን ክንከውን ዘሎና።

ኢየሱስ አብ መስቀል ዝለዓለ ፍቕሩን ሕያውነቱን ድሕሪ ዘርእየኒ ኮይኑ ከመይ ኢለ እሞ አነ አብ ንአሽቱ ነገራት አብ ዕለታዊ ሕይወተይ ንከማይ ዘመሰሉ ፍቕርን ሕያውነትን ዘየርኢ? በዚ ምኽንያት ኢና ብዝኾነ ምኽንያት ኃጢአት ካባና ክነርሕቖ ዘሎና። ኢየሱስ ንኹሉ ዕዳ ኃጢአተይ አብ ቅድሚ አምላኽ ክኸፍሎ ዝግብአኒ ድሕሪ ከፊሉለይ ኮይኑ አብ ካልእ ዕዳ ኃጢአት ዘኽይድ ምኽንያት የብለይን። ንክፍአት ንጥልመትን ክሕደትን ካባይ ከርሕቕ ዝክአለኒ ክገብር ይግብአኒ። ምእንታይ ዝተኸፍለ ውርደትን ስቓይን ሞትን ከሰክፈኒ ይግባእ። ሓንቲ ከምዘይተገብረለይ ኮይነ ክነብር አይግብአንን።

አብ ቅድሚ መስቀል ደው ኢልና ክንስተንትን እንተ ኸአልና ንኹሉ ዕዳ ኃጢአትና ዝኸፈለ ክንርኢ ክንክእል ኢና። መስቀል ዓቢ ትምህርቲ ዝሓቖፈ ወዲ አምላኽ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝአቶናሉ ዘዘኻኽር ስለ ዝኾነ ደጋጊምና ክንርእዮ ይግባእ። አብ ታሪኽ ክርስትና ጥቅምን ትርጉምን መስቀል ብዝያዳ ስለ ዝተረዳእና ዝለዓለ ክብርን ትርጉምን ንህቦ መሰረቱ ከአ አብቲ ክርስቶስ ዘርአየና እዩ። ንኹሉ ብመስቀል ንጀምሮን ንዓጽዎን። አብ ገዛውትና አብ ክሳድና አብ አልባሳትና ምልክት መስቀል ንገብር እዚ ኸአ ነቲ ብክርስቶስ ዝተገብረልና ክንምስክር ንማለት እዩ።

ቅ. ጳውሎስ “ንሕና ግና ነቲ ንአይሁድ ዕንቅፋት ንአሕዛብ ከአ ዕሽነት ዝኾነ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ አሎና” (1ቆሮ 1፡23) እናበለ ንስቕለት ክርስቶስ ምስባኽ ንአና ንክርስትያን ዓወት ከምዝኾነ ይገልጽ። ሰበኽቲ መስቀል ኢና ምኽንያቱ መስቀል ዓወት ሰላም ድሕነት ስለ ዘምጽአልና።

ካብ ኢሳያስ 52፡13-53፡12 ዘሎ እንተ አንበብና ዝበለጸ ትንቢት ብዛዕባ ስቓያት ክርስቶስ ነንብብ። ብዛዕባ ሕማማት ኢየሱስን ምእንቲ ኃጢአትና ከም ዝተሳቐየን ይነግር። “እቶም ህዝቢ ምስ ረአይዎ መልክዕን ውቃበን አይነበሮን፥ ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን ነበረ. . . ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ፆሮ፥ ንስቓይና ኸአ አብ ነፍሱ ጸዓኖ. . . . ንሱ ብሰንኪ ገበና ቆሰለ ብሰሪ አበሳና ድማ ተኸትከተ፥ ንሕና ሰላም ምእንቲ ክንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ ንሕናውን ብስንብራቱ ሓወና. . . ናብቲ ዚቕተለሉ ቦታ ጎቲቶም ወሰድዎ እሞ ቀተልዎ. . . . ንብዙኃት ኬጽድቕ አበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺፀውር እዩ” (ኢሳ 52፡14፥ 53፡4-5, 8,11) ዝብል ብንጹር ንኢየሱስ ዘመልክት ነንብብ።

ንስቓይን ስቕለት ክርስቶስ ከስተንትን ዝኸአለ አብ አምላኽ ክምለስ ጊዜ አይወስደሉን እዩ። The Passion of the Christ” እትብል ምርኢት ብ2004 ምስ ወጸት ብዙሓት ልቦም ተተንኪፎም። ሓደ ኖርወጃዊ ደጋፊ ናዚ ዝኾነ ብ1994ን 1995 አብ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ እናተገብረ ቦምባ ዝደርበየ ነዚአ ናይ ክርስቶስ ሕማማት እትገልጽ ምርኢት ምስ ረአየ ባዕሉ አብ ፖሊስ ቀሪቡ ንሱ ነቲ በደል ከም ዝገበረ ተአሚኑ። ከምኡ አብ መጋቢት 2004 አብ ተክሳስ አመሪካ ሓደ ንጓል 19 ዓመት ነፍሰ ጾር ዝቐተለ ነዛ ምርኢት ምስ ረአየ ባዕሉ ተናሲሑ። እዚ ኹሉ ዝሕብሮ ክርስቶስ ምእንታና ዝተቐበሎ ስቓይን ሞትን ስቕለትን ክንርኢ እንተ ኸአልና ክካብ ኃጢአትና ክንሳሕ አይ ከብደናን እዩ። መስቀል አብ ንስሓን ፍቕሪ አምላኽን እዩ ዝመርሓና።

ብዙሕ ጥቕስታት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ እንተ አንበብና ሓደ ብግሉጽ ዘዘኻኽሩና ሞት ኢየሱስ ንኃጢአት ከም እንሓድግ ዝገልጹ እዮም።

“ንሕና ብክርስቶስ ተኻፈልቲ ጽድቂ አምላኽ ምእንቲ ኽንከውን አምላኽ ነቲ ኃጢአት ዘይፈለጠ አብ ክንዳና ኃጢአተኛ ገበሮ” (2ቆሮ 5፡21)።

“ካብ ኃጢአት ርሒቕና ብጽድቂ ምእንቲ ክነብር ንሱ ባዕሉ ንኃጢአትና በቲ አብ መስቀል ዝተሸንከረ ሰብነቱ ጾሮ። ብቑስሉ ኢኹም ዝሓወኹም” (1ጴጥ 2፡24)።

“ክርስቶስ ሓንሳእ ንሓዋሩ ምእንቲ ኃጢአት ሞተ፥ ናብ አምላኽ ምእንቲ ከቕርበና ጻድቕ ከሎ ምእንቲ እቶም ኃጥአን ሞተ፥ ብሥጋ ሞተ ብመንፈስ ግና ሕያው ኮነ” (1ጴጥ 3፡18)።

ጳውሎስ ከምዝብሎ ክርስቶስ አባና ክነብር ኃጢአት ካባ ንሙት ማለት ንክርስቶስ ቅድም ሰሪዕና ቅዱስ ሕይወት ንንበር።

“ክርስቶስ ተሰቒሉ እዩ አነ ኸአ ምስኡ ተሰቒለ እየ፥ ደጊም ክርስቶስ እዩ አባይ ዝነብር ዘሎ እምበር አነ አይኮንኩን ዝነብር ዘሎኹ” (ገላ 2፡19-20)።

“እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸአ ነቲ ሰብአዊ ባህርዮም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም” (ገላ 5፡24)።

አብ ሕማማት ኢየሱስ ክነስተንትን እንከሎና አብ ንስሓ ኃጢአትና እዩ ዝመርሓና፥ ንኃጢአት ሕቔና ሂብና ካብ መስቀል ከም ሓደስቲ ሰባት ንጀምር።

ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ፆሮ ንስቓይና ኸአ አብ ነፍሱ ጸዓኖ. . . ንሱ ብሰሪ ገበና ቔሰለ ብሰሪ አበሳና ድማ ተኸትከተ ንሕና ሰላማ ምእንቲ ክንረክብ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ ንሕናው ብስምብራቱ ሓዌና” (ኢሳ 53፡4-6)።

አብዚ ዋጋ መስዋዕትና ዝተኸፍለላ ዕለት እምብአር ነቲ ዕዳና ኹሉ ብሕማሙን ስቕለቱን ሞትን ዝኸፈለልና ኢየሱስ ሎሚ ነፍሲ ወከፍና ከከብ ዘሎናዮ ዕዳ ኃጢአት ወጺእና ምስኡ ንኃጢአት ንሙት። ነቲ ንሱ ዝገበረልና አሚናን ተቐቢልናን ሕይወትና ሓዲስና ሕይወት አሕዋትና ንሓድስ።

ምስ ማርያም ጉዕዞ ቀራኖዮ ንተሓሓዞ እሞ አሰንይና ንበላ ሽዑ ንዕዳ ኃጢአትና ካብ እቲ ምእንታና ክብጆ እንከሎ አብ ሕቝፋ ዝተቐበለት ክተማልደልና እያ። ኦ ቀዳመይቲ ንጉዕዞ ቀራንዮ ዝተጎዓዝኪ አደና ሎሚ እውን ንጉዕዞ ሕይወትና ሓድስልና አብ ቅድስናን ሰላምን ክንአቱ እሞ ምሳኽን ምስ ወድኽን በዚ ብሩኽ ሶሙነ ሕማማት ብምሉእ ክንሳሕ እሞ ምስኡ ከም እንትንሥእ ግበርና።

ምእንታና አብ አምስቀል ዝሞተ ኢየሱስ ሎሚ እውን ከም ምሕረቱ እምበር ከም በደልና ከይከደና እናጸለና ብሩኽ ትንሣኤ ይገበረልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

26 April 2019, 12:38