ድለ

ዓርቢ ስቕለት፥ ናይ መስቀል ምስጢር ዓርቢ ስቕለት፥ ናይ መስቀል ምስጢር 

ዓርቢ ስቕለት፥ ናይ መስቀል ምስጢር

ንድሕነት መላእ ዘርኢ ሰብ እቲ ንወዱ እውነተይና ናይ ፋሲካ ገንሸል ገይሩ ክሳብ ሞት ኣሕሉፉ ዝህብ መዳርግቲ ዘይብሉ ናይ እግዚኣሔር ፍቕሪ እነስተንትነሉ ዕለት

ዓርቢ ስቕለት፥ ናይ ጽሞናን ኣስተንትኖን፥ ናይ ጐይታ ሕማማት ብጸሎተ ፍኖተ መስቀል ኣቢልና እነስተንትነሉ ዕለት እዩ፡ ምስ ኢየሱስ ኣብቲ ክሳብ ሞት ዘብጽሕ ስቓይን መከራን ሓቢርና ምስኡ እንጓዓዘሉ ዕለት እዩ፡ ሞት ናይ ሕይወት ድምዳመ ከምዘይኰነ ኣብቲ ምሟት ክርስቶስ ክብሰር እውን እዩ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሽዑ ንየሱስ ካብ ቀያፋ ናብ መጋባእያ ወሰድዎ፡ ንግሆ ድማ ነበረ። ንሳቶም ግና፡ ገንሸል ፋስጋ ምእንቲ ኺበልዑስ፡ ከይረኽሱ ናብ መጋባእያ (ቤተ መንግስቲ)  ኣይኣተዉን።  ስለዚ ጲላጦስ ናብኣቶም ወጺኡ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰብኣይ እዚ ዘሎኩም ክሲ እንታይ እዩ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ፥ እዚ ገባር ክፉእ እንተ ዘይከውንሲ፡ ናባኻ ኣይመሕለፍናዮን ኔርና፡ ኢሎም መለስሉ (ዮሓ. 8.28-30)

ኣብ ኵለን ናይ ላቲን ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን፡ ኣብ ዝፍጸሙ ስርዓተ ሊጡርጊያ መዝሙር ኣይህልውን፡ ጽሞና ጥራሕ፡ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣይዓርግን፡ ስለምንታይ ኵሉ ቦታን ግዜን ኣብ ናይ ኢየሱስ ሕማናትን ሞትን ዘማእከለ ስለ ዝኸውን፡ ኣብ ምድሪ ተደፊእካ ዝስገደሉ፡ ሓመድ ምዃንካ ዘዘኻኽር፡ ኣብ ናይ ኢየሱስ ሕማማት ብምስታፍ ስቅያቱ ተስተንትን፡ ናይ ሓዘን መዓልቲ ኣይኰነን፡ ንምድሓን መላእ ዘርኢ ሰብ እቲ ንወዱ እውነተይና ናይ ፋሲካ ገንሸል ገይሩ ክሳብ መስዋዕቲ ኣሕሉፉ ዝህብ እቲ መዳርግቲ ዘይብሉ ናይ እግዚኣሔር ፍቕሪ እነስተንትነሉ ዕለት እዩ።

ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ መስቀል ዘእግዚኣነ

መስቀል ኣብ ሕይወት ክርስቲያን ህልው እዩ፡ ካብቲ ካብ ኣዳም ሓጢኣት ካብ ዘንጽሕ ጸጋ ጥምቀትን ኣብ ናይ ንስሓ ምስጢርን፡ ክሳብ ኣብ መወዳእታ ሰዓት ካብ ምድራዊ ሕይወት ኣብ እንፍለየላ እንቕበሎ ምስጢረ ቀንዲልን፡ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ስለ ናይ ድሕነት ጸጋን ብመስቀል ኣቢሉ ስለ ዝተዓደለና ጸጋ ኵሉ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ መስቀል ኰይንና ነስተንትን፡ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ንመስቀል ነስተንትን፡ ንሳለሞን፡ በዚ ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ’ዚ ኣቢልና ናብ ናይ ጐይታ ስቓይን መከራን ንኣትው፡ ስለምንታይ ንሱ ንዅሉ ንምድሓን ቢሉ ምእንቲ ሕድገት ሓጢኣትን መስቀል ስለ ዝተሰከመ።

ኣብ ፍኖት ስቓይን መከራን ምስ ኢየሱስ

ዝካረ ፍኖተ መስቀል ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ካብ ልሙድ ስርዓተ ሊጡርጊያ ወጻኢ ዝዓርግ ጸሎት እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብፍላይ ኣብ ዓርቢ ስቕለት፡ ማሕበረ ክርስቲያን ብሓባር ምስ ኢየሱስ ናብቲ ናብ ዝተሰቐለሉ ጐልጐታ ኣብ ስቓዩን መከራኡን ሓቢርና ንጓዓዝ፡ ጸሎተ ፍኖተመስቀል ኣብ ኤውሮጳ ብዶመኒካዊ ኣባ ኣቫኦ ደ ዛሞራ በዓል ኮርዶባ ኣብ 1402 ዓ.ም. ዝተኣታተወን ደሓር ፍራቸስካውያንንእሱሳን  ኣሓው ዝሰፈሐን 14 ምዕራፍ ዘለዎን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ኢየሱስ መስቀል ተሰኪሙ ዝፈጸሞ ጉዕዞ ነስተንትን ንጽልን፡ …. እዚ መንፈሳውነት’ዚ ክሳብ ሰንበት ዘፋሲካ፡ ሕይወት ኣብ ልዕሊ ሞት ዓወት ዘበሰረሉ ትንሳኤ ክርስቶስ የሰንየና።

ዓርቢ ስቕለት፥ ናይ መስቀል ምስጢር
19 April 2019, 16:14