ድለ

ሰንበት ዘቅድስት ዘጾም ፵ መጋቢት 1- 2011 ዓ.ም. (3/10/2019)

መዝሙር፡ ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ. . . . ንእግዚአብሔር አገልግልዎ ስሙ ጸውዑ ተግባራቱ ነሕዛብ ንገርዎም ንስሙ ክብሪ ሃቡ። ንጽድቂ ተገዝኡ መዝገብኩም ነቐዝ አብ ዘየንቅዞ ሠራቒ አብ ዘይረኽቦ አብ ሰማይ ዕቖርዎ፥ ስንድዋት ኩኑ አብቲ ክርስቶስ ዘለዎ ንበሩ፥ ናይ ላዕሊ ሕሰቡ አብኡ መዝገብ ተዓቚርልና አሎ እሞ ንብጻይና ነፍቅር ርእስና ነትሕት ሰንበት ነኽብር”.
ብድምጺ ንምክትታል ኣብ’ዚ ጠውቑ!

ንባባት፡ ሮሜ 10:8-13፥ ያዕ 1፡13-22፥ ግ.ሓ.10፡7-30፥ ሉቃ 4:1-13  

ስብከት፡ “እግዚአብሔርሰ ሰማያት ገብረ፥ አሚን ወሰናይት ቅድሜሁ። ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት       ውስተ መቅደሱ” “እግዚአብሔር ግና ሰማያት ገብረ፥ ግርማን ክብርን ይኸቦ፥ መቕደሱ ኸአ ብኃይልን ጽባቐን ምሉእ እዩ” መዝ። 96፡5።

መዝሙር ሕይወትና ምስ አምላኽን ሰብን ክህልዎን ክሕዞን ዝግብኦ መገዲ የዘኻኽረና። ጉዳይ ሰማይ ተነቃፊ ብቐሊል ዘይመልክዑ ክነልብሶ ስለ እንኽእል ዓቢ ምስትውዓል ከም ዘድልየና የዘኻኽረና። ንአምላኽ ክነገልግል፥ ሰበኽቲ ወንጌል ክንከውን፥ አብ ሕይወትና ቅድስና ለቢስና ክነብር፥ ካብ ኩሉ ዝጓነፈና ፈተና በርቲዕና እምነትና ክነጽንዕ፥ ኵሉ ጊዜ ዕጡቓትን ስንድዋትን ኮና ሕይወትና ክንመርሕ፥ መወዳእታና ምስ አምላኽ ምንባር ምዃና ክነስተውዕል፥ ንብጻይና ከም ርእስና እናፍቀርና ክነብር፥ ብዕለተ ሰንበት አብ መአዲ ክርስቶስ ተሳተፍቲ ክንከውን ከም ዘሎና ዘዘኻክር ፍሉይ መዝሙር ኢና ዘሚርና።

አብ ጊዜ ጾም ፵ ፍሉይ ጸሎት አስተንትኖ ተጋድሎ ክንገብር ቤተ ክርስትያን ተዘኻኽረና። ጾም ፵ “ቅድስት” እውን ይብሃል እዩ። እንጅምሮ ዘሎና እዋን ናይ ንስሓን ዕርቅን ሕድገት ኃጢአትን እዩ፥ አብ አምላኽ ተመሊስና ፍቕሩን ጸግኡን ክነስተማቕር አብ መንጎና ንዘሎ ጸገም ምእንቲ አምላኽ ኢልና ክንሓድግ ከምኡ መገዲ አምላኽ ክንሕዝ ዝሕግዘና ቅዱስ እዋን እዩ። ጾምና ፍረ ክህልዎ ናይ ብሓቂ አብ ናይ ብሕታዊ ሕይወትና አቲና ነቲ ካብ አምላኽን ጸግኡን ፈልዩና ዘሎ አለሊና አብ ጻህያይ ኃጢአትና ክንአቱ እሞ ጸጸት ኃጢአትና ገርና እሙናት ደቂ ክርስቶስ ክንከውን ዝዕድምና ፍሉይ ናይ ጸጋን ምሕረትን ጊዜ እዩ እሞ ክንዕወት ንጽዋዕ አሎና።

አብዚ ሰንበት ዘቅድስት ቤተ ክርስትያን አብ ሕጊ ክርስቶስ ክነስተንትን ትደልየና። አብ ጽምዋ ልብና አቲና እንመርሖ ዘሎና ሕይወት ክንርኢ እሞ አብ ክርስቶስ ክንምለስ፥ ምስኡ አዛሚድና አብ ምሕላው ሕጊ ቤተ ክርስትያን እንገብሮ ጻዕሪ ክንግምግም ዝዕድም እዋን እዩ። ሕጊ ክርስቶስ መለኮታዊ ሕጊ እዩ፥ ንባህርያዊ ሕጊ ዝጻረር አይ ኮነንን፥ ነቶም ብምሉእ ዝቕበልዎን ብእኡ ሕይወቶም ዝመርሑ ልቦና ዝመልእን ሕይወት ዝህብ እዩ። ካብቲ አምላክ አባና ዘልኦ ፍቕሪ ዝምንጩ ኸአ እዩ፥ ስለዚ ንእኡ ምእዛዝ መሰረታዊ ምርጫ ንሕወትና ንሓጎስን እዩ። ሰብ ንሕጊ ክርስቶስ ከም መምዘኒ ሕይወቱ ገሩ እንተ ነበረ ሓንቲ ጸገም አይጓነፎን እዩ፥ ገለ ፈተና እንተ ገጠሞ እውን ከሸንፎ ይኽእል እዩ። ጸገም ዝስዕረና ንሕጊ አምላኽ ሓዲግና ባዕልና አብ ዘውጻእናዮ ሕጊ ጥራሕ ክንምራሕ ከሎና እዩ። ዓለምና ሎሚ ሰብ ብዝሰርሖ ሕጊ ጥራሕ ትምራሕ ስለ ዘላ ሳዕበናቱን ውጽኢቱን እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። ሃብታማትን ሓያላትን፥ መለኽትን ገዛእትን ጥራሕ ዝደልይዎ ሕጋ ገራ ትሕመስ አላ። መለክዒ ሓቂ አብ ክንዲ እቲ አምላኽ ዝሃበና ዝኸውን አብ ድላይ መራሕትን ገዛእትን ኮይኑ ነቲ አምላኽ ዝሃበና ሕጊ ሰባት ብዝደልይዎ ክትካእን ክጥምዘዝን ንርእዮ አሎና። ሓደ ካብዚ ግብሪ ሰዶምን ጎመራን እዩ። አብ ግዚኡ ንዝነበሩ ዘጥፍአ ኃጢአት ሎሚ እውን ይድገም ንርኢ አሎና፥ የቕልለልና ዘብል እዩ። ጊዜ ጾም ነዚ ክንሳሓሉን ክንጽጸተሉ ዘሎና ከቢድ ናይ እዋና ጸገም እዩ። አምላኽ ሰብአይ ምስ ሰበይቲ ሓደ ክኾኑ እምበር ካልእ አይፈጠረን እዚ ንሕጊ አምላኽ ዓው ኢልካ ምፍራስ ስለ ዝኾነ አብ ዓለም ከቢድ ጸገም ኮይኑ ንርእዮ አሎና፥ ብሓቂ ክንጽሊ ይግብአና።

ቅዱስ ጉዕዞ ጾም ተተሓሒዝናዮ አሎና፥ ቅዱስ ዘብሎ ናይ ቅድስና ናይ ጸሎትን ንስሓን ጊዜ እሞ መላእ ቤተ ክርስትያን ብሓንሳብ እትጉዓዘሉ ሓቢራ እትጽልየሉ እትጾሞሉን ናይ ምሕረት ስራሕ ዝግበረሉ ጊዜ ስለ ዝኾነ እዩ።

አብ ዘዳግም 30፡11-ፍ እንተ አንበብና ሙሴ ንህዝበ እስራኤል ቅድሚ ንሩባ ዮርዳኖስ ምስጋሮም፥ አብ ምድረ ተስፋ ቅድሚ ምእታዎም ንሱ ቅድሚ ምማቱ ዓቢ ለበዋ ከም ዘስምዖም ነንብብ። “ሎሚ ሕይወትን በረኸትን ሞትን ጥፍአትን አብ ቅድመኹም አንብረልኩም አሎኹ. . ንእግዚአብሔር አምላኽኩም ክተፍቅርዎ ብመገዲ ኸአ ኽትከዱ ትእዛዛቱን ሕግጋቱን ፍርድታቱን ድማ ኽትሕልዉ አነ እእዝዘኩም አሎኹ”። እዘን ቃላት እስራኤላውያን ዓቢ ውሳኔ ክገብሩ ንሓዲስ ቦትኦም ብሓዲስ ውዕሊ ምስ አምላኽ ክአትውዎ ተሓቲቶም። ነዚ ምስ እዚ እንጅምሮ ዘሎና ጾም ፵ ክንመሳስሎ ንኽእል። ጾም ጀሚርና አሎና አምላኽ ሎሚ እውን ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ ቃሉ ክንሕሉ፥ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ንአምላኽ ሰሚዕና ክንክእል፥ ሰናይ ግብሪ ክንገብር ይሓተና አሎ።

ካብ ነፍሲ ወከፍና ቅኑዕ መልሲ ይሓትት አሎ፥ “ሕይወትን ሞትን በረኸትን መርገምን አብ ቅድመኹም አንቢረልኩም ከም ዘሎኹ ሎሚ ሰማይን ምድርን ምስክረይ እዮም፥ እምብአርሲ ንስኻትኩምን ዘርእኹምን ብሕይወት ምእንቲ ኽትነብሩ ሕይወት ሕረዩ” ይብለና አሎ። ጾም አብ አምላኽ ክንምለስ መገዲ ዝጸረገልና ድኽመትና ርኢና ኃጢአትና ክንሳሕ ዝሕግዝ ቅዱስ ጊዜ እዩ። ውዓል ሕደር ዘድልዮ አይኮነን ንአምላኽ ክንሰምዕን ክንእዘዝን ጥራሕ እዩ ዘሎና።

ሙሴ ንህዝበ እግዚአብሔር ነቲ ኹሉ አምላኽ ዝገበረሎም ክርእዩ አትሪሩ ነጊርዎም። አምላኽ ሕይወቶም ቀይሮሎም ካብ ባርነት ነጻ አውጺእዎም፥ ጸባን ምዓርን እትህብ መሬት አውሪስዎም። ነዚ እንተ ዘከሩ ንአምላኾም እሙናት ከምዝኾኑ ነጊርዎም። ሰብ ዝዓሉ ነቲ ሰናይ ግብሪ አምላኽ ምስ ረስዐ እዩ። እሞ ሎሚ አብ ሕይወትና ዝሓለፈን ዘሎን ንርአ ነቲ አምላኽ ዝገበረልና ሰናይ ነገር ርኢና ንኽአል እሞ ሽዑ ጉዕዞ ጾምና ፍሉይ መቐረትን ትርጉምን ክህልዎ እዩ።

ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ነገር አብ ታሪኽ እስራኤል ካብ ባርነት ግብጺ ነጻ ምውጻ እዩ፥ እንተ ኾነ አብቲ ጉዕዞ እንተ ረአና እቲ አብ ጉዕዞ በረኻ ዝተጓነፎም ፈተናታት አብቲ ፈቃር አምላኾም እምነት ከም ዘጉድሉ ከም ዝገበሮም ንርኢ። ብአንጻሩ ወላ እኳ ንሶም ይዕለዉ አምላኽ ግን ስሙ አብ ዝጸውዑሉ ጊዜ ንዝገበርዎ ሓዲጉ ኩሉ ጊዜ ይሰምዖም ነሩ። ሎሚ እውን ንአይን ንአኻኩምን አብዛ ፈተና ጸበባ ዝመልአ ዓለምና ንኹሉ ብጸጋ አምላኽ ሰጊርና አብ ሰላምን ፍቕርን ሕድገትን ዝመልኦ ክንአቱ ብምሉእ እምነት ጾምና ንቐጽል።

ጾምና ምስቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ አብ በረኻ ንአርብዓ መዓልትን ለይትን ዝጾሞ ዝመሳሰል እዩ። ንኢየሱስ ነቲ ዝመጽእ ዝነበረ አገልግሎቱ ተልእኮኡ ምስንዳው እዩ ነሩ። ማቴዎስን ሉቃስን ከም ዝሕብሩና ድሕሪ አርብዓ መዓልቲ ጾም ድያብሎስ ሰለስተ ፈተና ከም ዘቕረበሉ ይነግሩና። አብዚ ክንርድኦ ዘሎና እዚ ፍጻሜ ቃል ንቓሉ ታሪኻዊ አቀራርባ ዝለበሰ ኮይኑ ክርአየና የብሉን ማለት ከምዚ ሰይጣን አብ ቅድሚ ኢየሱስ ደው ኢሉ ብቪድዮ ዝቕዳሕ አብ ተለቭዥን ዝርአ ገርና ክንወስዶ የብልናን። ሰይጣን ብዙሕ ጊዜ ከምዚ ዓይነት ዘተ ምስ ሰባት አየካይድን እዩ። ሰይጣን ፈተና እዩ ዘቕርበልና። ነዞም ናይ ኢየሱስ ሰለስተ ፈተናታት ከም ሓደ ድሕሪ ሓደ አብ ሓደ እዋን ዝተፈጸሙ ዘይኮነስ አብ ምሉእ ጊዜ ተልእኮኡ ከም ፈተና ኮይኖም ዝቐረቡ ገርና እንተ ረአናዮም ዝሓሸ እዩ። እዞም ሰለስተ ፈተናታት ሓደ ጊዜ ቀሪቦም ዝሓለፉ አይኮኑን ደጋጊሞም ዝተመልሱ እዮም። አብ ወንጌል ነዚ አብነታት ክኾኑና ዝኽእል ክንርኢ ንኽእል። ፈሪሳውያን ንሱ ካብ አምልኽ ከምዝኾነ ከረጋግጹ እስከ ተአምራት ክገብር እናበሉ ሓቲቶሞ (ማርቆስ 8፡11)። “አታ ንቤተ መቕደስ አፍሪስካ ብሠለስተ መዓልቲ እትሓንጽ እስከ ንርእስኻ አድኅን ወዲ አምላኽ እንተ ድአ ዃንካስ እስከ ካብ መስቀል ውረድ እናበሉ ይጸርፍዎ ነሮም” (ማቴ 27፡40)። ነቶም 5000 ዝጠመዩ ህዝቢ ማእለያ ብዘይብሉ መግቢ ምስ መገቦም እቶም ህዝቢ “እዚ ብሓቂ እቲ ናብ ዓለም ኪመጽእ ዘለዎ ነብይ እዩ በሉ፥ ኢየሱስ ድማ ብኃይሊ ኂዞም ኬንግስዎ ይመጹ ኸም ዘለዉ ፈሊጡ ከም ብሓዲሽ በይኑ ናብ እምባ አልገሰ” (ዮሓ 6፡14-15)። ነዚ አብ ግምት አእቲና አብ መዓልታዊ ሕይወትና እንተ ረኤና ከምቲ ናይ ኢየሱስ ዝተፈላለየ ካብ አምላኽ ዘርሕቕ ፈተናታት ክመጽኡና ይኽእሉ እዮም።

እቲ ዝቐረበ ፈተናታት ከምዚ እዩ ነሩ፡

እታ ቀዳመይቲ ፈተና “ነእማን አብ እንጌራ ምልዋጥ” ሳልሰይቲ ምስአ እትኸይድ “ካብ ዝባን ቤተ መቕደስ ዝለል” እየን ነረን። ከልትአን ንኢየሱስ ካብቲ ተልእክኡ ከውጽኦ እሞ አብ ርእሱ ጥራሕ ዘተኮረ ከም ሓደ ውሩይ ምርኢት ዝገብር ኮይኑ ክቕረብ እዩ አቕሪብሉ። እዚ ማለት “ንአይ ስዓበኒ አነ ዝዓበኹ እየ” እናበለ እዩ ፈቲንዎ። ካልአይቲ ፈተና “ንሰይጣን ከምልኾ እሞ ንሱ ሓይልን ሃብትን” ክህቦ። እዚ እውን ንኢየሱስ አጠፋፊኡ ካብቲ ሓቀኛ መገዲ ናይ ኩሎም ደቅሰብ ዝኾነ ካብ ፍቕርን አገልግሎት አምላኽን ካብ ተፈጥርኡን ከውጽኦ ዘቕረቦ እዩ። ካብቲ መንግስቲ ፍቕርን አገልግሎትን አውጺኡ አብ መንግስቲ መላኽን ንርእሱ ልዕሊ ኹሉ ገሩ ዝመርሕ ክመልሶ እዩ ደልዩ።

ቅዱስ ሉቃስ ን፪ን ፫ን ፈተነታት ምስቲ አብ ማቴዎስ ዘሎ እንተ ረኤናዮ ይገላብጦ እዚ ኸአ ንኢየሩሳሌም ከምቲ ናይ መወዳእታ ተልእኮኡ አብአ ዝተፈጸም ከምኡ ናይ እቲ ፈተና ቀንዲ ማእከል ከም ዝኾነት ክገልጽን ቤተ ክርስትያን አብአ ከም ዝጀመረት ክገልጽ ኢሉ እዩ።

እዚ አብ በረኻ አርብዓ መዓልቲ ሓንቲ ከይበልዐ ምጽንሑ ነቲ ሙሴ አብ ደብረ ሲና ዝገበሮ የዘኻኽረና። ሙሴ ድሕሪ አርብዓ መዓልቲ ንመልእኽቲ እግዚአብሔር አብ ሕጊ አስፊሩ አዊጁ ከምኡ ኢየሱስ እውን ድሕሪ ፈተንኡ አብ ቤተ መቕደስ ናዝሬት ተመሊሱ ናይ ተልእኮኡ ዓላማን እንታይነትን ገሊጹ (ሉቃ 4፡16-21)። አብቲ ኢየሱስ ነቲ ፈታኒ ዝሃቦ መልሲ እንተ ረኤና ኩሉ አብ ዘዳግም እንረኽቦም እዮም። እቲ ፈተነታት ዝቐረቦ ኩሉ ንእስራኤላውያን አብ ጉዕዞ በረኻ እንከለዉ ብተደጋጋሚ ዘውድቖም ዝነበረ እዩ። እቲ ፍልልይ እስራኤላውያን ወዲቖም ኢየሱስ ግን በቲ ዝቐረቦ ፈተና አይወደቐን።

  • እስራኤላውያን እኹል መግቢ ብዘይምንባሩ አግሮምሪሞም፥ ኢየሱስ ግን “ሰብ ብኹሉ ቃል አምላኽ እምበር ብእንጌራ ጥራሕ አይነብርን እዩ” እናበለ ተዛሪቡ።
  • እስራኤላውያን ብዙሕ ጊዜ አብ ካልኦት አማልኽቲ አሚኖም እዮም፥ ኢየሱስ ግን ነቲ ሓደ አምላኽ ጥራሕ ይአምን። “ንእግዚአብሔር አምላኽ ስገድ ንአኡ በይኑ ድማ አምልኽ”።
  • እስራኤል አብ ማሳሕን አብ መሪባን ንእግዚአብሔር ማይ ክህቦም ፈቲኖሞ፥ ኢየሲስ ግን ንእግዚአብሔር ካብ ምፍታን አብዩ “ንእግዚአብሔር አምላኽካ አይትፈታተኖ” እናበለ አብ አምላኹ አሚኑ።

አብ ኩሉ ኢየሱስ ዘርአዮ ንሱ አብ ኩሉ እሙን ከም ዝኾነ አብ አምላኽ ብእምነት ከም ዝጉዓዝን እሞ በዚ ተግባሩ ንሱ እቲ መስሕ ምዃኑ አመስኪሩ። እዞም ፈተናታት ናይ ብሓቂ ትርጉም ዘልኦም እዮም ምኽንያቱ እቲ መስሕ ካብ ሰማይ ኅብስቲ ከውርድ እዩ በዚ ኸአ ነቶም ዘይአምኑ ከእምኖም እዩ።

ዝበርትዐ ፈተና፡

ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ፈተና ክንሓስብ እንከሎና ብዛዕባ ስምዒት ፍትወት ሥጋ፥ ሓሶት ምዝራብ፥ ምቁጣዕ፥ ምሕማይ. . . . . ዝአመሰሉ ኢና እንሓስብ። እቲ ድንገታውን ዝበርትዐን ፈተናን ግን ሃብቲ ዓለም ምድላይ ብርእሱ እዩ። እዚ ማለት ኩሉ ልብኻ ቀልብኻ አብ ገንዘብን ሃብትን ገርካ ንኹሉ ብአኡ መልክዕ ምርአይ፥ ክብሪ ምድላይ ኩሉ አባኻ ከትኩር ምድላይ፥ ስልጣን ምርካብ እሞ ብአኡ ንሰባትን ነገራትን አብ ጥቅምኻ ምውዓል። ነገራት ምስ ሃብቲ ፥ ስልጣንን ክብርን ዝኸዱ ምድላይ።

እዚ ነገራት ድንገታዊ እዩ ምኽንያቱ ንሰባትን ንንዋትን ክብሮምን ጥቕሞምን አውሪድካ አብ ናይ ግሊ ጥቕምኻ ጥራሕ ክተውዕል ስለ ዝገብሩኻ ዓቢ ፈተና እዩ። ከምኡ ንሰባት አብ ውድድርን ጥቕሚ ርእስን ክወርዱ ስለ ገብሮም አብ ዓቢ ድንገት ህርፋንን ስሳዔን ንአይ ይጥዓመኒ የውርዶም። አብ ከምዚ ዝነገሶ ዓለም መላኽን ተመላኽን ድኻን ሃብታምን ኢሉ ንሰብ ይመቓቕሎ። ሳዕቤኑ ሃብቲ አብ ውሑዳት ሰባት ወሪዱ ዝበዝሐ አብ ድኽነትን ስእነትን ይወርድ። እዞም አብ ሃብትን ንብረትን ጥራሕ ዝጓየዩ ሰባት ካልእ ድንገት የምጽኡ ናቶም ስርዓት መስሪቶም ሕብረተ ሰብ በቲ ንሶም ዝሰርዕዎ ከምዝነብር ይገብሩ። እዞም ሰባት እዚኦም “እለከርሶሙ አምላኾሙ” ይብሃሉ።

ኢየሱስ ዝመስረቶ መንግስቲ ፍሉይ እዩ።

እቲ ኢየሱስ አብዚ ዓለም ክምስርቶ ዝመጸ መንግስቲ ፍሉይ ርኢቶን መገድን ዝሓዘ እዩ። እቲ ኢየሱስ ዘምጽኦ ሕግን መምርሒ ሕይወትን አብዚ እዋን ጾም ብፍሉይ ክነስተንትኖም ግቡእ እዩ። ብዙሓት ክርስትያን ድሕሪ ሃብቲ፥ ስልጣን፥ ክብሪ፥ ከም ካልኦት ክጓየዩ ይርአዩ እዮም። እዚ ግን ናይ ሓደ ክርስትያን መንፈስ አይኮነን እኳ ድአ ጸረ ክርስትና እዩ። ናይ ኢየሱስ መገዲ አይኮነን፥ ናይ እቲ ንሱ ዝመስረቶ መንግስቲ ዝኾዶ መንገዲ አይኮኑን፥ ናይ ሓደ ብሓቂ ምሉእ ሰብ ምሉእ ሓጎስ ዘምጽኡ ዝክተሎም አይኮኑን።

ንባባትና ዘዘኻኽሩና ክነስተንትን እሞ እንጉዓዞ ዘሎና ዓይነት መገድን እንነብሮ ዘሎና ሕይወት ዳግም ርኢና ክንክእል እሞ ነቲ ቀዳምነት ዝግብኦ ቀዳምነት ሂብና ቅዱስ ሕይወት ክንመርሕ።

ቅ. ጳውሎስ አብ ሮሜ 10፡11~13 “ብአኡ ዝአምን ዘበለ አይኃፍርን እዩ፥ አብኡ አብ መንጎ አይሁዳውያንን ግሪኻውያንን ሌላን ጉለላን የልቦን፥ ንሱ ናይ ኵሉ ጎይታ እዩ ነቶም ዚጽውዕዎ ኹሎም ድማ አበርኪቱ ዚህብ እዩ፥ ከመይ ስም እግዚአብሔር ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድኅን እዩ” እናበለ ናይ ሓደ ክርስትያን ዝጎዓዞ ሕይወትን መንነትን ይገልጸልና። አብ መንጎና ገለ ሰባት አብቲ አምላኽ ዝፈጠሮን ዝሃቦን ህያባት ንዋታውን ማሕበራውን መንፈሳውን ነገራት ንካልኦ ከየሳትፉ ዝዓግቱ ዓቢ ዕንቅፋት ዝኾኑ ስለ ዘለዉ ኩልና አብ ቅድሚ አምላኽ ሓደ ምዃና አሚና አብ ሓባራዊ ድሕነት ክንወፍር ይግባአና። ንሓውናን ሓፍትናን አፍደገ ሰማይ ከይንዓጽወሎም ምስውዓል የድልየና።

ዘይውዳእ ቃልሲ፡

አብ መወዳእታ ናይ ሎሚ ወንጌል “ሽዑ ዲያብሎስ ፈተናኡ ዘበለ ምስ ወድአ ንጊዜኡ ኃደጎ” ይብል። ኢየሱስ ምስ ድያብሎስ ዝነበሮ ውግእ ጌና ከም ዘይተወድኤ ንርኢ። አብ ሕይወቱ ደጋጊሙ ክቃለሶን ክፍትኖን ንርኢ ብፍላይ አብተን መወዳእታ ሰዓታት አብ ጌተሰማንን አብ ቀራንዮ አብ መስቀል ተንጠልጢሉ እንከሎን።

ልክዕ ንአና እውን ናይ ሰይጣን ፈተናን ቃልስን ጭሪሹ ካብ ምውዳቕና ደው አይብልን እዩ። ንአይ ይጥዓመኒ፥ ስስዕቲ፥ ቁጥዓ፥ ጽልኢ፥ ቅንኢን ሓሰዳን፥ ልዕሊ ኹሉ ናይ ህርፋን ድለት አብ ክንዲ ክትህብ ክትወስድ ጥራሕ ምድላይ፥ አብ ክንዲ ምግልጋል ክትቆጻጸር ጎይታ ክትከውን ጥራሕ ምድላይ ዕለት ዕለት ዘጥቅዑና ፈተናታት እዮም። ንሕናን ደቅናን ከይተረድአና አብ ናይ ውድድር ዓለም አቲና ንነብር አሎና። አብ ሕይወትና ክንዕወት እንተ ኾና ሰማይ ጠቀስ ገዛውቲ ብምስራሕን ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ እንተ አከብና አይኮነን፥ አብ ሓቅን ፍትሕን ፍቕርን እሞ አብቲ ናይ ኢየሱስ መልእኽቲ ተመስሪትና አብ ሕይወትና ሓቅን ምሉእ እምነትን አብ ግብሪ ፍቕሪን ሓልዮትን ምስ ምሉእ ነጻነትን ሰላምን ዘልኦ ሕብረተሰብ እንተ ፈጠርና እዩ።

እዚ እዩ ናይ ጾም ትርጉም ዓመት ዓመት እንገብሮ። አብ ዝሓለፈ ዓመታት ከይተዓወትና ሓሊፉና እንተ ኾነ ሎሚ ንተዓወት። እዚ እዋን ናይ ተሓድሶን ፍቕርን ሕድገትን ገርና ሕይወትና አብ ክርስቶስ ንምለሳ። ባዕሉ ክርስቶስ ብጸግኡ የሰንየና ጉዕዞ ጾምና ናብ ቅድስናን ፍቕርን ዝመርሕ ይግበረልና። ቅዱስ ጾም ንኹልና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ         

09 March 2019, 12:08